ሰሚናር በይ ኤርያ ካሊፎርንያ- ዝሓለፋ 25 ዓመታት

2016-05-23 21:00:15 Written by  ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ (Bay Area Eritreans for Democratic Change- BAEDC) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1991 times

BAEDCLogo2ድሕረት: ድኽነት: ስደት: ባርነትን መሰል ኣልቦነትን ዓመታት ክምዝነበራ ደምዲሙ

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ሰፍሕን ዕዉትን ሰሚናር ግንቦት 7 (7/5/16) ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካብ ሰዓት 12 ክሳብ ሰዓት 8 ድሕሪ ኣካይዱ።

         እቲ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝተካየደ ሰሚናር ቀንዲ ዕላምኡ  ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ሐሶት ዳንኬራ ተዓጠቅ ትሸብሸብ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ናጽነት ጽንብል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ኣብ ጎደና ምዕባለ’ዶ ወይስ ከምቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ነዚ ሐቂ’ዚ ዘንጸባርቅ ብመርቶዓታት  ዝተሰነየ ብሙሁራት ኪኢካታትን ካብ ሰሜን ኣሜርካን ኤውሮጳን ዘቅረብዎ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ዕውት ሰሚናር ኔሩ።

 እዚ ዕዉትን ኣገዳስን ሰሚናር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣቀዲሙ ክግበር ዝተመርጸሉ ምክንያት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብሐሶት ህዝብን ዓለምን ንምድንጋር ናይ ኣታዊታቱ ንምክዕባትን ዝግብሮ ሜላ ንምብዳህን ነቲ ዝዳናገር ዘሎ ህዝቢ እቲ ሐቂ ፈሊጡ ነቲ ስርዓት ዝግብሮ ዘሎ ናይ ሐሶት መናውራ ክቃውመን ካብ ምድግፉ ክቁ ጠብን ክሕግዞ ምእንቲ’ዩ።

BayAreaConf
    
ትሕዝቶ እቲ ሰሚናር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነት ፍረጻማ መሪር ቃልሱን ዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ሰለዝኾነ ብክብሪ ክዝክሮን ክብዕ ሎን ዘየማትእ እኻ እንትኾነ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ውሽጢዚ 25 ዓመታት እቶም መብጽዓ ስውእቶም ዝጠለሙ ጭፍራ መራሕቲ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘይወጻእ ዓዘቅቲ ሸሚሞማ እናሃለዉ ኤርትራ ከም ኣብ መንገዲ ግስጋሰን ልምዓትንዘላን ሃገር ጌሮም ንምብዓል ዝዳለዉሉ ዘለዉ ብሩራዊ ኢዮቤል ሐቅነት ዘይብሉ ፈከራ ምኻኑን እቲ ኣብ ባይታ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሐቂ ግን ብኣንጻሩ ሽግር፣ መከራ፣ጥሜትንሕማምን፣ ስደትን ሞትን፣ማእሰርትን ስቃይን ምኻኑ ንምምካት’ዩ።

እቶም ኣብዚ ሰሚናር ወረቃቕቲ ዘቕረቡ ከኣ ኤርትራውያን ሙራትን ኪኢላታትን ኮይኖም ገለ ክፋል ዕድሚኦም እንተ ኣብ ምንግስታዊ ወይ ከኣ ብሕታዊ ትካላት ኤርትራ ብምስራሕ ዘሕለፉ እዮም።

ቁጠባዊን ሰብኣውን ኩንታት ኤርትራ፡ ናጻነት ፕረስን መራኸቡ ብዙሓንን፡ ህሉዊ ኩነታት ተክኖሎጂ ኤርትራ ብመጽር ክበጽሖ ዝኽእል ዝነበሮ ደረጃ፡  ፖሊስታት መሪሕነት ህገድፍን ጽልዊኡ ኣብ ብሂራት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብሄረ ዓፋር፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ህልዊ ኩነታት ናይቶም ቅድሚ ናጽነት ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኤርትራውያን፡ ሚለንዮም ደቨሎፕመንት ጎልስን እቶም ኣብቲ ሰሚናር ዝተዘተየሎም ኣርእስታት እዮም ነይሮም።

ኣብ ቁጠባ ጕጅለ ህግደፍ ብዘተኸተሎ ውዱቕ ናይ ንግድን ወፍርን ፖሊሲ፡ ከምኡ ከኣ እቲ ብሰንኪ ድፕልዮማሳዊ ውድቀቱ ክፈትሖ ዘይከኣላ ናይ ዶብ ኩነታት ዘስዓቦ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ሃዋሕውን ተደማሚሮም ነቲ ካብ ቱሪዝም፡ ዕደና፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎትን፡ መሸጣ ምህርቲ ባሕርን ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ ዓቢ ናይ ቁጠባዊ መኽሰብ ከም ዘይ ተረክበን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ቁጠባ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ዳርጋ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ታሕቲ ደረጃ ከምዝርከብ ጭቡጥ ኣብነታት ብምቕራብ ኣረዲኡ። ነዚ መጽናዕቲ ዘቐረበ ኣቶ ሰንጋል ወልደ ትንሳኤ ( ሓው ን ሚንስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ ) እዩ ነይሩ።

ጕጅለ ህግደፍ ብሰንኪ እቲ ዝተኸተሎ ናይ ምልኪ ስርዓት ኣዝዩ ዝጻረር ስለ ዝኾነ ንነጻነት ሓበሬታን፡ መራኻቢ ብዙሓናን፡ ምስኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝከይድ ናይ ተክኖሎጂ ሓበሬታን እውን ብጽኑዕ ከምዥቆጻጸሮን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሎሚ ኤርትራ ካብተን ብቱሑት ዝርገሐ ሓበሬታ፡ ተክኖሎጅን፡ ናጽነት ፕረሰን ዝጥቀሳ ሃገራት ዓለም ኮይናን፡ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ዝብል ቅጽል ለጊብዋ ከምዘሎ ነቲ ጸብጻብ ዝቕረበ ኣቶ ተወልደ እስቲፋሎስ ኣረዲኡ። 

ብዘይካዚ  እቲ  ብመሪሕነት ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ዝዝረበሉ ሚለንዮም ደቨሎፕመንት ጎል እቲ ዝበዝሐ ንዕኡ ዝምልከት ሓቤሪታ ካብቲ ጕጅለ ህግደፍ ዝህቦ ዝብጻብ ዝተወስደ ምኻኑን እዚ ከኣ ብዙሕ ሓቅነት ክምዝጎድሎን እቲ ነቲ ሰሚናር ዝሃበ ኣቶ ሳሚኤል ብሰፊሕ ኣረዲኡ።

ደቀንስትዮ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲደን ኣብ ኣባልት ሰረዊት ስለ ዝምደባ ብዘይ ድለተንን፡ ብሓይሊ ከም ዝድፈራን ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ብምኻድ ክወርደን ዝኽእል በደላት ንኽናገፋ ብዘይ ፍትወተን ኣብ ንኡስ ዕድሚን ይምርዓዋን  ወይ ውን ናብ ስደት የምርሓ ምህላወንን ነቲ ጸብጸብ ዘቕረበት ወ/ሮ ኤልሳ ካብ ኣትላንታ እረዲኣ።

ጕጅለ ህግደፍ ንባህልን ልምንድን ብሄራት ኤርትራ ግዲ ዘይህብ ኣብ ርእሲ ምኾኑ፡ ነቶም ኣብ ብልምዳውን ባህላውን ምሕደራ ዝመሓደሩ ቢሄራት ኤርትራ ብኣስገዳድን ሓይሊ ብረትን ኣብቲ ናቱ ምስመር ከምዘእትዎምን ብሂረ ዓፋር ከኣ ናይዚ ሓደ ኣብነት ብኾኑን፡ ብስንኪ እዚ ከኣ ኣብ ደገ ዝርከቡ ተወልድቲ ብሄረ ዓፋር ናይ ገዛእ ርእሶም ምሕደራ ክህልውምን ፡ እዚ ክሳብ ዝተሓለወሎም ከኣ ኣብ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መሰላት ቤሂራት እተኽብር ሓንቲ ኤርትራ ሓቢሮም ንኽነብሩ ጸገም ከምዘይብሎም ነቲ ጸብጽብ ዘቕረበ ኣቶ ኣሕመድ ሞሓመድ ካብ ካናዳ ኣብ መደርኡ ኣረጋጊጹ ።  

ሱዳን ንቶም ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ብስነኪ ዓመጽን ውዱቕ ምሕደራን ስርዓት ህግደፍ ዝስደዱ ዘለዎ መብዛሕቲኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነት ፡ ነቶም ኣብ ሱሳታት ብሰንኪ መግዛእቲ ህይለስለሴን ደርግን ዝተሰደዱ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ንወለዶታት ዝሰረቱ ኤርትራውያን እውን እትእንግድ ጎረቤት ሃገር  እያ። እዞም  ኣብ ምዓስከራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ኣብ ዘይብሉ ኣዝዩ ሕሱም ሂወት ከምዝነብሩ ብሰፊሕ ዘገለጸት መንእሰይ ሳብሬና ኣማን (ካብ ሎስ ኣንጀለስ) ምስ ኣቦኣ ጀሚል ኣማን (ካብ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ)፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሙ ብምውህሃድ ንኹነታት ሂወት እዞም ስደተኛንታት ንምምሕያሽ ክሰርሕ ኣዘካኪሮም። መንእሰይ ሳብሬና ነቲ ተዓዚባቶ ዝመጸት ኣስካሕካሒ ሂወት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ኣብ ዶኪመንታሬ ፊልም ጌራ ንምቕራብ ኣብምድላው ትርከብ:: 

እዚ ሰሚናር በቲ ዘቕረቦ ትሕዝቶ፡ ነቲ ሰሚናር ንምክያድ ዝተጠቅመሉ ቴክኖሎጅን፡ ብዙሑነት ናይቶም ነቲ ሰሚናር ዘካየዱ ኤርትራውያን ኪኢላታትን ኣዝዩ ፍሉይ ምንባሩ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር ይገልጹ። ከምዚ ዝዓይነቱ ሰሚናራት ብድሕሪ ሕጂ ንኽካየድ ከኣ ኣዘኻኺሮም።


ነቲ ዝነበረ ሰሚናር ንምክትታል ኣብዘን ዝስዐባ ሊንክስ (ጥብቆ) ተወከሱ:       
Afar people suffering by Ahmed Mohamed (ጉዳይ ደቂ ዓፋር ዘሕለፍዎ ዘለዉ መከራን ድሌታቶምን ብ ኣሕመድ ሞሃመድ ካብ ካናዳ):   https://youtu.be/QPDn7VJKq_A
Women's rights by Elsa Mesfin (አዋናዊ ሽግራት ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ- ኤልሳ መስፍን): 
https://www.youtube.com/watch?v=pUCZFba2OMI&feature=youtu.be
ICT by Tewolde Stefanos (ዘመናዊ መራኸቢታትን ሓበሬታን ብ ተወልደ ስቲፋኖስ) 
https://youtu.be/34cXXYJwWRs
Eritrean Refugees in Eastern Sudan by Sabrina and Jamil (ሃለዋት ስደተኛታት ምብራቓዊ ሱዳን ሳብሪና ጀሚልን ጀሚል ኣማን): https://youtu.be/J7loNq-eExI
Mass Media and Mellinium development goals by Samuel N. (መራኸቢ-ብዙሃን: ሚለንየም ዲቨሎፕምነት ሸቶን ብሳሙኤል): https://youtu.be/vTLHS7whiX8
Eritrean Economy by Sengal Woldetensae (ውድዓዊ ገምጋም- ግስጋሴ ቁጠባ ኤርትራ ብሰንጋል ዎልደትንሳኤ
https://www.youtube.com/watch?v=e9q6uHLc_i4&feature=youtu.be

      ኣቅድም ኣቢሉ’ውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ "ስደተኛታት ፡ ፍልሰት ኤርትራውያን" ("Refugees: The Eritrean Exodus") ዝብል ዶኪመንታሬ ፊልም ብህቡብ ኣመሪካዊ ዳህሳሲ ክሪስ ኮተር ብምርምርን ሞያውነትን ዝተዳለወ ስነዳ ፊልም ብዕለት 28/4/2016 ብዓወት ዛዚምዋ:: እዚ መደብ ካብ ኣመሓዳሪት ከተማ ሪችመንድ፡ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪት ከተም ኦክላንድ፡ ሓለፍቲን ሰራሕተጛታትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ኣለይቲ ስደተኛታቶምን ክሳብ ውልቃውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ብሃንቀውታ ዝተጸበይዋ ፊልም እዩ ኔሩ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደተኛታት ቦታ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ግፍዕን ሐሰረ መከራን ዘሪኢ ንኩሉቲ ተሳታፋይ ልቡ ዝተንከፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ  ዕዉት ስራሕ ኣካይዱ ኔሩ’ዩ።

 
  ከም መቀጸልታ ናይ ብሩራዊ ኢዮበል ዝኽሪ ነቲ ጎብለል ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዮውሃነስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ምስ ውሃ ዘበሉ ኣጀብቱ ን ምያዝይ 29 ኣብ ኦክላንድ ናይ ምሸታዊ ትልሂት ኣዳልዩ ከም ዘሎ ንሕብር::

Wedi Tukabo 

ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ (Bay Area Eritreans for Democratic Change- BAEDC)
ካሊፎርንያ - ሰሜን ኣመሪካ - This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Last modified on Monday, 23 May 2016 23:22