ሎሚ’ኮ ኣብ ናይ ትማሊ መሰረት’ዩ ዝህነጽ

2018-03-27 08:53:32 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1840 times

ኣብ መንጎ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ ውህደት ብዙሕ’ዩ ዘሰሓሕብ። እቲ ምስሕሓብ ዝመጽእ፡ እቶም ናይ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ተዋሳእቲ፡ ነናይ ግዜኦም ፍጻመ ተሐለቕቲ ስለ ዝኾኑ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና፡ ሎሚ ካብ ትማሊ ዝተፈልየ ህልውና የብሉን። ጽብሕ እውን ከምኡ ካብ ሎሚ ነጺልካ ዝረአ ኣይኮነን።

እቲ “ናተይ ይሓይሽ” ዝብል ኒሕ እምብዛ ኣይጽላእን። ሎሚ ዘሎ ትውልዲ በዓል ግዜ ስለ ዝኾነ “ናተይ ዝመስል የለን” ምባሉ ኣየባእስን። እቲ ጸገም ዝመጽእ እቲ ናይ ሎሚ ጽቡቑ ኣብቲ ናይ ትማሊ ፍጻመ ዝተመስረተ ምዃኑ ክከሓድ እንከሎ እዩ። ሎሚ ንትማሊ ኽሒዳ፡ ጽባሕ’ውን ንሎሚ ነጺጋ ክስጉማ እንተፈቲነን፡ ኩለን ሱር ዝሰደደ ዘተኣማምን መሰረት ዘየብለን “ወትሩ ጀመርቲ” እየን ዝኾና። ጀማሪ ምዃን ከኣ ሒዝዎ ዝምጽእ ሕጽረት ኣለዎ። ርግጽ እዩ ናይ ትማሊ ተግባራት ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክትልከዖ እንከለኻ፡ ዘይበሃግን ብዙሕ ዘጣዕስ ሕቶታት ዘልዕልን ክኸውን ይኽእል። ኮታ ነቲ ናይ ትማሊ ፍጻመን ውጽኢቱን ኣብ ናይ ሎሚ ኩነታትን ምዕባለን ኮይንካ ክትመዝኖ እንከለኻ ከጋጊ ይኽእል እዩ።

ትማሊ ኩሉ ነገሩ ትማሊ እዩ። እቲ ናይ ትማሊ ፍጻመታትን ውጽኢቱን ከኣ በቲ ትማሊ ዝነበረ ኩነታት እዩ ክዕየር ዝግበኦ። ትማሊ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ መሳለጥያታትን ምዕባለን ምስ ናይ ሎሚ ክውዳደር እንከሎ ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ፍልልይ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ዝፈጠርዎ ዘይኮነ፡ ምስ ዓለም ለኻውን ከባብያውን ዕቤት ዝምድና ዘለዎ እዩ። ነዚ ናብ ተመኩሮ ቃልስና ኣምጺእና ከነዛምዶ እንከለና፡ ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ቡስጣ ሒዝካ ምጉዓዝ ግድን ነይሩ። እቲ ቡስጣ ከኣ ብመኪና ዘይኮነ ብኣጋር ወይ ብእድገ-በቕሊ’ዩ ዝጐዕዝ። ሎሚ ግና ካብ ትማሊ ብዝማዕበለ ካብ ኢ-መይል ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ናይ መራኸቢ ብልሓታት ዝዓበየሉ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ኣዋርሕ ተግባር ኣብ ደቓይቕ ኣብ ዝትግበረሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘለና። በዚ ኮይኑ በቲ፡ እቲ ስልጣነን ምዕባለን ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሎሚ ካብ ናይ ትማሊ ሓለገት ምሉእብምሉእ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሕጂ እውን ናብ ተመኩሮና ንመለስ፡ ትማሊ ብመሪር ቃልሲ ዘረጋገጽናያ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር መስሪትና ኢና ሎሚ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ንቃለስ ዘለና። ንትማሊ ነጺግካ ኣብ ዘየለ ሃገርነትን ልኡላውነትን ብዛዕባ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ምሕሳብ እምበኣር፡ መሰረት ኣብ ዘየብሉን ብንፋስ ኣብ ዝዕሎን መስርሕ ምጉዓዝ’ዩ ዝኸውን።

ትማልን ሎምን ብቐሊሉ ዝረአ ናይ ግዜ ምቅይያር ጥራይ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዓሚቝ ናይ ወለዶታት ናይ ሓላፍነት ምርኽኻብ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ሎሚ ብዘይ ትማሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽብሕ እውን ብዘይ ሎሚ ትርጉም የብሉን። እቶም ናይ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ተዋሳእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ስለ ዝዋሰኡ እቲ ሓደ ብናይቲ ካልእ እንተዘይዓገበ ክሕደሰና ኣይግባእን። እቲ ኣሰካፊ ዝኸውን ነንዝሓለፈ ተመኩሮ እንዳኮነንካ ወትሩ “መን ከማይ” ክትዝምር ምፍታን እዩ። ናይ ሎሚ ተዋሳእቲ ንናይ ትማሊ ሰብ ብጽሒት ግደ ከነኣእሱ እንከለዉ፡ እቲ ዝጉዳእ እቲ ትማሊ ግቡኡ ዝፈጸመ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ንትማሊ ዘነኣኣሰ ንገዝእ ርእሱ ብዘይመሰረት ጸንበለል ስለ ዝብል ተሃሳዪ’ዩ ዝኸውን። ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንናይ ትማሊ ባይታ ዘስተናዕቕ ከምቲ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ዝበሃል፡ እቲ ጽባሕ ዝርከቦ’ውን ብኸምኡ’ዩ ክገልጾ። ከምዚ እንተኾይኑ ከኣ እቲ ሰንሰለት ተቛሪጹ ምውርራስ ይበኩር። ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክንመጽእ እንከለና ሓደ ጉዳይ ኣብ ሓደ ትውልዲ ተደሪቱ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተሰጋገረ ዝቕጽል መስርሕ እዩ። ስለዚ ንትማሊ ዘየኽብር ናይ ሎሚ ተዋሳኢ፡ ኣንጻር ናይ ወለዶታት ምርኽኻብ ከምዘሎ ክእመንን ናብ ንቡር ኣተሓሳስባ ክምለስን ይግበኦ።

ናይ ትማሊ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና ክትርእዮ እንከለና፡ ከምቲ ሎሚ ትደልዮ ከምዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ተረኪብካ ብዝሓሸ ናይ ምቕጻሉ ዘይስገር ሓላፍነት ስለ ዘለካ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ኢኻ እትርከቦ። ቀንዲ ዕላማኻ ከኣ ነቲ ካብ ትማሊ ዝተረከብካዮ ምስ ናይ ሎሚ ኩነታት ኣሳኒኻ፡ ንናይ ጽባሕ ትውልዲ ዝሓሸ ክተረክብ ምብቃዕ እዩ። ከምቲ “ናይ መወዳእታ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ” የለን እንብል፡ እቲ ዝተረከበካ’ውን ነቲ ዝተረከቦ ብዝሓሸ ናይ ምቕጻሉ ዘይስገር ሓላፍነት ኣለዎ።

ሎሚ ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘሎ ጸገማት ስሩዕ ዘተኣማምን ምርኽኻብ ዕማም ዘይምህላዉ ቁጽሪ ሓደ ዝስራዕ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። መንእሰያትና “ሎሚ ናይ መንእሰያት” ክነሱ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣንጻር ውሱናት ዓመጽቲ ዕስለ ኢሳይያስ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን፡ ከምቲ ዝድለ ካብቶም ሎሚ’ውን ካብ መድረኽ ዘይወረዱ፡ ናይ ትማሊ ተዋሳእቲ ሓርበኛታት በቲ ዝድለ ትግሃት ይርከቡ የለዉን። ዘቕርብዎ ምኽንያት ከኣ “እቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ክትርከቦ ዘጸግም ኩርኳሕ እዩ” ዝብል እዩ። እምበኣር ከምቲ ኣደሲ ብኹነታታ ንዘይተሓጐሰ ውላዳ “ፈቲኻ ጸሊእካ ኣነ እየ ኣዴኻ” በለቶ ዝበሃል፡ እቲ ናይ ሎሚ ስረሓትና ክህነጸሉ ዝግባእ መሰረት እቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ምስ ኩሉ ጸገማቱ ንሱ እዩ። እቶም ናይ ትማሊ ተዋሳእቲ እውን ምስ ኩሉ ድኽመቶም ኮነ ብርታዐኦም ንሳቶም እቶም ናይ “ተረከቡና” ጻዋዒት ዘስምዑ ዘለዉ ሓርበኛታት እዮም። ኣብዚ መንእሰይና ክግንዘቦ ዝግባእ፡ እንተገደደስ ንዘርኣይዎ ሕጽረት ደኣ ይሓቶም እምበር፡ ንተመኩሮኦም ኢንታ ብምሃብ ኣብ ናይ ተረኪብካ ምቕጻል ሓላፍነት ክማታእ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። እክንደይን እንታይን ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ትወስድ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ንትማሊ ሓጢጥካ ከምብሓዱሽ ክትጅምር ግና ጀማሪ ኢኻ ትኸውን። ወትሩ ጀማሪ ምዃን ከኣ ሒዝዎ ዝመጽእ ሕጽረት ኣለዎ።

Last modified on Tuesday, 27 March 2018 10:56