ዶር ገብረ ገብረማርያም፣ ካብ ዝባን ሕጊውን ስለ ሕውነት፣ ነጋሪት ምፍንጫል ዘይኮነስ ነጋሪት ሓድነትን ስምረትን ክትድስቅ!

2017-10-08 09:24:35 Written by  መድሃኔ ሃብተዝጊ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2179 times

3ይ ክፋል: 

ክቡር ዶር ገብረ ገብረማርያም «ልቦና ዝሕርሙን ውዕል ሓድነት ዝጠለመን መሪሕነት ሰደህኤ» ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስፊርካ ኣብ መርበብ ሓበረታ meskerem.net ወዘተ ዝሰቀልካዮ ጽሑፍካ፣ ነዚ ውጺእት 2ይ ጉባኤ ዝኾነ መሪሕነት ሰልፊ በዚ ካብ ደረጃኻ ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለ ቃላት ድሕሪ ምግላጽካ፡  እዚ መሪሕነትዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ገለ ውሑዳት ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ «ሰህኤ EPP» ዝነበሩ ሒዙ፣ ናይ "ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጁ" ኣሎ ብምባል ንህዝቢ ከም ሓበረታ ኣቐሚጥካ፣ ደጋጊምካ'ውን ሕብርን ውቃጦን ወሲኽካ ትደጋግሞ ኣሎኻ።

ኣብ ናይ ሎሚ (3ይ ክፋል ጽሑፈይ)፡ «ልቦና» ዝብል ቃል እንታይ ምዃኑ ኣብ ዝውቱር ዕለታዊ ኣጠቃቅማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተመርኲሰ ብዝርድኣኒ  ከብርህ ድሕሪ ምፍታን፣ ኣብ ጉዕዞ ናይ ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ሰደህኤ ኣበየናይ ሸነ'ኽ እዩ ልቦና ኣንጸባሪቁ፣ ኣበየናይ ሸነኽከ ሕጽረት ልቦና ኣንጸባሪቁ፣ ብመርትዖ ኣሰንየ ክገልጽ ክፍትን እየ። ኣቀዲመ ግን ሓደ ቢሂል ኣቦታትና ንኣንበብቲ፣

እቲ ቀደም ዘመን ዕብየት ተክነሎጅን ኢንተርነትን ከምዚ ሎሚ ንርሕቀተ ኣጽናፍ ዓለምን ንስፍሓተ ኣድማስን ኮምቲሩ፣ ንገፋሕን ዓባይን መሬትና ኣብ ዓቐን ኩዕሶ እግሪ ከይመለሳ እንከሎ፡ ሕጽረት መራኸቢ ስለዝነበረ፣ ናይ ደቂ ሰባት ስሉጥ ርኽክብ ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። ይትረፍስ ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ክፍለ ዓለማትን ሃገራትን ተነቊትካ፣ ካብ ከበሳ ናብ ቆላታት ኤርትራ ወይ'ውን በንጻሩ ካብ ቆላታት ኤርትራ ናብ ከበሳ ምስ እትግዕዝ፡ ዳርጋ ካብቲ ዝፈልጠካን እትፈልጦን ሕብረተ ሰብ ጠፊእካ ማለት እዩ። ኣብ ካልእ ሓድሽ፣ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኻን ሓቀኛ መንነትካን ምስልኻን ዘይፈልጥ ሕብረተሰብ ኣቲኻ ፣ እንተ ደሊኻ ዋላ ዘይምስልኻ ሒዝካ ናይ ምንባር ተኽእሎ ነይሩ። እዚ ማለት ድኹም እንክንስኻ ሓያል ከምዝነበርካ፣ ድኻ ምንባርካ ተረሲዑ  ሃብታም ከምዝነበርካ፣ በሃም እንክንስኻ ለባም ከምዝኾንካ፣ በቚባቚ እንክንስኻ ጅግና ከምዝነበርካ፣ ሓሳውን መላኽዕን እንክንስኻ ከም ቅኑዕን ሓቀኛን ተመሲልካ፣ ናይ ምንባር ኣኻእሎ ነይሩ። ምእንቲ ምንታይሲ፣ ኣብቲ ሓዲሽ ሕብረተሰብ፣ እዋ ንስኻ ደኣ ከምዚ እንዲኻ፣ እፈልጠካንድየ ዝብል ሰብ ስለዘይብልካ። ንክውንነት ናይዚ ንምግላጽ ድማ እቶም ምንጭን መሰረትን ናይ ኩሉ ልቦናናን ኩሉ ክቡር ባህልታትናን ዝኾኑ ኣቦታትና፣ ነዚ ኩነት’ዚ «ርሑቅ ዓድስ መሐሰዊ» ብዝብል ምስላ ገሊጾሞ ይርከቡ።

ዕብየት ተክኖሎጅን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ግን ንዓለምና ዋላ ኣጽቢቡ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወዲ ሰብ የእትዋ ኣምበር፣ እዚ ጸጋታትዚ ብስነ ምግባር ዝጎደሎምን፣ ሳዕቤን ናይ ስርሖም ንሕብረተ ሰብ ብግቡእ ዘይርድኦም ወይ ዘይዓጦምን ክውነን፣ ተጠቃምነት ክረክብ እንከሎን ግን፣ ንዓለምና ኣብ ክንዲ ዘጽብባ ዝያዳ የግፍሓ። ሓደ ህንዳዊ ናይ ስነ ፖለቲካ (political science) መምህር ብ1994 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ይምህር ኣብ ዝነበረ ሰዓት፡ ተመሃርቱ ንዝነበርና፣ ገለ ልቦናን ስነ ምግባርን ዝጎደሎም መራሕቲ ሃገራት ከም በዓል መራሒ ናይ ሊብያ ነበር ሙዓመር ኣልቀዛፊ ኢሉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ኑኲሊየራዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን ዕድል እንተዝረኽቡ፣ ሳዕቤኑ ኣብ ሊዕሊ ኣህዛብ ዓለም ከይገደሶም፣ ዋላ ንዓኦም እውን ከምዝልክሞም ከይፈለጡ፣ ብቀንጠብጠብ ንፈተነ መፈንጀርዎ እሞ፣ መወዳእታ ዓለም ምበጻሕና ኢሉ እንክምህረና ይዝከረኒ። ሓያለይ ኣመሓደርትን ተጠቀምትን ናይዚ ናይ ተክኖሎጂ ጸጋታት ንሕብረተሰብ ብዝእክብን፣ ዝጥርንፍን፣ ዝምህርን፣ ዝሃንጽን፣ ዘማዕብልን፣ ዝእርምን ኣገባብን ሓላፍነትን ኣብ ክንዲ ዝጥቀሙሉ፣ ሳዕቤኑ ብዘየገስ ከም ዘይገሃስ መሰሎም ገሮም ብምውሳድ፣ ዝደለይዎ ክብሉን፣ ክጽሕፉን፣ ክሕስዉን፣ ክውንጅሉን፣ ከጸልሙን ይረከቡ። ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበረታ ዝስቀሉ ጽሑፋትን፣ ምሸት ምሸት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፓልቶክ ሩማት ከም ሓበረታን ኣስተምህሮን ዝምደሩ መደረታትን ብትሕዝቶኡን ሳዕቤኑን ምዝን ምስ እተብሎ፣ ኣብየት! እዚ ተክኖሎጅን ኢንተርነትን ንዓና ንኤርትራውያንሲ እምበርዶ ከቀራርበናን ከቃድወናን እዩ፣ ኣብ ምባል የብጽሓካ። ገሊኦም ኣልዕል ኣቢሎም ዘይነበርዎን ዘይወዓልዎን ዋና መሰኻኽር ናይ ታሪኽ ኮይኖም፣ ኩስቶ ንኹስቶ ቀተለ፣ ኩስቶ ከምዚ ዓይነት ገበናት ፈጸመ፣ ወዘተ እንዳበሉ ሓቅነቱን ሓሶትን ዘይተረጋገጸ፣ ኣብ መደበር ፖሊስን ኣብያተ ፍርድን ክዝረብ ንዘለዎ፣ ሓታቲ ስለዘይብሎም፣ ያኢይሲ ጣቋ ዘለዎ ትምህርትን ኣገዳሲ ሓበራታን ተቆጺሩስ፣ መማሰይን መማጎትን ይኸውን። ገለ ካልኦት እውን ነዚ ዕድልዚ ተጠቂሞም፣ ንነፍሶም ካብ ሓቀኛ ክውንነት ኣርሒቁም፣ ከም ኣወንታውያን ገሮም ብምግላጽ፣ ንኻልኦት ግን ኣብ ምንእኣስን ምጽላምን ምጥቃንን ይጥቀሙሉ። ዓገብ ዝድልዮ ጉዳይ እንዳበልኩ ኣብ ትንተናይ ክሰግር።

ትርጉም ልቦና ካብ ዝውቱር ኣጠቃቅማ ሕብረተሰብና

ለባም እዩ/ያ ዝብል ኣገላልጻ ሕብረተሰብና መዓልታዊ ዝጥቀመሉ ዝውቱር ቃል ኮይኑ፣ መዐቀኒ ወይ ገላጺ ናይ ኣወንታዊ ባህርያት ናይቲ ተገላጺ ኣካል ዝሕብር ቃል እዩ። እንታይ ዓይነት ውልቀ ጸጋታት/ባህርያት እዮምከ ኣብቲ ተገላጺ ሰብ ኣንጸባሪቆም ለባም እዩ/ያ ከብሊ ዝኽእሉ? ኣብ ባህሊ ህብረተሰብና እምበኣር ትዕግስቲ፣ ተጸዋርነት፣ ትሕትና፣ ልግሲ፣ ሓልዮት፣ ሰፊሕ ጠመተ፣ ሓላፍነት ምውሳድ፣ ተበጃውነት፣ ጥንቃቀ፣ ካብቶም ንሓደ ሰብ ለባም እዩ/ያ ከብልዎ ዝኽእሉ ረቋሒታት ኣዮም። በንጻሩ ኣብ ጉድለት ናይዞም ጸጋታት እዚኣቶም ዕቡይ፣ ህንዱድ ዘሪጋ፣ ኣጭበርባሪ፣ ሁከተኛ፣ ዓሻ፣ ስሱዕ፣ ተንኮለኛ ዝብልን ካልእን ኣሉታዊ መግለጺታትውን ይርከብ። 

ጭብጥታት ልቦና ኣብ ቃልሳዊ ጉዕዞ ሰደህኤ ካብ 2ይ ጉባኤ ኣትሒዝካ፣

1ይ መርትዖ፣

ንስኻን እቶም ኣለዉኒ ኢልካ እትእውጆምን እትሕለቐሎም ኣባላትን ኣካላዊ ኣኼባ ብምክያድ፣ ካብ ሓው መስፍን ሓጎስ ”ኩነታት ዓቅምኹም ገምጊምኩም፣ ዓቅምኹም ዘፍቅደልኩም እንተኾይኑ፣ ኣብ ናይ ዞባ ኣኼባ/ጉባኤ ገጢምኩም በድህዎ፣ ዓቅምኹም ዘየፍቅደልኩም እንተኾይኑ ግን ከይቀደሙኹም ቀዲምኩሞም ናይ ምፍንጫል ስጉምቲ ውሰዱ” ዝብል መርዛም ፖለቲካ ሰንቂ ሰንቂኹም ምስ ተበገስኩም፣ ንስኻ እትውጅሆም 5 ኣባላት መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ጸላም ተኸዲኖም  ምስጢራዊ ኣኼባታት ከምዘካየዱን፡ ኣብኡ እንታይ እንታይ ከምዘተበሃሃሉን፡ እንታይ ከምዝገበሩ ሰልፊ በጺሕዎ ኢዩ። ኣብ ዘይርቱዕ ኣኼባታትኩም ኣነዋርን ኣጸያፍን ምስ ዕድመኹምን ትምህርትኹምን ዘይከይድ ቋንቋኹም ከይተረፈዩ ተሰኒዱ ኣሎ። መሪሕነት ሰልፊ ዝኣክል ጭብጥታትን መርትዕን ሒዙ እንከሎ፣ ብውልቂ ኮነ ብሓባር ኣንጻርኩም ክሕንሕን ኣይተረኽበን። ኣብ ክንድኡ ንፍልልያትና ብመሰረት ናይቲ ኣብ ጉባኤታትና ሓቢርና ዘጽደቅናዮ ቁዋም ሰልፍና ክንፍትሖ እንተኺኢልና ጽቡቅ፣ እንተዘይኮይኑ ግን ፍልልያትና ተቀቢልና፣ ተከባቢርና ክንነብርን ክንቃለስን እውን ተኽእሎ ኣሎኳዩ ኢሉ እዩ ደምዲምዎ።

እሞ ሓው ዶር ገብረ ገብረማርያም ንሓድነት ሰልፍን ንረብሓ ህዝብን ክብል ክንደይ ናብ ህዝቢ ዘይሓለፈ ጉድ ተጻዊሩ ንዝኸይድ መሪሕነት ክብረት ከሊኣካ፡ ንመርዛምን ናይ መለኽትን ጒዕዞ ሓውና መስፍን ሓጎስ ከተኽብርን ኣፈኛኡ ክትከውንን ምጽዓርካ ይገርመኒሎ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ጊዜና ብኸንቱ ከነሕልፍ ኣይምተደልየን። ግን ከኣ ነቲ ጌጋ ሓበረታታት ሓውና ዶር ገብረ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ዓገብ ምባሉ ኣድዪ ኢዩ ኮይኑ ተራእዩኒ። ክሳብ ብተወሳኺ መርዖታት ዝመጸኩም ደሓን ቀንዩ።

መድሃኔ ሃብተዝጊ

ኖርወይ፣ ኦስሎ

Last modified on Sunday, 08 October 2017 11:30