ኣይፋልካን ዶክተረ (ቀዳማይ ክፋል)

2017-08-24 07:55:26 Written by  ብሃይለ ገብሩ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1864 times

ዶክቶር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን  “ሕጅስ ኣይበዝሓን ዶ” ብዝብል ኣርእስቲ ንዶክተር ገብረ ምኽሪ ክልግስ  ፈቲኑ እዩ። ዶክተር ገብረ ግን ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከጸልም ተታሒዝዎ ዘሎ ዕላማ ደው ከብሎ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ዘረብኡ ኣብ ክንዲ ዝንኪ መሊሱ በዚሑ፡ እምብዛ ብምብዝሑ ድማ ኣዝዩ ኣሰልቻዊ ኮይኑ ኣሎ። ብብዝሒ ዘረባን ብጸወታ ቃላትን  ክገብሮ ዝደሊ ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  እንተሰለጠሉ ከፍርሶን ክድምስሶን እንተዘይከኣለ ድማ ዝናኡ ብምብልሻው ከዳኽሞ’ዩ ሕልንኡ። ሓደ ነገር ብዘይጥርጥር ከረጋግጸሉ ዝደሊ ግን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዶክተር ገብረ ተበጊስሉ ዘሎ ኣሉታዊ ወስታ ክፈርስን ክድምሰስን ከምዘይኮነ እዩ። ካብዚ ከንቱ ኣሉታዊ ፈተነ ወጺኡ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት እናመዓድኩ “ኣይፋልካን ዶክተረ” ብዝብል ኣርእስቲ ገለ መብርህን መአረምታን አቕርብ ኣለኹ።

መንዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

እቲ ቀንዲ ንመንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ትሕዝቶ እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ንውሱን ክብጻሕ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ብዝንቡዕ መንገዲ ክቐርብ ክትዕዘብ ከለኻ ብሓቂ የሕዝን እዩ። ድሕረ-ባይትኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምህላዎም ንቓልስና ዝሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ  እዩ። ይኹንእምበር ካብ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃን ሓሊፉ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ዝገልጽ ቀንዲ ትሕዝቶ ገርካ ምቕራቡ ብፍላጥ ንውሱን ዝድለ ዘሎ ዕላማ ንሓቅታት ኣዘምቢዕካ ምቕርብ እዩ።

1- ድሕረባይቶኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ ብሓደ ኣብ ሓደ ውድብ ክቃለሱ ሓዲሽ ኣይኮነን። ቅድሚ ናጽነት ሓደ ክፋል ሳግም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢሩ’ዩ፡ ዘምህረት፡ ቶቲልን ካልኦትን ኣብ ላዕላዋይ ጽፍሒ ህዝባዊ ግንባር ተቐሚጦም እዮም። ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ’ዩ ተደሪፉ ኣገዳሲ ምዕባለ ከኣ’ዩ ነይሩ። ይኹንእምበር እዚ ንመንነት ህዝባዊ ግንባር ዝገልጽ ወይ ዝቕይር ቀንዲ ትሕዝቶ ኣይነበረን።

2- ግንባር ድሕነት ዘቖሙ ድሕረ ባይቶኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ እዮም። ካብ ሻዕብያ ኣድሓኖም ዓብደላ ኣደምን ክንጠቅስ ንኽእል፡ ካብ ጀብሃ ድማ ስውእ ኣሕመድ ናስር፡ ስውእ ዶክተር ሃብተ ክንጠቅስ ንኽእል። እዚ ኣገዳሲ ምዕባለ እኳ እንተነበረ ንመንነት ግንባር ድሕነት ዝገልጽ ወሳኒ ረቛሒ ኣይነበረን።

3- ድሕሪ ናጽነት ካብ ከብዲ ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ መሊኹ ዝረግጽ ሓይሊ ምስ ወጸ ብርግጽ ኩነታት ተቓያይሩ እዩ። እቶም ታሪኻውያን ተቓወምቲ ህዝባዊ ግንባርን እቶም ካብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ወጺኦም ንምልኪ እተጻራሩ ኣካላትን ክራኸቡን ብሓደ ክሰርሑን ዕድል ተኸፊቱ እዩ። ነዚ ከም ጸጋ ምርኣይ ከኣ ግቡእ እዩ።

4- ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ክቃራረባ ከለዋ፡ ነቶም ታሪኾም ሻዕብያን ጀብሃን ዝነበሩ ከነስምሮም ብሓደ ከነስርሖም ኣለና ብዝብል ኣይተበገሳን። ነዚ እቲ እዋንን ኩነታትን ባዕሉ ኣምጽእዎ እዩ ነይሩ። ድሮ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ቅድሚ ምምስራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እተፈላለየ ድሕረ ባይታታት ዘለዎም ብሓደ ሓቢሮም ክሰርሑ ሓደ ውድብ ክምስርቱን ተራእዮም እዮም። እዚ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ዝርርብን ሓድነትን እተን ክልተ ውድባት ማለት ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ኣይነበረን። ብፍላጥ ንእትደልዮ ዕላማ ከገልግል ነዚ ክትደዋውሶ ምፍታን ግን ንታሪኽ ብዝንቡዕ ኣገባብ ምንባቡን ምቕራብን እዩ። ዝርርብን ሓድነትን ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ዕላምኡ ነቶም ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ኣካላት ኣብ ሓደ ምምጻእ እዩ ነይሩ። ነሱ’ዩ እቲ ዕላማ፡ ንሱ ድማ’ዩ ቀንዲ ትሕዝቶ’ቲ ሓድነት። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ኣካላት እዩ። እቶም ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ካብ እተፈላለየ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ምዃኖም ከኣ ተወሳኺ እምበር ቀንድስ ኣይነበረን፡ ኣይኮነን።

5- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እተመስረተ ክህሉን ክቕጽልን ንውሉድ ወለዶ ከም መሳርሒ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክመሓላለፍን እዩ። እቶም ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኮይንና ንሕጊ ዲሞክራሲ ብኽብረት ጨቢጥና ንግዝኣተ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ሰልፍናን ኣብ ሃገርናን ክረጋገጽ እንቃለስ ዘለና ንጉዳይ ድሕረባይታት፡ ልዕሊ ዝግብኦ ደረጃ ክምጠጥን ቀንዲ መግለጺ ሰልፍና ክኸውን ፍጹም ኣይንድግፍን። ምኽንያቱ ጉዳይ ድሕረባይታት ቀዋሚ ትሕዝቶ ሰልፍና ዘይኮነ ካልኣውን ተቐያያርን ስለ እንቖጽሮ እዩ።

6- ብእምነትና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓዲሽ ወለዶ ብምዕባለ ክትካእ እዩ። እዚ ማለት ድማ ድሕረባይቶኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ እናሓለፉ እናተቐየሩ፡ ምስ ሑሉፍ ሓርነታዊ ተሞክሮና ቀጥታዊ ስምዒታዊ ምትእስሳር ዘይብሎም ኣባላት ሓዲሽ ወለዶ እናወረሱ ክኸዱ ምዃኖም ስለ እንኣምን እዩ። ከምዚ ዝመስል ምዕባለ ምምጽኡ  ድማ ንሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕዝትኡ ይኹን መንነቱ ፍጹም ክቕይሮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድሕረ ባይታታት ቀንዲ መግለጺ መንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይኮነ።

7- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕላውነት ሕግን ንዲሞክራስን ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። እዚ ካብ’ቶም  ቀንዲ ዘይቅየሩ ትሕዝትኡን መግለጺ መንነቱን እዩ። ነዚ ትሕዝትኡ እዚ ክቕይር ዝሕልን፡ ንድምጺ ብዙሓት ዝንዕቕ፡ ንብሕጊ እተመርጸ መሪሕነት ዘይምእዘዝን፡ ብዘይጥርጥር ንመንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ክፍሑቕ ዝደሊ ዘሎ ዝምባለ እዩ። ዶክቶር ገብረ መራሕን ቀንዲ ተሓላቕን ክምዚ ዝመስል ዝምባለ ምዃኑ ድማ ብሓቂ’ዩ ዘሕዝነኒ። ኣይፋልካን ዶክተር ብዝብል ኣርእስቲ ክጽሕፍ ዝገደደኒ ውን፡ ዶክተር ንነብሱ ተዳናጊሩ ንኻልኦት ኣብ ምድንጋር ተዋፊሩ ከምዘሎ ይዕዘብ ስለዘለኹ እዩ። ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዶክተር ዝምራሕ ዘሎ ኣጸላሚ ወፈራ ብጽንዓትን ብቆራጽነትን ክምክትዎ ምዃኖም ጥርጥር የብለይን።  ኩሉ ኣጸላሚ ወፈራ ከኣ ነዊሕ ዕድመ የብሉን፡ ኣጸላሚ ወፈራ ዶክተር ውን ከም ኩሎም ኣጸለምቲ ወፈራታት፡ ግዜኡ ሓልዩ ክበንን ክብሪ ክስእንን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ክቕጽል እዩ።

Last modified on Thursday, 24 August 2017 10:00