ሰዲህኤን መሓዙት ውድባትን፡ ኣብ ክንድ’ቶም ኣብ ሊቢያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ምሕጽንታ ኣቕሪበን ኤርትራዊ ናይ ሓባር መዘክር

2018-09-12 07:10:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1866 times

ሰለስተ ኤርትራውያን ማሓዙትውድባት ብ10 መስከረም 2018 ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንድ ምሕጽንታ ኣቕሪበን። እዘን ውድባት ኣብ ምሕጽንታአን፡ እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ህይወት ናይቶም ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ነሃሰ ጀሚሩ ቀጻሊ ውግእ ዝካየደላ ዘሎ ሊብያዊት ከተማ ትሪፖሊ ተዓጊቶም ዘለዉ ኤርትራውያንን ካልኦትን ስደተኛታት ንምድሓን ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዐን።

EPDP and Sister Orgs Appeal to UNHCR to Save Refugee lives in Libya 1

 መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ዝተዘንግዑ ስደተኛታት ኣብ ሊቢያን ኒያምን ከምኡ’ውን ኒጀ

 

እዚ ናይ ሓባር ምሕጽንታ፡ ብሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ) መብዛሕትኦም ኣባላቱ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ፡ ብሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን እዩ ተዳልዩ ተላኢኹ።

እዚ ብቕዳሕ ናብ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ጉዳይ ሰብኣውነት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተላእከ መዘክር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ብጥይት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብስእነት መግብን መጽለልን እውን ይመውት ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

እቲ መዘክር ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኻውን ከባብያውን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ህይወት ንምድሓን ከምቲ ድሕሪ ተረኽቦ ህልቂት ላምፓዱዛ 3 ጥቅምቲ 2013 ሕብረት ኤውሮፓ ዝገበሮ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝግባእ ግዜ ምዃኑ ጸቒጡ ገሊጹ።

እዘን ሰለስተ ውድባት በቲ ገለ ወገናት ኣብ ኤርትራ “ለውጢ መጺኡ” ብዝብል ዝዝርግሕዎ ግጉይ ግምት እሞ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝቕበሉ ሃገራት ክኾልፍ ዝኽእል ሓበሬታ ዝሓደረን ቅሬታ ኣንጸባሪቐን። እቲ መዘክር ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ለውጢ ከም ዘይመጸን፡ እቲ ገበነኛን ዲክታተርን ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ንኡስ ጉጅለኡን ካብ ስልጣን ተወጊዱ ብዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክሳብ ዘይተተከአ ከምዘይረጋገጽን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።                         

Last modified on Wednesday, 12 September 2018 09:30