ህዝቢ ኤርትራ መራሕት‘ምበር ገዛእትስ በዚሖምዎ‘ኳ

2018-05-24 19:59:53 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2526 times

ቀዳማይ ክፋል

ዮውሃና ንመበል 27 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ብዝምልከት ሓተታ አሰጋግረኩም። 

ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ መዘና ዘይርከቦ መሰናኽል ሰጊርና፡ ክጽወር ዘይክእል ጽንኩር ፈተነታት ተጸሚምናን ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ጀጋኑ ህይወት ከፊልና ዘምጻእናያ ብልጽቲ ህያብ ስውኣት፡ ንመላእ ህዝቢ ስለ ዝዀነት፡ ሓለፋን ልዕሊ ኩሉን ስለ ዝዀነት ብሓጎስን ደስታን ብምልኣትን ክትከብር ይግብኣ። እዚ ማለት ከኣ ኩልና ከም እንርድኦ፡ ናጽነት ምልክት ናይልዑላውነታ ዘረጋገጸት ሰንደቅ ዕላማ ከም ነጻ ሃገር ኣብ መዝገብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ምምዝጋብ ጥራሕ ዘይኰነትስ፡ ክብርን መለለይን ንዜጋታታ ኰይና፡ ንኩሎም እትሕለቕን እትሓቁፍን፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰል ወድሰብ ካብ ምሕላው ሓሊፋ፡ ደቅሰባት ብሰላም ወፊሮም ክኣትው ሰሪሖም ክምዕብልሉ ዝኽእል ጥጡሕ ዕድል ኣብኣ ዝተሰረተ ስለ ዝዀነ‘ዩ።

ሓንቲ ካብዚኣን ምስ እትጎድል ከኣ እቲ ዕላማ ተዓዊቱ ምባል ኣይክኣልን ጥራሕ ዘይኰነስ ጠንቂ ብሰላም ናይ ዘይምንባርን ምብትታንን‘ውን‘ዩ። እዛ ክሳብ ሎሚ ዘላ ናጽነት፡ ህዝብና ዝበሃጎን ዝተጸበዮን ዓለም‘ውን ተስፋ ዘንበረሉን ዘይቃዶን፡ ናይ ሕቘን ከብድን ዝፍልልዩ ኣተሃልልዋ እምበኣር፡ እዚ ዝፈጠሮ ምዃኑ ተስዓ ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰማምዓሉን፡ ኩነታት መነባብርኡ ኣብ ባይታን ዝምስክሮ ቅሉዕ ምስጢር እዩ። እዚ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ማሕበራውን ምጣኔ ሃብታውን ሃይማኖታውን ባህላውን ዝርምስ ሕሱም ህይወት እምበኣር፡ እንተስ ብግርህነት እንተስ ብዕሽነት ከም ብዓል ውሕጅ እናስሓቕናን እናኣጣቓዕናን ዝተቐብልናዮ መግዛእቲ ውጽኢት እዩ። ምኽንያቱ መንግእቲ፡ ሓያል ኣብ ልዕሊ ድኹማት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወይ ባዕሉ ኣብ ስልጣን ተቕሚጡ፡ ዝንኡን ረብሕኡን ንምዕባይ ብዘይግቡእ ክፍሊት ሓልዮትን ናይ‘ታ ዝገዝኣ ደቂ ሃገር እናመዝመዘ ዝነብር ጨቛኒ ስርዓት ስለ ዝዀነ። እዚ መስርሕ‘ዚ ኣበይ፡ መዓስ፡ ብከመይ ይትግበር ብመጽናዕትን ነዊሕ መስርሕን ዝካየድ ኰይኑ፡ እንተሰለጠ ነቶም ግዳይ ዝጠቅም መሲሉ ብምትላል እንተዘይሰለጠ ድማ ብዓመጽ ዝትግብር ሞያዊ ስራሕ ተንኰለኛታት እዩ።

ነታ ሃገር ተቘጻጺሩ ብክልተ እግሩ ምስ ረገጸ ግን እቲ ሕቡእ ገባቲ ባህሪኡ ቀሊዑ ንዜጋታት ታ‘ሃገር ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ዕዮ ጸሚዱ ብዘይረብሕ ደሞዝ ወይ ብኣገልግሎት ኣመኻንዩ እናስርሐ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ሃገር ዝግሕጥ ስሱዕን ሕልና ኣልቦን ስርዓት ኢዩ። ገዛኢ ብሕሱር ዋጋ ዘገልግልዎ ዓቕሚ ሰብ ምርካብ እምበር ኣብ ኩነታት ጥዕናን መነባብሮን ሞትን ምብትታንን ናይ ዘስርሖም ዝሓልን ዝግደስን መንፈስ ዘይተዓደለ ጨካን እዩ። እዚ ድንጋጸ ዘይብሉ ሕሱም መግዛእቲ ንመዋእል ክጽወር ስለ ዘይክኣል ግን፡ ብመጠን‘ቲ ክብደቱን ምረቱን ውህሉል ተመክሮ ዘበገሶ ቀባጽን ሰጋእ ዘይብልን ቆርራጽ ናይ ተቃውሞ ቃልሲ ይወልድ። እዚ ዓይነት ወጽዓ‘ዚ ንኩሎም ግዳያት ብማዕረ ስለ ዝልብልቦም ከኣ ብዘይካ ገለ ብቁሩብ ብዘይረብሕ ጠቕሚ ዝተዓስቡ ወይክኣ ነብሰ ፍትወት ዘጥቅዖም ነብሶም ገሊሎም ለውጢ ብካልኦት ክትመጸሎም ዝጽበዩ ሓቦ ዘይተዓደሎም ውሑዳት ገዲፍካ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ‘ቲ ቃልሲ ስለ ዝዓስል ቀልጢፉ ክዓብን ተቓሊሱ ክዕወትን ጊዜ ከም ዘይወስደሉ ታሪኽ ዝመስከሮን ዓለም ዘምዝገበቶን ስኑድ ሓቂ ኰይኑ፡ ዓወት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን ህያው ምስክር ኢዩ። እንተዀነ፡ ንማይ ዝበልካዮ ንበረድ ኣይኹን ከም ዝብልዎ ኣቦታትና፡ ወያ ብኽቡር መስዋእትን መሪር ቃልሲ ጅግና ህዝባን ዝተረጋገጸት ናጽነት፡ በቲ መውጽእ ሓራ ኰይኑ ሰውራ መሪሑ ንባዕዲ ዘልገሰ ትዕቢተኛ ጉጅለ ህ ግ ድ ፍ፡ ስለ ዝተጠልመ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰንደቕ ዕላምኡ ኣብ ወሊዱ ዘይልእከላ ደቂሱ ዘይሓድረላ ብመልክዕ ሲኦል ኣብ ዝግለጽ ሕልሉፍ ናይ ባርነት ህይወት ተሸሚሙ እንብር ኣሎ።

እዚ ብዘይሃገራዊ ቅዋም ክሳብ ሎሚ ዝገዝእ ዘሎ ትምክሕተኛ ስርዓት ብዝፈጠሮ ጠንቂ ኸኣ‘ዩ መንእሰይ ወለዶ ተስፋ ቘሪጹ ሃገሩ ጠንጢኑ ምውትዶ ካብ ሞት ይፈርሕ እናበለ ንስደት ብምምራሕ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳታትን ቀላያትን ብምህላቕ ዓለም ዘዛረበት ኣብነት ስቃይን ሕሰምን ሃገር ከም እትኸውን ጌርዋ ዘሎ። እዚ ንሃገር ዝኣክል‘ሞ ንክንድዚ ዓመታትስ ይትረፍ ንናይ ሓንቲ መዓልቲ መርዓን ሕጸን‘ኳ ብሕጊ ዝሰርሕ ፍትሐኛ ህዝቢ ኤርትራ ን27 ዓመታት ብዘይሃገራዊ ቅዋም [ሕጊ) ክመሓደር ከሎ ካብ ምስድማም ሓሊፉ ምሽክዕላል‘ ውን እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ‘ዩ፡ መሉእ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንባዕዳውያን ዝጸራረገ ሓያል ቅልጽሙን ዘይጽዓድ ዓቕሙን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህ ግ ድ ፍ ዳግማይ ከልዕልን ከምዚ ዝኣመሰለ ፉንፉን ስርዓት ብዘይደግስ ዓወት ከረጋግጽ ዝህልዎ። እዚ ሕልሉፍ ክብረትን ምእዙዝነትን ህዝብና ሰርኒቕዎ ንመንገዲ ጥፍኣት ዝመረጸ ትዕቢተኛ ስርዓት ንህዝቢ ዘታልለሎም ከረጺት ጸንቂቑ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ኣትዩ ምሉእ መሓውራት ስለያኡ ኣዋፊሩ ንጹሃት ደቂ ሃገር ብምእሳር ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዓጽረሞታዊ ፋሕተርተር ምባሉ ምልክት ናይ‘ቲ ኩሎም ገዛእቲ ድሮ ስዕረቶም ዝገብርዎ ልሙድ መስርሕ ስለ ዝዀነ ዘገርም ኣይኰነን። እቲ ዘገርምስ ክሳብ ሎሚ እንታይ ጌርና ንብሕጅኸ እንታይ ተማሂርናን ብምግምጋም ንዝጽበየና ዘሎ ዕማም ንምስልሳል፡ ህዝብና መራሒ እምበር ገዛኢ ከም ዘየድልዮ ተመዂርና ለውጢ ከነምጽእ ዘይምኽኣልና እዩ።

ሕጅ ውን ስቓይ ህዝብና ብዘይምልጋስ ስርዓት ህ ግ ድ ፍ ክረጋገጽ ስለ ዘይክእል ከም ነዚ ጉሒላ ስርዓት ኣቃቢጽና ኣብ ዑናታቱ ምሉእ ናጽነት ህዝባ ዘውሓሰት ፍትሓዊትን ዲሞክራሲዊትን ኩሉ ዝኸብረላን ብሰላም ዝነብረላን ብምሉእ ህዝባን ብልዑል ወንን ብድምቀት እትኸብርን ባዕልና ብዝመረጽናዮ ኣካል እትምራሕ ነጻ ሃገር ምርግጋጽ እዩ ዝፍወስ።
ኣብዚ ክንበጽሕ ግን ክሳብ ሎሚ ዝኸድናዮ መንገድን ዝዓንቀፉና መሰናኽላትን እንተርኢና፡ ውጽኢቶም ወግሐጸብሐ ምፍልላይን ምብዛሕ ዘይተድላይ ውዳብታትን ሕድሕድ ምክሳስን ምጽልላምን ዘይምትእምማንን ኰታ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘይሕግዝ ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ‘ዩ ዘርእየና። እዚ ኣተሃላልዋ‘ዚ ድማ ህዝብና ብተግባር ኣለኹ ዝብሎ መድሕን ስኢኑ ከቢድ ኣርዑት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ ግ ድ ፍ ተሰኪሙ ንብዓት ዓይኑ ንውሽጡ እናውሓጠ እናሰምዐ ጸማም፡ እናርኣየ ዕዉር እናፈለጠ በሃም ተመሲሉ ክፉእን ጽቡቕን ምፍላይ ተጸጊሙ ይነብር ምህላዉ ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ። ይኹን‘ምበር ሓሓሊፎም ዝኽሰቱ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳትን ብብዝሒ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ምጽንባርን ዝርኤ ዘሎ መስርሕ ነቲ ስርዓት ዘየደቀሰ ጉዳይ ብኣወንታ ንደለይቲ ለውጢ ክግለጹ ዝኽእሉ ተርእዮታት የለዉን ማለት ኣይከነን።

ነዚ በብዝመስሎ መልክዕ ዝተኣካኸብ ዘሎ ውደባታት ተቓውሞ ኣብ ሓደ ናይ ሃገር ምድሓን ቀዳምነት ዕላማ ዝገበረ ንኩሉ ዘሳትፍ ሰፊሕ መቃለሲ ባይታ ኣዋዲድካ ምሉእ ዓቕምኻ ጸሚድካ ምስራሕ እምብኣር መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ እዩ። እንተ‘ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፕሎቲካዊ ማበራዊ ሃይሞኖታዊ መበቈላዊ ኣወዳድባን ራእይን ንናጽነት ሃገርን ሓደነት ህዝባን ክሳብ ዝዀነ መሰል ወደብቱ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሰፊሕ ናይ ሓሳባት መማረጺ ዕድል ዘአንግድ‘ውን ስለ ዝኸውን ብኣሉታዊ ዓይኒ ጥራሕ ምርኣዩ እንተዘይተመርጸ ይሐይሸ።

ሎሚ እምብኣር ነዛ እናተሻቐልና እንጽንብላ ዘሎና መበል 27 ዓመት ክብርቲ መዓልቲ ናጽነት ከመይ መጺኣ እንታይ ሰጊርናን ክንደይ ክፊልናን ኣብ ሕሉፍ ተመሊስካ ኣብ ክንዲ ምትንታን ንታሪኽ ገዲፍና፡ ነዛ ብመወዳድርቲ ዘይብሉ ጽንዓትን ጅግንነትን መስዋእትን ዝመጸት ናጽነት ብከመይ ንረብሓ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ንምግልጋል ትበቅዕ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ይግባእ።
ምኽንያቱ ህዝብና ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣብ ክጻወሮ ዘይክእል ደረጃ ሕሰም ወዲቑ ህጹጽ መድሕን ዘማዕድወሉ እዋን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይ ምድሓኑ ቀዳመይቲ መድሃኒት ስለ ዝዀነት ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ፖለቲካዊ ፍልልያቶም ንድሕሪ ምልጋስ ስርዓት ህ ግ ድ ፍ ኣወንዚፎም ኩሉ ዓቕሞም ብሓደ ጸሚዶም ክሰርሑን ዕድመ ጭቈና ንምሕጻር ከቀላጥፉ መሪሕ ግደ ክጻወቱ ኪዳኖም ዝኣትዉላ ጽንብል ናጽነት ክትከውን ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ስዕረትን ዕንወትን ንጨቈንቲ ስርዓታት።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ሃገረ ጀርመን 20 05 2017

                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                          

Last modified on Thursday, 24 May 2018 22:17