ኣይፋልካን ዶክተረ

2017-09-15 13:20:04 Written by  ሃይለ ገብሩ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2075 times

ሓሙሻይ ክፋል

ተሓላቒ ሓድነት እናመሰልካ ጐደና ምፍንጫል ምሓዝ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድከመ ተሞክሮ እዩ። ምፍንጫል ኣዝዩ ኣሕማሚ ተሞክሮ እዩ። ካብ እትፈትዎምን እተኽብሮምን ዝነበርካ ይፈላልየካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሓባር ብኽንደይ መስዋእቲ ዘረጋገጽካዮ መኽሰባት ዝጐድእ መስርሕ ብምዃኑ ኣዕናዊ እዩ። እቶም ንጐደና ምፍንጫል ዝመርጹ፡ ኣብ ትሕቲ ጭርሖ ሓድነት ክሕብኡ ምፍታኖም ከኣ፡ ምኽንያቱ ርዱእ እዩ። ሓላፍነት ዝመረጽዎ ጐደና፡ ንኻልኦት ኣካላት ከሰክሙ ስለ ዝደልዩ እዩ። ምፍንጫል ግን ዘጋጊ ኣምር ኣይኮነን። ካብ ሓደ ምሉእ ኣካል እናወጻእካ፡ ምፍንጫል ኣይመርጽኩን ምባል፡ ንብዙሓት ከታልል ዝኽእል ኣይኮነን። ምፍንጫል ዝመረጸ፡ ብዕቱብ ንምርጭኡ ሓላፍነት ክወስደሉ ኣለዎ። ዋላ’ኳ ምፍንጫል ዘይድገፍ እንተኾነ፡ ንእትወስዶ ዘለኻ ምርጫ ብሓላፍነት ሒዝካ፡ “ንሕና: ንኣካይዳ ዝነበርናዮ ሰልፍን መሪሒነቱን ስለ ዘይዓገብናሉ ክንፍንጨል መሪጽና ኣለና” ምባል፡ ንባዕሉ የኽብረካ እምበር ኣየሕስረካን እዩ። ባዕልኻ፡ ብምርጫኻ፡ ኣብ ጐድና ምፍንጫል ሸናዕ ክትብል እናረአናካ፡ ኣይፋለይን ኣብ ጐደና ሓድነት’የ ዘለኹ ኢልካ ዓይንና ከተንቁር ምፍታን ግን ነውሪ’ዩ፡ ክብረት ውን ኣይህበካን እዩ።

እቲ ንጐደና ሓድነት ዝመረጸ ከተለልዮ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከም ዝገለጽክዎ፡ ጐደና ሓድነት ዝመረጸ፡ ነቲ ብጉባኤ እተሓንጸጸ ውሳኔታትን መሪሕነትን ተማእዚዙ፡ ኣርሒቑ ብምጥማት ለወጢ ከምጽእ ዝቃለስ እዩ። ብእምነተይ ኣብ ውሽጢ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኮይንካ ክትቃለስ እንተመሪጽካ፡ ከይተፈንጨልካ ዝደለኻዮ ከተረጋግጽ ዘኽእል ዕድል ህሉው’ዩ በሃላይ ኢየ። ኣብ’ዚ ዝጠቐስክዎ ኩነታት፡ ኣብ መስርሕ፡ ርእይቶኻ ኣብ ቦታ ውሑዳት ክርከብ ይኽእል እዩ። ዲሞክራስያዊ ባይታ ቃልሲ ስለ ዘሎ ግን፡ ብመስርሕ ርእይቶ ውሑዳት ዝነበረ ርእይቶ ብዙሓት፡ ርእይቶ ብዙሓት ዝነበረ ድማ ርእይቶ ውሑዳት ክኸውን ዕድል ኣለዎ። ንኸምዚ ዝመስል ግዜ ዝወስድ መስርሕ ቃልሲ ብትዕግስቲ ክትሕዞ እንተዘይመሪጽካ ግን እቲ ዝሓጸረ ኣቋራጭ መንገዲ ምፍንጫል እዩ።

ተሞክሮ ምፍንጫል

-ንህሉው ወለዶ ጌጋ ከይንምህሮ ምእንቲ፡ ንተሞክሮና ብቕኑዕ ኣገባብ ኣብ ምቕራቡ ሕልናዊ ግደታ ከምዘለና’የ ዝኣምን። ኣብ ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብጉባኤ ኣቢልካ ፕሮግራምካን ቅርጺ ኣሰራርሓኻን ምሕንጻጽን መሪሕነትካ ምምራጽን ብ1971 ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉብኤ’ዩ ተኣታትዩ። እዚ ከኣ ዓወት እቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ዲሞክራስያውን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዓወት ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ብሓፈሻ’ዩ ነይሩ። ነዚ እተረጋገጸ ዓወት’ዚ፡ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ከኣ ሓላፍነት ኩሎም ዲሞክራስያውን ኣካላት’ዩ ነይሩ።

- እቲ ዓወት ዝቖጽሮ ዘለኹ፡ እቲ መስርሕ ድኣ እምበር ፡ ኣብ’ቲ ብ1971 እተኻየደ ቀዳማይ ጉባኤ ዝሓለፈ ውሳኔታትን ዝወጸ መሪሕነትን ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ውሳኔታትን መርሕነትን ብዙሕ ዕቃበታት’ዩ ዘለኒ። ቡቕሊ ዲሞክራስያ ግን፡ ብዝተማልአ ኣገባብ ብሃንደበት ኮፍ ክብል ከምዘይክእል ርዱእ ስለ ዝቖጽሮ፡ ምስ ዘለኒ ዕቃበታት፡ ነቲ መስርሕ ብልቢ’የ ዘድንቖ። ከም ዓብይ ዓወት ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ከኣ’የ ዝቖጽሮ።

-እቲ ምስ ኩሉ ጉድለታቱ ኣብ ተሓኤ እተቐልቀለ ቡቕሊ ዲሞካራስያ እምበኣር፡ ኣብ ጉዕዞ ካብ እዋን ንእዋን ብተሞክሮ እናማዕበለ ንንቕሓትና ኣብ ምህብታም ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ድሕሪ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ዝነበረ ቃልሲ፡ ብሓደ ወገን ብመንገዲ ጉባኤታት ኣቢልካ ውሳኔታት ምሕላፍን መሪሕነት ምምራጽን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነዚ ነጺግካ ምፍንጫል ምምራጽ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይኽእል።

- እቲ ብጉባኤታት ኣቢሉ ለውጢ ከምጽእ ብስነስርዓት ዝቃለስ ዝነበረ ኣካል፡ ኣብ ትሕቲ ዘይደልዮም መራሕትን ኣብ ትሕቲ ዘይድግፎም ውሳኔታትን ኮይኑ ዝቃለሰሉ እዋን ነይሩ እዩ። ከምዚ ክገብር ከሎ፡ ጉባኤ፡ ከም ዝለዓለ ስልጣን ኣብ ተሓኤ ክብረት ረኽቡ ብምንባሩ፡ ብቓልሲ፡ ኣብ ጉባኤታት ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ምሉእ ዕግበት ስለ ዝነበሮ እዩ። እቲ እምነት፡ ኣብ ውሱናት መራሓቲ ወይ ኣብ ውሱናት ሰባት ኣይኮነን ነይሩ። ኣብ’ቲ መስርሕ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ብጉባኤ ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ እትደልዮ ውሳኔ ምሕላፍን እትደልዮም መራሕቲ ምምራጽን’ዩ ነይሩ። ምእንቲ’ዚ ክቡር መስርሕ ዕድመኻ ኣብ ቃልሲ እንተበለየ፡ ክቡር መስዋእቲ እንተኸፈልካ ሓላል ዝቖጽሮ ድማ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ።

-ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ክትስዕር ምሕላን ዲሞክራስያዊ ባህልን ንቕሓትን እዩ። እታ እንምነያ ዘለና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንድምጺ ብዙሓት ኣተኽብር’ያ ክትከውን። ንድምጺ ብዙሓት እናኣኽበረት ውሑዳት እቲ ዝግብኦም ክብረት እናረኸቡ ድምጾም፡ ድምጺ ብዙሓት ክኸውን ንኽቃለሱ ዲሞክራስያዊ ባይታን ዕድልን እተፍቅድ ክትኮነልናዩ ትምኒትና። ነዚ ኣገባብ’ዚ ክዓናቕፍ ዝደሊ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰልፊ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ኩሉ ግዜ ዘራጊ ግደ’ዩ ዝጻወት።

- ድሕሪ’ቲ ብ1971 እተረጋገጸ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ፡ ኩለን እተረኽባ ምፍንጫላት ነቲ ብጉባኤ ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ለውጢ ምርግጋጽ ዝብል መስርሕ ዝሃረማ እየን ነይረን። ኣብ ተሓኤ፡ እቶም ብኹርዓት ንተሞክሮኦም ከዘንትው ዝኽእሉ ድማ፡ ነቲ ኩሉ ዝነበረ ላዕልን ታሕትን በዳሂ ተሞክሮን ሓሊፎም፡ ብመንገዲ ጉባኤ ለውጢ ከረጋግጹ ኣተቓልሱ ኣካላት እዮም። እዚ ድማ መራሕትን ኣባላትን ኢልካ ብምፍልላይ ብዘንባዕ ኣገባብ ዝቐርብ ዘይኮነስ፡ ከም ፖለቲካዊ መስመር ንመራሕትን ኣባላትን ሓቑፉ ብኣረኣእያ ንጉዕዞ ቃልስና ኣብ ክልተ ደምበ ዝገምዐ’ዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ብጉባኤ ለውጢ ክረጋግጹ ዝደልዩ፡ ምእንትኡ ከቢድ ዋጋ እናኸፈሉ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ጩራ ብርሃን እናኣማዕደው እተቓለሱ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንግዜዊ ረብሓታት ንመስርሕ ጉባኤታት ጠሓሒሶም ምፍንጫል ብምምራጽ ኩደታ ክፍጽሙ ዝሕልኑ’ዩ ነይሩ።

- ኣብ ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣምበኣር፡ ድሕሪ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝተራእየ ምፍንጫላት ብኸምዚ ዝመስል ኣገባብ’የ ዘንብቦ። ካብ ቅኑዕ ንባብ እዚ ተሞክሮ’ዚ እንመሃሮ ኣገዳሲ ትምህርቲ ድማ ኣሎ። ብጉባኤታት ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ንእትደልዮ ዕላማ ከተረጋግጽ ምቅላስ፡ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ከምኡ ዝመስል ዕድል ዘፍቅድ ሰልፊ ምዃኑ እዩ። ተርባጽ ግን፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ቃልሲ ሕማም መንሽሮ እያ። ብጉባኤታት ኣቢልካ ለውጢ ከተምጽእ ትዕግስትን ጹረትን ዘይብልካ እንተኾንካ፡ በታ ሕማም መንሽሮ ዝኾነት ተርባጽ ተለኺፍካ ኣለኻ ማለት’ዩ። ኣብ ጐደና ምፍንጫል ሸናዕ ክትብል እንተረአናካ ከኣ፡ ኣይገርምናን እዩ። ክንደየናይ ዝኸውን ሃሳያ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያዊ ቃልስን መስርሕን ትገብር ከምዘለኻ ግን ኣይትዘንግዓዮ።

ክቕጽል እዩ

Last modified on Friday, 15 September 2017 16:57