መንጎኛን ዓላቝን፡ ተቐባል ሕድርን ሰራቕን። ዝወጸሉ ዝርያ ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ።

2018-03-13 07:09:18 Written by  ሃይለ ወልዱ። ሎንዶን። Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2681 times

‘መንጎኛን ዓላቝን፡ ተቐባል ሕድርን ሰራቕን!’ ኣምላኽ ይኽልኣልና፡ ይብሉ ኣበዋትና’ሞ፣ መስከረም ወብ-ሳይት ኣብ ዓሎቕ ተሸሚሙ ኣንጻር’ቲ ዝሰፍሐ መሰረትን መሪሕነትን ሰድህኤ ጸሚዱ ክትርእዮ፡ ዕጹብ ድንቂ’ዩ ዝኾነካ’ሞ፡ እዚ ጥቕሲ’ውን ብዘይመኽንያት ከምዘይተደግመ ይስወጠካ። ብርግጽ ብሓሶት ዝጽልም ጻዕዳ ክንደየናይ ክህሉ ኮይኑ? ግን የተዓዛዝብ’ዩ። ውልቃዊ ዕርክነት ክቡር እንድዩ፡ ግቡእ ቦታ’ውን ኣሎዎ። ግን ንስለ ውልቃዊ ዕርክነት ተባሂሉ፡ ብዘይ ፍትሓዊ ሚዛን ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልኣይ ምብዳል፡ ናቱ ሃየንታ ኣሎዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብባህሪኡ መላኺ’ዩ። ‘እቲ ሓርማዝ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ’ሎ!’ ስእሊ ሓሙኹሽታይ ሓርማዝ ሰቒሉ ዝቕኒ ዝነበረ ወብ-ሳይት፡ ኣብ ሎሚ-ዘበን በጺሑ ብሓሶት ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ክጸምድ እንታይ ረኸቦ? ነቲ ቀንዲ ሰዲህኤ ብምህሳይከ እንታይ ዝኣትዎ ረብሓ ሃልዩዎ’ዩ ክንዲዚ ዝተሓዋወሶ? ብሓደ ምስራሕን ምፍልላይን ኣካልን ኣምሳልን ፖሊቲካዊ ሂወት ስለዝኾኑ፡ ምስ’ዞም ሕጂ ተፈልዮሙና ዘሎዉስ ይትረፍ፡ ምስ እቶም ናይ ቀደም’ውን ይኹኑ፡ ስጋብ እቲ ምፍልላያት ኤርትራዊ ዝኾነ ዝተለምደ’ዩ። ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳት ‘ውን፡ ብዘይካ ኣብቲ ሓቢርናዮ ዘቖምናዮን ዝተሰማማዕናሉን መትከላትን ቅዋማትን ምፍልላያት እንተዘይኮይኑ፡ ዝተደፋፍእናዮ ግራታውቲ ይኹን፡ ኣሕሊፍና ዝሃብናዮ ዶባት የብልናን። ነዚ ዘይሓዲሽ ተረኽቦኸ፡ እንታይ ዘራያት ተደልዩሉ’ዩ። እቲ “ሓሲኻ ይዕረቕ እምበር፡ ሓሲኻ ምብኣስሲ፡ ኣብ መሬት ረብሓ የብሉ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ጽድቂ የብሉ።” ዝብል ናይ ኣበዋትና ለባም ብሂል፡ ካን ወርጃ ክስእን? ብዘለዉዎ ሰላም ይጽንሓዮም፡ እዩ እቲ ብወገናን ዝበሃል ዘሎ። መኽንያቱ ሰላሞም ተመሊሱ ንዓና ነቶም ገዲፎሙና ዝኸዱ ዘሎዉ፡ ጸዳሉ ምግዳፍ ስለ ዘይተርፎን፡ ስለ እንኣምነሉን።

ሎሚ ኣገዲሱ ካብ ኣጽሒፉኒ ዘሎ ቀንዲ ነጥቢ፡ ከምቲ ሰዲህኤ ኣብ መትከላቱ ብብሩህ ኣቐሚጡ ከይተሓለለ ዝቃለሰሉ ዘሎን፡ መትከል ሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ’ዩ። ነዚ መሰረታዊ መትከል ሰዲህኤ ዘይቅበልን ዘይኣምንን ኣባል ሰልፊ’የ ክብል ዘይጠዓዓም’ዩ፡ ክህሉ’ውን ኣይግባእን። ምናልባት እንተተረኽበ’ውን፡ ዝተጸፍየን ክዉንን ዘይክዉንን ብምልዓል ከዕለብጥን፡ ንጉዳያት ሰልፊ ንድሕሪት ከጓትትን እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ቁምነገር ብምልዓል ንሰልፊ ከሳጉም ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ምናልባት ምሒር ወረጃ እንተኾይኑ ከምቲ ‘ዝብኢ ስጋብ ዝደልዎ ይሕንክስ።’ ዝበሃል፡ ነቲ ክኾነሉ ዝደልዮ ብሳላ ዘይተሓለለ ቃልሱ ብዝሒ ድምጺ ዕዉት ዝገብሮ፡ በቲ እቶም ብዙሓት ርዒሞሙሉ ዘሎዉ ተጸቒጡ ንለውጢ ክቃለስ ካልእ ምርጫ’ዩ። እቲ ካልእን ዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ ዝሓወሰ፡ ብዛዕባ ካልኦት ብዙሓት ዕሽሽ ብምባል፡ ነቲ ዝኣምነሉን ጸቢብን ራኢ ከቀላጥፈሉ ዘኽእል እንታይ ብዘይገድስ ሓደ ድምብልብል ዝበለ ሓርፋፍ ምጥማራት ምፍጣር’ዩ።

እምበኣርከስ ካብዚ ተርድኦ’ዚ ብምንቃል፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ሓው መስፍን ሓጎስ፡ ኣብቲ ምስ ሓው ኣንቶንዮ ተስፋይ ስኑድ ገይሩዎ ዘሎ ቃለ-መሓተት፡ ኣንጻር እምንቶን መትከልን ሰዲህኤ ዝኾነ፡ ነቲ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ፡ ብስያፉ መጺኡ፡ ኣይቅበሎን’የ ብምባል ገሊጹዎ ስለዘሎ፡ ብርግጽ ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ክቕጽል ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ።  ብወገነይ እዚ ብምስምዓይ፡ ሓደ ካብቲ ገሪሙኒ ዝጸንሐ ነጥቢ ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ምስቲ እነ’የ መትከላት ሰዲህኤ ዝውንን ብምባል፡ ውሪሕሪሕ ዝብል ዘሎ ሸነኽ፡ ሓቢሩዎን ዝእንሆ ሓዲሽ ሓላፍነትን፡ ብኸመይ’ዩ ክጠዓዓም ዝኽእል፡ መሊሱ ካብ ዘገረመኒ’ዩ? ወይሲ፡ እዚ ውሪሕሪሕ በሃሊ’ዚ፡ ንስለ ባህጊ ሓው መስፍን ሓጎስ ካብቲ መሰረታዊ  እምንቶ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ድሮ ኣላጊሱ ኣሎ’ዩ? እሞ በሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ እንተኣቐመጥኩ፡ ነቲ ልሙድን መስከርም ወብ-ሳይት ከልዕሎ ዝጸንሐን ተመሳሳልቲ ብሩሃትን ግቡኣትን ሕቶታት ቦዂሩ ብምርኣየይ፡ ኮነ ኢልካ ተዘንጊዑ ከይህሉ ገሪሙኒ፡ ‘ዓሎቕ’፡ ‘ሓርማዝ’፡ ካልእ ሃሰውሰው እንተበልኩ መኣስ ዘየምሕረለይ ክኸውን ኢሉ። ከምቲ ኣበዋትና ዝብሉዎ፡ ‘ወይ ጎቦ ኹን፡ ወይ ድማ ኣብ ጎቦ ተጸጋዕ!’ እንድዩ’ሞ፡ መስከረም ወብ-ሳይት ዝኣክል ጎቦ፡ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡን፡ ትሕቲ ባይታ ተሓቢኡን፡ ስኢነዮን፡ ንኻልእ ገጸይ ሃሰው እንተበልኩ መዓስ ዘይምሕረለይ ኮይኑ?

‘ኣሐ ዓዲ’ክስቶስ’፡ ተር እንተላ’ስ ሰልሰይተን ዒሉ!’ ከም ዝበሃል፡ መስከረም ወብ-ሳይት፡ ከምቲ ኣብ ካላኦት ኤርትራውያን ውድባትን ተበግሶታትን ክገብሮ ዝጸንሐ ፍተሻ፣ ማለት እኒ መን እዮም እቶም ዘይተነግሩ ዘሎዉ ኣስማት መሪሕነት? ሕጂ ንገሩና። እንተዘይልቦ፡ ባዕልና ክንከሽሖ ኢና። እንዳበለ  ዓቕልታት የጻብብ ከም ዘይነበረስ፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ እንታይ ጎልቢቡዎ’ዩ፡ ካን ብሓሙሽተ ፈጻሚት-ሽማግለን፡ መመላእታኣ መጻናናዕትን፡ እንታይዶ-መንዶን ክርዕምን ክቐስንን ዝተኻእሎ? ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። እሞ እቲ መስከረም ወብ-ሳይት ክልጠፍ ንርእዮ ዝነበረናን ዝለመድናዮን ሓሙኽስታይ ሓርማዝ መመሊሱ ቅጅል ቅጅል እንተበለ እንታይ ዘገርም ክህሉዎ ኮይኑ? ግን ’ንተካል እዋን’ውን በዓል-ውቃበ ኣሎዋ’ ከምዝብሉዎ፡ ግዜ ዝሃቦም 10 ሰብ-ጋዕሲ ኢልካ ምሕላፉ ዝቐልል ምኾነ። ግን ከኣ መን ይፈልጥ? ዶኾን እታ ዓቕሚ ኮይኑዋ ንሳ ጥራሕ ምዃና ተመሊኻ ኮይና? ምባል ከይገደፍኩ፡ ካብ ምሕማይ ተሳጊረ ዓውታ ክውስኸ እንተመረጽኩ፡ ካልእን ዘይፈለጥኩዋን ዓሎቝ ምናልባት ከይትወጸኒ ንሎሚ ዳርጋ ንኽገድፋ መሪጸ ኣሎኹ።

ወድሓንኩም!
ሃገርና ፈጣሪ ይባርኸልና!
ሃይለ ወልዱ። ሎንዶን።

Last modified on Tuesday, 13 March 2018 08:13