ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው በል
2017-10-31 10:42:45 Written by ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2808 timesዝኾነ ይኹን ሰብ ርእይቶኡ ክህብ መሰሉ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ርእይትኡ ግና ቅቡል ዲዩ ኣይቅቡልን፥ እወንታ ዲዩ ኣሉታ ተባሂሉ ክምዘን ጽቡቕ እዩ። ብድፍኑ ኣየናይ ይሓይሽ ከይተመራመርካ ንዝኾነ ይኹን ርእይቶ ምንጻግ ወይ ከኣ ብኣሉታ ምምዛን ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ክንርዳእ የድሊ። እወ! “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው በል” ዝብል ጻውዒት ወይ ርእይቶ ንኹልና ዘኽስብ እምበር ዘኽስር ኣይኮነን።
መጀመርያ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣድራዕን መከራን ዝተፈልየ ራህዋን ቅሳነትን የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ ውሽጡ ብዋሕዲ ደሞዝ፥ ሕማቕ ምሕደራ፥ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ ይሳቐ ከምዘሎ ኩልና እንርድኦ ሓቂ እዩ። እወ! እዚ ሰራዊት እዚ ንኹሉ መከራ፥ ጥሜትን፥ ዕርቃንን ተጻዊሩ ንድሌታት እቲ መላኺ ስርዓት ብድፍኑ ብዕግበቱ የገልግልን ይፍጽምን ኣሎ ክንብል ግን ኣንጻር ለውጢ ተዓጠቕ ንብሎ ኣሎና ማለት እዩ ዝኸውን።
ቅድም ቀዳድም እዚ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ሰራዊት ዋላ እኳ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዘይተመልመለ እንተኾነ ናይ ፖለቲካ ሀ-ሁን ዲሞክራሲያዊ ራኢን ፍጹም ዘይብሉ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሰራዊት እዚ ኣብ ስለስተ ክፋላት ከፊልና ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ክፋላት እዚ ከኣ ላዕለዋይ፥ ማእከላይን ታሕተዋይን ጽፍሕታት ዝሓዘ ቀጸላታት ዘለዎ እዩ። እቲ ላዕለዋይ ጸፍሒ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ በቲ ማእከላይ ጽፍሒ ኣቢሉ ነቲ ታሕተዋይ ጸፍሒ ትእዛዙ የመሓላልፍ። ሰራዊት ከኣ ናይ ግድን እዩ ክሳብ እቲ ጉዳይ ዝበርሃሉ ዝወሃቦ ትእዛዝ ከተግብር ።
ከምቲ ዝተጠቕሰ እቲ ሰራዊት ኩሉ ጥዒምዎ ከምዘየለ፥ ግን ከኣ ካብ ውሽጡ ነቲ ስርዓት ብፍሉይ ኣገባብ ዝተሓዙን ሓላፋታት ዘለዎምን ኣይሳእንዎምን እዮም። ምኽንያቱ ምልኪ ኩሉ ግዜ ረብሓኡ ኣብ ከፋፊልካ ግዛእ ስለዝኾነ። በዚ እቲ ሰራዊት ዘጋጥሞ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ዕድልን መድሎን ኣብ ዝረኽበሉ እዋን ነቲ መላኺ ስርዓት ክልውጦ ተኽእሎ ኣለዎ። ልክዕ እዩ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ውልቃዊ ድሌታት ወይ እውን ናይ እኩባት ረብሓታት ዘለውዎ ሰራዊት ምዃኑ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ክህሉ ከኣ ባህሪያዊ እዩ። እዞም ንውልቆም ዲዮም ንእኩብ ረብሓታቶም ጥቑዓት ዝኾኑ ከኣ እዮም ነቲ መላኺ ስርዓት ብዝያዳ ዘገልግልዎን ዝከላኸልሉን። ስለዚ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ብኣልማማ ኩሉ ዝኹነን ወይ ዝነኣድ ኣይኮነን።
ኣብ ውሽጢ እዚ ሰራዊት እቲ ንለውጢ ዝብህግ ክሳብ ዝዕወት ኣብ ዲሞክራሲያውነት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ከምዘይናትና ወይ ብኣተሓሳስባ ከም ኣካል ሓይሊ ተቓውሞ ምዃኑ ነጺግና ክንኩንኖ እንተዀንና፥ ነቲ ኣዕኑድ ናይቲ መላኺ ስርዓት ክንሰብሮ ኣይክንክእልን ኢና። እቲ ኩሉ ጻዕርና ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምዃኑ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከኣ ተጻዋርነት እቲ ቀንዲ ሓያል ጎድኒ ናይ ቃልስና ኣካል እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣብ ለውጢ ዝርባሕ ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ተጻብኦታት እንተኣዘውቲርና መሊስና ነቲ ዕድመ ስርዓት ጉንዖ ነወፍየሉ ኣሎና።
ስለዚ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምኽሳቡ ስለዝፈሸልና ኣብ ሓደ ቁራዕ ኣእቲና ክኹነን ኣለዎ ኣብ ክንዲ ምባል ንኽንከስቦን ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ደው ንኽብል ክነኽእሎ ዝግበኣና ጉዳያት ክነማልእ ኣሎና። ነቲ ሰራዊት ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ምልካዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ገለልተኛ ክኸውን ምጽዓር። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ኩሉ ኣባል ደምበ ተቓውሞ ብዝተኻእለ መጠን ሰራዊትን ህዝብን ናብ ጥብቕ ዝበለ ዝምድና ንምብጻሕ ዝደጋገፉሉ ኣገባብ ምዝውታር። ወተሃደር መብዝሕትኡ ግዜ ዓመጽ፡ ምፍርራሕን ምግዳድን እኳ ዝጥቀም እንተኾነ፡ ነዚ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ንኸየዘውትሮ መጸዋዕታ ምቕራብ ነውሪ የብሉን። ከምዚ ምግባር ኣብ ድሌታት ወተሃደራዊ መሪሕነት ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምውዳቕ ወይ ምርዓም ማለት ኣይኮነን። ከም ኣብነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤኣ ንናይ ሽዑ ኮማንዶስ ኣካል ህዝባዊ ቃልሲ እምበር ኣንጻር ናጽነት ኣይኮነን፡ ዋላ እኳ ንግዝያዊ ጠቕሙ ምስ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ደው እንተበለ ከም ጸላኢ ኣይንቖጽሮን ዝብል ውሳኔ ወሲዳ። ድሕሪ እዚ ሰራዊት ኮማንዶስ በብሓደ ይኹን ብእኩብ ናብ ሰውራ ኤርትራ ክጽንበሩ ጀመሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ንህዝቢ ካብ ስጉምቲ ሓይልታት መግዛእቲ ከምዝተኸላኸሉ ርኡይ ናይ ትማሊ ምስክር እዩ።
ብመንጽር’ዚ እዚ ህልዊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስርዓት ህግዲፍ ደው ዘበለ ናይ ምልኪ ሰራዊት እዩ ኢልና ኣንጻር ህዝቡ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፡ ኣንጻር እቲ ስርዓት ንኽብገስ መጸዋዕታ ምቕራብሲ ምስ ህግደፍ ምድንጋጽዶ የስምዕ ይኸውን? ነቲ ስርዓትሲ ደው ኣቢልዎ ዘሎ እዚ ፋሕ ከም ደቂ ዛግራ ኮይኑ ዘሎ ደምበ ተቓውሞዶ ኣይኮነን? ስለዚ ንሰራዊት ወትሩ መጸዋዕታ ምቕራብ ናብቲ እንደልዮ ዘሎና ለውጢ ተሓባባርን ተሓጋግዝን ጥራይ ንክኸውን ዘይኮነስ እንተላይ ንረብሓኡ ምዃኑ ምእማትን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ንኽብል ንምኽኣል ዝሕግዝ ኣገዳሲ መጸዋዕታ እዩ። ትርጉም ናይቲ መጸዋዕታ፡ ንህዝቢኻን ንሃገርካን ተኸላኸል፥ ነቲ ስርዓት ከኣ ፎእ በሎ ዝብል እዩ።
ስለምንታይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል መጸዋዕታ ምቕራብ የድሊ እምበኣር ምኽንያቱን ኣድላይነቱን ንጹር እዩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ክንዲ ብኣሉታ ንጥምቶ ብእወንታ ጠሚትና ንእወንታዊ ትግባረ ክንጽውዖ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣንጻር ረብሓኡ ተሰሊፉ ስለ ዘሎ። ብዘይካዚ፡ እዚ ስርዓት ከምቶም ዝሓለፉ ክሓልፍ ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ባዶነት ከጋጥም እንከሎ ነታ ሃገር ንግዚኡ’ኳ ይኹን ጸጥታን ምርግጋእን ናይ ምውሓስ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክነተባብዖን ኣብ ጎንኻ ኣሎና ክንብሎን ብኣውንታዊ ጐኑ ክንርእዮን ኣድላይ’ዩ። ከምኡ’ውን ቃልስና ብብሄራዊ፥ ሃይማኖታውን ሕብረብሄራውን ኣሰላልፋ ተፈላልዩ፡ ነናቱ ሰራዊት ዘለዎ ደምበ ተቓውሞ ነታ ሃገር ዝከላኸል ሓይሊ ክኸውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ሰራዊት ሒዙ ጽባሕ እውን ኣብ ነንሓድሕዱ ናይ መን ዓብለለ ጉስጢ እንተካይዱ፡ እቲ ሰራዊት “ኣይከምኡን” ክብል ትጽቢት ይግበረሉ።
ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘሰማምዕዎ ዝፈላልይዎ ዝወሓዱ ክንሶም፡ ከምቲ ዝድለ ኣብቲ ዘሰማምዖ ሰጢሙ ክሰርሕ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ናብቲ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘገልግል ዘሎ ሰራዊት “ዋልታ ህዝብኻ ኩን” ዝብል መጸዋዕታ ምቕራብ፡ ከም ምድጋፍ ንዲክታቶሪያዊ ጉጅለ ኣምሲልካ ምርኣዩ ቅቡልን ቅኑዕን ኣይኮነን።