ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ
2018-07-24 04:28:30 Written by Admin Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2804 timesብሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ናይ ምሉእ ኣባላት ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ካብ ሰለሰተ ሰዓት ንላዕሊ ዝወሰደ ኣኼባ፣ እኸበኛታት ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ኣስፊሖም ተመያይጦም። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታትውን ተሰማሚዖም፤
1. ሰላም ንኩሎም ህዝብታት ጠቃሚ ስለ ዝኾነ ብመትከል ንድግፎ
2. ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንጥቅሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ኣይኮነን፣ ኣብ ዝኾነ ውዕልውን ክኣቱ ኣይክእልን እዩ።
3. ዝኾነ ስምምዕ ንልዑላውነት ኤርትራ ዘኽበረ ምስዝኽውን ጥራሕ እዩ ቅቡል ዝኸውን
4. ሃገር ነድሕን ዝብል ኣምር ቀዳማይ ዕማምና ከምዝኾነ ነፍልጥ
5. ምስ ኩሎም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ዜጋታትን ሃገር ንምድሓን ክንስርሕ ኢና
ታሪኽ ስውኣትና ህያው እዩ
ክንዕወት ኢና