ህግደፍ ለውጢ ዘይበቑሎ ምድረበዳ’ዩ

2018-11-30 09:49:53 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1955 times

ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዝርዝር ናይ ምትላል ስንክሳር፡ ቆሪጽካ እምበር ስሒብካ ከምዘይውዳእ ርኡይ እዩ። እቲ ጉጅለ ዝድህሰስ ሓቅን ልባዊ ህዝባዊ ሓልዮትን ስለ ዘየብሉ ቀንዲ ሓይሉ፡ መታለሊ ምህዞታትን ዘይትግበር መብጸዓታት ምብዛሕን እዩ። ህግደፍ ንጉዳይ ምትላልን ሓሶትን ብዝመስረቶም ዝተፈላለዩ ትካላት ብዙሓት ሓዳርካ ዘረስዑ ምህዞታት እንዳባዝሐ ክዝርግሕ ጸኒሑ። ህዝብና ምእንቲ ስኑ ነኺሱ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከየትክል ንሓንሳብ ኢሳይያስ ሞይቱ ኢሉ የውሪ እሞ እቲ ህዝቢ ነዚ ሓሶት ከኮማስዕ ዝተወሰነ ግዜ ይወስድ። ህግደፍ ከኣ ባዕሉ ምሂዙ ብዛዕባ ዝነዘሖ ሓሶት ኣዕሊልኩም ኢሉ ተገልቢጡ ህዝቢ የበሳብስ። ንሓንሳብ ነቲ ካብ እከይ ተግባራቱ ነቒሉ ዝግንፍል ተቓውሞ ዘይመልክዑ ሂቡ የዳህልለሉ። ንተበግሶ ጉጅለ 15 ምስ ክድዓት ሃገር ኣተሓሒዝዎ። ንተበግሶ በዓል ወዲ ዓሊ ከኣ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ህርድግ ኢሉ። ናይ ሓሶቱ ተቐባልነት እንዳሃሰሰ ዝመጽእ ዘሎ’ኳ እንተኾነ ገለ ወገናት ክሳብ ሕጂ ዝርዕምዎ ምዃኖም ከኣ ዘተሓሳስብ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ እነሆ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መእተዊ ሓድሽ ዓመት 2019 “ገለ ነገር ክገብር እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ፈቐዶ ጐደናታት ሸነን ይብል ኣሎ። እዚ ናይ ህግደፍ ምትላልን ጥልመትን ነቲ ቀደም ኣብ ድኳናት ዝስቀል ዝነበረ “ልቃሕ ጽባሕ” ዝብል ዘይትግበር ጥቕሲ የዘኻኽረካ። የዋህ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ንመዓልቲ ሰማእታትን ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራን ተጐዝጒዝካ ዝውረ ዝነበረ፡ እቲ ዕለት ምስ በጸሐ ዝርሰዓሉ ተመኩሮ ዘንጊዑ ሕጂ እውን ያኢ ይሳይያስ ንለውጢ ዝምልከት ከተንፍሰሉ ይጽበ ኣሎ። ለውጢ ንኢሳይያስ ጥፍኣቱ ምዃኑ ዘንጊዕካ ሕጂ’ውን ንሕማቕ ናብ ጽቡቕ ክልውጥ ምጽባዩ ብዙሕ ትርጉም ዝወሃቦ ኮይኑ፡ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ዘይምምሃር ዘመልክት እዩ። “ጤል ዘይትጣጥሞን ህግደፍ ቃል ዘይኣትወሉን የለን” እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ተግባር ግና ወይከ።

ብሓደሓደ ካብ ህግደፍ ዘይቀብጹ ወገናትና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ኢሳይያስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱስ መን ከም ዝኣሰሮም ከይተፈልጡ፡ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝገበሩ ግዳያት ረኺቡ። ድሕሪኡ ብመንን ስለምንታይን ከም ዝተኣስሩ ጸብጻብ ይቕረበለይ ኢሉ” እንዳበልካ ይውረ ኣሎ። ስለዚ ከምኡ ምባሉ እሱራት ናይ ምፍታሕ መደብ ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ ክብሉ ሰሚዐ። ሰማይ ንሃገርኩም ኣብ ኤርትራስ ኢሳይያስ ብዘይፈልጦ ዝተኣስረ ኣሎ ማለት ድዩ? ናቱ ናይ ቀረባ ሰብ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃስን ወናኒ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ምዃኑን ኣብኡ ዘለዉ እሱራት መን ከም ዝኣሰሮምን ኣይፈልጥን ማለት ድዩ? ኣብ ኤርትራ ኣሳሪኻን መእሰሪኻን ከይተፈለጠ ዝያዳ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕቡስ ምጽናሕከ ብሓቂ ኒሳይያስ ሓድሽ ኮይንዎ ማለት ድዩ? እምበርከ ኢሳይያስ እሱራት ዘይፈትሕስ ብዘይገበን ዝተታሕዙ እሱራት ምህላዎም ስለ ዘይፈልጥ ድዩ? ምናልባት እውን መን ይፈልጥ ኣባላት ጉጅለ 15 እውን ብመን ከም ዝተኣሰሩ ኣይፈልጥን ኢሉ ናብ ገሊኦም ይስልበጥ ይኸውን።

ኢሳይያስ ንጉዳይ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ግዱድ ዕስክርናን ዝምልከት ስጉምቲ ከም ዝወስድ ሃንቀው ዝብሉ እውን ሓያሎ እዮም። “ከምኡ እንተዘይገይሩ እሞ ንገብሮ ኣለና” ዝብሉ’ውን ትሰምዕ ኢኻ። እዚኣቶም እዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ናብ ዕብዳን ገጹ ዝገማገም ዘሎ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ሃዳሚ ቃለመጠይቕ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ክስምሙን ከበላሽዉን ዝደልዩ እዮም” ክብል እንከሎ ዘይተኸታተሉ እዮም። ብዘይካዚ ጉዳይ ምቁራጽ ግዱድ ዕስክርና ብዝምልከት ምስተላዕለ “ሕጂ እሞ 24 ሰዓት ዘይኮነስ 48 ሰዓት ክንሰርሓሉ ዝግበኣና እዩ” ብዝብል ኣገላልጻ ከም ዘቕበጾም ዝተረድኡ’ውን ኣይመስለንን።

እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ዘረደኣና፡ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ለውጢ ዘየብቑሎ ምድረበዳ ምዃኑ እዩ። እቲ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከም ዘድሊ ግና ዓይኑ ኣፍጢጡ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ ኣድላይ ዝኾነ ለውጢ ካብ ኢሳይስ ክመጽእ ማለት ዘበት ምዃኑ ከኣ በሪሁልና ኣሎ። ህግደፍ ለውጢ ዘየምጸኣሉ ምኽንያት ብሩህ እዩ። ንሱ ዝቕጽልን ዝርባሕን ኣብ ምፍርራርሕን ምጭቋንን ጥራይ ስለ ዝኾነ። ንሕና ለውጢ ክንደልን ምእንትኡ እንቃለሰሉን ምኽንያት ከኣ ንጹር እዩ። ምኽንያቱ ጭቑናት ኣንጻር ጭቆና ክቃለሱ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ። እዚ ዘረደኣና ከኣ ባህጊ ህዝብናን ድሌት ህግደፍን ቀጥታዊ ተጻራሪ ምዃኑ እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ራህዋና ካብ ኢድና ኢድ ደለይቲ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ መሰልዚ ካብ ምንጋጋ ህግደፍ መንዚዕካ ንምውሳድ ከኣ ናይ ግድን ዋጋ ዘኽፍል እዩ። እቶም ነዚ ዋጋ ዝኸፍሉ ከኣ ክልና እቶም ኣብ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ክስዕርር እንብህግን ምእንታኡ ንቃለስ ዘለናን ኢና።

ሎሚ ወያ ኣብ ዕጽዊ ገዛ ጅሆ ተታሒዛ ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን ድሕርዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጥዒ ዘየብሉ ሓድሽ ዝምድና ምእታዉ፡ ህዝቢ መዳጐኒ ከም ዝተኸፍተለን ከምቲ ደፊኡ ወጺኡ ንዝጸንሖ ደልሃመት ምስ ከባቢኡ የወዳድር ኣሎ። ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን እንተላይ ንገዛእ ርእሱ ጅሆ ሒዝዎም ከም ዝጸንሐ ተቓሊዑ እዩ። ህግደፍ ናቱ ድኽመት ናብ ካለኦት እንዳላገበ ክላገጽ ምስ ጸንሐ፡ እነሆ ሎሚ ገበጣ ዝጻወተሉ ጭንጫ ተወዲእዎ ኣሎ። ስለዚ ደጊም እቲ ጉዳይ ናትና እዩ እምበር ንሱስ ሕሩጩ ወዲኡ እዩ። ህግደፍ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣጉዶ ቀሊሱ፡ ምስቶም ስረሖም ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ኣሜሪካን ወያነን እንዳተጻረፈ ባዕሉ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዕብራንን ንድሕሪት ምትራፍን ኤርትራ መስካሪ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ካለኦት ህዝብታት ብመራሕቶም ክሕበኑ እንከለዉ ኤርትራውያን ግና ናይ ስጋ ግዲ ኮይንዎም ብባዶነት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓፍርሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተራኸቡሉ “ደጊም እዘን ሰለስተ ሃገራት ብሓደ መራሒ ክምረሓ እየን” ዝብል ሓሳብ ምስ ቀረበ፡ መራሒ ሶማሊያ “እዚ ብህዝቢ ዝውሰንዩ” ክብል እንከሎ ኢሳይያስ ግና ኣጽቂጡ። እዚ ሓደ ካብቲ ኢሳያስን ጉጅለኡን ብዝኸፈትዎ ኣፍደገ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ብኣሉታ ዝጸሉ ትንዕምንዕ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከምዚ ዓይነት መፈተኒ ኣእማን ዝድርብዩ ዘለዉ ከኣ፡ ኢሳይያስ ንክብሪ ኤርትራን ምእንተኣ ዝተሰውኡ ሓርበኛታትን ሸለል ይብሎም ከምዘሎ ስለ ዝገመቱ እዮም።

Last modified on Friday, 30 November 2018 10:52