ምስምስ ናይ ዶብ ንኢሰያስ 17 ዓመታት ኣብ ምልኪ ኣጽኒሕዎ

2018-07-23 19:16:39 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2572 times

“ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ከምዝተባህለ፥ ባህሪ ኢሳያስ እታ ስልጣኑ ጥራሕ ኣይትተንከፍ እምበር ካልእ ዝግድሶ ኣይኮነን። ንስልጣኑ ክብል ግን ዝገላበጥ ባህሪ ኣለዎ። ቅድሚ ሎሚ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ወያኔ ተሻሪኹ ክሃርም እንከሎ ባድመ ንወያኔ ከም ጸበረኸት ኣሕሊፉ ሂቡዋ። ባዕሉ ብዘምጽኦ ሰበብ ድማ ምስ ወያኔ ኣብ ዝኸፍአ ወተሃደራዊ ጐንጺ ኣትዩ። እታ ዝዘረኣ ክፍኣት ከኣ ተመሊሳ ኣብ ርእሱ ደኣ ተጠምጠመት። ስለዚ “ሓልሓል እንከሎካ ጽሩይ መሬት፥ ሰናድር እንከሎካ ጽሩይ ብረት እንታይ ኣእተወካ ኣብ ሰንሰለት” ደኾን የምስሎ ይኸውን።?

ኢሰያስ ካብ ተሓኤ ክፍንጨል እንከሎ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ተሓኤ ዲሞክራሲያዊት ውድብ ኣይኮነትን ዝብል እዩ። ተሓኤ ክትጅምር እንከላ ብውሑዳት ምሁራትን ዝበዝሑ ሓረስቶትን ወተሃደራት ነበረን እያ ተመስሪታ። ይኹን እምበር ሳላ ትኩራት ተጋደልቲ ዝነበሩ ንተሓኤ ኣብ ናይ ሃገራውን ዲሞክራሲያውን ሰውራ ዝመጣጠን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክሳብ ምሕንጻጽ ኣብጺሖማ እዮም። በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ፋልማይ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መሪሕነት ዝተመርጸሉን ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝተሓንጸጸሉን ባይታ ወይ መድረኽ እዩ ነይሩ። ነቲ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ዲሞክራሲ ነጺጉ እዩ እምበኣር ኢሰያስ እታ ብዓንተብኡ ንተሓኤ እንተኸኣለ ብውሽጢ ኮይኑ ከበዅቡኻ እንተዘይከኣለ ከኣ ተፈንጪሉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክንጽላ ዝነበረ ተልእኾኡ። ስለዚ እቲ መስመር ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት እናዓኾኸ ክመጽእ ዝጸንሐ ሕቒኡ መሲሱ ናብ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ተበጊሱ።

ይኹን እምበር በቲ ተንኮሉ ንውሱን ኤርትራዊ ምሁር ኣካል ዲሞክራሲያዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከምዝቃለስን ኣብ ጎኑ ደው ከምዝብልን ገይሩ’ዩ። ኣብቲ እዋን እቲ በዚ ኣብ ዝተጠቕሰ ንኣእምሮ ኤርትራውያን ጸልዩ ኣንጻር ሃገራዊ ሓይሊ እውን ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። ስልጣን ምስ ሓዘ ከኣ ጸረ-ዲሞክራሲ ባህርያቱ ብዘቃልዕ “ንዲሞክራሲ ኣብ ሰማይ ከድኩም ድለይዋ” ኢሉና፡፥ ዲሞክራሲ ንኸይጥጥዕን ንከይትግበርን ህዝቢ ከይሓቶን ብማለት ውግኣት ከፊቱ። ግርም ምኽንያት ረኺቡ ድማ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተሓንጸጸ ኢትዮጵያ መሬትና ጎቢጣ እንከላ ብማለት ቅዋም ከየተግበረ ብሓይሊ ይጭቊን ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ሰላም ሕራይ ኢሉ ምቕባሉ ንኣእምሮ ደቂ ሰባት ክዘምት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሮ እኳ እነሆ ካብቶም መዳኽርቱን ደገፍቱን ሰላም ተረኺቡ እንዲዩ ሕጂ ዓድና ኣቲና ንህነጽ እንዳበሉ ንኣእምሮኦም የታልሉን ይጥብሩን ኣለዉ። እዚ ከምታ ፈለማ ናጽነት ዝተረኽበትላ ዕለት ሆሆሆ እናበለ ሳዕቤኑ ከይፈለጠ ኣጣቒዑን ሳዕስዑን እዩ። ኣበይ ኣለዉ ዝተረፉ ደቅና ኢሉ’ኳ ክሓትት ኣይሓሰቦን። ልክዕ እዩ ሰላም ፈጺሙ ኣይጽላእን እዩ፡ እንተወሓደ ህዝብና ቁሩብ ትንፋስ እኳ ይረክብ። ኮይኑ ግን ንመገዲ ሰላም ህድእ ኢልካ ብምኻድ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኩናት ዘእተወና ብኽንድሕነሉ ንኽእል ኣገባብ ክተሓዝ ኣለዎ። ደሓር ድማ ኢሰያስ ንሰላም እንድሕሪ ደጊፉ፥ እታ ሰላም ብውሽጢ ይኹን ብደገ ትጠልቦ ነገራት ብዙሕ ከምዘሎ ክርስዕ የብሉን። ምኽንያቱ ሰላም ክበሃል እንከሎ ኢትዮጵያ ነዚ ሰላም ኣብ ምንታይ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ረብሓ እያ ክትተሓሓዞ ምፍላጥ ኣድላይነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ተመሊሱ እንጥቀዓሉ ከይከውን ርግእ ኢልና ንነገራት ሓደ ብሓደ ክንመራመረሉን ክንጥቀመሉን ኣድላዪ እዩ።

ብውሽጢ እቲ ንሰላም ክኸልእ ዝጸንሐ ኢሉ ኢሰያስ ዘመኽንዮ ዝነበረ ድሕሪ ሕጂ ኣይክህሉን እዩ። ግን ከኣ እቲ ሰላም ኣብ ረብሓኡ ዘይውዕል እንተኾይኑ፡ ናይ ምብርዓኑ ኣንፈት ክህሉ ይከኣል እዩ። ብዝኾነ ግን እሱራት ክፈትሕ፥ ህዝቢ ከምድሌቱ ክነግድን ክንቀሳቐስን፥ ህዝቢ ሓሳባቱ ክገልጽን፥ ተኣጊደን ዝነበራ ጋዜጠታት ስርሐን ክጅምራን ምስዘይገብር ግን ሃገር ኣብ ዝገደደ ደልሃመት ከእትዋ ስለዝኽእል ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኢሰያስ ናይ ምምራሕ ብቕዓታቱ ናይ ዲክታቶርያ ብምዃኑ ከብቅዕ ኣለዎ። ግደ ሓቂ እታ “ጌም ኦቨር” ዝበላ ንኣኡ እያ ትግባእ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሐ ሰላም ኢሰያስ ወያኔ ካብ ስልጣን ምስ ኣልገሰ ዝሰማማዓሉ ዘሎ ምዃኑ እቲ ኣብ ሳዋ ዝበሎ፡ ”ናይ ወያኔ ኣሽካዕላል ኣብቂዑ እዩ “ጌም ኦቨር” ዝበሎ እኹል ምስክር እዩ። ነዚ ከም ምኽንያት ዝጥቀመሉ ዘሎ ድማ ስለምንታይ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሓሰምካዮ ሕራይ ኢልካ ተቐቢልካ ከይበሃል ዝመሃዞ ሽጣራ እዩ። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ዓሳ ነታ ትብላዕ እምበር ነታ እትሓንቆ ኣይርእያን” ዝብሃል ከይንኸውን እሞ ሎሚ’ውን ኣብ ዘይደለናዮ ከይንኣቱ ደጋጊምና ክንሓስብን ክነስተውዕልን የድሊ። ሰላም ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ስዒቡ ከይፈለጥናዮ ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ክንግራህ የብልናን። ምኽንያቱ ወዲ ሃገር ፍትሒ ስኢኑ ክስደድ፡ ጓና ድማ ብስም ወፍሪ ንመሬት ኤርትራ ክመልኣ ሳዕቤኑ ኣሉታዊ እዩ ክኸውን። ሎሚ ኢሰያስ ዘዝበለና ሰሚዒዕናን ተቐቢልናን ክንደግሞ ጽባሕ ኣብ ህጉም ክንኣቱ ምዃንና ኣይንረስዕ።

Last modified on Monday, 23 July 2018 21:21