ዜና ምስዮት ድራር ውጉኣት ሓርነት

2018-05-24 06:32:32 Written by  ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2066 times

ኣብ ከተማ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዝቅመጣ ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማንኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመንን ዝዳሎ ድራር ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ንዕለት 19-05-2018 ክግበር ተዓዲሙ ብዝነበረ መሰረት፣ ኣብዕለቱን ሰዓቱን ኣብ ምዱብ ቦትኡን ተገይሩስ ዕዉት ኰይኑ ምውጽኡ ንኩሎም ልግስን ሓልዮትን ርህራሄን ተገዳስነት ኣብ ጽጉማት ዜጋታቶምን ንዘርኣዩን ዘርኣያን ክንሕብር ንፈቱ።

ኣብዚ ዕድመ እዚ ብርክት ዝበሉ፡ ዕዱማት ኣሓትን ኣሕዋትን ክሳተፉ ከለዉ፡ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00 ሰዓት ዝወሰደ ናይ ድራር ምስዮት ካብ ፊቱ ፍትፍቱ ከም ዝበሃል ብተፈላለየ ሃናጺን፣ ፍቕርን ዝመንጨዎ ዋዛ ምስ ቁምነገር ዝሓዘ ምስዮት ከም ዝነበረ ደጊምና ንገልጽ።

በተን ወርትግ ዘይሕለላን ዘይደኽማን ገዱሳት ኣሓትን፣ ኣባላት ማሕበርን ተዳልዩ ዝቐረበ ዝተፈላለየ ምኡዝ ዓይነት መግብታት ዕድመኛታት ንምድላዋተንን ጽጉማት ዜጋታት ንምሓዝ ንዘርእይኦ ቅሩብነትን ሓደ ብሓደ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።

ከምቲ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ዝብሎ መዝገብካ ኣብ ዘለዎ ልብኻውን ኣብኡ ኣሎ ከም ዝብሃል፡ እቲ ለጋስን ርሕሩሕን ባህርያቶም ወርትግ ከም ወሓዚ ማይ ዝፈስስ ኣስትዋጽኦ ተሳተፍቲ ምስዮትን ናይቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳተፉ ዘይካኣሉ ግን ከኣ ግዲኦም ኣብቲ ማዕልቲቲ ዘይዘንግዑን ኣሕዋት ተደሚሩ ድማ ክሳብ 1,080.00 -ኤውሮ (ሓደ ሽሕን ሰማንያን ኤውሮ ) ጥረ ገንዘብ ስለዘበርከቱ በዚ ኣጋጣሚ ኣመስጊና ንኣመስገንቲ ክንህቦም ንደሊ።                                                                            

ኣብ ርእሲዚ እቶም ብስራሕ ምኽንያት ኣብዚ ምስዮት እዚ ብኣካል ክካፈሉ ዘይጠዓሞምን ክሕብሩ እውን ዘይካኣሉን ዕዱማት ድማ ቅዱስ ኣስተዋጽእኦም ብባንክ ይልእኩ ምህላዎም ንገልጽ።

   ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

     ሃገረ ጀርመን ፍራንክፈርት

Last modified on Thursday, 24 May 2018 08:56