ኣብ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ ነበርቲ ዝኾኑ ግዱሳት ኢርትራውያን ብምድግጋም ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ብርኩት ሓገዝ ክገብሩ ምጽንሖም ኣብ መርበብ ሓቤሬታ ክዝርጋሕ ምስጽንሑ ዝዝከር ኢዩ።
ሎሚ’ውን ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ሕልንኦምን ልግሶምን $2.600.00 (ክልተሽሕን ሹዱሽተ ሚእቲን ዶላር ኣመሪካ) ኣዋጺኦምናብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ ከሰላ ብቐጥታ ተስዲዱስ ድሮ ኣብ ኢዶም በጺሑ ምህላዉ ክንሕብር ደስ ይብላና። ከም ውጽኢቱ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድ ተጠቐምቲ ከምዝበጽሐ ዘረጋግጽ ናብ ገበርቲ ሰናይ መረጋገጺ ሰነድ ቅብሊት ክበጽሕን፡ ቅዳሕ ናብ ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እውን በጺሑ ኣሎ።
እዚ ሰናይ ግብሪ እዚ ብዓብዩ ነቶም ዝርድኡ ውጹዓት ኣካላት ኣሕዋት፡ ካልእይ ድማ ነቶም ዘወፈዩ ርህሩሃት ኣሕዋትዓቢ ንያታዊ ታሪኽ ኮይኑ፡ነቶም ካልኦት ኤርትራውያንድማ ጽቡቕ ኣርኣያን ሓቦን ከምዝፈጥር ዘይዝንጋዕ ልግሲኢዩ።
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን፡ነቲ ሰናይ ኣስተዋጽእኦም ብምምስጋን ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ቅዱስ ኣገልግሎት ጽቡቕ ምንዮቱ ይገልጽ።
ተስፋይ ተኽለዝጊ
ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ