ዘሔጉስ ሓበሬታ

2018-02-24 23:01:44 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2031 times

ኣብ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ ነበርቲ ዝኾኑ ግዱሳት ኢርትራውያን ብምድግጋም ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ብርኩት ሓገዝ ክገብሩ ምጽንሖም ኣብ መርበብ ሓቤሬታ ክዝርጋሕ ምስጽንሑ ዝዝከር ኢዩ።

ሎሚውን ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ሕልንኦምን ልግሶምን $2.600.00 (ክልተሽሕን ሹዱሽተ ሚእቲን ዶላር ኣመሪካ) ኣዋጺኦምናብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ ከሰላ ብቐጥታ ተስዲዱስ ድሮ ኣብ ኢዶም በጺሑ ምህላዉ ክንሕብር ደስ ይብላና። ከም ውጽኢቱ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድ ተጠቐምቲ ከምዝበጽሐ ዘረጋግጽ ናብ ገበርቲ ሰናይ መረጋገጺ ሰነድ ቅብሊት ክበጽሕን፡ ቅዳሕ ናብ ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እውን በጺሑ ኣሎ።

ዚ ሰናይ ግብሪ እዚ ብዓብዩ ነቶም ዝርድኡ ውጹዓት ኣካላት ኣሕዋት፡ ካልእይ ድማ ነቶም ዘወፈዩ ርህሩሃት ኣሕዋትዓቢ ንያታዊ ታሪኽ ኮይኑነቶም ካልኦት ኤርትራውያድማ ጽቡቕ ኣርያን ሓቦን ከምዝፈጥር ዘይዝንጋዕ ልግሲኢዩ።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማንነቲ ሰናይ ኣስተዋጽእኦም ብምምስጋን ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ቅዱስ ኣገልግሎት ጽቡቕ ምንዮቱ ይገል

ተስፋይ ተኽለዝጊ

ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

Last modified on Sunday, 25 February 2018 00:23