ነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን 2010፣ ጨንፈር ጀርመን ጉባኤ ኣካይዱ

2018-02-26 13:48:24 Written by  ሽማግለ ማሕበር ጨንፈር ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2033 times

ነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን 2010፣ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብዕለት 24 ለካቲት 2018 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብሕግታት ማሕበራት ዝርከቦ ሃገር ዝቆመ፡ መኽሰብ ኣልቦ ትካል ስለዝኮነ፡ ብቕዋማት ነጻ ማሕበራት ዝቕየድን ዝምእከልን ማሕበር እዩ።

ጉባኤ ብኣቦ-መንበር ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰናይ ድምየትን ትምኒትን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ዝተሰላሰለ ዕማማት ማሕበርን ውጻኢቱን፡ ክፍጸሙ ዘይካኣሉ ምንቅስቓሳትን ምኽንያታቶምን፡ ህልዊ መደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ከሰላ ሱዳን ሰፊሕን ኣገዳስን ጸብጻብ ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ። ካብ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ካብዝነብሩ ውጉኣት ሓርነትን ብባህርያዊ ጸገማት ዝሰንከሉ ኤርትራውያንን ብሕማምን ዕብየን ዝተሰዋኡ፡ ዕቁባ ረኺቦም ናብ ካልኦት ሃገራት ዝኽዱን፡ ሽግር ኤርትራውያ ብዘይምውድኡ ዝተወሰኹ ሓደስቲ ኣካለ ጽጉማን ደሚርካ ህሉዋት ተኣለይቲ ኣሕዋት ዝርዝር ዝሓዘ ነይሩ።

ስዒቡ፡ ኣብ 2017 ዝኣተወን፡ ብሕጊ ማሕበር ዝወጸን ገንዘባዊ ጸብጻብ ማሕበር ብሓው መዓሾ ኣስራት ቀሪቡ። ኣብቲ ጸብጻብ ዓመታዊ ውጻኢት ኣባላት፡ ወፈያ ኣባላትን ተሓባበርቲ ጀርመናውያንን ኤርራውያንን ብዝዓለ ድማ፡ እቲ ኣብ ዓመት በተን ሕድረን ዘይዘንጋዓ ደቂ-ኣንስትዮ ዘካይድኦ ናይ ድራር ምስዮትን ነቲ መደብ ዘዐውቱ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝገበርዎ ኣስተዋጽኦን ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሕባር፡ ናይ 2018 ባጀታዊ ስልዕቲ መደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ተላኢኹ ምብጽሑን ገሊጹ። ገንዘባዊ ጽብጻብ ማሕበር ብክልተ ተቖጻጸርቲ ሓው ግርማይ እልፉን ተኽለሃይማኖት ብርሃነን ብዘቕረብዎ ምስክርነት ጸብጻብ/ደብተር ተሓዝ ገንዘብን ናይ ባንክ ወረቓቅትን ማዕረ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ድሕር ዝቐረበ ጸብጻባት ምጽዳቕ፡ ኣብ መጻኢ ነቲ ማሕበር ኣብ ምንቅስቓሳቱን ምስ ጀርመናውያን ዝህልዎ ዝምዳታት ኣብ ምሕያልን ዝያዳ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ገለ ነጥብታት ካብ ቅዋም ማሕበር ምምሕያሻት ዘድልዮም ነጥብታት ብምምልካት፡ ብምሉእ ድምጺ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣጽዲቑ። ብዘይካዚ ኣብ ዓመት 2018 ማሕበር ኣብ ህዝቢ ከካይዶም ዝለዎ ምንቅስቓሳትን ክፍጸሙ ዘለዎም ርኽክባትን ኣመልኪቱ መደባት ሰሪዑ ምውጽኡ ተሓቢሩ።

ድሕርዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ማሕበር፡ ዕላማና ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዘለዉ ስንኩላን ንምእላይን ብሰሪ ሕጽረት መነባብሮ ኣብጸገም ከይወድቁ ምሕብሓብን እዩ። ስለዝኮነ ኣብ ሱዳን ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ እቲ ካብ ማሕበርና ዝላኣኸሎም ዘሎ ገንዘብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብማእከላይ ምምሕዳር ዝተወስነ ስለዝኮነ ምስቲ ዘሎ ሸርፊ ስለዘይሳንን፡ ካብ ሕጂ ንዳሓር ስልዕቶም ናብ 4000,00-ኤውሮ(ኣርባዕተ ሽሕ ኤውሮ) ወይ ከኣ $,4,900.00 (ኣርባዕተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ዶላር) ክድይብ ብድልየቶም ተሰማሚዖም/ወሲኖም። ምስ ላዕላአዋይ ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብምዝርራብ ክስራዕ ድማ ኣዘካኺሮም።

ኣብ መጠረስታ፡ ነቶም ብደረጅ መራከቢ ብዙሃን (ፓልቶክስ) ብእምነትን ሓልዮትን፣ ንመደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ንምሕጋዝ ጽዑቕ ምልዕዓላት ዝገበሩን ኣበርክቶኦም ዝለገሱን ኤርትራውያን ጉባኤ ኣመስጊኑን ንኢዱን፡ ኣብ መጻኢ እውን ንጽጉማት ወገናት ምሕጋዝ ልምድን ሓልዮትን ኤርትራውያን ምዃኑ ብምግንዛብ ከምዘይፍለዮም ብምእማን፡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ምምሕዳር ሽማግለ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን 2010ን ክልተ ተቆጻጸርትን ብምምራጽ ጉባኤ ተድምዲሙ።

ሽማግለ ማሕበር ጨንፈር ጀርመን

Last modified on Monday, 26 February 2018 19:26