ብተንኮላት ህግደፍ ዘይምህማል

2018-05-16 21:30:44 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1863 times

ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኩሉ ዝሰርዖ ንኹሉ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ኣበርክቶታት ጐዓጺጽካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ብሩህ እዩ። ነዚ ጠላም ሕልሙ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ዘይቅዱስ ተንኮላት ከም ዝምህዝ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ደለይቲ ራህዋን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ብሩህ እዩ። ብሕገመንግስቲ ዘይምምራሕ፡ ኩሉ መሰላት ምዕፋን፡ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ምእሳርን ኣሲርካ ናብ ፍትሒ ዘይምቕራብን፡ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ ዘገድድ ዘይርጉእ ኩነታት ምፍጣር፡ ብዘይዕጉስ ኣገባብ ምስ ናይ ርሑቕን ቀረባን መንግስታት ምትንዃል ኩሎም ኣብ ስልጣን ንቕጻል ከግልገለሎ ዝመሃዞ ተንኮላት እዮም።

ስርዓት ህግደፍ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ተንኮላት ስለ ዘይኣኸሎ  ከም ቀንዲ ዋሕስ ኣብ ስልጣን መቐጸሊ ከገልግሎ ኢሉ ዝምህዞ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ጀሚሩ ምትእምማን ከምዘይፍጠር ምግባር እዩ። ማለት ዝኾነ ምኽንያት ፈጢርካ ህዝቢ ከም ዝረሓሓቕን መፍቶ “ከፋፊልካ ግዛእ” ከም ዝኸውንን ምግባርን ቀንዲ ገጽ ናይቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ተንኮል እዩ። እቲ መንግስቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ባዕሉ ዝዛረብ ስለ ዝኾነ ክሓብኦ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ነዚ ንምሽፋን ዝጥቀሞ ተንኮል ንኤርትራን ምስቲ ካብኣ ዝኸፈአ ኩነታት እንዳወዳደረና ናይ “በዓል ሃገር እገለ ዘይትርእዩ” መዝሙር ምዝማር እዩ። ንበዓል ዒራቕ፡ ሱርያ፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን እንዳዘርዘረ “ዓድና ደኣ ሰላም እንድያ ዘላ” ዝብሉ መዳኸርቲ የዋፍር። ብቋንቋ ህግደፍ ሰላምን ምርግጋእን ተዂሲ ብዘይምስማዕ እዩ ዝግለጽ። ግደ ሓቂ ግና ትርጉም ሰላም ካብኡ ዝዓሞቐን ዝረቐቐን እዩ።

እቲ ስርዓትሲ ደሓን፡ ነቶም ኤርትራ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ እንከላ ምስተን ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ደረጃ ዘለዋ ሃገራት ኣወዳዲሮም “ኤርትራ ዓድና ጽቡቕ ኣላ” ዝብሉ ወገናት፡ “ምስተን ብደሞክራስያዊ ጸጋአን ትጥቀሙ ዘለኹም ሃገራት ኣወዳዲርካኸ ኣብ ከመይ ደረጃ ትሰርዕዋ?” ኢልካ እንተትሓቶም መልሶም እንታይ ከም ዝኸውን ፍሉጥ ኣይኮነን። ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ዘሎ ዘይርጉእ ዝምድና ከኣ እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ዝጥቀምሉ መህደምን መሕብእን እዩ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ኩነታትን ምስ ካለኦት ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ኣብ ሕድሕዶም ከም ዝጸላለዉ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ነናቶም ፋይልን ኣተሓሕዛን ዘለዎም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ሓደ ስርዓት ውሽጣዊ ሃገራውን ህዝባውን ኩነታቱ ዝውግነሉ ቀጥዒ ኣለዎ። ምስ ካለኦት ሃገራት ንዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝምልከት ዝጥቀሞ መንገዲ እውን ይህልዎ። ስርዓት ህግደፍ ግና ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ምስምስ ንክሕግዞ፡ ነዚ ክልተ ፋይላት ደዋዊስካ ምቕራብ ከም ሜላ ይሰርሓሉ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ብ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ዝግለጽ እዩ። እዚ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ዝባነን ቀሊዐን ኣብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳያተን ከየድህባ ተጽዕኖ ከም ዝፈጥረለን ርዱእ ኮይኑ፡ በቲ “ኣይናይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት ተሓቢአን ካብ ዝኾነ ካብ ህዝበን ዝቐርብ ጠለባት ክሃድማ ግና ቅቡል ኣይኮነን። መልእኽቱ’ውን ካልእዩ ዝኸውን።

ስርዓት ህግደፍ “ብሰንክቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎና ኩነታት ኢና፡ ብሕገመንግስቲ ዘይንምራሕ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ዘይንፈትሕ፡ ልዕልና ሕጊ ዘይንቕበል፡ እሱራት ናብ ፍርዲ ዘይነቕርብን ኣበየናይ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ዘይንነግርን ኮይና ዘለና” ይብለና ኣሎ። ሕጂ ከኣ በቲ ባዕሉ ዘሕርፈፎ ዝምድናኡ ምስ ሱዳንን ጅቡትን ነዚ ዕባራን ሸፋጥን ምኽንያቱ ከራጉዶ እዩ። ኣብዚ እተን ኩለን ሃገረንን ህዝበንን ብዘይምስምስ ዝመርሓ ዘለዋ ሃገራት’ውን ምስ ጐረባብተን ኮነ ናይ ርሑቕ ሃገራት ምስሕሓብ የብለንን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ሱዳንን ግብጽን ክብ ለጠቕ ዝብል ናይ ሓላይብ ጸገም ዶብ ኣለወን። እንተኾነ ነዚ ከም መህደሚ ምኽንያት ኣይጥቀማሉን። ነዚ ዝምልከት ብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ይከኣል እዩ። እቲ ስርዓት እዚ ጠፊእዎ ዘይኮነስ ኣዳዕዲዑ እዩ ስርሑ ዝሰርሕ ዘሎ። እቶም ናይቲ ስርዓት እኩይ ኣጀንዳ ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ወገናትናኸ ኣብ ክንዲ ደድሕሪ ተንኮላት እቲ ስርዓት ምንጓድ ኣዚሮም ዘይሓስቡ?

እቲ ስርዓት እዚ ተንኮላቱ እኹል ኮይኑ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ዘሎ ዝምድና ካብ ዘይምትእምማን ሓሊፉ ናብ ግጭትን ምንቛትን ከም ዝዓርግ ናይ ምግባር ወስታታት ከም ዝወስድ እውን ንዕዘብ ኣለና። ንዝተወሰኑ ነባራት ወነንቲ መሬት ጉልባብ ፈጢርካ ኣመዛቢልካ ካለኦት ነባራት ዘይኮኑ ኣስፊርካ ኣብ ዋንነት መሬት ከም ዝተፋነኑ ምግባር ናይዚ መርኣያ እዩ። እቲ ዝገደደ ድማ ነዚ ብሰንኩ ብጽቡቕ ዓይኒ ዘይረኣኣዩ ወገናት ብጉልባብ “ከባቢኹም ክትሕልዉ” ኣጽዋር ምሃብ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ እቲ ስርዓት ኣብ ሕድሕዱ ዝተፋነን ናብኡ ዘየቕልብን ህዝቢ ንክነብር ዘለዎ ድሌት ዘርኢ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ካብዚ ዘሎ ዝኸፈአ ኩነታት ዘይተፈጥረሉ ምኽንያት ከኣ ካብ ሰላማውነት ናይቲ ስርዓት ዘይኮነ፡ ብሳላ ትዕግስትን ጹረትን ህዝብና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እምብኣር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጻኢ’ውን ብተንኮላት ስርዓት ህግድፍ ከይህመል ኣዕዚዝና ነዘኻኽሮ።

Last modified on Wednesday, 16 May 2018 23:33