ሰይጣን ዝሕንግሮ እምበር ዝሕንገሮ ካብ መዓስ ደለየ?

2017-10-01 16:01:03 Written by  ሃይለ ወልዱ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2307 times

ዝዓበኹምን ዝነኣስኩምን ደቂ ሃገረይ ኤርትራ ሰላምን ሰናይን ኣብ ዘዘሎኹሞ ይብጻሕኩም። ኣብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዘይምርድዳኣት ተፈጢሩ ብማለት ክጋማዳሕ ዝጸንሐ ጥቁውን ግዛዕ-ምዛዑን፡ ከምቲ ‘ዘይተርፈካ ጋሻኻስ እጠጥቢኽካ ደኣ ሰዓሞ።’ ዝበሃል ምሳለ እንዳዘከርኩ፡ ኣበይከ ክእቶ ካብ ምክትታሉ ዓዲ ኣይወዓልኩን። እቲ ዳርጋ ብምልኣት ዝሰማምዓሉ፡ ብሓው ሃይለ ገብሩ ክቐርብ ዝጸንሐ ኣስተምህሮን ምዕዶን መደምደምታ’ኡ ኣቕሪቡ ብምህላዉ “የቐንየልና!” ከይገደፍኩ፡ መሲሉ ዝስመዓኒ  ምሕጽንታይ፡ እብል ኣሎኹ። ሰናይ ምንባብ።

ኣብ ሓደ ዓዲ ተገይሩ ክበሃል ከምዝሰማዕኩዎስ፡ ሓደ ሰብ ነዛ ዓለም ብቖንጠጥን ጥንቃቐን ርግጽ ነይሩዋ፣ ንሓዳሩን ንናብራኡን ብጉቡእ መሪሑ፣ ደቁ ኣመርዕዩን ኣደርዕዩን፣ ኣብ እርጋኑ፡ ነቲ ከይፈጸምኩዎ ሓሊፉኒ’ዩ ዝብሎ ‘መንእሰያዊ ሃኒ’ ብሓንሳብ ከምገበጻሕኩዎን ከም ገበርኩዎን ብምባል፡ ነቲ ሓደ ኽጅምር፡ ተመሊሱ ነቲ ሓደ ኽገድፍ ስርሑ ገበሮ። እኳ ደኣ ኣብ መጨርሽታኡስ ዘፋለጠ፡ 44 ዛርትያ ከም ዝዓሰሉዎ ንኽመስልን ንኽምስጥን፡ ከረዛንን ሽራራን ተለቂሑ፡ ንእተን ኮይኑወን ፊል-ፈል ዝብላ ቁሩብ ቁራቦ ጨጉሪ-ርእሱ፡ ዘይተእደነ መሰንተር ኣጸጊዑለን፡ ፈኽነን እንዳበለ ክስጉም ዝተዓዘቡ  ሓደ ካብ ኣዝማዱ፣ እቲ ጉዳይ ገሪሙዎም፡ “እንታ’ዚ ደኣ ክስቶ ዶኾይኮነ?” ክብሉ ሓተቱ። “እወ! ንሱ ባዕሉ።” ዝብል መልሲ’ውን ረኸቡ። “እዚ ጥቁውን ወርጃን፣ ንበዳሊኡ’ኳ ዘይብድል ዕጹብ ድንቂ ሰብሲ፡ ሕጂ ካን ኣብ እርጋኑ፡ ዛርትያን ፋሉልነትን ኣወናዊኑዎ።” እንዳበሉ ድሕሪ ምግራም፡ “ኣንታ ሎሚ ዘበንሲ ዘይንርእዮን ዘይንሰምዖን ኣይክህሉን’ዩ ግዲ?” ድሕሪ ምባል ቀጸሉሞ፡ “ወይ ዘይምፍላጥ!!!! ሰይጣንሲ ዝሕንግሮ እምበር፡ ዝሕንገሮ ካብ መዓስ ደለየ?” ክብሉ ወሰኹ። “ደጊም ሓሊፉካ’ዩ ዘበነ ዛርትያነት፡ ኢልኩም’ባ ንገሩዎ።” ክብሉ ቀጸሉ ይበሃል።

ደጊም ነዚ ጽውያ’ዚ ሕጂ መልዓልየይ፡ ዕድመ እንዳጸገብኩ ኣብ እዋን እርግና ዝተሸመምኩ ምዃነይ ብምስትውዓል፡ ንሃብታም ታሪኽ ጉዕዞ ቃልሰይ ከስተብህል ስለ ዝተገደድኩ’ዩ። ዳርጋ ንብዙሃት ከምዝ ከማይ፡ ኣብ 1975 ዓ.ም.ፈ. ማለት ድሕሪ ምዝዛም 2ይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ዝተላዕለ ሰንፈላል ዝመልስ ግናይ ተረኽቦ ኣዘኻኺሩኒ። ነቲ ዘጋጠመ ሕሱም ዘራጊቶ፡ ተጻዊሮም ዝሰገሩን ዘሳገሩን ከመይ ሕጂ ይርስዑዎ።ዘፍርሃካ ሕማም እርጋን ንቑልዕነትካ ይመልስ’ዩ ይበሃልዩ’ሞ፡ ቀደሙ’ውን ፈሪሕካ ዘይግቡር ተገይሩ እንተነይሩን፡ ሕጂ ኣብ ቁልዕነትካ ተመሊስካ ንምዕሩይ ከተመዓራሪ ከም ምፍታን ኮይኑኒ’ሎ። መዓስከ ንሱ ጥራሕ፡ እቲ ንተ.ሓ.ኤ.(ሰውራዊ ባይቶ) ዝሰርሐን ዘቖመን “ሕጋውነት!” ዝብል ሕላገት ቃልሲኸ፡ ኣበይ ደኣ ኣበለ? እቶም ኣብ 2003 ዓ.ም.ፈ. “ኣይፋልኩምን!” ብምባል ምፍንጫላዊ ሓደጋ ኣጋጢሙ ኣብ ዝነበረሉ ህሞት፡ ብሳላ ሕጋውን ዲሞክራስያውን መርገጽ ንውድብና ኣብ ነብሱ ዝተኣማመን ሰልፊ ክንፈጥርን፡ ብዙሓት ክንጽንብር ዝኸኣልናስ፡ ካብዚ ናይ ሎሚ ዝተፈልየ እንታይ መስተንክር ዝኾነ ቅዋምን ሕግን ነይሩና ግዲ’ዩ? ብዘይካ ምክብባርን ምእክኣልን። እንታይ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ሓዲሽ ነገር ሎሚ ዘበን ተረኺቡ? ብምባል ክሓትትን፡ ክግረምን እንተፈተንኩ፡ መዓስ እጋገ ክህሉ ኢለ?

ዝገርም’ዩ!“ምስ ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ሓቢርካ ምቅላስ፡ ጸረ ጀብሃውነት ኮይኑ ህዝባዊ ክድዓትን’ዩ።” ዝበሉ ገለ-ገለ፡ ከም ኣብ ሕሉፍ ታሪኻት ዝተሸኽሉን ትሒዘ-ጸናሕትን፡ መኪትናን ከፊልናን ዘጻጸናዮ ሓባራዊ ሰልፊ፡ “መሪሕነቱ ንህ.ግ. ኣረኪብኩሞ ኢኹም። እዚ ምንታይ ሓለፍቲ ፈጻሚት ሽማግለ ‘ኣቦ-መንበርነት’፡ ‘ውዱባዊ ጉዳያት’፡ ‘ናይ ውሽጢ ጉዳያት’ ንኣባላት ህዝባዊ ግምባር ነበር ኣሕሊፍኩም ሂብኩሞ፡ ተባሂልና ብሓባር ዝተኸሰስናሉን ዝተነኣኣስናሉን ብዙሕ ግዜ ዝሓለፎ ኣጋጣሚ ኣይኮነን? ግን ነቶም በሃልቱ እቲ ተካል ሕማም ቀደም ዝደገሶም ምዃኖም ፈሊጥና፡ ሓቢርና መኪትናዮን ሰጊርናዮን ኔርና’ዶ ኸይኮንና?

ብርግጽ ‘ምሳኹም’ ምባላይ፡ ሓደ ዝተፈልየ ጉጅለ እጠቅስ ምህላወይ ኣይሓብእን። እሱ ኸኣ እዚ ኣብ ኣሜሪካ ኮይኑ ብሳላ ሃብቱ (ጁባኡ) ንሰልፍና ጅሆ ክሕዝ ዝፈተነን፡ ንሓባራዊ መሪሕነትና ዝነጸገን ጉጅለ ማለተይ ምዃኑ። እወ! ብቕድሚ ሕጂ በባዕላቶም ዘይፈተኑዎ ስለ ዝፍተኑ ዘሎዉ ሓዲሽን እንተመሰለ፡ ግን ኣሰር ናይቶም ኣቐዲሞም ዝሓልከሱ፡ ኣረጊት ሕንጊድ ጥበብ ዘልዓለ ኮይኑኒ ብምህላዉ፡ ምስዞም  ናይ ሎሚ ቕነ ሰብ ጋዕሲ እዛረብ ምህላወይ ፍሉጥ ይኹን። ኣባላት ህ.ግ. ምስ ዝነበሩ መቃልስተይ’ውን፡ ነቲ ዳርጋ 12 ዓመታት ዝኣክል ሓቢርና ዘጥረናዮን ውህሉል ተመክሮን ባህልን፡ ካብ’ዚ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ዘጋጠመና ዝፍለ ዕጫ ከምዘይረኸበኩም ዝተፈልጠ ታሪኽ እንድ’ዩ። ሕማቕ ዕድል! ብወገነይ ዘይዝንግዖ፡ ኣብቲ ሓው መስፍን ሓጎስ ንተቓውሞ ዝተቐልቀለሉን ብእምባጓሮ ዝተፈተነሉ እዋናት፡ ኣብ ሎንዶን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓው ኢለ ዝመስከርኩዎ ህያውን ስኑድን’ዩ። ጻውዒተይ ንሓባራዊ ቃልሲ ኣብ ዘቃላሕኩሉ እዋን፡ ውድበይ ዝጸልኦ ዘረባን ሓሳብን ከምዘይከውን ኣዕርየ ይርደኣኒ ነይሩኒ’ዩ። ስምዒትን ቃናን ዳርጋ ኩሎም መቃልስተይ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ኣብል ምንባረይ፡ ሕልናይ ዕጉብ ነይሩ። እቲ ዝበልኩዎ ብሓፈሻኡ፡ ነዚ ዝመስል ነበረ። “መስፍን! ኣነ ኣባልን ተሞክሮን ተ.ሓ.ኤ እየ። ግን ንህዝባዊ ግንባር ንዒቐዮ ኣይፈልጥን፤ መኽንያቱ ገባር ቅያ ስለ ዝኾነ። ናይ ሕጂ ጸገመይ ህ.ግ. ምስ ተመልከ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ዝተምልከ። ስለዝ’ውን ሕጂ፡ ህ.ግ. ነጻ ከውጽኦ እብገስ ኣሎኹ ትብል እንተሃሊኻ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ሓቢረካ ክቃለስ ድሉው’የ።” በልኩሞ፡ እቲ ገዛ ፈተዎ። ግንከ፡ ብዙሓት ጀብሃ ኢና በሃልቲ፡ ኣበሃህላይ ብፍጹም ኣይዓጀቦምን። ‘ማይን ዘይትን ክሓብር ስለ ዘይክእል፡ እዚ ክልተ ፍሉይ ተሞክሮታት ፈጺሙ ዘይራኸብ’ዩ። ህ.ግ. ምዕራይ ማለት ንጀብሃ ፈጺምካ ምድምሳስ ማለት’ዩ፡ ስለዚ ዘይመላላእ ክትጸናብር ኣይትፈትን።” ተባሂለ። እቲ ጸጋ ግን፡ እኖሆ ድሕሪ 8 ዓመቱ ሰ.ድ.ህ.ኤ. ካብ ዝምስረትን ክዉን ካብ ዝኸውንን። ብርግጽ እዚ መስርሕ’ዚ፡ ካን ኣብ ሓደ ተቐፊዱ ዝተቐመጠ ድንዙዝን ርዙዝን ነገር ኣይኮነን፡ ናቱ ሂወት ዘሎዎ ተንቀሳቓሲ ነገር’ዩ እሞ፡ እዞም ኣበጊስናዮ እንብል፡ ንሰዋእ፡ ንደስክል ቀጻሊን ህያውን መኽሰብ ህዝቢን’ዩ። 

ኣብ ሀ-ሁ ፖሊቲካ ብምእታው፡ ጉባኤ፡ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ሰልፊ’ዩ፤ ንውሳነታቱ ዝትግብርን ዘፈጽምን መሪሕነት’ውን ብዲምክራስያዊ ኣገባብ ማለት (ውክልናዊ ዲሞክራሲ) ይመርጽ። ምናልባት ተመራመርትን ዶክቶራትን ክፈላሰፉሉን ክውርጽጹሉን እንተፈተኑ፡ ስርሖም ሰርሑ እምበር ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን’ሞ ኣይገርምን። ግን እቲ ንመዋዕሉ ርዒሙሉን ሰኒጉዎን ዝተጓዕዘ፡ ጉዳይ ፍልስፍና ኣሪስቶልይ ይኹን ካንት ጠፊኡዎን ስሒቱዎን ዘይኮነስ፡ ጉዳይ እምነትን ምርጫን ስለ ዝኾነ ጥራሕ’ዩ። ብርግጽ እቲ ምርጫ ስኒ ምንካስ ይሓትት’ዩሞ፡ ኣስናንና ስጋብ ሕጂ ምጽናሑ ዝገርም’ዩ። ግን ነቶም ነዚ እምነት’ዚ ዘላግጽሉን ዘባጭዉሉን፡ ብምህሮኦም ከጎላብቡዎ ዝፍትኑን ዘሎዉ፡ ‘ኣብ ክንደይ ዓቐብ...’ እንዳበልኩ ፍሽኽ እብለልኩም። ዳርጋ እንበዝሕ ኣባላት ሰልፍና ዘይንኽሕዶን ኣዕሪና’ውን እንመልኮን፡ ንዕላማኻ ብገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነስ ስጋብ ሂወትካ ምኽፋል’ውን ንቡር ስለ ዝኾነ፡ ነዞም ዕሽነት’ዩ ዝብሉና፡ “ኣይፋልኩምን ደኣ!”  

ብጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነት፡ ንዝተነብረሉ ሓላፍነት፡ ብዝተዋህቦ ቅዋም ስጋብ’ቲ ቀጺሉ ዝስዕብ ጉባኤ ክመርሕ ሙሉእ ስልጣን ይህልዎ። በዚ መሰረት ይመርሕ፡ የሳኒ፡ የዋሃህድ፡ ይሕሉ፡ ብዝለዓለ’ውን መሰል ውልቀ-ኣባል እቲ ዝለዓለ ዓይኑን ኢዱን እግሩን ኣእሙሮኡን ብምግባር ይቛመት። ብርግጽ፡ ጸጋ ዲምክራሲ’ውን እዚ ውልቀ ኣባል ናይዚ ጽጉው ሰብኣዊ ጉዕዞ’ዚ፡ እቲ ቀንዲ መንቀልን መብጽሕን መንኮርኮር ዲሞክራሲ ምዃኑ’ዩ። እንትርፎ ኣብ ሕጋውነት ተመስሪቱን ኣትኪሉን፡ ንመሰል ውልቀ ኣባል ሰልፊ ከጸቅጥ ዝኽእል፡ እቲ ብዲሞክራስያዊ መሳርሕ ኣቢሉ ዘማእክሎ መሪሕነቱ እንተዘይኮይኑ፡ ብኻልእን ብብሒል ጎቦን ጎነጽን ዝመጽእ ዓንተር ብርግጽ ዓማጺ ጦብላሕታዊ ፈተነ ካብ ምዃን ዘይሓልፍ’ዩ።

እቲ ሓደ ቀንድን መሳርሒ ሓለዋ መሰል-ሰብ፡ ዲሞክራስያዊ መሳልል ምትካል’ዩ። ዲምክራሲ ዝተፈላልየ መፋስሶታት ከምዝውንን እንተዘይተዘንግዐ፡ እቲ ዋና መለልይኡ፡ ድምጺ ናይቶም ዝበዝሑ  ንዝተወሰነ እዋን ይመርሕ፡ እቶም ዝወሓዱ’ውን ነቶም ናይ ግዜኡ ብዙሓት ይምርሑሎም። ብማዕረዚ’ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ መርመራ ድምጽታት ክፍተን ምግባሩ’ውን፡ እቲ እዋን ሂቡዎ ዓብልሊ ኮይኑ ዝጸንሐ ርእይቶ፡ ብግዜ ክብዳህን ክዕብለልን ከምዝኽእል መጠን፡ ብሕጋውነት ኣንካን ሃባን ዘይከልእ ብሉጽ መስርሒ’ዩ። ኮታ ዲሞክራሲ ንስለ ውልቀ ነጻነት ደቂ ሰባት ዝተሰንዐ መሳርሒ ሓባርነት’ዩ። ዲሞክራሲ ንገዛእትን ንሓያላትን ኢዶምን እግሮምን ኮኩዱ ዝኣስርን፡ ኣብ መሬት ኣውሪዱ፡ ከም ስቦም ኣብ ውልቃዊ-መሰል ዝድርት ናይ ውጹዓት መሳርሒ ምዃኑ፡ ክዝንጋዕ ዘይብሉ መኽሰብ ውጹዓትን ድኹማትን’ዩ።

ውልቀ-ሰብ ንበይኑ ንመሰላቱ ከዕውት ስለዘይኮነሉ፡ ብደርጃ ውልቃዊ ነጻነቱ ዘዕውቶን ዝከላኸለሉን ውድብ/ሰልፊ/ማሕበር/ምንቅስቓስ ውዘተ... የድልዮ። ውልቀ-ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ/ሰልፊ ካልእ ፍሉይን ጸላውን ብልሓታት ከምጽኡ ኣይክእሉን እዮም ብምባል፡ መሰላት ዝኽልክል እንተሃልዩ፡ ብርግጽ ኣይግድን። ስጋብ ዲምክራስያዊ ጥርናፈ ዘይተደፍረን ዘይተዓመጸን፡ መሰል ምጥርናፍ ውልቀ-ሰባት ኩሉ ግዜ ብመትከል ሕሉው’ዩ። ተጠራኒፉ ናብ መሪሕነቱ ክላቦን፡ ጸቕጢ ክገብርን፡ ዝሓሸ ዝበሃል ክደልን ክጸሉን፡ ኮታ ኣብ ሰልፍና ስጋብ ህጹጹ-ጉባኤ ሰልፊ ንምጽዋዕ ዝበጽሕ መሰላት ብቕዋምና ደረጃ ቅቡል’ዩ። ግን እቲ ዝጥለብ ዘሎ ጠለብ ብሓለፋታት ምህሮን ገንዘብን ክዕድጎን፡ ብዋጋ ድኽነት ገንዘብ ይኹን ዓቕሚ ፍልጠት ውልቀ-ኣባል ንኸይከውን፡ ሚዛናት ሓልዩ ዘማቓርሕ፡ እቲ ተሓላቒ ናይቲ ኩሉ ፍንጡሕ/ጥሙር ውልቀ-ኣባል እቲ መሪሕነት ሰልፊ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ከምቲ ኣበዋትና ዝምስሉዎ፡ “መቐመጢኦም ጸዪቖምሲ ምስ ዓዳላይ ይበኣሱ!” ንኽመሰል፡ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ተባኢስካስ፡ ብኸመይ’ዩ ምስ’ቲ ዝተረፈ ኣካል ሰልፊ ክትራኸብ፡ እንትርፎ ብዓመጽ?

ኣይውረድ እምበር፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎዉ ኣባላት ሰልፍና፡ ብሰንኪ ገንዘባዊ ድኽነቶምን ህሉው ስንኩፍ ዞባዊ ምሕደራኦምን፡ ዝህሉዎም ሕጽረታት ከም ዘይዕድለኛታት ቆጺርካ ዕሽሽ ንኽትብሎምን ናብቶም እዋን ዝሃቦም ‘ብሉጻት’ ኣባላት ጥራሕ ከተትክል ምፍታን፡ ብዘይቃለ-ዓለም ዓመጽ ስለ ዝወጾ፡ ነዚን ካልእን ከመቓርሕ፡ ክመዝን፡ ከላግብ ምእንታን ማእከላይ መሪሕነት ምትካል ወሳኒ’ዩ። መሪሕነት ንኸምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ ክውንነት’ዩ ሓላውን ኣሰጋጋሪን ክኸውን ዝግደድ። እቲ ህሉው መሪሕነት ዋላ ደመ ይጥዓሞ’ውን ንስለቲ ጽቑጥን ድምጹ ብቐሊሉ ከስምዕ ዘይከኣለን ሓላዊ ብምዃን፡ ‘ኣይፋልን!’ መንገድታትና ኣይንስሓት ክብል’ዩ ዝግባእ። እቶም ውዱዕ ኩነታት ብዝመስሎም ክቕይሩ ዝፍትኑ ጉጅለ ይኩን ክልተ ውልቅታት ብንቕሓት ከስተውዕሉሉ ዝግባኦም፡ እቲ ዝደልዩዎ ዘሎዉ ለውጢ ብብዝሖምን፡ ብስርሖምን ጥራሕ እዮም ብጉባኤ ኣቢሎም ከረጋግጹዎ ዝኽእሉ። ነቲ ዝዕንቅፎምን ዝጸቐጦምን መሪሕነት ኣብኡ ጥራሕ እዮም ክቕይሩዎ መሰል ዘሎዎም። ነዚ ክበቕዑ እንተዘይክኢሎም ዋላ ቁጽሪ ይሃሉዎም ካብ ምዕማጽን ምህሳይን ሓሊፎም ዘይሕግዙ ጥምዙሓት እዮም። እቲ ክኸውን ዘይግባኦ ካልእን ህልኸኛን ናይ ባዕሎም ካልእ ምርጫ ክወስዱ ከምዝኽእሉ መጠን፡ ግን ነዚ ሕጂ ዝደፈሩዎ መሪሕነታዊ መሳልል ከይተኸልካ ዝኸይድ ምትእስሳር ወይ ምውዳብ ስለ ዘይህሉ፡ ፋሉልነት ሰረቱ ዘይገድፍ ተካል ሕማም ምዃኑ’ውን ስለ ዘይተርፎ፡ ንርኢ ምኖም’ዩ ክድቅስ? “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት!” ዝብል መልሲኮ ከምኡ ምስ ረኸቡ ዝተመሰለ’ዩ።

ወድሓንኩም!

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!

ሃይለ ወልዱ።

ሎንዶን 

Last modified on Sunday, 01 October 2017 18:04