ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-09-12 06:57:07 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1777 times

ብዕለት 09.09.2018 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብኣቦ መንበሩ ዝተመርሐ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። 

ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳታት ኣዞም ዝስዕቡ ምንባሮም ተሓቢሩ።

1 – ሓበሬታታት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፍናን፡ ሃገርናን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን፤
2 – ገምጋም ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፤
3 – ገምጋም ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫን ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ኔሮም።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ'ውን ኣብቲ ኣኼባ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ቤ/ጽ ፖለቲካውን ውድባውን ሓላፊ ዝኮነ ብጻ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ተረኺቡ ኔሩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳና መግለጺ ክህብ ዕድል ስለ ዝተዋህቦ'ውን ግደ ሰልፍና ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምንቅስቓስ ሰልፊ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎን ብምግላጽ'ዩ ጀሚሩዎ። ኣብ መግለጺኡ፡ ሰልፍና ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ወጻኢ ብዙሕ ተገዳስነት ብምግባር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም፡ ንመንእሰያት ሕግታትን ባህልታትን ናይ ዘለዉዎ ሃገራት ክፈልጡን ክወሃሃዱን ነፍሶም ክመርሑን ክመሃሩን ከም ዘለዎም ምሕባርን፡ ኣብ መነባብሮኦም ንዘጓንፎም ጸገማት ምትሕግጋዝን ምኽርታት ምልጋስን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታትን'ውን ዘርዚሩ። ዕላማና ድማ ወጽዓ ኣጥፊእካ ሰላምን ፍትሕን ምራጋጽ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንረብሓ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ክኸውን ከም ዘለዎን ግሉጽነት ዘሰነዮ ክኸውንን፡ ንልኡላውነት ናይ ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱን፡ ነጻ ኤርትራ ኣውሒስካ ጥራሕ ኣብ ዝኾነ ስምምዕ ክእቶ ከም ዘለዎን ኣብሪሁ። ንሕና'ውን ከም ደለይቲ ፍትሒ መጠን ኣብ ኩሉ ውሽጣውን ዞባውን ኣህጉራውን ፍታሓት ክንሳተፍ ከም ዝግበኣና ገሊጹ። ሰላም ተፈታዊት ብምዃና፡ ንሰላም መዝሚዞም ንህዝብና ግሉጽ ብዘይኮነ መገዲ ብጓይላታት ዝተሰነየ ናይ ንደመርን ንፋቐርን ጭርሖታት ክጭርሑ ጥራሕ ኢና ንሰምዕ ዘሎና። ስለዚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ተኣኪብናን ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብጥንቃቐ ኣጽኒዕና ኣብ ሓድሽ ስትራተጂ ምእታው የድልየና ኣሎ። እቲ ናይ ምጥርናፍ ተቓውሞ ሓይልታት እማመና'ውን ተቢዕና ክንቅጽሎን፡ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ንተኣከብ ዜማ'ውን ኣብ ተግባር ክርአ ከም ዘለዎን'ውን ብሰፊሑ ገሊጹ።

ብጻይ ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ባይቶ ሰልፊ'ውን ውን ኣገዳስነት ፈስቲቫል ብምግላጽ፡ ዕላማ፡ ናይቲ ዓመት-ዓመት ሰልፍና ዘካይዶ ፈስቲቫል ንደቂ ሃገር ንሓድሕዶም ምርኻብን ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ንጥፈታት እነርእየሉን ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ንምዕዋት ድማ ኩሉ ኣባል ብጉልበቱ ብገንዘቡን ግዜኡን ብምውፋይ ከም ዘሰላሰሎን ገሊጹ። ኣብ ወብሳይታት ተለጢፉ ስለ ዘሎ እቶም ዘይወዓሉዎ'ውን ኣብኡ ክርእዩዎ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ፈስቲቫል እምበኣር ብዙሓት ዕዱማት ኣጋይሽ (ካብ 17 ዘርውሕዱ) መጺኦም ቃሎም ዘስምዑን ጽሑፍ ዝሰደዱን ነይሮም። ኩሉ ዝነበረ መግለጺታቶምን ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ሃገርናን ናይ ሓባር ኣተሓሳስባን ሚዛንን ከም ዝነበሮም'ውን ርኢና። ተኣኪብናን ሓቢርናን ምስራሕ ከም ዘድልየና ድማ ናይ ኩላቶም ሓባራዊ ቃል ኔሩ። ፕሮግራም ሰልፍና ድማ – ንልኡላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ስምምዓትን ልምዓትን ምዕባለን ክህሉ'ዩ ዘፍቅድ ብምባል ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ምምሕዳር ጨንፈር ሽማግለ ድማ ኣብቲ ሳልሳይ ኣጀንዳ ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑ ውዕሎ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ብዓይነቱ ዝበለጸ ምንባሩን፡ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ከም ዝተሳተፉዎን መደረታቶም ከም ዘቕረቡን፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ድማ እግለጽ ምንባሩን ኣብሪሁን ከመይ ከም ዝነበረን ገምጋሙ ኣቕሪቡን ። እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ድማ ካብቲ ዝጸንሖ ዝያዳ ቃልሱ ዘትርረሉን ዝወርሰሉን እዋን ምዃኑ ተርዲኡ ቃልሱ ከሕንን ጸዊዑ። ግደ መንእሰያት እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎን ነቲ ቃልሲ ክወርስዎን ተቢዖም ክቃለሱሉን ከምዘለዎም እውን ኣተባባዒ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝያዳ ኣበርቲዕና ክንቃለስን ነቲ ኣቦታት ዘጽንሑልና ቃልሲ ክንወርሶን ኣሎና ብምባል ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ'ውን

ቀጺሉ'ውን መንእሰይ ክብሮም፡ ነቲ ብውፉይ ብርሃነ ኣብርሀ ዝተወስደ ስጉምቲ ንኢዱ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኴንካ ክግበር ዘይከኣል ነገር እዩ ገይርዎ ዘሎ። እቲ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ድማ መቐጸልታ ናይቶም ንስልጣን ኢሳያስ ዝደፈሩ ምንባሩን፡ ካብ ትሕዝቶ መጽሓፍ፣ ልክዕ ነዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ዝሕብር ምዃኑን ገሊጹ።

ስለዚ ነዚ እናረኣና ኤርትራውነት ቀዳምነት ኢልና ክንሓብርን ቃልስና ከነበርትዕን ኣሎና ብምባል ተማሕጺኑ። መንእሰያት እምበኣር ዘሕዝን ታሪኽ ሒዝና ከይንጐዓዝ ንሕሰብ ብታሪኽ ከይንሕተት ብማለት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ሕቶታትን ርእይቶታትን ብምቕራብን ኣዕጋቢ መልስታት ድማ ተዋሂቡ፡፡ ገለ ካብቲ ርእይቶታት ድማ ቃልስና ኣብ ሓድነትን ተወፋይነትን ህዝብና እዩ ዝምርኰስ እምበር ካብ ወጻኢ ፍታሕ ክመጸና ክንጽበ የብልናን ዝብል ኔሩ። ኣኼባ ልክዕ ኣብ ሰዓቱ ብዝክረ-ስዉኣት ተደምዲሙ።

 

    

  

  

Last modified on Wednesday, 12 September 2018 09:10