ተፋቐር ከም ሓው ተሓሳሰብ ከም ጓና

2017-10-30 20:28:52 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2638 times

ኣብ ሓደ ንኹልኻ ብማዕረ ዝምልከትን ዘርበሓካን ዕማም ክትወፍር እንከለኻ፡ ዕዉት ምእንቲ  ክትከውን፡ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይ፡ ምፍቓርን ምትሕብባር ከም ዘድሊ ቅቡል እዩ። እዚ ቅቡልነት እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወት እንተላይ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዝስረሓሉ እዩ። ውጽኢቱ ከኣ ናይ ሓባር ዓቕሚ ዘዕንትርን ኣድማዕን እዩ። እንተኾነ መን ይፈልጥ እቲ ምትሕብባር ከምቲ ዝድለ ኣብ ዘይኮነሉ እቲ መስርሕ ምእንቲ ስሩዕ ቀጻልነት ክህልዎ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ቅሩብነት ጠማሪ ውዕል ወይ ስድቢ የድሊ። እዚ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ዘበናዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወለድና ኣብ ዓዶም፡ ጉዳይ ዘርዓ፡ ሓለዋ ሕዛእትን ኣግራብን፡ ዘጋጥም ሓጐስን ሓዘንን ዝምልከቱ ንምትሕብባርን ምትሕስሳብን ኣሳንዮም ዝሕዙ ስድብን ኣካይዳን ከዘውትሩ ጸኒሖም እዮም።

ስለዚ እቲ ካብ ቅሩብነትን ሓልዮትን ዝነቅል ድቡቕ ድሌት ብሕግን ስርዓትን ከም ዝስነ ይግበር። እዞም ቅሩብነትን ምትሕስሳብን በቲ ሓደ ወገን  መቆጻጸሪ ሕግን ስርዓትን፡ በቲ ካልእ ወገን ተጻረርትን ሓደ ብዘይካቲ ካልእ ዝህሉን ዘይኮኑ ተመላላእቲ እዮም። ሕግን ምትሕስሳብን ዘይብሉ ኣብ ናይ ሰባት ጽቡቕ ድሌት  ጥራይ ዝምርኮስ፡ ጉዕዞ ውሕስነት ቀጻልነት የብሉን። ጽቡቕ ድሌትን ቅሩብነትን ዘይተሓወሶ ሕግን ምቁጽጻርን በይኑ እውን ውጽኢቱ ኣድማዒ ኣይከውንን። ክልቲኦም ኣምራት ኣብቲ ዘዘድልይሉ ኣሳንዮም ክዝውተሩ እንከለዉ ግና ኣዕጋብን ቀጻልን ውጽኢት የመዝግቡ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ብሓባር ክትጐዓዞ ዝጸናሕካ መስርሕ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ኮይንካ ምምዛኑ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ምትሕስሳብ ንብሎ ዘለና ድማ ንሱ እዩ። ኣብዚ ሕጋዊ ናይ ምትሕስሳብ መድረኽ እቲ ማእከላይ መወከሲ እቲ ከሎ ጌና  ከቢብካን ነቢብካን ዝሰነድካዮ  መተሓሳሰቢ ሕጊ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ውሱን ጽፍሒ ናይ ሓደ ትካል ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ እሞ ድማ ኣብ ዓብይ ይኹን  ንእሽቶ ትካል ክዝውተር ዝግበኦ እዩ። እዚ ተቐራሪብካን ተሓጋጊዝካን ምስራሕ ኣድላይ ክኸውን እንከሎ፡ ዘይምንሕሓፍን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ህይወት ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ  ብመልክዕ ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ጉባአታትን ካልእ መላዘቢ ኣጋጣምታትን ዝትግበር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጨንፈራት ሰልፍና ዘካይደኦ  ኣኼባታትን ብመሪሕነት ዝውደብ ናይ ሓባር ርክባትን ናይዚ “ከም ሓው ተፋቐር ከም ጓና ድማ ተሓሳሰብ” ኣብነት ኮይኑ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ።

ብፍላይ ከም ጓና ተሓሳሰብ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ መኻይድኻን መቓልስትኻን ስለ እተፍቅሮን እተኸብሮን ሕጽረታቱ ኣይትሕበኣሉ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ንሓደ ኣካል ክትተሓሳሰቦ እንከለኻ ንሱ ክርእዮ ዘይከኣለ ዘሓሸ መንገዲ ኢኻ እተርእዮ እምበር ኣይተነውሮን ኢኻ። ንሱ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ካብ ዘርእዮ ጥሕሰት ኢኻ እትመልሶ እምበር ንኣበርክቶኡ ኣይተነኣእሶን ኢኻ። ንኣድላይነት ከምዚ  ዓይነት ናይ ሓሳብ ሓገዝን ምዕዶን  ከኣ እዮም ለባማት “ኣብ ልዕሊ ዘለካ እንተዝውስኹኻ፡ ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኽሩኻ” ዝብሉ። ብኣንጻሩ ናይ ቀረባ መሳርሕትኻን መኻይድኻ  እተቐይሞ ዘለኻ መሲሉካ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ዘይምትሕስሳቡ በደልካዮ እምበር ኣይሓገዝካዮን። ምኽንያቱ ብዓንተቦ እንተዝተሓዝ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ሕጽረት ምስ ሳዕረረ ምእላዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን። እቲ እንተ ተሓሳሰብካዮ ዝጐዳእካዮ ዝመሰለካ ኣካል ብሰንኪ ናትካ ብእዋኑ ብዘይንሕስያ ዘይምትሕስሳብ ምስ ተጐድአ ብኣንጻሩ ክቕየመካ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

ኣብዚ ግሉጽነት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝተሓሳሰብ ኣካል ካብ ቅንዕና ክሕግዝን ቅኑዕ መንገዲ ከትሕዝን ከም ዝተላዕለ ነቲ ዝምልከቶ ኣካል  ከረድእ ክበቅዕ ኣለዎ። ተግባሩ ሓላይን ተገዳስን መሲልካ ካልእ ሕቡእ ጐዳኢ ኣጀንዳ ከምዝየብሉ ከርኢ ክበቅዕ ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ምትሕስሳቡ ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። እቲ ካልእ ወገን እውን እቲ ምትሕስሳብ ንዕኡ ዝሕግዝን ካብ ሕጊ ወጻኢ ከይዱ ንከይጥቃዕ ንምድጋፉን ምዃኑ ብክፉት ሕልና ክቕበሎን፡ ሕነ ካብ ምፍዳይን ቂም ካብ ምሕዝን ናጻ ክኸውን ይግበኦ። ሕጂ እውን ደጊመ ክጠቕሶ ዝደሊ እዚ “ከም ሓው ምፍቓርን ከም ጓና ምትሕስሳብን” ፊን ብዝበለካ ኣገባብን ቃሕ ኣብ ዝበለካ ግዜን እሞ ድማ ኣብ ፍንው መድረኽ ዝካየድ ዘይኮነ ኣቐዲሙ ብዝተቐርጸ ቀጥዕን ኣገባብን እዩ ዝካየድ። ንኣብነት ኣብ ኣሰራርሕ ሰዲህኤ እንተመጻእና እቲ ቀጥዒ ቅዋም ሰልፊ፡ እቲ መድረኽ ካብ ኣኼባ ጨንፈር ጀሚርካ ክሳብ ጠቕላሊ ጉባአ ሰልፊ ዘለዉ ሜዳታት፡ እቲ ግዜ ድማ እዞም መድረኻት ዝዝውተርሉ ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ ናይ ግዜ መቐናት ምዃኑ ምጥቃስ ይከኣል። 

Last modified on Monday, 30 October 2017 21:31