ታሪኽ ብምንሻው ዝህነጽ መጻኢ የለን

2017-06-27 21:53:50 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3128 times

ኤርትራ ሃገርና በብዓይነቶም ዕምበባ መሮርን ንመሬት ዘወቅቡን ዘማዕርጉን ተፈጥሮኣዊ ኣዝርእትን ኣለዉዋ። ምስዚ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝቕመጡ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዝእምነቶም፥ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ዝነብሩን፥ ከምኡ እውን እንዳታት ዝሓቘፍ ብዙሕነት ዝግለጽ እንብሎ ዘለውዋ እያ። እዚ ብዙሕነት እዚ ከኣ ነቲ ፍልልያት ልክዕ ከምቲ ዕምበባ መሮር ንመሬት ዘመልክዖ ንህዝቢ ኤርትራ ዘመልክዖ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ክብርቲ ሃገሩ ንምግሃድ ሓቢሩን ሰሚሩን ተቓሊሱ ዝተዓወተ።

ታሪኽ ብዘይ ኣሉታን እወንታን ኣይፍጸምን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ታሪኽ ንኹሉ ኣሕቢሩ እዩ ዘዘንትዎ ወይ ዝስንዶ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኣብ ሕሉፍ ምንባር ገዲፍና ኣብ ናይ መጻኢ ነቋምት ዝብል ይዝረብን ይጸሓፍን እዩ። እወ! ሕሉፍ ክቕየር ዘይከእል፡ ዘይጠፍእን ዘይሕከኽን ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ግን ከኣ ዋላ ጸጸኒሕና ንዛረበሉ እምበር ናትና ሽግር ኣይኮነን እንስከሞ ይኹን እንሕተተሉ ሓላፍነት እውን የለን። ስለዚ ነቲ ሕሉፍ ክንደግሞ ደኣ ኢና ዘይብልና እምበር  ክንልውጦ ኢልና ህርድግ እንተበልና ከምዘይንኽእል ርዱእ እዩ።  ግን ከኣ ብኡኡ ተዋሒጥና ክንነበር እንተዀንና ንሕና ውን ክንልወጥ ስለዘይንኽእል ኣእምሮና ከም ዝድንዝዝ ውሁብ እዩ።

እዚ ናይ ኣእምሮ ምድንዛዝ ዝስዕቦ ብልሽውና ከኣ እዩ ነቲ ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ንስጉምን ንቀራረብን እንረሓሓቕ። ንሓቂ ክሒድና ንጭብጢ ዘይብሉ ክንኣምንን ክነእምንን እንገብሮ ጻኦሪ እዩ እቲ ቀንዲ ሽግር ዝፈጥር። እዚ ከኣ ነቲ ህልውን መጻእን ዕድላትና በቲ ንሱ ዝጠልቦን ዝገዝኦን ኩነታት ምኽታል ገዲፍና፥ ኣብ ሕሉፍ እሞ ከኣ ፍታሕ ክነምጸኣሉን ክንቅይሮን ዘይንኽእል ንምርኰስ። በቲ መጻኢ ኣብ ክንዲ ንጭነቕ በቲ ዝሓለፈ ዝፈላልየና ክነሳውርን እሞ ከኣ ንሕና ብዘይፈጸምናዮ ንሃልኽ:: እቲ ሕሉፍ ተረኽቦታት ዝተፈጸመሉ ኩነታት እንድሕሪ ተረዲእና፡ ንሱ ክንመሃረሉ እኹል መኾነ። ወገሐ ጸብሐ ኣሉታዊ ተዘክሮታት ብምድጋም ፍታሕ ናይ ህልዊ ወይ መጻኢ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ። ብእንጻሩ ንስኻ ኣተሓሳስባኻ ክትልውጥ ስለዘይከኣልካ በቲ ዘይልወጥ ሕሉፍ ተገዚእካ ፍታሕ ክተናዲ ትህንደድ። ብሕሉፍ ምስ እንግዛእ ከኣ ኣእምሮና ሓቂ ናይ ምድላይ ወይ ይቕረ ናይ ምባል፡ ምትዕራቕን ሕድገት ምግባርን ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣእምሮና ብኽፍኣትን ምፍልላይን ይመልእ እሞ እቶም ዝተጠቕሱ ሃነጽቲ ሓሳባት ቦታ ኣይህልዎምን። በዚ ምኽንያት እቲ ኣብ ሕሉፍ ጠቢቕካ ምንባር ነቲ ህልዊ ዘቋስልን፥ ነቲ ቅኑዕ ዝምድና ክፍጠር ዝኽእል ዝጐድእን እዩ ክኸውን እምበር ትምህርቲ ኣይክውንን እዩ። ስለዚ ኩሉ ቀልብና ብዛዕባ መጻኢ ክንጭነቕን ንናይ ዝሓለፈ ስምብራት ይኹን ማህሰይትታት ንኸይድገምን ደኣ ክንጽዕር ኣሎና እምበር ህልዊ ዝፈጠሮ ጸገም ኣይኮነን። ካብ ሕሉፍ ወጺእና ንነፍስና ክንልውጥ እንተዘይክኢልና ኣብ ንሕናን ንሶምን፥ ተዋሒጥና ኣእምሮና ንምሕዳስ ኣይዳሎን፥ ንሽግራት ኣብ ምፍታሕ ኣይነድህብን ወዘተ።

ንሕሉፍ ክንዝርዝርን ክንዛረበሉን ተመሊስና ከኣ ክነስተንትነሉ እንከሎና ኣብ ጉዕዞና ዓጋቲ ተራ እዩ ክህልዎ። ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ክነጽንዖን ክንርድኦን እንከሎና ኣብ ሎሚ ኮይና “ንሕና መን ኢና?” ንኽንምልስን ናበይ ገጽና ኢናኸ እንምርሽን ንምርዳእ ይሕግዘና እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ሒዝና ወገሐ ጸብሐ ክንዛረበሉ ንግላዊ ስምዒትን መንፈስ ምፍልላይን ዘራጉድ ጥሩምባ ምንፋሕ እዩ። እቲ ሕሉፍ ክንመሃረሉ ዝግባኣና እኮ ንሓቀኛ ጉዳያት ተረዲእና ነቲ ህልዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ደቂ ሰባት ምእንቲ ከየበላሹ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ጉዳያት እንታይ ክንረብሓሉ ኢና ዝብል ቅድመ ኩነታዊ ምርምር ዘድልዮ እዩ። እቲ ቀንዲ ተበግሶና ንሕሉፍ ክነጽንዕ ዝድርኽ ሓቂ ንምድላይን እእምሮና ከኣ ንኽፍኣትን ተንኮልን ቦታ ንኸይህቦም ንምጥንቃቕ እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ሕሉፍ ተመኩሮ ብጠቓምን ጐዳእን ፍጻመታት ዝግለጽ ታሪኽ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ንሕሉፍ ናይ ምብርባር ከኣ ሕማቕ ንምውጻእ ዘይኮነስ ነቲ ቅኑዕ መጻኢ ንምስሳን እዩ። እቲ እወንታን ጠቓምን ተግባራት እንታይ ነይሩ ኢና ቅድም ክንፈልጥ’ዩ ዝግበኣና። ምኽንያቱ ንህቢ እኮ እናነኸሰካ ኢኻ ነቲ ጥዑም ዝኾነ መዓር ትብርብር እምበር እቲ እትንከሶ ኣይኮነን ዘገድሰካ። ንህቢ ክትብርብር እንከሎኻ ንኸይትንከስ እንታይ ብልሓታት ትጥቀም ክትመሃርን ክትጥንቀቕን ይግባእ። ልክዕ እዚ ነቲ ኣሉታን እወንታ ዝተፈጸመ ታሪኽ ከኣ ክንፍትሾን ክንመራመረሉን ከሎና እቲ እወንታ ብዘይኣሉታ ክነብር ከምዘይከኣል ንርዳእ።

ነቲ ሕሉፍ ትምህርቲ ንቐስመሉ እሞ ንብድሕሪ ሕጂ ከመይ ምስ እንገብር እዩ እወንታዊ ዝኾነ ሓሳባትን ተግባራትን ክንሰንቕ ዝብል ጉዳይ ብተገዳስነት ክተሓዝ ዝግበኦ እዩ። እንተዘይኮይኑ ነቲ ኣሉታ ጥራሕ ወሲድና  ኣብ ናይ ሕነ-ምፍዳይ ክንጥቀመሉ እንተኾይና መደባትና ንበዓል ክፉእ ፍርዱ ኣብ እንህበሉ ደረጃ ኢና ሸታሕታሕ ክንብል። ስለዚ እቲ ሎሚ ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ነቲ ሕሉፍ ዝፍውስ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ናይ ጽባሕ ጽቡቕ ዘማዕደወ ኣሳታፍን ሓቛፍን ግብራዊ ስጉምቲ ዝመርሓና ክኸውን ይግባእ።

Last modified on Wednesday, 28 June 2017 00:01