ሓሶት እንተ ተደጋገመስ ሓቂ ይመስል፣ ዶክቶር ገብረ...በዚሑ ጥራይ ዘይኮነስ.....!!

2018-03-15 09:39:18 Written by  ዶር፡ ሃብተሚካኤል ተኽለ ስቶክሆልም፡ ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4058 times

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዛ መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረትን ዘላን ሽወደናዊት ጋዜጠኛ፡ ክርስቲና ብዮርክ፡ ብቛንቋ ሽወደን ንኤርትራ እትምልከት መጽሓፍ (Christina Björk, ERITREA: En klassisk afrikansk diktator tog över.www.themisforlag.se. ኤርትራ፡ ክላሲካዊ ኣፍሪቃዊ ዲክታተር ኣብ ትሕቲ ምልኩ ኣእትዩዋ)፣ ጽሒፋስ ከንብዕድል ረኺበ፤ ንዝነበረኒ ተረድኦታት ዘራጒድ ሓሳባት እውን ረኺበ። እታ መጽሓፍ ክሪስትና ምስ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤን ህግን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕተት ዝተመርኮሰት እያ። ሓደ ካብኣቶም ሓው መስፍን ሓጐስ ኮይኑ እቲ ምስኡ ዝተገብረ ቃለ-መሕተት ብታሕሳስ 2015 ኢዩ ኔሩ።

ኣብ ናይ 10 መጋቢት 2018 Meskerem.netካብቲ ተደጋጋሚ "ገለጻታት" ሓውና . ገብረ ገብረማርያም ነዚ ዝስዕብ ቃላት ኣንቢበ፡- "ከምቲ ሓደሓደ መራሕቲ ክብሉና ዝፍትኑ (ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ድሌት ኢዩ ናጽነት ተረኺብዘስምዕ፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1991/93 ኣፍልጦ ኣይህብን ኢየ እንተዝብል ነይሩ፡ ናጽነት ኣይምተረኽበን፡ ወዘተዳተባህለ ዝጋማዳሕ ናይ ጥዑሳት ዘረባታት) ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቓኤርትራዊ መንነትን ናጻ ሃገርን ፈጢሩ ኢዩ"ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደ …… ኣድጊ ለመደ ከምዝብሃል ከኣ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሓውና ክብሮም ግረነት ከምዚ ዝስዕብ ጽሒፉ፡ "...ወያኔ ንህግ 1991 ነቶም ካልውድባት ከምዝሳተፉ ክገብር ከገድዶ ነይሩዎ ክብል ዝመደሮነጻነት ብለመና ወያኔ ዝመጸት ገይሩ ስለዝርድኦ እዩ። እንተኾነ መግዛእታዊ ሓይሊ ብዘይ ውዑልን፡ ወዓል ሕደር ኣውያት እናገበረ እዩ ንኤርትራ ገዲፉ እግረይ ኣውጽኢኒ እናበለ ንሱዳን ዝኣተወ።"

ኣይፋልሓው ገብረቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ካብ ሓቅን ካብ እሩም ኣቀራርባን ዝረሓቐ ጽሑፋትካ ኣደንጽዩኒ  "ኣይበዝሐንዶ ሕጅስ!" ዝብል ሓጺር ዓንቀጽ ጽሒፈ ነይረ። ሕጂ ዘጽሕፈኒ ዘሎ ከኣ ብጒዳይ ናጽነት ሃገር ኣልዒልካ ብዘይመንገዱ ሰብ ክትከስስ ከሎኻ፡ ንገለ ግሩሃት ከይተጋጊ ብማለት እየ።

እቶም "ሓደ-ሓደ መራሕቲ" እትብሎምን፡ ንናጽነት ሃገር ዘይደልዩ፡ "ናይ ጥዑሳት ዘረባ ዘገማድሑ" ኢልካ  እትዝልፎምን  እትኸሶምዘሎኻ  ሰባት፡ እዚ ኣገላልጻኻ  ዘይምልከቶም ናይ ሎሚ መሪሕነት ሰዲህኤ ዘሎዉ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። ንኣብነት እዚ ብተደጋጋሚ እተልዕሎ ዘሎኻ (ብሓው ክብሮም ግረነት'ውን እተደግመ) ገለጻኻ ንሓው ወልደሱስ ዓማር ከምዝኾነ ዝከታተል ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ ሓው ወልደሱስ ኣብ ፓልቶክ ኮነ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ብምልእታ ሰፊራ ዘላ ዓንቀጽ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ኢሉ፡ "እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡ --ብዘይካ ባድመ-- ነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን።   ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለም-ለኸ ተፈላጥነት (international  recognition)ናይ   ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ  ጊዜ'ቲ  ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡   (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።"

 

ብተመሳሳሊ ቃላት፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ መጽሓፍ፡ ሓው መስፍን ሓጐስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፡- (ብሓገዝ ጉግል  ካብ  ቋንቋ ሽወደን ናብ እንግሊዘኛ ተርጕመ ከቕርቦ)- "Although, of course, we had to conduct the referendum, we also had to persuade the recently installed Ethiopian government to support the proposal. We knew that unless the Ethiopian government supported us and fully cooperated with us, the Eritrean people would not be able to decide on their future. The UN and the international community would not allow us or accept what we arrived at. Fortunately, we were endorsed by the Ethiopian government led by Tigray Liberation Front, TPLF; PP:172.

ብሓጺሩ፡ ሓው መስፍን እውን ምስቲ ናይ ሓው ወልደሱስ ብዝሰማዕ ቋንቋ ኢዩ ነቲ ናይ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ሕቶ ዝገለጾ። እሞ ኣሕዋት፡ ንህዝብና ዘይኮነ ነገራት ምሕባር እንታይ ጥቕሚ ይርከቦ? ኣንበብቲ ምእንቲ ክመዝኑን ክፈርዱን፡ ከኣ ነታ ናይ ዓሚ ናይ ሓው ወልደሱስ ዓንቀጽ ብምልእታ ኣብ ታሕቲ ኣስፍራ ኣሎኹ።

ዶር፡ ሃብተሚካኤል ተኽለ

ስቶክሆልም፡ ሽወደን

1991ኢትዮጵያ ንናጽነት ኤርትራ ተፈላጥነት    

እንተትኸልእ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ እንታይ ምዀነት

ብወልደሱስ ዓማር

ብሳላ'ተስፋ ብዘይምቑራጽ 30 ዓመታት ዝቐጸለ ጅግንነታዊ ቅያታት ሰራዊት ሓርነትን፡ ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ምዑት ተሳትፎ ዓቃል ህዝብናን፣ እቲ ብሓያላን ሃገራት ዓለም ሰፍ ዘይብል ሓገዝ ዝረክብ ዝነበረ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ  (ናይ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ይኹን ናይ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም) ተሳዒሩ፡ 24 ግንቦት 1991 ካብ መሬት ኤርትራ ከምዝወጸ ንታሪኽ  ክዝከር ዝነብር ሓቂ'ዩ።

 

እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡ -- ብዘይካባድመ -- ነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን። ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለም-ለኸ ተፈላጥነት (international recognition) ናይ ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ጊዜ'ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።

 

ቀሊል ይመስል። ግንከ እቲ ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምመንግስቲ ዝቐጸለ ሓይሊ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ወይ ንዕኡ ብዝመስል ዝምራሕ እንተዝነብር፣ ወይ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዘይመሓዙት ኤርትራ  እንተዝነብሩ፡ እንታይ ምተረኽበኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ እንታይ ምዀነ᎒ 

 

ተጻይ ኤርትራ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕራይ ከይበለ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብመላአን ንኤርትራ ግድነት ልኡላውነታ ክንፈልጠላ ይግባእ ምበላዶኣሜሪካኸሃገራት ኤውሮጳኸ .... ወዘተ። ታሪኻዊ ድሕረ- ባይታን ፍትሓውነትን ጒዳይ ኤርትራ ከይገድሶም፡ ምዕራባውያን  ሃገራትን ኣሕዋትና ኣፍሪቃውያንን ኣብ ልዕሊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ እንታይ ርእይቶታት ከምዝነበሮም ከይዘንጋዕካ ምስ እትሓስብ፡ ጒዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ተፈላጥነት ጸገም ከጓንፎ ይኽእል ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። 

 

ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ከምዛ ናይ ሎሚ ሶማሊላንድ ወይ ከኣ ኮሶቮ፡ ወይ'ውን ናይ 60ታት ሮዴዝያ፡  ናጽነታ ባዕላ ኣዊጃ  (UDI - Unilateral Declaration of Independence) ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ዝሰኣነት "ሃገር" ኰይና ክትቅጽል ኣኽእሎ ነይሩ'ዩ።  ሕጂ ግን፡ ናይ ኢሳያስን ህግደፍን ጸገም ደኣ ከቢዱና እንበር፡ ልኡላውነት ነጻ ኤርትራ  (ብዘይፍቓድ ህዝባ)   ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። 

 

ከምዚ ክብሃል እንከሎ ግን፡ ልኡላውነት ይረኸብ እንበር ህዝብና ንእተቓለሰሉ ዕላማታት ብምልኡ ጨቢጥዎ ኣየስምዕን፡፡ ንኣብነት፡ ካብ ዝቐደሙ ተቓለስቲ ኤርትራ ዝነበረ ስዉእ ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ናውድ  (መስራቲ ሓረካ/ማሕበር ሸውዓተ)ኣብቲ 1996 ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ኣስፊሩ፡-  "ቃልስና ጌና ኣይተወደአን። ካብተን እተበገስናለን ሰለስተ ዕላማታት፣ ማለት ሃገራዊ ሓድነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራስን፡ ሓንቲ ጥራይ ኢና ኣዓዊትና። ነተን ዝተረፋ ዕላማታት ንምዕዋት ቃልስና ቀጻሊ'..." እታ ሓቂ ንሳ'ያ። ግን ከኣ እታ ሓንቲ'ውን ትኹን እንቋዕ ድሕሪ ወተሃደራዊ ዓወት ናይ 1991 ከጓንፍ ዝኽእል ዝነበረ  ጸገም ኣየጓነፋ!!

 

ሎሚ ስለምንታይ እዛ ዓንቀጽ'ዚኣ ኣድልየት?

ገለ ካብ ኣንበብቲ ክዝክርዎ ከምዝኽእሉ፡ 11 ለካቲት 2017ጽሓፋይ ናይ'ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ናይ ፓልቶክ ገዛ (ሕድሪ ጀጋኑ) ተዓዲመ ነይረ። ዝመረጽኩዎ ኣርእስቲ ከኣ፡ ሓደ ቅድሚ ዓመት ንብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ገይሩ ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ኮንፈረንስ ንዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ዝምልከት ነይሩ። እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡  "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከምዝጸለዎ" ዝብል ኢዩ። እዛ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓበረታዊት ዓንቀጽ እንብኣር፡ ነቶም እተማልአ ሓበረታ ብምስኣን ግር ንዝበሎም ደቂ ሃገር ክትሕብር ዝሓለነት ኢያ።

 

ብዙሓት ክዝክርዎ ከምዝኽእሉ፡  ገለ ሸነኻት ብፍላጥ ይኹን ሰኣን ቅኑዕ ንባብ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ተረኽቦታት፡ "ጉድ በሉ፡  .....ሕጂ ኸኣ ሓደ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነት ኤርትራ ተጻሪሩ፥ ኢትዮጵያ (ወያኔ) 1991 ንናጽነት ኤርትራ እንቢ ክትብል ነይሩዋ ኢሉ.......ወዘተ ወዘተ" እናበሉ ብፓልቶክ ኮነ ብኻእል ማዕከናት ክደሃዩ ተሰሚዖም። ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ፈጠራ ወረን ክስታትን ዝበዝሖ ባይታ ከምዝጸንሓናን ጌና ይቕጽል ከምዘሎን ንፈልጥ እኳ እንተዀንና፡ ሓሓሊፍና ንከምዚ ዝዓይነቱ ጠቐነ ዓገብ ክንብልን ገለ ክንእርምን ጠቓሚ ኢዩ።

 

ዓለም-ለኸሕግን (international law) ዓለም-ለኸ ተፈላጥነትን ኣብ ገሊኡ ኲነታት በቶም ሓያላን ቀጽርታትን ውልቀ-ሃገራትን ይጥሓስ እኳ እንተኾነ፡  ሓፈሻዊ መለክዒ ሕጋውነት (legitimacy) ናይ ሎሚ ዓለምና ኢዩ። እሞ፡ ገለ ካብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት እስቲ እስፍሕ ኣቢልና ንርኣዮ።

 

ጸገም ሶማሊላንድ፣

እታ ሎሚ 5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ፥ ነብሳ ከም "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊላንድ" እትሰሚ መሬት፥ ክሳዕ 1960 ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ነይራ። በቲ ዓመት'ከኣ  ምስታ ናይ ኢጣልያ ዝነበረት ሶማሊላንድን ብስምምዕ "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊያ" መስሪተን።ብዚያባረ ክትመሓደር ዝጸንሔት ሃገረ ሶማልያ 1991 ጀሚራ ኣብ ህውከት ምስ ኣተወት፥ እታ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረት ሶማሊላንድ ርእሲ-ከተማኣ ሃርገሳ ገይራ በይናዊ ናጽነተይ ፍለጡለይ ኢላ ኣዊጃ። ዝተረፈ ዓለም ግን ነታ ኣቐዲሙ ተፈላጥነት ዝሃባ፥ ሞቓድሾ ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ሶማልያ (ማለትን ባዕላ ኣብ ንቡር ሃለዋት ንዘይጸንሐት ሃገር/ደውላቀዳምነት ሂቡ ንሶማሊላንድ ክሰምዓ ኣይደለየን። እታ ሞቓድሾ ዝርእስ-ከተማኣ ናይ ሶማሊያ ደውላ ንናጽነታ ፍለጡላ ክሳዕ እትብል ከኣ ሶማሊላንድ ከምታ ዘላታ ኮይና ክትቅጽል ተፈሪዱዋ ማለት ኢዩ።

 

ከምኡ'ውን ኮሶቮ/Kosovo

ናይ ቀደም ዩጎዝላቪያ ምስ ፈረሰት፥ ሰርብያ ወራሲት ናይ ዩጎዝላቭያ ተቘጺራ ከምሓዳስ ሃገር ተፈላጥነት ረኺባ። ኣካላ ዝነበረት ኮሶቮ ግን ፍልይቲ ሃገር ክትከውን ኣብ ቃልሲ ጸኒሓ። እቶም ካብ ኣልባንያ ዝመበቆሎም ህዝባ'ውን ብሰርብያውያን ክግፍዑ ጸኒሖም ኢዮም። ብወተሃደራዊ ሓይልታት ናቶ/NATO (ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎ ሓይሊ) ተደጊፋ፡ ኮሶቮ ትሕቲ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ምጽናሕ ፡ፍቓድ ናይ ሃገረ ሰርቢያ ከይረኸበት 2008 ባዕላ ናጽነታ ኣዊጃ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ከኣ ኮሶቮ ጌና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባልነት ስኢና ተንጠልጢላ ትነብር ኣላ።

 

ካብ ሶማሊላንድ ግን ትሓይሽ። ሳላ ኣመሪካን ደገፍታን፡ ንናጽነት ኮሶቮ ተፈላጥነት ዝሃባ ካብ 100 ዘይውሕዳ ሃገራት በጺሐን ኣሎዋ። ግንከ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ክሰማምዓላ ስለዘይከኣለ፡ ልኡላውነታ ብውንዙፉ ይነብር ኣሎ። እቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም-ለኸ ንፍትሒ (International Court of Justice) ንኮሶቮ ደጊፉ ዝሃቦ ፍርዲ እውን ክሕግዝ ኣይከኣለን። ሩስያን፡ 'ኮር ተገልበጥ' ናይ ህግደፍ ኤርትራን ካብተን ንኮሶቮ ኣባል ሕቡራት መንግስታትን ካልእ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ንከይትኸውን ካብ ዝቃወማ ዘለዋ ሃገራት ኢየን።

 

Carta

ኤርትራ ካብተን  "ሕጋዊ ሸነኽኣመኽንየን ንናጽነት ኮሶቮ  ካብ ዘይደገፋ ሃገራት ምዃና ዘርኢ ካርታ።

 

ዝገደደ ከኣ፡ ህግደፍ (ምእሳር ኣመል ኰይኑዎ) ንሓደ ወዲ ኮሶቮ ዝኾነ ጀይምስ በሪሻ ዝስሙ ዘዋር ነፋሪት፥ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ንኮሶቮ ተፈላጥነት ኣብ ዘይሃባ ሃገራት እናዞረ 'በጃኹም ንኮሶቮ ከምሃገር ፍለጡና' እናበለ ክዘውር ጸኒሑ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዳጐንዎ ይፍለጥ። ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ከኣ'ካብ ማእሰርቲ ህግደፍ ነጻ ኰይኑ፡ዝረኸቦ ርካብ እናገረሞ ንሃገሩ እተመልሰ።

 

ኣብዚ ላዕሊ ብሓጺሩ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንገለ ካብቶም ኣንበብቲ ጠቓሚ ኮይኑ ክርከብ ተስፋ እገብር። እታ  "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991 ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከምዝጸለዎ" ብዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት እተጻሕፈት ወረቐት ኣብ ቀረባ ጊዜ ናብ ኣንበብቲ ክትዝርጋሕ ኢያ።

 

ርሑስ በዓል ፋሲካን፡

ናብ ዝሓሸ መድረኽ ዝመርሕ

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራን ይግበሮ!!

Last modified on Sunday, 25 March 2018 08:22