ጽቡቕ ዝገበረ፡ ጽቡቕ እንተዝፍደስ! ብዕራይ ዱቋ ምሰተየ

2017-12-01 19:51:46 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2801 times

ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ሃይማኖታዊ፡ መንግስታዊ ወይ ሃገራዊ በዓላት ክልዎ ንቡር እዩ። ምኽንያቱ ብህዝቢ ዝኽበሩ በዓላት ምህላው ንባዕሉ ደቂ ሰባት መንፈሳዊ እምነታቶም ብነጻን ብዘይተጽዕኖን ክመርሑን ከማሓድሩን ንዘለዎም መሰል እዩ ዘረጋግጽ። መንፈሳዊ እምነት እንተሎ ድማ፡ ሞራላውን ስነ ልቦናውን ትብዓት ናይ ምውናን ተኽእሎ ኣብርእሲ ምህላዉ ፋሪሃ እውን ኣሎ፡ ሓሳባትካን ሕልምኻን ናይ ምርግጋጽ ስነ ምግባራዊ ትብዓት እውን ይፈጥር እዩ። በቲ  ካልእ ገጹ በዓል ሓደ መለክዕን መግለጽን ታሪኽን ባህልን ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ እዩ። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ እምንቶን መንግስትን/ሃገርን በዓላት ክህሉ ኣገዳሲ ዝገብሮ እዚዩ። ገለ ካብዚ በዓላትዚ ከኣ ኣህጉራዊ ወይውን ዞናዊ በዓላት ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈልጠ እዩ።

ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብሕግን ስርዓትን ዘይማሓደራ፡ ኣብ ጭቆናን ምልክን ዝርከባ ሃገራት ግን፡ እቲ ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ በዓላተን ከይተረፈ ብኢደ ወነናዊ ውሳኔታት እንዳተቐየረ ይሃስስ ብምህላዉን፡ ብባይቶ ኮነ ብህዝቢ ዝጸደቐ ሃገራዊ በዓላት እውን ስለዘይብለን ታሪኸናን ባህለናን ይብረዝ ምህላዉ ኩልና እንግንዘቦ ዘለና እዩ።

ስለዝኰነ ድማ’ዩ ሜዳና ውድባት ብዝወሰንኦ በዓላት ክሳብ ለይተ ሎሚ ዝምርሕ ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ 20 ሰነ ካብ ጽባሕ ናጽነት ንዳሓር ከም መዓልቲ ሰማእታት ብሃገር ደረጃ ክትክበር ስለዝተገልጸ ዓመታዊት በዓል መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ህዝቢ ኤርትራ በብደርጅኡ የኽብራን ይዝክራን። ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ እንተኮነ እውን፣ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ናይ ሓባር መዓልቲ ሰማእታት ንኽህሉ ምስ መራሕቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበራ ውድባት ሰፊሕ ናይ ምውኽኻስን ዝርርብን ፈተነ ኣካይዱ ግን ከኣ ኣይሰለጦን። እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ምኽንያት ብዘይምዝርዛር፤ ንግዝያኡ ድልየት ናይ ነፍሲ ወከፍ መሪሕነት ውድብ ኣብ ሓደ ክመጽእ ስለዘይካኣለ ጥራሕ እዩ ኢልካ  ክሕለፍ ተምራጺ እዩ። ይኹን እምበር መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ በቲ ዝረኸቦ መልስታት ክዕገት ስለዘይመረጸ፡ ኣብ ሻዱሻይ ስሩዕ ኣኼባኡ ንባሕቲ ታሕሳስ ህልቂት ህዝቢ ዖና ከም መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራውያን ክትብዕልን ክትዝከርን ብምውሳን፡ ካብ 1987 ጀሚራ ከተብዕሎ ምጽንሓ  ዝዝከር እዩ። መሪሕነት ተሐኤ ሰውራዊ ባይቶ ነዚ ውሳኔዚ ክወስድ ከሎ ዝተመርኮሰሎም መበገሲትት ክንርኢ እንከለና፡

  1. ብመጀመርታ እቲ ዝምረጽ ናይ ሰማእታት መዓልቲ መግለጺ ኣብ ሓደ ወታሃደራዊ ስርሒት ብዝተኸፍለ መስዋእቲ ተጋደልቲ ጥራሕ ንኸይከውን፡
  2. እቲ ዝምረጽ መዓልቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ውድባት ወይ መራሕቲ ሰውራ ዝተሰውእሉ ዕለት ዘንጸባርቕ ንኸይከውን
  3. ስዉኣት ኤርትራ ብረት ዝዓጠቁ ተጋደልቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ብሰራዊት መግዛእታዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ህልቂትን ሞትን እውን ዝኸበደ መስዋእቲ ስለዝኮነ ነዚ እውን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ተምራጺ ሓሳብ ምንባሩ ክዝከር ይካኣል።

መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ነዞም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ኣብቅድሚኡ ገይሩ እዩ ድማ ነዚ ውሳኔዚ ቅድሚ ምብጽሑ ዝካኣሎ መጽናዕቲ ገይሩ እዩ ናብ ውሳኔ ዝበጽሐ።

ነዚ ጭቡጥ ዝገብሮ፡ ብተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን ዝምራሕ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ፡ ንብጻይ ወልደማርያም ባህልቢ፡ ፍሳሃየ ዑቕባሚካኤልን ማሕሙድ ከራርን ዝተባህሉ ካድራት ናብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን ኣዋፊሩ፡ ንብዙሓት ካብቲ ህልቂት ብህይወት ዝተረፉን/ዝተረፋን ግዳያት ናይቲ ህልቂት ኮይኖም ዝሰንከሉ/ዝሰንከላን ዜጋታት ረኺቡብጽሑፍን፡ ብስእልን፡ ብተንቀሳቓሲ ፊልምን ዝተሰነየ ሰፊሕ ቃለ-ማሕተታት ኣካይዱ ዝረኸቦ ታሪኻዊ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ኣኪቡ እዩ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ ዝኻኣለ።  ዓወት ናይ ሽዑ ወርሓዊ መጽሔት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሕታም ቁጽሪ 29፡ ባሕቲ ታሕሳስ 1987 ተሓቲሙ ዝተዘርግሐ ድማ ነዚ ሓቕታትዚ እዩ ዘረጋግጽ። ብስም መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ንመጀመርታ ዝባዓለት ታሪኻዊት ዕለት ድማ እያ።

ፈጻሚት ሽማግለ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ነዛ ዕለት’ዚኣ ክውስን ከሎ፡ ቅድሚ ህልቂት ዖና ኮነ ድሕሪኡ ዝተፈጸመ ግፍዕን ሞትን ህልቂትን ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ግን ንኹሉ መዓልቲ ሰማእታት ክትገብሮ ስለዘይካኣል፡ እዛ ኣረሜናዊ ህዝባዊ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢ ሕጻናትን ኣረገውትን በልማማ ዝቐዘፈት ግፍዓዊት ፍጻሜ፡ ንኩሎም ብግፍዒ ዝሓለፉን ዝወደቑን ሰማእታት ኤርትራ ክትገልጽ ስለእትኽእልን ብዝዀነ ኣካል ኣሉታዊ ትርጉማት ከተስምዕ ዘይትኽእል፣ ክሳብ‘ታ ዕለት‘ቲኣ ዝበዝሐ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብጨካን ስርዓት ሃይለስላሴ ዝሃለቐላ መዓልቲ እያ ብዝብል ሓላፍነታዊ መለክዒ እዩ ወሲዱ።

እዚ ውሳኔ‘ዚ ኣብ መዋእል ቃልሲ ስለ ዝዀነ፡ ወሳኒኡ ማለት ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ከተብዕሎ ዳኣ ትጽናሕ እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት መዓልቲ ሰማእታት ኰይና ክትቅጽል ወይስ ካብኣ ዝሓሸ ምርጫን ዝያዳ ንሰማእታት ኤርትራ ዝገልጽን ኣማራጺታት ቀሪቡ ብህዝቢ ወይ’ውን ህዝቢ ብዝወከሎ ፓርላማ ክውሰን፡ ዲሞክራሲያዊ መሰል ህዝቢ ምዃኑ ግን መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ኣቐዲሙ ዝኣመነሉን ዝተቐረበሉን ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ በዓል ብድልየት ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክውሰን ከምዘይክእል ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ማለት ግን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣባላተንን ሰዓብተን  ዘኽብርዎን ዝዝክርዎን ውሽጣዊ በዓላት ክገብራ ኣይኽእላን እየን ማለት ከምዘይኮነ ርዱእ ክኸውን ይግባእ።

ካብ ናጽነት ንዳሓር ብሃገር ደርጃ ትብዕልን ትዝከርን ዘላ መዓልቲ ሰማእታት፡ በየናይ መዐቀኒ ተመሪጻ ንጹር መግለጺ ዘይተዋህበላ፡ ሓንቲ ካብተን ምስ ምምራጽ መራሕትናን፡ ሰንደቕ ዕላማናን ሓዊስካ ብዙሓት ብህዝቢ ወይ ህዝቢ ብዝመረጾ ፓርላማ ክውሰኑ ካብ ዝግብኦም ዝነበሩ ሓንቲ ክነሳ፡ ህዝቢ ድምጹ ከይሃበላን ዝተመርጸትሉ መጽናዕቲ ከይቀረበ ዝተኣወጀት ከምዝኮነት ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እዚ ማለት ግን፡ ነቲ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይኑ ኢደወነናዊ ውሳኔ ናይ’ዚ ዓማጺ ስርዓትን ድሒሩ ዝገርዘመ ብሓትን ሃርጋፍን ባህርያቱን ዘይሕጋውነት ንምግላጽ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ ስለ ዘሎኒ ከም ዘይኮነ ከነጽር እፈቱ። ምኽንያቱ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓመት ዘይኮነስ ወርትግ ክዝከሩን ክኸብሩን ዘለዎም እዩ። እዚ ግን ንይምሰልን ንስለምብዓልን ዝኽርን ዘይኮነስ ናብ ሓቂ ንስዉኣት ኣብትዝክረሉ ግዜ፡ ዘይተፈጸመ መብጻዓታት ህዝብና ንምዕዋት ኣለኹ እትብለሉን ደጊምካ ንቓልሲ እትዳለወሉን ክኸውን እዩ ዝግባእ። እንተቲ ብስርዓት ህግደፍ ብስም መዓልቲ ሰማእታት ተባሂሉ ዝግበር ናይ ጓይላን ናይ ትልሂትን መዓልቲ ስዉኣት እንተኮይኑ፡ ዝጎደለ ማሕፍድኡ ንምምላእን ንሳዓብቱ ንምድንጋርን እንተዘይኮይኑ፡ ስዉኣትናስ ብኻ ምተረፎም።

እዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘሎና ሕሱም መዋእል ህይወትና እምበኣር፡ ውጽኢት ናይ‘ቲ ሽዑ ኢደ ወነናዊ ውሳኔታት ክጅምር ከሎ ህዝቢ ኣይፋሉን ከይበለ፡ ገለ ተታኺሱ ገለ ድማ ነርክበሉ ብዝብል ዝሓለፍናዮ ዝተመንዝዐ መሰልና ምዃኑ ዓንዴል እናጠዐመና ክንውሕጦ ዘሎና ሓቂ እዩ።

ብዛዕባ’ቶም ንዓና ክሕሸናን ክርህወናን ፍጡራት ደቂ-ሰባት ክነሶም ምእንታና ክብሉ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እናበሉ መማዝንቲ ዘይብሉ ታሪኽ ጅግንነት ብደሞም ጽሒፎም ሓደራ’ዛ ሃገር እናበሉ ከም ሽምዓ ዝመኸኹ ሰማእታትን፡ ኣብ እዋን መስዋእቶም ዝፈጸሙዎ ቅያን ይግለጽን ይዝከርን እኳ ይሃሉ’ምበር፡ ብሓፈሻኡ ግን እቲ ታሪኽ ብጭልፋ’ኳ ተላዒሉዎ ዝብል እምነት የብለይን።

ብዝኾነ ሰማእታትና ሕድሮም ተፈጺሙ ብዘይስክፍታ መታን ቀሲኖም ክድቅሱ፡ ናይ ቃልሲ መብጽዓና ከነሐድስን ኩሉ እንኽእሎ ክንገብር መድረኻዊ ሕቶ ንምምላስ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ’ዩ።  ሎሚ ድሕሪ 26 ዓመታት ነጻነት ሰማታትና ኣብ እንዝክረሉ እዋን፡ መቓብሮም ዘለላ ወይኒ ኣንጠብጢቡ፡ ህዝቦም መሰሉ ተሓልዩን  ከቢሩን  ጸጊቡን  ቀሲኑን ክነብር፡ ተረከብቲ ሕድሪ ተካእቲ ወለዶ ከኣ፡ ብትምህርቲ ማዕቢሎም ሃገሮም ኣብ ምህናጽ ሻማሻማ ዝብሉሉ እምበር፡ ተስፋ ቘሪጾም ክስደዱን  መፍቶ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂሰባትን ግዳይ ባሕርን ሰሃራን ክዀኑ ኣይምተገብአን።እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ግን፡ ሕድሪ ሰማታትና ንዝጠለመ፡ ንፍረ ቃልስና ዝሰረቐ ኣረመናዊ ስርዓት ስለ ዘምለኽናን ንኽሻድን ዕድል ስለ ዝሃብናን‘ምበር፡ ካብ  መጀመርታ ዓገብ እንተንብልስ  ሰማታትና ምቐሰኑ መንእሰያትና  ድማ ኣብ ማህጸን ወላዲት ሃገሮም ምሰሰኑ።

ብርግጽ ሰማእታት ምኽባር ማለት ሕድሮም ምፍጻም‘ እምበር ብስሞም ምምዳርን ብወርቃዊ ታሪኾም ተሓቢእካ ንፍሉይ ውልቃዊ ድልየታትካን ገበናዊ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲኻ ንምትግባርን ኣይኰነን። ሰማታትና ምእንቲ ናጽነት ሃገርን ፍትሕን መሰልን መላእ ህዝብ ኤርትራ‘ምበር፡ ምእንቲ ፍሉይ ወገን ወይ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ስለ ዘይተሰውኡ፡ ክብሮም ኣብ ልቢ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰፈረ ብወርቃዊ ቀለም ጽሒፎም ዝሓለፉን ንውሉድ ወለዶ እንዀርዓሎም ጀጋኑ እዮም። ስለ ዝዀነ ድማ  ሕድሮም ናይ ምትግባር  ሓላፍነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ‘ምበር ንፍሉያት ወገናት ዝምልከት ኣይኰነን። 

ከም‘ቲ ጽቡቕ ዝገበረ ጽቡቕ እንተዝፍደ ብዕራይ ዱቋ ምሰተየ ዝብሃል ምስላ ኣቦታት፡ ሓቅን ፍትሕን እንተ ዝህሉስ ልዕሊ ሰማእታትና ክኸብር፡ ልዕሊ ህርኩትን ጻዕረኛን  ህዝብና ጻማ ጻዕሩን ዋጋ ተወፋይነቱን ክረክብ ዝግብኦ ሓደ‘ኳ ኣይምሃለወን። እንተዀነ፡ ብሰንክ‘ዚ ጠላም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ደረቱ ዝሓለፈ ስቕታን ኣምልኮን፡ እንሆ ሎሚ ሃገርና ኣብ ኣፍደገ ጸድፊ፡ ህዝብና ድማ ኣብ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ መዋእል ሕሰምን ባርነትን ተዋሒጡ ይነብር ኣሎ።

ሰማእታትና ብሓቂ ክኸብሩን ንሕና ድማ ብመስዋእቶም ክንሕበን ናይ ጸጋታትና ተጠቀምቲ እንኸውን  እምበኣር፡ ነዚ ናይ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለና ማሕንቖ ዀይኑ ዘሎ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ኢድ ህዝቢ ወዲቑ፡ ከም’ቲ ወዲ ኣኸዛ ኣብ መቓብር ስውእቲ ጓል ኣለም ተንበርኪኹ ንክሰግድ ዝተገብረ ትምህርታዊን ኣብነታውን ምርኢት፡ ኣብ መቓብር ሰማእታትና ከነስግዶ  ምስ እንኸእል ጥራሕ’ዩ። እቶም መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ናይ ሕሰምን ጥፍኣትን ተግባራትን ካልኦት ዝተሓባኤ መንቀሊ ክህልዎም ዝኽእልን ንጀግንነታዊ መስዋእቲ ህዝብና ክሳብ ምኽሓድ በጺሖም ዘልዉ ዜጋታት እንተኾኑ እውን፡ ትርጉም መዋእትነት ሽዑ ክማሃሩ እዮም።

ነዚ ንምግባር ከኣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ካብ ዝነበሮን ዘሎዎን ረማሲ ሕማም ጽልእን  ቅርሕንትን  ወጺኡ ብሓባር ናይ ዓወት መደብ ሓንጺጹ ክሰርሕ ምስ ዝብገስ ኢዩ። ካብዚ ወጻኢ ናይ ሰማእታትና ሓላይን ተሓላቕን ኢየ ዝብል እንተልዩ ንነብሱ ዘታልል ዘሎ ምዃኑ ክርዳእ እዋኑ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ብዛዕብኦም ምምዳርን፡ ሕድሮም ንምዕዋት ምስራሕን ኣዝዩ ርሑቕ ፍልልይ ዘሎዎ ኣምር ስለ ዝዀነ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዝጽውዕ ዘሎ ደወል ኣፈርክቡ ሰሚዑ ዘጽቅጥ፡ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የቕርብ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከም ዘይክእል ክርዳእ ይግብኦ።

ስለ ዝዀነ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ትማሊ ኣበይ ነይሮም ብዘየገድስ፡ ካብ’ቲ ብከንቱ ዝጠፍአ ግዜና ተማሂርና ህዝብና ክንክሕስን ሃገርና ከነድሕንን፡ ናይ ሎምን ጽባሕን መደብ ፈሊናን ቀዳምነታት ሰሪዕናን ክንሰርሕ መታን ክንክእል፡ ብዙሕ ጊዜ ዝቐርብ ዝነበረን ኣብ‘ዚ ቀረባ ጊዜ’ውን ብሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝቐረበ ናይ ዘተ እማመ ወይውን ካብኡ ዝሓሸ እንተልዩ ኣቕሪብካ ምዝታይን ብዝተሰማማዕካሉ ውጽኢት ዘተ ተማእዚዝካ ምስራሕን ዝዕድም እዋናዊ ዕማም’ዩ፡፡

እዚ ድማ ነዚ ሕማም መንድዓት ህዝብና ዝኾነ ኣረሜናዊ ስርዓትን ቀቢሩዎ ዘሎ ማሕበራዊ ፈንጅታትን፡ ደምሲስካን ኣሊኻን፡ ኣብ ዑናታቱ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓተ ምሕደራ ኣውሒስካ ስልጣን ንዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ምርካብ ዓቢ ዝላ ንቅድሚት ከረጋግጽ ዝኽእል መስርሕ እዩ። እዚ ምስ ዝፍጸም ከኣ’ዩ ህዝብና ጻምኡ ዝኽፈልን ፍረ ሰማእታቱ ዝሓፍስን ብመስዋእቶም ዝዀርዕን ዝሕበንን ንሰማእታቱ ድማ ቅሰኑን ክበሩን እናበለ ኣብ ዕለታዊ ጸሎቱ ክዝክሮም ዝኽእል።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና

ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ውድቀትን ዕንወትን  ንምልኪ፡

01 ታሕሳስ 2017

 

Last modified on Friday, 01 December 2017 21:07