መግለጺ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስቲዩ ኤውሮጳ: ምትእኽኻብ ደንሃግ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጻውዒት ንደንበ ተቓውሞን

2018-07-14 07:25:12 Written by  ደቂ ኣንስቲዩ ኤውሮጳ: ምትእኽኻብ ዘሄግ (ሆላንድ) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2540 times

ደቂ ኣንስቲዮ ኤርትራውን ምትእኽኻብ ደንሃግ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝክይድ ዘሎ ምዕብልናታት ዓሚቝ ገምጋም ኣካይድና ነዚ ኣወንታዊ ምዕብልናታት ኢትዮጵያ ኣመልኪትና እዚ ዝስዕብ ሚዛን ኣንቢርና::

ኣብ ኢትዮጵያ ከም ተግባራዊ መግለጺ ናይ`ዚ ሓዲሽ መድረኽ`ዚ ዝኸፈቶ ህጹጽ ታሪኻዊ ዕማማት ንምስልሳል ብመራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንውሻጣዊ ጸገማት ንምትህድዳእን ንምእላይን ቀዳምነት ብምሃብ ጽዑቅ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ጸሚዱ ይርከብ። ኣብ ጐድኒ`ዚ ውሽጣዊ ጽዑቅ ጻዕሪ፡ ነቲ ኣብ ዞባና ንማእለያ ዘይብሉ መዋእላት ተዋህሊሉ ዝጸንሔ ዘይቅሱን ኣተሃላልዋ ብምርግጋእ ሰናይ ድልየቱ ዘንጸባርቅ ጻወዒት ኣቕሪቡ:: ብፍላይ ድማ ነቲ ቅድሚ ክልተ መዋእል ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባረዐ ኣዕናዊ ናይ ዶብ ውግእን ዝፈጠሮ ኣይውግእ ኣይሰላም ኩነታት ብመሰረት ስምምዕ ኣልጅርስን ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብን ንምፍታሕ ቅሩብነቱ ኣዊጁ ብኣካል ኤርትራ ኣትዩ ከም ዝትፍራርመ ኣብ መርባብት ዜና ተቃሊሑ::

ህዝቢ ኤርትራ ሓለፋ ካልኦት ኣህዛብ ምእንቲ ሰላም ከቢድ መስዋእትን ሰማእታትን ዝኽፈለ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ንሰላም ኢዱ ዘርጊሑ ብሃንቀውታ`ዩ ዝቅበሎ። ስለዝኾነ ድማ ብርግጽ ነቲ ኣብ መንጐ ናይ ዶብ ጸገማትን ምርግጋእን ዝተናወሐ ዕማም ዘላቒ ሰላም ዘሎ ፍልልያት ኣጸቢቁ`ዩ ዝርዳእ። ጉዳይ ዶብ ብመሰረቱ እዚ ኩሉ ምድማይን ናዕብን ዘስዓበ ኣዕናዊ ውግእ ወጻኢ ካብ ምቁጽጻርን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባረዐ`ዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ክሊ`ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባሌታት ምናልባት ጉዳይ ዶብ ምፍታሕ ብዝዋሓደ ነቶም ኣብ ብስም ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣግልግሎት ኣብ ፈቀዶ ዕርድታት ዶብ ንሓደጋታት ተሳጢሖም ዝርከቡ መንእሰያት ናይ ምጥያስ ዕድል ክረኽቡ ይኽእሉ፡ ብተወሳኺ ኩሎም`ቶም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ዶብ ዝተኻየደ ውግእ ካብ መሬቶም ዝተዘናበሉን ዝተፈናቀሉ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሐሳረ-መከራ መዕርፎ ይግበረሉ ይኽወን ዝብል ትምኒትን እምነትን ምርኩስ ብምግባር ብትሪ ንድግፎ። እንተ ብዛዕባ ዘላቒ ስላም ዝምልከት ርእይቶናን መርገጽና ኣብዚ ዝስዕብ እምንቶ መሰረት ዝገበረ ምኻኑ ንገልጽ::

ዘላቒ ሰላም ብኣረዳድኣና ኣብ እስትራተጂ ዝተናወሐ መስርሕ ኣብ ክልተ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክማላእን ክረጋገጽን ዘለዎ ማሕበራውን ቁጣባውን ትሕተ-ቅርጻዊ ምዕብልና ከም ቅደመ-ኩነት ድኣ`ምበር ብውሳኔ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ሰርዓታት ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዕዞ መስርሕ ዘላቒ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክጅመር እንትድኣ ተደልዩ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክተኣታቶ ኣለዎ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ቅድመ ተደላይነት
ክማላእ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣሎና::

1. ኩሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልና እሱራትን ነጻ ምውጻእ

2. ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደው ይበል

3. ሰብእዊ መሰላት ምኽባር

4. ነጻ ፕረስ መራኸቢ ብዙሓን ሞያዊ ስርሖም ብነጻ ምክያድ

5. ጉዳይ ዶብ ንምፍታሕ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ምቅጻልን ዝምልከቶ ህዝቢ ምስታፍን

6. ፖለቲካዊ ሰልፋታትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራት ብነጻ ምንቅስቓስ

7. ስደተኛታት ኤርትራውያን ንሃገሮም ንክምለሱ ጻውዒትን ዘድሊ ምትሕባር ምግባር

8. ዓበይቲ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ንምዝታይ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ

9. ዝምድና ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባውን ኣህጉራውን ሃገራት ምሕዳስ

ስለዚ ኣብዚ ተሃዋሲ ወሳኒ መድረኽ`ዚ ተፈጢሩ ዝርከብ ኣገዳሲ ምዕባሌታት ኣብ ረብሓ ሃገርናን ህዝብና ምእንቲ ክውዕል፡ ካብዚ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ናይ ብማዕዶ ምዕዛብ መርገጽ ወጺእና፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ`ዚ ተረኽቦታትን ምዕባሌታትን ብምዃን ኣድማዒ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦና ንምዕማምን ናይ ኩሎም ሃገራውያን ሃይልታት ታሪኻዊ ሓልፍነት`ዩ። ስለዝኾነ ድማ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ኣውሮፓ ንርከብ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝርከብ ሓዲሽ ምዕባሌታት ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ጽላዋታትን ብዝምልከት ርእይቶናን መርገጽናን ዝንጽር ጽሑፍ ነቕርብ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ትሻዓተን ዓመታት ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ድሕሪ ህዝቢ ኤትራ ሃገራዊ ናጽነቱ ምርግጋጽ፡ ንሰብኣዊ መሳላት ዘየኽብር፡ ብፖለቲካዊ ብዙሕነት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይእምን ብቅዋም ዘይሰርሕ ኣብ ሕቆ ህዝብና ዝተጻዓነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ወጻዕን ግፍዓውን ኣስካሕኪ ኣተሃልዋ ሓለፋ ካልኦት ማሕበራዊ ሓይልታት ዝተሳቐናን ንሐሳረ-መከራ ዝተሳጣሕናን ኣካል ሕብረሰብና ምኻና ህያው ተርእዮ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ድቒኣንስትዮ ነቲ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ልምዓትን ዕብየትን ምዕብልናን ንኽልተ መዋእል ዝኣክል ዝገተአ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ኣብ ምርጋግእን ምፍታሕን ብፍላይ፡ ዝተናወሐ መስርሕ ዘላቒ ሰላም ኣፍ-ደገ ኣብ ዝኽፈት ሓዲሽ ተርእዮታት ዝለዓለ ረብሓታት ስለዘሎና ብትሪ ንድግፎ።

እንተኾነ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ዘላቒ ሰላምን ካልእ ናይ ዶብ ጸገማት ንምእላይ ዝካይድ ጻዕርታትን ዝምድና ክልቲኡ ሃገራት ንምሕዳስ ሓዲሽ መድረኽ ምኽፋት ውሕስነት ክህልዎ ዝኽእል ዕዙዝን ኣድማዕን ሱታፈ ዝሰፈሐ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራትን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምስዝህልዎዮ እዩ :: ነዚ ወሳኒ ረቋሒ`ዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኽውን ነተሓስስብን ንጽውዕን

 ካብዚ ሓቅታት`ዚ ብምብጋስ ኣብዚ ታሪኻዊ ወሳኒ መድራኻት ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ምእንቲ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፍና ክንቃለስ ንተፈጢሩ ዘሎ ምዕባሌታት ብሓባር ንምግጣምን ንምምካት ክንበቅዕ ሃገራዊ ዋዕላ ብህጹጽ ንምክያድ ንዕድም። ብተወሳኺ እዚ ጻዊዒትና'ዚ ኣብ ዝቀልጠፈ እዋን ክሳለጥ ኩልና እጃምና ክነልዕል ነተሓሳስብ።

እብ መውዳእታ ኩሎም እቶም ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክኽበርን ዲምክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምርግጋጽ ወትሩ ደገፍትናን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ሃገራትን ስልፍታትን በርገሳዊ ማሕበራትን ኣህጉራውን ዞባውን ሓይልታት ውልቀ-ሰባትን ብሓፈሻ፡ ከምኡውን ሓው ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስታትን ሰልፍታት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስቪካዊ ማሕበራት ኣብዚ ናይ ታሪኻዊ መቐይሮ መድረኽ ሓለፋ`ቲ ክግበረልና ዝጸነሐ ምሕዝነታዊ ደገፋት ብዝያዳ ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣቅሪብናዮ ዘሎና ናይ ሰላም ረቃሒታት ንምርግጋጽ ክተሓባበሩና ንጽውዕ::

ዓወት ንዲምክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዓወት ንምቅስቓስ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ

ዘልዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

Last modified on Saturday, 14 July 2018 10:59