ፍትሓውያን ክንከውን ኣብ ነፍስና ለውጢ ክንገብር ይግበኣና

2017-07-03 06:21:14 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2226 times

ሓንቲ ሃገር ብልጽግትን ምዕብልትን ክትከውን ህዝባ ምዕቡልን ስልጡንን ክኸውን ኣለዎ። ምዕቡል ሕብረተሰብ ከኣ ፍትሒ ከንግስ ብተግባር ዝስርሕን ዘተግብርን ይኸውን። ነቲ ብሉይ ኣተሓሳስባ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ክትካእ የተባብዕን ከማዕብሎም ይጽዕርን። ኣብዚ ኩነታት እቲ ዲሞክራሲ እንበሎ ኣምር ኣብ ግብሪ ክውዕልን ህዝቢ ክስዕቦን ይኽእል።

ፍትሓውያን ክንክውን መሰረታዊ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ዲሞክራሲያውነትን ክነቀላጥፍ ኣሎና። እዚ ንምግባር ከኣ ሓቂ ንኸይቅበር ምክልኻል ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለልዪ ናይ ፍትሓውነት እዩ። ብዘይካ እዚ እቲ መንፈስ ናይ ይቕረን ሕድገታትን ክሰፍን፥ ጽልእን ቅርሕንትን ምንዛሕ ደው ክነብል የድሊ። ምኽንያቱ ኣብ ዓንኬል ፍትሒ ጽልእን ቅርሕንትን ምስዋር ዝበሃል ፈጺሙ የለን። ንክኸውን ዘይክእል ነገር ካብ ሕጊ ወጺእካ ከም ዝኸውን ክትገብሮ ምፍታን ድማ ፈጺሙ ክውገድ ኣለዎ።

ፍትሒ ንሕጊ ተኸቲልካ ምስ እትኸይድ ግጉይ ጽንሰ-ሓሳብ ኣይኮነን። እዚ ክንገብር ኩልና ብሓባር ነቲ ኣባና ክወርድ ዘይንደልዮ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ውን ክወርድ ከምዘይብሉ ክንኣምንን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ይግባእ። እዚ እውን ምስ ልቦናዊ ኣተሓሳስባ ተጣሚሩ ዝጎዓዝ ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና እዩ። እዚ ካብ ብሉይን ጎዳእን ኣተሓሳስባ ሓራ ኰይና ንሓደስቲ ሓሳባት ሓንጎፋይ ኢልና ተቐቢልና ንኹሉ ብማዕረ እንጥምተሉ ሕልና ክንፈጥር ኣሎና ማለት እዩ።
ኤርትራ ሃገርና ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሓይልታት ወይ ጉጅለታት ከምዘለውዋ ርዱእ እዩ። ነዞም ክፍልታት እዚኦም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣብ ናይ ረብሓታት ይኹን ቁጠባን ስልጣንን ማዕረን ፍትሓውን ዝኾኑሉ ኣተሓሳስባ ክነጥሪ ናይ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ወይ እውን ሕብረተሰብ ካብ ዝጐድእን ዝሃስን ተግባራት ብምቑጣብ፡ ብሕጊ ተማእዚዝካን ተቐይድካን ምኻድ ኣብ ፍትሓውነት ዓቢይ ቦታ ኣለዎ።

ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝኣምነሉ ኣመለኻኽታ ክሕዝ’ኳ ናጻ እንተኾነ፥ እቲ ኣመለኻኽታ ንረብሓ መላእ ህዝቢ ዝኸውን ኣመለኻኽታ ክውንን እንከሎ እቲ ዝበለጸ እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ነታ ንሱ ዝኣምነላ ብሄሩ ትኹን ኣውራጃኡ ወይ እውን ሃይማኖቱ  ልዕሊ ኩሉ ምዃና ገይሩ ዝጥምት እንተዀይኑ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነት እቲ ማዕርነት ጠፊኡ ኣድልዎን፥ መንከማይነትን ይዓቢ እሞ ምፍልላይ፡ ቅርሕንትን ጽልእን ይምዕብል። ማዕርነት ቀንድን ኣገዳስን ባእታ ናይ ፍትሓውነት ብምዃኑ ጽብለልትነትን ኣነነትን ቦታ የብሉን። ስለዚ በዳልን ተበዳልን ብማዕረ ፍትሒ ዝረኽቡሉ ከኸውን እንተኾይኑ እቲ በዳሊ ምስቲ ዝበደሎ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ክቕጻዕ እንከሎ እዩ። እዚ ከኣ እዩ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ ዘብሎ። እዚ ማለት ፍትሓውነት፡ ኣብ ድኻን ሃብታምን፥ ኣውራጃን ዓሌትን፥ ወገንን ሃይማኖትን ዝምርኰስ ኣይኮነን።

ማዕረ ተጠቃምነት፡ ኣብ ቁጠባን ፍትሕን ንደቂ ሰባት ብማዕረ ክባጻሕ ዘይከኣል እንተኾይኑ ፍትሒ ኣልቦነት ይነግስ። ፍትሒ ኣልቦ እንተነጊሱ ከኣ ስኒት ይጠፍእ’ሞ፥ ተቓውሞ ወይ እውን ግሁድ ዓመጽ ክለዓል ይከኣል። “ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ሰብ ማዕረ እዩ” ዝብል ቅቡል ካብኮነ እዚ ማዕርነት ኣብ ቁጠባዊ መዳይ’ውን ክንጸባረቕ ይግባእ። እዚ ማለት ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ብዝግባእ ተጸኒዑ እቲ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዝፍጠር ሃጓፍ ክጻበብ ይግበኦ እዩ ዘስምዕ። ከም ኣብነት ግብርን ቀረጽ ኣብ እቶት ዝምስረት ምስ ዝኸውን፡ ሃብታም ብመጠን ሃብቱ ድኻ ከኣ ብዓቕሙ ክረአ ኣለዎ ንምባል እዩ። ልክዕ እዩ ኩሉ ብተፈጥሮ ምዕሩይ ኣይኮነን ግን ከኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቂ ሰባት ማዕርነት ንምምጻእ ፍታሓዊ ኣተሓሳስባ ክህሉ ናይ ኩሉ ዜጋ ግደን ግቡእን ከኸውን ኣለዎ።

Last modified on Monday, 03 July 2017 08:26