ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-03-28 03:29:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1946 times

መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳም 24 መጋቢት 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

ኣጀንዳ ኣኼባ ጸብጻብ ናይ ኩለን ቤት-ጽሕፈታት ምርኣይን ምምዛንን እዩ ነይሩ።

ናይ ውድባዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት መሰረታት ሰልፊ ንምስፋሕ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ጻዕርታት ድሕሪ ምግላጽ ድሮ ሓያሎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከበኦም ሓደስት ኣባላት ከም ዝተጸንበሩና ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝሒሎም ዝጸንሑ ኣባላት እንደገና መንፈሶም ኣሐዲሶም ክቃለሱ ከምዝወሰኑ ኣበሲሩ። ናይ ዞባ ሽማግለ ነቲ ድሮ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት ኣሞጒሱ ዝያዳ ጻዕርታት ክካየድ ተላቢዩ።

ናይ ገንዘባዊ ሽማግለ ሰልፊ ንዝመደቦ ፕሮጀክት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንዘካየዶ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ወፈራ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሽማግለ እቲ መደብ ዕዉት ምንባሩ መዚኑ። ኣባላት ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ኣመጒሱ።

ናይ ዜናን ባህልን ቤት-ጽሕፈት ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራብ ተተሊሙ ዘሎ ናይ ስራሕ መደባት ገሊጹ።

ኣኼባ ብርጉእ መንፈስን ሞራልን ዞባ መሪሕነት ሓፍ ዘበለ ኮይኑ ተደምዲሙ።  

 

ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

24 መጋቢት 2018

Last modified on Wednesday, 28 March 2018 05:31