ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

2018-05-21 09:52:05 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1984 times

“ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ።” እዚ ጭረሖ እዚ ወርትግ ክቡር እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እነሆ ኩልና ኤርትራውያን መደረና ኮነ ጽሑፍና ክንዛዝም እንከለና ነዘውትሮ። ምኽንያቱ ብስም ክቡር ህይወቶም፡ ንመሰልን ናጽነትን ህዝቢ ብዘወፈዩ ወገናትና ዝጭራሕ ስለ ዝኾነ። እዚ ጭረሖ ንመጻኢ እውን ህያውን ዘይሃስስን እዩ። ኣብ ፍሉይ ከም “ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ” ኣብ ዝኣመሰለ ኣጋጣምታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ በብዕለቱ ከም ጸሎት ከነድምጾን ክንደግሞን ዝግበኣና ምዃኑ’ውን ዘዳዲ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ቅነ ዝኽሪ መበል 27 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክቃላሕ እንከሎ ከኣ ፍሉይ ትርጉምን እዋናውነትን ከምዝህልዎ ውሁብ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ሎሚ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገሩ ምስተረጋገጸ ቀደም ኣብ ግዜ ገድሊ እውን ሓደ ኣካል ካብ ሕጋዊ ቀይዲ ክወጽእ እንከሎ “ዝባን ስዉኣት ከምዚ ከይትገብር” ምስ በልክዮ ፍዩኽ ዝብል ኣይነበረን። እዚ ከኣ እዚ ጭረሖ ኣዝዩ ዓሚቕ መግለጺ ክብሪ ንስዉኣት ምንባሩን ምዃኑን ዘረድእ እዩ። ሕጂ እውን እቲ ዕምቆት ናይዚ ሓረግ ኣብ ሕልና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ሕልና ናይቶም ቅድም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ናይ ሎሚ ህግዲፍ ኣሎ ድዩ የለን ግና ኣፍካ መሊእካ እትምልሶ ሕቶ ኣይኮነን። ንህልዊ ኤርትራዊ ኩለመዳያዊ ባይታ እንተዳህሲስና ግና እዚ ጭረሖ ብስም እምበር ብተግባርስ ከም ዝቐምሰለ ብብዙሕ መርተዖታት ክረጋገጽ ዝኽእል እዩ። ቃልስና ከኣ ነዚ ዝቐምሰለ ክብሪ ህይወት ምስኳዕ እዩ።

“መንዮም እቶም ብስሞም “ዝኽርን ክብርን” ጠቒስና እንምሕለሎም ስዉኣት?” ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። እቲ መልሲ ከኣ ከከም መላሲኡ ይፈላለ ይኸውን። ጉጅለ ህግደፍ ስሱዕ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ረዚን ክብሪ ዝወሃቦም ሰማእታት፡ ተጋደልትን ደገፍትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንዝነበሩ ጥራይ ገይሩ እንተወሰዶ፡ በቲ ሓደ ወገን ስሱዕ ስሱዕ ስለ ዝኾነ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሸፋጢ ስለ ዝኾነ ዘገርም ኣይኮነን። ስሰዐ ኣብ ንብረትን ስልጣንን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ናብ ታሪኽ እውን ዝልሑኽ እዩ። ብእምንቶና እዚ ክብርን ዝኽርን ሰማእታት ንኹሎም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ቃልሲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባት፡ ኣብ በረኻን ከተማን ኣብ ዓውዲ ውግኣትን ሲቪላዊ ምንቅስቓሳትን ንዝወደቑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ዝወሃብ ክብርን መጐስን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሓሓሊፉ ንኽብሪ እዞም ሰማእታት ዘርክስ ስምዒታት ክቀላቐል ምርኣይ ከኣ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ንህሉዋት ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ገለ ኣጋጣምታት፡ እንተላይ ኣብ እንዳ ህግዲፍ “ስጋ ስዉኣት” ወይ “ብስም ስዉኣት” ዝብል ማሕላ ይዝውተር እዩ። ማሕላ ከቢድ እዩ። ኣቶም ስም ስዉኣት እነልዕልከ ክሳብ ክንደይ ንባህግን ሕድርን ሰማእታት ነኽብር ኣለና ነፍሲ ወከፍና ምስ ሕልናና ክንላዘበሉ ዝግበኣና ዓሚቕ ሓላፍነት እዩ። ብእምንቶይ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ናብ ናጽነት ዝተኻየድ ግጥምያታት፡ ደረጃ ስፍሓቱ ካብ ሓደ ውግእ ናብቲ ካልእ ክፈላለ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ብመንጽርዚ ንስርሒት ኣፍዓበት እንህቦ ትርጉም ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ እንተኾነ እዚ ፍሉይ ውጽኢት እኩብ ድምር ዓወታት፡ ተጐርባ፡ ተስነይ፡ ዓሊ ግዲር፡ ኣቑርደት፡ ከረን፡ ደቀምሓረ፡ ናቕፋ መንደፈራ፡ ምጽዋዕ፡ ዓዲ ዃላ፡ ሽዕብ፡ መረብ፡ ቆሓይንን ካለኦትን እምበር ሃንደበት ካብ ሰማይ ዝነጠበ ዓወት ኣይነበረን። ነዚ ሓቂዚ ንሕና እንተከሓድናዮ ወይ ሓደ ትሕቲ እቲ ካልእ ክንሰርዕ እንተፈተና፡ እዘን ዝተጠቕሳ ሰፋሕቲ ውግኣት ዝተኻየደለን ዕድለኛታት ዓውድታት እውን ኣፍ ኣውጺአን ባዕለን ዝምስክራ እየን።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዘን ንኣብነት ዝተጠቕሳ ዓውዲ ውግኣትን ካለኦትን ጅግንነት ክፍጸም እንከሎ እቶም ተዓወትን ሰማእታታትን ብዙሓት እዮም። “መላኣ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” እንተንብል ከኣ ነቲ ኣገላልጻ ምልኣት ይህቦ። ሓቂ እዩ እቲ ብረት ዓጢቑ ንጸላኢ ዘጨንቕ ዝነበረ ተጋዳላይ ግደኡ መሪሕ እዩ ነይሩ። እዚ በሊሕ ጫፍ ናይቲ ግጥም በይኑ ክዕወት ከምዘይክእል ይፍለለጥ ስለ ዝነበረ፡ መተካእታ ዘይነበሮ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ደገፍ ካብ ምጽዋዕ ዓዲ ኣይወዓለን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይኮነንዶ ተጸዊዑ ከይተጸውዐ እውን ታሪኽ ዘይርሰዖ ብበበይኑ ኣገባብ ዝግለጽ መልሲ ሂብሉ እዩ።

ኣብቲ ናጽነት ንምውሓስ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ፡ ሓይልታት መግዛእቲ እቲ ኣብ ሰውራ ዘሎ ብረት ዝዓጠቐ ተጋዳላይ በይኑ ከምዘይኮነ ምስ ተረድኡ፡ ከምቲ “ዓሳ ከተጥፍእ ባሕሪ ኣንጽፍ” ዝበሃል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰውራኡ ጠቕሊሉ ምእንቲ ክርሕቅ ንዝፈራራሕ ኣፈራሪሖም እዮም። ንዘይተጻዕደ ከኣ ጨፍጪፎም እዮም። ናይዚ ሓለገት ክሳብ ሕጂ’ውን ኣይሃሰሰን። መግዛእታዊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ነቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጨኪኑ “ሰውራ ወይ ሞት” ዝብለሉ ዝነበረ ማዕበል ክገትኦ ከምዝይክእል ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብኣንጻሩ እቲ ስርዓት ከምቲ “ገረብ ብሓኽላ” ዝበሃል ንህዝብና ኣብ ሕድሕዱ ከናቑቶ ፈቲኑ እዩ። ኣንጻር ከምዚ ዓይነት ውዲታት ህይወቶም ዝሃቡ ኤርትራውያን ከኣ ኣካል ናይቶም ንዝኽሮምን ንክብረቶምን እነስተንትነሎም ጀጋኑ እዮም።

“ሳዕስዕሞ ሳዕስዕ ሓዳርካ ኣይትረስዕ” ከም ዝበሃል፡ ሕጂ’ውን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዕማም፡ ስዉኣት ብምምጓስን ብምዝካርን ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። “ክብርን ዝኽርን ሰማእታትና ብኸመይ እዩ ዝግለጽ? ተተግቢሩ ዶኸ?” ኢልና ክንሓትት ግድን እዩ። እዚ ሕቶ ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ’ውን ዝምጥን እዩ። ምእቲ እዛ ለዋህን በዓልቲ ረዚን ታሪኽን ኤርትራ ዝሓለፉ ሰማእታትና ክንዝክር እንከለና፡ ንድሕሪት ምምላስ ንቡር ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ነዚ ዝኽሪ ናብ ህልዊ ኩነታትና ምምጻኡን ብኣኡ ደረጃ ምምዛኑን እዩ። ሎሚ ሰማእታትና ክንዝክርን ከነኽብርን እንከለና ዘሕጉሰናን ዘሕብነናን’ኳ እንተኾነ፡ ሕድሮም ኣኽቢርና ራህዋ ከነንግስ ዘይምብቃዕና ከኣ ክንሓብኦ እንተደለና’ውን ዘይሕባእ ድኽመትና እዩ። ኣብ ከምዚ ሕጂ ቅነ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት፡ ናጽነት ንምውሓስ ዝሓለፉ ሰማእታት ክንዝክር እንከለና ዓጽሞም ይወግኣና ቃሎም ከኣ ይወቕሰና ከምዘሎ ከቶ ክንዝግዕ ኣይግበኣናን። ምኽንያቱ ብሰንኪ ዓንቃጺ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ባህጎም ከነውሕስ ስለ ዘይበቓዕና። ስለዚ፡ እዚ ዘለናሉ ኣጋጣሚ ዝኽርን ክብርን ሰማእታትና ከነጽንዕ ቃል እንኣትወሉ እዩ።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ንዛረብ ከነስምዕ!

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Monday, 21 May 2018 11:55