ኣይፋልካን ዶክተረ ካልኣይ ክፋል/ብሃይለ ገብሩ

2017-08-23 13:39:41 Written by  Haile Gebru Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2474 times

ንጉዳያት ኮነ ኢልካ ብፍላጥ ብምዝንባዕ ንውልቃዊ ዕላማታትካ ክትግልገለሉ ምፍታን ነውሪ እዩ። ዶክተር ገብረ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምጽላም ከም ስርሑ ምስ ተተሓሓዞ፡ንኣድማሳዊ ሕጊ ዲሞክራሲ ዝኾነ፡ ንሕጊ ድምጺ ብዝሓን ዝጻረር ርእይቶ ከቕርብ ብዙሕ ኣይተሰከፈን። ንሕጊ ድምጺ ብዙሓን እናተጻረረ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግርጭት “ንግዝኣተ- ሕጊ ዶ ወይስ ንውሳኔ መርሕነት ምምእዛዝ እዩ” ብዝብል ከቕርቦ ፈተነ። ንግዝኣተ ሕጊ ዝምእዘዙ ብሓደ ወገን ንውሳኔ መሪሕነት ዝምእዘዙ ድማ በቲ ካልእ ወገን ከምዘለው ብምግላጽ ኣብ ኣደናጋሪ ስራሕ ተጸሚዱ ይርከብ።

ንግዝኣተ ሕጊ ዶ ንውሳኔ መርሕነት ንማእዘዝ

-      ድምጺ ብዙሓን ክስዕር መሰረታዊ ሕጊ ዲሞክራስን  መሰረታዊ ሕጊ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን  እዩ። ነቲ ብድምጺ ብዙሓን እተመርጸ መሪሕነት ምምእዛዝ ከኣ ንድምጺ ብዙሓንን ንሕግን ምምእዛዝ እዩ። ነዚ ብፍላጥ ጓሲኻ ንመርሕነትን ነቲ ንመሪሕነት ዘምጽአ ሕጋውን ዲሞክራስያውን መስርሕን ብበሊሕ ተንኮለኛ ሴፍ ክትቆራርጾ ምፍታን ዘይሓላፍነታውን ኣዕናውን ስራሕ እዩ።

-      ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሕነት ብብዝሒ ድምጺ ኣብ ጉባኤታት’ዩ ዝምረጽ። እቲ ብማእከላይ ባይቶ ዝፍለጥ መሪሕነት ሰልፍና ኣብ መንጐ ክልተ ጉባኤታት  እቲ ዝለዓለ ኣካል ስልፍና እዩ። ሕግና ንማእከላይ ባይቶ ዘለዓለ ሓጋጊ ኣካል ሰልፊ ምዃኑ እናኣረጋገጸ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ ሕግታት ከብርህን ትርጉም ክህብን ከምዝኽእልን ብንጹር ብዘየዳናግር ቃላት ገሊጽዎ እዩ። ዕድመ ስልጣን ማእከላይ ባይቶ ድማ ውሱን ኣርባዕተ ዓመት እዩ። ፈጻሚት ሽማግለ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ብብዝሕ ድምጺ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ እዮም ዝምረጹን ሓላፍነት ዝስከሙን። ዕድመ ስልጣኖም ከኣ ሓደ ዓመት’ዩ ድሕሪ ሓደ ዓመት ንኽቕጽሉ ይኹን ክቕየሩ ዝውስን ማእከላይ ባይቶ እዩ። ኩሉ ውሳኔታት ማእከላይ ባይቶ  ብብዝሕ ድምጺ’ዩ ዝውሰን። እዚ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ሰልፍና ዘኹርዕን ንውሉድ ወለዶ ክመሓላለፍ ዘለዎ ባህልን  እዩ።

-      ኣብ ሰልፍና ንውሳኔ መሪሕነት ዝጻረር ርእይቶ ክትውንን ክልኩል ኣይኮነን። ንባዕሉ ውሳኔታት ማእከላይ ባይቶ ብብዝሒ ድምጺ’ዩ ዝውሰን ምባልና ውሑዳት ድምጾም ዘይተዓወተ ከምዝህልው ዘመልክት እዩ። ብለበዋን መተሓሳሰብን ስምዒትካ ናብ መሪሕነት ምምሕላፍ ከኣ ብሕጊ ሰልፍና ፍቑድ እዩ። መርሕነት ስልፊ ንዝቐረበሉ ለበዋን መተሓሳሰብን ክቕበሎን ክነጽጐን ይኽእል እዩ።

-      ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሕነት ሰልፊ ማለት ማእከላይ ባይቶ ጨሪሱ ካብ ሕጊ ሰልፊ ይወጽእ ከምዘሎ ኮይኑ ኣንተተሰሚዕካ ንመርሕነት ሰልፊ ዝብድህ ህጹጽ ጉባኤ ክትጽውዕ ይካኣል እዩ። ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ህጹጽ ጉባኤ ብጠለብ ፍርቂ ካብ ኣባላት ሰልፊ ወይ ከኣ ብሰለስተ ርብዒ ካብ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ክጽዋዕ ይኽእል እዩ። ንህጹጽ ጉብኤ ከጸውዕ ዘኽእል ደገፍ ፍርቂ  ኣባላት ሰልፊ ወይ ውን ደገፍ ሰለስተ ርብዒ ካብ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ እንተዘይ ተረኺቡ ግን ንድምጺ ብዙሓን ኣኽቢርካ ብትዕግስቲ ነቲ ስሩዕ እዋን ጉባኤ ምጽባይ’ዩ እቲ ምርጫ። ተጸቢኻ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ኣብ ጉባኤ ንዝነበረ መሪሕነት ክትብድህ መተካእታ ኮይንካ ክትቀርብን ይከኣል እዩ። ብጀካ በዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ንማእከላይ ባይቶ ዝወዳደር ኣካል ምፍጣር ፍቑድ ኣይኮነን።

-      ነዚ መስርሕ’ዚ ገዲፍካ ግን፡ ንሕጊ ሰልፊ ዶ ንውሳኔ መርሕነት ንማእዘዝ ዝብል ዝንቡዕ መጕት እናቐርብካ ካብ ዲሞክራስያዊ ባህልን ሕግን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወጺእካ ካልእ ኣቋራጭ መንገዲ ሃስውሰው ምባል ንቓልስና ዝጠቅምን ዝሕግዝን ኣይኮነን።

-      ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መሰረታዊ ዕላማናን እመንትናን ዝብገስ ኣብ ሃገርና ሕጊ ክነግስ ኣብ ሰልፍና ውን ብልዑላውነት ሕጊ ክንምእዘዝ’ዩ ድልየትናን ዕግበትናን ። ኩሉ ከምዝፈልጦ ድማ ሎሚ ንሕግና ዝሕሉ ዕግበት ኣባላትና እምበር ጠበናጁ ኣይኮነን። እዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ ነቲ ትማሊ መለኽቲ ኣብ ምፍጣር ምቹእ ባይታ ዝፈጠረ ንድምጺ ብዙሓን ዝንዕቕ ኣብ ዓመጽ ዝምርኮስ ባህሊ ካብ ሱሩ  ቦንቅስካ ድምጺ ብዝሓን ዝዕወተሉ ባይታ ምምችቻእ እዩ። ትማሊ ንድምጺ ብዙሓን እተጻረሩ ኣካላት ብሓይሊ ጠበንጃ ድምጺ ውሑዳት ከዓውቱ ክኢሎም እዮም። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ መላኺ ስርዓት ከኣ ውጽኢት እዚ ኣሉታዊ ተሞክሮን ባህልን  ሰውራ ኤርትራ እዩ።

-      ሎሚ ኣብ ዘለናዮ ዘመን ንድምጺ ብዛሓት ዝጻረር፡ ንብዙሓት ዘገድደሉ ካልእ መሳርሒ ምስ ሰኣነ፡ ምርጭኡ ካብ’ቲ ብሕጊ ቡዝሓን ዝመሓደር ዲሞክራስያዊ ትካላት ሃዲሙ ንዕግበቱ ዘርዊ ናጻ ትካል ኣብ ምምስራት ክጓየ’ዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ከምዚ ዝመስል ካብ ሕጊ ዲሞክራሲ ዝሃድም ተፈንጫሊ ዝንባለ ከኣ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዓንቃፊ ተራ ይጻወት እምበር ካልእ ኣድማዒ ኣበርክቶ የብሉን። እቲ ንምፍንጫል ዝጻረር ዝመስል ዶክተር ገብረ ከኣ ንድምጺ ብዙሓን እናተጻረረ መራሕን ኣተባባዕን ምፍንጫል ኮይኑ ክርእዮ ከለኹ ብሓቂ’ዩ ዘሕዝነኒ። ንሕግን ነቲ ብሕጊ ሓላፍነት እተሰከመን መሪሕነት ፈላልዩ ብምቕራብ ንመስርሕ ምፍንጫል ክኹሕሎ እንተፈተነ ከኣ ምፍንጫል ምፍንጭል’ዩ ኩሒልካ ኮሓሒልካ ካልእ ጽቡቕ መልክዕ ከተትሕዞ ኣይከኣልን እዩ።

-      ንስልጣን ማእከላይ ባይቶ ከግድፍ ወይ ክድርት ዝኽእል ጉባኤ ሰልፊ ጥራይ እዩ። ዶክተር ገብረ ግን በቲ ኣዳናጋሪ ቃላቱ ነብሱ ኣብ ቦታ ጉባኤ ኣቐሚጡ ንማእከላይ ባይቶ ስልጣኑ ከግድፍን ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል መስመር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተፈጢሩ ከምዘሎን ክሕብርን ይፍትን ኣሎ። እዚ ከኣ ልሙድ ጠባይ ተፈንጨልቲ እዩ። ካብ ሕጋውን ዲሞክርስያውን መስርሕ ሃዲምካ ንሕና ኢና ሓቀኛታት ወከልቲ ምባል፡ ነቲ ብኸምዚ ዝመስል ኣድካሚ ተሞክሮ ምፍንጫል ዝሓልፈ ህዝብና ሓዲሽ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ ተወሳኺ ጓሂ እምበር ዘሓጉስ ብስራት ኣይኮነን።

ክቕጽል እዩ

Last modified on Wednesday, 23 August 2017 15:43