ውድባት እንተደኸማ ኸ እንታይ ድዩ ዝግበር?

2017-09-15 13:24:43 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2423 times

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ “ውድባት ደኺመን” ዝብል ሓረግ ናይ ብዙሓት ወገናት መውጽእ ኣፍ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ድኻመን ዝቐርቡ ምኽንያታት ከኣ ከከም በሃሊኡ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ስለ ዝበዘሓ፡ ንመንእሰይ ስለ ዘየሰለፋ፡ ብሓባር ስለ ዘይሰርሓ፡ ናይ ምውሳን ናጽነት ስለ ዘየብለን፡ መራሕተን ስለ ዘይበቕዑ፡ ነቲ ምቅዋም ከም ንቡር ህይወት ስለ ዝወሰድኦ … ውዘተ ካብቶም ናይ ድኽመተን ጠንቅታት ተባሂሎም ወትሩ ዝጥቀሱ ሓረጋት እዮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ከም መግለጺ ድኽመተን ውጽኢት ቃልሰን “ትሕቲ ትጽቢት ህዝብና” ምዃኑ ይኣምና እየን። ድኽመት ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ድኽመት ንምውጻእ ወርትግ ሓርኮትኮት ካብ ምባል’ውን ዓዲ ኣይወዓላን።

ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ብዙሓት ወገናት እዘን ውድባት ክሳብ ሕጂ “ዋላ ሓንቲ ኣይሰረሓን” ንመጻኢ እውን “ዋላ ሓንቲ ኣይክሰርሓን እየን” ኢሎም ክድምድሙ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እታ “ዋላ ሓንቲ” እትብል ሓረግ ብዘይቃለዓለም እንጽርጽሮት ዝወለዳ እምበር ተቐባልነት ዘለዋ ኣይኮነትን። ምናልባት ምትህልላኽ ደኣ ከይከውን እምበር ነቶም ኣብዚ መጺጽ መደምደምታ ዝበጽሑ ወገናት “ንስኻትኩምከ እንታይ ሰሪሕኩም?” ተባሂሎም እንተዝሕተቱ መልሶም እንታይ መኾነ እንድዒ።

“ውድባት ኣብ ዝደኸማሉ ግደ ናይቶም ድኽመተን ዘሻቕሎም ወገናት እንታይ ክኸውን ይግበኦ?” ዝብል ጉዳይ ኣዘራራቢ ክኸው ዝግበኦ እዩ። ኣማዕዲኻ ምንቃፍ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ንጹር እዩ። ነቒፍካ ካብ ናይቲ ዝነቐፍካዮ ኣካል ዝሓሸ መተካእታ ሒዝካ ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከኣ ንኹልና ዘረዳድኣና ይመስለኒ። መተካእታ ዘየብሉ ነቐፈታ ግና ኪኖ ቆይቊ ፋይዳ የብሉን። እዞም ውድባት ደኺመን ዝብሉ ወገናት ኣብ ውሽጦም  ብዛዕባ ውድባት ክገብረኦ ዝግበአን ዝነበረ ግና ዘይገበርኦ ራኢ ዘለዎም ይመስለኒ። ካብዚ ነቒልካ “እሞ እቲ ውድባት ክገብረኦ ዝግበአን ዝነበረ ግና ዘይገበረኦ ብዝምልከት ኣብ ክንዲ ተመዓዲኻ ምውርጻጽ ቀሪብኩም ብዝመረጽኩምዎ ኣገባብ ተወዲብኩም ዘይተተግብርዎ?” ተባሂሎም ክሕተቱ ዝግበኦም እዩ። እዚ ማለት ናይ ግድን ናብተን “ ዋላ ሓንቲ ኣይሰርሓን” ትብልወን ውድባት እተዉ ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ “እቶም ከምዚ ዓይነት ነቐፈታዊ ናይ ሓባር መደምደምታ ዘለኩም ወገናት ውዳበ ፈጢርኩም ነቲ ህልዋት ውድባት ክዓመኦ ዘይከኣላ ዘይትዓምዎ” ንምባል ዝኣክል እዩ።

ነቲ ክኸውን ዝግበኦ መንገዲ ጓሲኻ፡  “ናይ ሓባር መዝሙር ሰላም” ወይ “ህዝቢ ንህዝቢ” ኣብ ዝብሉ ተበግሶታት፡ ምስታፍ ከሎ ጋና እትጻረሮ ንጥፈታት’ኳ እንተዘይኮነ፡  መተካእታ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ሰልፍታት ኤርትራ ክኸውን ከምዘይክእል ግና ክንጸር ይግበኦ። ንህልዋት ውድባትን ሰልፍታትን ክትጻረር ክትብል፡ ንወሳንነት ህላወ ፖለቲካዊ ውደባ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምዝንጋዕ ቅቡል ኣይኮነን። እዞም ዝተጠቕሱ ንቕሎታት ውድባት ስለ ዘይሰረሓ ከም መተካእታ ዝመጹ፡ ውድባት እንተሰሪሐን ግና ዘየድልዩ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ህላወ ውድባት እውን ናቶም ዝተፈልየ ተልእኮ ሒዞም ዝረኣዩ እዮም። ክስጉሙዶ ይኽእሉ ኣይክእሉን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ። ስለዚ ነዚ ንቕሎታትዚ ንምስሳይ ምስ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ምርጻምን ኣድላይነተን ምኽሓድን ናይ ግድን ኣይኮነን። ገለ ወገናት ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ተስፋ እንተቖረጹ ዘገርም ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ህላወን ብርታዐን ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ግድን እዩ ዝብል እምንቶ ዘለዎም ወገናት፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብውድባት ይቕጽሉ ኣለዉ። ንመጻኢ እውን  ክቕጽሉ ባህርያዊ እዩ። ብዘይ ፖለቲካዊ ውዳበ ዝፍጠር ናይ ለውጢ ዓቕሚ ስለ ዘየለ።

“ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ካብ ድኽመት ኣይወጻን” ምባል ዘረዳድእ ኮይኑ “ዋላ ሕንቲ ኣይሰረሓን” ኢልካ ህልም ምባል ግና ቅቡል ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ እውን “ዋላ ሓንቲ ኣይክሰርሓን እየን” ኢልካ ምድምዳም ከኣ ብርኢቶይ ዝገደድ እዩ። ውድባት ኤርትራኮ ብሰባት ዝቖማ እየን። ሰባት ከኣ ካብ ተመኩሮኦም ከም ዝመሃሩ ብዙሕ ተመኩሮታት ዘረጋገጾ እዩ። ስለምንታይከ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩረኣን ተማሂረን ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመተን ኣለልየን ከእርማ እየን ኢልና ናብ ትስፉው ኣንፈት ዘይነመዓዱ። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጉዳያት ከም ዝተጸበኻዮም ናይ ዘይምዃን ዕድል ዘጋጥም እዩ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ዝተሓላለኸ ዓለማውን ዘባውን ኩነታት ውጽኢት ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝድህሰስ ውጽኢት ከመዝግብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። እዚ ማለት ለውጢ ኣይመጽእን’ዩ ማለት ዘይኮነስ እቲ መስርሕ ለውጢ ግዜ ዝወስድ ዘገምታዊ’ዩ ንምባል ዝኣክል እዩ።

እቲ ካልእ ቁምነገር እምበኣር፡ እዚ በብኩርንዑ ንዕዘቦ ዘለና ምዕባለታት “ናብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ?” ዝብል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ውድባት ዝፈላልየን ወጊነን፡ ኣብቲ ዘሰማምዐን ብሓባር ካብ ምስራሕ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብለን ናይ ሓብር ዕግበተን እዩ። ኣብዚ መደምደምታ ዘብጻሐን ከኣ ውጽኢት ተመኩሮአን ኣብ ቃልሲ እዩ። ሕጂ ነዚ ዝብቅዕ፡ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ሕድገትን ተወፋይነትን ምጥራይ ኣብ ቅድሜአን ዘሎ በዳሂ ዕማም እዩ። እዚ ከኣ ቅርቡነትን ልባዊ ህዝባዊ ሓልዮትን እንተልዩ ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ ከበሃል እንከሎ ከምቲ “ ንጸገማት ኣብ ከምቲ ክንፈጥሮም እንከለና ዝነበረና ኣተሓሳስባ ኮይና ዘይኮነ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ኢና ክንፈትሖም እንኽእል” ዝበሃል፡ ነዚ ዘብቀዓና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከነጥሪ ክንበቅዕ ይግበኣና። 

Last modified on Friday, 15 September 2017 15:27