ጽላሎት ህግደፍ ኣብ ከርሲ ተቃውሞ

2016-05-20 03:40:11 Written by  ኣማን ተኽላይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4580 times

ስለያ መተካእታ ዘይብሉ ትካላዊ መሳርሒ ናይ ዝኾነት ሃገር ወይ ፖለቲካዊ ማሕበር እዩ። ካብ ዝዓበያን ዝሰልጠናን ሃገራት ጀሚርካ ክሳብ ዝነኣሻ ሃገራት ይኹና ፓርትታት ንስለያ ከም ቀንዲ ቅዲ እስትራተጂ ዓወተን እየን ዝቆጽረኦ። ብርግጽ ከኣ ብዘይ ብሉጽ ስለያዊ ስርሓት ዝዕወት ፖለቲካ ወይ’ውን ውግእ የለን።

ኣብ ድሮ 25 ዓመት ጽንብል ናጽነትና፡ ምልስ ኢልና ጥዕና ህይወት ተቃውሞን ሃገርናን ምፍታሽ ኣድላዪ እዩ በሃላይ እየ። ኣብ ሓደ ርትዓዊ ገምጋም ንምብጻሕ እምበኣር ገለ መሰረታውን ሕቶታት ምልዓል ኣድድላዪ ይኸውን።

1.     ስለምንታይ እዩ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ምፍንጫላት ዝርኤ?

2.    ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ህግደፍ ዝነበሩ ንስርዓት ህግደፍ ምስ ገደፉ ኣብ ክንዲ መሪሕ ዝኾኑ ከም ሰገን ርእሶም ኣብ ሕጻ ዝደፍኑ?

ህግደፍ መን’ዩ ስንቂ ኣስኒቅዎ ብዘየገድሽ እግሪ ካብ ዝተክል ኣትሒዙ ብስለያ ዝዓኮኸ ፖለቲካዊ ውድብ እዩ። ናይ ስለያ መርበቡ ኣብ ውሽጢ ትካላቱ ጥራሕዘይኮነስ ኣብ ኤርትራዊ ዝርከበሎም ሃገራት ከይተረፈ ዘርኡ እናጸፈየ እዩ መጺኡ። እሞ ተቃውሞ ኤርትራ ደኣ ካብ ምንጽልላው ህግደፍ ብዩን ድዩ?

ምፍንጫላት ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ድሕሪ 2000 ዓ.ም. ዝተራእየ ምፍንጫላት ግና ብዘይምግናን መዐቀኒ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ዝስሓተ እዩ። ፖለቲካውያን ውድባት በሃልቲ ብዓቐን ካብ ሰላሳታት ዝበዝሓ ኮይነን ብዓይነት ግን ካብ አርባዕተ ኣይበዝሓን እየን። ፖለቲካዊ ኣምረን ኣብ ጕጅላዊ ጥቅሚ ተኸሊሉ፡ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ብጭራሽ ተረሲዑ።

ሐቢርካ  ዘይምስራሕን ምፍንጫልን ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ጥራሕ ኣይተወሰነን። እቲ ወራስ ስልጣንን ወናኒ ሓድሽ ሓሳብን ኢልካ ተስፋ እተንብረሉ መንእሰይ ሎሚ ዝኸፍኤ ሰሊም ናይ ምፍንጫል ጥሒሉ ይርከብ። ብኻልእ ሽነኽ ከኣ ኣብ መንጎ ሚድያ ኢና በሃልቲ መዓት ምትፍናንን ናይ ብርዒ ኵናትን ይርኤ። እቲ ዘሕዝን ግና ኣብ መንጎ መስል ሰብ ተጣበቅቲ ኢና በሃልቲ ማሕበራት ኣብ ሕድሕድ ምክሳስን ምውንጃልን ክትርኢ እዩ። ምስ በዝሐን መትሓዚ ምስተሳእኖን ግና እዝስ መንቀሊኡ ካበ’ዩ ኢልካ ክትሓትት እዋናዊ እዩ።

ድሕሪ ናይ 2001 ተራእዮ፡ ምእሳር ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ምዕጻው ነጻ ጋዜጣን፡ ብዙሓት ነባራት ተጋደልቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ናብ ደንበ ተቃውሞ ምውሓዞም ዝዝከር እዩ። ደንበ ተቃውሞን ህዝቢ ኤርትራን ብሓፈሽኡ፡ ነዚ ተራእዮ’ዚ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ዓቢ ትጽቢት ኣሕደረ። እቲ ትጽቢት ከኣ “መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከምዝበሃል” ንህግደፍ ስለዝፈልጥዎ፡ ኣብ ምስዓሩ ዓቢ ተራ ክጻወቱ እዮም ዝብል ከቢድ እምንቶ እዩ። ዘይሻራዊ ገምጋም ምስእንገብር ግና፡ መብዛሕትኦም ነባራት ተጋደልትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ህግደፍን ብኣንጻሩ ካብ ሓላፍነት ክስሕቡን ተግባረ-ኣልቦን ኮይኖም ተሪፎም። እዝስ ናይ ኣጋጣሚ ድዩስ ወይሲ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ከይከውን እቲ ነገሩ። ተዛማዲ ሕቶ ኣልዒልካ መልሲ ምንዳይ ባህሪያዊ እዩ።

ውድብ ህዝባዊ ግንባር (ህ.ግ) ሕጂ ከኣ ህግደፍ ብምልመላ ስለያ ስርሓቱ ዝምካሕ እዪ። ኢድ ህ.ግ/ህግደፍ ነዊሕ እዩ ዝብል ዑብታ ጦቋ ኣሎዎ ድዩ? ኣብ ዘለኹም ኣሊኹም ንጕዳይኩም ኢድና  ከነእትወሉ ኢናዶ የስምዕ። ምልመላ ስለያ ብብዙሕ መልክዕ እዩ ዝመጽእ። እቲ ዝዓብለለን ኣስዳዕን ግና ብመልክዕ ገንዘብ እዩ ዝመጽእ። ገንዘብ ከሎ መንገዲ ስማይ ኣሎ ከምዝበሃል፡ ናይ ብሓቂ ከኣ ገንዘብ ሓያል እዩ። ዑሱባት ንህዝብን ሃገርን ከዲዖም ንጥቅሞም ይእልሹ።  ኣብ መላእ ዓለም ገንዘብ ዘይተሓወሶ ስለያ ተዓዊቱ ኣይፈልጥን እዩ።

ወግሔ ጸብሔ እንድሕር ምብትታን ኣብ መንጎ ተቃወምቲ ውድባትን ኣካላትን (ደለይቲ ፍትሒ) ክርኤ ኮይኑ ኢድ ጸላኢ ጥራሕ እዩ ክሕመ ዝኽእል። ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ምፍታሽ ኣድላዪ እዩ። ኣነ ደጋፊ ህግደፍ እየ ኢሉ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝመጽእ ኣይክህሉን እዩ። ዑሱብ ፡ ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ካቶሊክ ምዃን ከምዝበሃል፡ ዝልዓለ ተቋዋማይ ክኸውን እዩ ክፍትን።

 ኣብዚ ግዜ’ዚ ሃገር እናዓነወት እንከላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እናሃለቀ እንከሎ ወሰንካ ሒዝካ ኣዒንትኻ ዓሚትካ ከምዘይናትካ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ክትፍረጅ ምስእንታይ ይቍጸር። ወይ ምሳና ወይ ምስ ጸላኢና ከምዝበሃል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድሓን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ጕልበቱ ከይሓብኤ ክውፈ ይግባእ። ካብዚ ዕድመ’ዚ እግሩ ክስሕብ ዝርኤ ግና ብመደብ ይኹን ብዘይ መደብ ንመስመር ጸላኢ ይድግፍ ምህላዉ ብሩህ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ንርብዒ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ኣብ ባርነት ኣሕሊፍዎ። ብሓድነት እምቢ ንባርነት ኢሉ እንተዘይተንሲኡ፡ ገና ኣብ ባርነት ክነብር እዩ። ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ንጽላሎት ህግደፍ ከለሊ ክበቅዕ ኣለዎ። ብሕልፊ ኣብ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ናይሮቢ ምግባእ ጽላሎት ህግደፍ ከይሰልኩ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምስትብሃል ከድሊ እዩ።

ዝኽሪ መበል 25 መዓልቲ ናጽነት ንጓይላን ዳንኬራን ዘይኮነስ ንድሌትን ሕልምን በጃ ዝሓለፉ ማሕላና እንሓድሰላ መዓልቲ ክትከውን ይግባእ። ጓይላን ዳንኬራን ንህግደፍ ገዲፎም ደለይቲ ፍትሒ ብሓድነት ንጽላሎቱ ኣምኪኖም ከመይ ካብ ስሩ ሞቅሚቍኳ ትቀብሮ ኣብ ዝብል ውጥን ክዛተዩ ኣለዎም።

ዮሃና ንህዝብኢ ኤርትራ 

 

ኣማን ተኽላይ 

 

Last modified on Friday, 20 May 2016 05:50