ኣኼባ ደገፍቲ ህግደፍን ሕቶታቶምን

2018-12-05 08:55:08 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2055 times

እቲ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኩነታት፡ ሃንደበት ዝተባህለ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ካልእ መልክዕ ምስ ሓዘ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ጉዳያት ተቐልቂሎም። ብዛዕባቲ ሓድሽ ምዕባለ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተላይ ብወገን ኤርትራ ክዝረቡ ዝግበኦም ዝነበሩ መግለጽታትን መብርህታትን ክቐርቡ ጸኒሖም። ብወገን ህግደፍ እቲ ዝያዳ ጐሊሁ ዝተራእየ ከምዛ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ምጽቃጥ ኮይኑ፡ ኢሳይያስ ግና ሓሓሊፉ እሞ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ ኣብ ዘይርጉእ ኣቀራርባ፡ ኣገራሚ ዘረባታት ክስንድው ጸኒሑ። ብፍላይ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣዋሳ ከይዱ ምስ ዓወነ “እዚ ለውጢዚ ሓድሽ ዘይኮነስ ዝነበረን ክንሰርሓሉ ጸኒሕና ዝተሓደሰን እዩ። መራሒ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ መጺኡ፡ ንሕና ድማ ክሳብ ኣዋሳ በጺሕና፡ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ሓላፍነት ምምጻኡ ከኣ ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ በጺሑ። ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምርካብና ዕድለኛታት ኢና። ድሕሪ ሕጂ ንሱ ንኹልና ክመርሓና ፈቓድ ሂበዮ ኣለኹ። ነዓይ ከይሓተተ ናብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራ፡ ኣስመራ ምጽዋዕ፡ ከረን ተሰነይን ኦሞሓጀርን ክኸይድ ይኽእል እዩ። ኣነ እውን ከምኡ ናብ ኢትዮጵያ እመጽእ” ዝበሎ ካብቲ ኣዝዩ ኣገራሚ ኣበሃህላታቱ ሓደ ነይሩ።

እቲ ምግራም ኣብ ኩሉ ሰማዕን ተዓዛብን ዝሓደረ ኮይኑ፡ ኣብ ደግፍቲ ህግደፍ ከም ዝገድድ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝተረፈስ መልክዑ ደኣ ይቀያየር እምበር ካብ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዝጽበዮ ጣቋ ስለ ዘይነበሮ። ወዮም ኢሳይያስ ከም ቀንዲ ተሓላቕን ተኸላኻልን ክብርን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ነቲ ብኻለኦት ዝበሃል ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ኣበሃህላ ክከላኸልስ ይትረፍ፡ ባዕሉ ጸራግ መንግዲ ከም ዝኾነ ምስተዓዘቡ ደንጽይዎም መሊሶም ካብ ኣፉ ክሰምዑ ተሃንጥዮም። ድሕሪ ነዊሕ ምዕጥጣይ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ከኣ “ደጊም ጉዳይ ልኡላውነትን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት፡ ሰላምና ክስምሙ ዝደልዩ እዮም” ክብል ብእዝኖ ሰሚዐምዎ።

ድሕሪዚ ሓሓሊፉ ኣብ ገለ ከባብታት ብወከልቲ መንግስቲ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ኣኼባታት ክካየድ ተዓዚብና። ኣብቲ ኣኼባታት ከምቲ ናይ ቀደም ብዝሒ ተሳተፍትን ጫውጫውን ከምዘየለ ርኢናዮ ኣሎና። ኣብቲ ኣኼባታት ብዙሓት ሕቶታት ቀሪቦም። ካብቶም ሕቶታት ቀዳምነት ዝሕዙ፡ ምስ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ዝምድና ቀጥዒ ምስ ምትሓሓዙ እዮም። ኣብዚ ኣኼባታት ደገፍቲ ህግደፍ ዳርጋ ክልተ ዓይነት ኮይኖም ከም ዘለዉ ምርዳእ ይከኣል። እቶም ሓደ ወገን ዳርጋ ሓቀኛ ኣካይዳ ህግደፍ ስለ ዘረድኡ ኣብ ምስማዕን ከንፈርካ ምርምጣጥን ዘድህቡን ፈውሲ ሕሜታ ዘጣቕዑን እዮም። እቶም ካሎት ከኣ ጌና ካብ ህግደፍ ዘይቀበጹ፡ ካብ ህግደፍ ናይ ሕቶታትና መልሲ ክንረክብ ኢና ኢሎም ዝትስፈዉ እዮም።

እቶም ንርእሶም ከይዓገቡ፡ ምስ ህግደፍ ምእንቲ ክነብሩ፡ ክሕተቱ እንከለዉ ዝምልሱ መራሕቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ዝጥቀምዎ ዝነበሩ ኣገባብ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ሃዲምካ ጓልነገር ምፍጣር እዩ። በዚ ንዘይተዓገሱ ሓተቲ ከኣ ክንድቲ ናይ ቀደምኳ እንተዘይኮነ ኣፈራሪሕካ ኣፎም ከተትሕዞም ምፍታን ካልእ ኣረጊት ሜላ ነይሩ። ኣብቲ ዝርካቡ መልስታቶም ጐሊሖም ካብ ዝረኣዩ፡ እቲ ልሙድ “ንመንግስትና ዝሓስበሉ ግዜ ንሃቦ” ዝብል መደንዘዚ ሓደ እዩ። ወዮ ትማሊ ዶብና ከይተጠረረ “ዘበት ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስ” ዝበሃል ዝነበረ ናይ ሓሶት ፈኸራ ተረሲዑ፡ “ዶብ ይተሓንጸጽ ኣይተሓንጸጽ መሬትና ናብ ዝኸደና የብሉን” ከኣ ካልእ መደንዘዚ መልሲ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ጌና ውሽጣዊ ጉዳያቱ ስለ ዘይወገነ ግዜ ክንህቦን ክንሕግዞን ኣለና” ዝብል እውን ከም መልሲ ይወሃብ። ሰማይ ዝሃገርኩም ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳያት ወጊኑስ ህግደፍ ንካለኦት ሓላዪ ኮይኑ ግዜ ክህብ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ “ኣብ ኤርትራ ደኣ ምውዳእስ ይተረፍ እንታይከ ዝተጀመረ ናይ ምውጋን ዕማም ኣልዩ እዩ ብጉዳይቲ ብዶ/ር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዜ ምርካብን ዘይምርካብን ንሻቐል?” ዝብል ሕቶ ምሕታት ኤርትራዊ ምዃን እምበር ደጋፊ ወይ ዘይደጋፊ ህግደፍ ምዃን ዘድሊ ኣይመስለናን።

እቲ ቀንዲ ቁምነር ካብዚ ህግደፍን መጋገርያታቱን ዘርእይዎ ዘለዉ ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ እንታይ ንርዳእ ዝብል እዩ። ብርኢቶይ ካብዚ ኩነታት እንዳ ህግደፍ እንርደኦ፡

1ይ፡ ኩሉቲ ክግልገለሉ ዝጸንሐ መሕብኢ መጋረጃታት እንዳተቐንጠጠ ሓቀኛ መንነቶ ይወጽእ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

2ይ፡ ህግደፍ ብዛዕባ ሓቀኛ ተንኮለኛ መደባቱ ካብ ህዝቢ ዝሓብኦ ከም ዘለዎን ሓሓሊፉ ግና ይመልቆ ከም ዘሎን የምልክት። እቲ ክሕባእ ዝድለ ዘሎ ተንኮል መጻኢ ዕድል ሃገርና ዝውስንን ነቲ ሰንሰለታዊ ምእንቲ ኤርትራ ዝተኸፍለ ናይ ደቃ መስዋእትነት ዘይውክልን ምዃኑ ዘገምት እዩ።

3ይ፡ እዚ ሕጂ ህግደፍ ፈትዩ ዘይኮነስ ምትሓዝ ኣብይዎ ዝወጽኦ ዘሎ ስምዒታት፡ ሓድሽ ዘይኮነስ ብመንጽር ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ ኩነታት ጥጡሕ ኣጋጣሚ ክጽበየሉ ዝጸንሐ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ውዲት ምዃኑ ምእማት ዘኽእል እዩ።

4ይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ነቶም ካብ ቀደሞም ህግደፍ በዓል ደሓን ከምዘይኮነ ኣሚኖም ክቃለሱ ዝጸንሑን ኣብዚ ጉጅለ እምነት ኣንቢሮም ክድግፍዎ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክምን ንወሳኒ ቃልሲ ዝዕድምን እዩ።

ስለዚ ዜርናዜርና ናብቲ “ናይ ኢሳይያስ ኣቕጣጫስ ንርእዮ ኣለና፡ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ናብ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኢና እንመጽእ። እዚ ዘለናዮ ግዜ ገለን ንህግደፍ ክንድግፍ ገለን ክንቃወም ዓቕምና በቲና መፍቶኡ ከይንኸውን ክንጥንቀቐሉ ዝግበና ወሳኒ ምዕራፍ እዩ። ኣንጻር ህግደፍ ንምዕዋት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘለና ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ናይ ግድን ኣብ ዙርያ ምድሓን ኤርትራን ህዝባን ክንዓስል ይግበኣና። ንህግደፍ ንደግፍ ንቃወም፡ ኣብ ምዕቃብ ኤርትራና ግና ኩልና ሓደ ኢና ዝብል እምነት ኣለና። ምስ ህግደፍ ተላሒግካ ንኤርትራ ምድሓን ከም ዘይከኣል ግና ባዕሉ ይነግረና ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 05 December 2018 09:58