ክሳብ መዓስ “ሕጂኸ ናበይ?”

2015-08-14 08:59:22 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2418 times

ሓደ ዕማም ትሕዝ። ከምዚ ንሕና ኣብ ኤርትራ ዲክታቶር ኣወጊድና ኣብ ቦታኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል ንቃለሶ ዘለና። ኣብዚ መስርሕ ሓደ ምዕራፍ ናይቲ ጉዕዞ ምስ ኣዐወትካ፡ ድሕሪኡ ናበይ ከም እትቕጽል ብጥንቃቐ ክትውስን ስለ ዝግበኣካ “ሕጂኸ ናበይ?” ኢልካ ክትሓትትን ክትምልስን ግቡእ እዩ። ምእንቲ ዓወታትካ ቀጻልን ተመላላእን ክኸውን። ምናልባት ኣብዚ መስርሕ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ እንተተጋጊኻ’ውን እሩምን ኣዕዋትን መንገዲ ንምርካብን ካብ’ቲ ጌጋ ንምውጻእን “ሕጂኸ ናበይ?” ኢልካ ምሕታት ለባም ኣተሓሕዛ እዩ። እዚ ሕቶ ናይ ለባም ሕቶ ዝኸውን ግን ለባም መልሲ እንተረኺቡ ጥራይ እዩ። እቲ መላሲ ነቲ “ገ ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝብል ምስላ ትርጉም ዘይህብ ነቲ ዘየስረሐ መንገዲ ዝደግም እንተኾይኑ ግና፡ እቲ ሕቶ ወርትግ ይለዓል እቲ መልሲ እውን ከምኡ ብዘይ ናይ ዓይነት ለውጢ ይቕጽል። መዋጸኦ ከዓ ኣይርከብን።

ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ካብ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 1999 ክሳብ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዘሎ ናይ ኣስታት 15 ዓመታት ተመኩሮና ዝምህረና ኣካይዳ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ምጽንሑ እዩ። ብዙሓ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓባር መድረኽ ክንመጽእ ዝገበርናዮም ፈተነታት ኣይተዓወቱን። እዚ ናይ ፈተነታት ዘይምዕዋት ክምህረና ዝግበኦ ግና ዘይተመርናሎም ብዙሓት እዮም። እቲ ቀንዲ ግና 2ይ ፈተነ ክንጅምር እንከልና ካብቲ 1ይ ፈተነ፡ 3ይ ፈተነ ክንጅምር እንከለና ካብቲ 2ይ ፈተነ፡ 4ይ ፈተነ ክንጅምር እንከና ካብቲ 3ይ ፈተነ ክንምሃር ዘይምጽናሕና ብብሩህ የርእየና። ንፉዓትን ኣርሒቕና እንርእይ ኮይና፡ ናይ ካልኦት ምስ ኩነታትና ዝመሳሰሉ ሃገራት ተመኩሮ ምጽናዕን ኣብ ግምት ምእታውን እንተተረፈናስ፡ ካብቲ ባዕልና ዝሓለፍናዮ መስርሕ ክንምኮር ዘይምኽኣልና ኣብ ዝርዝር ድኽመታትና ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ፡ ጸገማትካ፡ ዘይምክእኣል፡ ዘይምጽውዋር፡ ኣግላልነት፡ ንጉዳያት ካብ ውልቀሰብ ወይ ውልቀውድብ ፈሊኻ ዘይምርኣይ፡ ኣብ ክንዲ ዝያዳ ናብ ጽባሕ ምምዕዳው ናብ ትማሊ ምምላስ፡ ናይ ጉዳያት ቀዳምነታት ብግቡእ ዘይምስራዕ፡ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ከም መከፋፈሊ ምውሳድ፡ ኣብቲ እትደልዮ ሸቶ ንምብጻሕ ኣቋራጭ ምምራጽ … ወዘተ ቀንዲ ጸገማትና ምዃኖም ባዕላቶም ነጊሮምና እዮም። ኣብዚ ንምብጻሕ ብዙሕ ምርምርን ገምጋምን ዘድልዮ እውን ኣይነበረን። እቲ ዘሕዝን ነዞም ድኽመታትና ኣብ ክንዲ ነእርሞም ክሳብ ሕጂ ንደግሞም ምህላውና እዩ።

ንእትብህጎ ክቡር ነገር ክትረኽቦ ንዓኡ ዝምጥን ዋጋ ክትከፍለሉ ናይ ግድን እዩ። ብቕዓት ዝምዘን ድማ ጽቡቕ ብምብሃግ ዘይኮነስ፡ ነቲ እትብህጎ ዝምጥን ዋጋ ክትከፍል ብምኽኣልን ብዘይምኽእልን ጥራይ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ እንእውጆ ኩሉ ትምኒትናን ድሌትናን እንታይ ከም ዝኾነ ዘመልክት እዩ። ናይ ምምናይን ቃል ምእታውን ጸገም ዘለዎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ትካል ከዓ ኣይረኣናን። ኪኖቲ እንምነዮ ዘለና ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ትግሃት ግና ብደረጃታት ዝቐርብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ኣብዚ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ከም ዝህልወና ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ጸገምናስ በታ ዘላትካ ዓቕሚ ህዝብን ሃገርን ዝማእከሉ ነጻ መንገዲ ቅንዕና ዘይምሓዝ እዩ። እቲ መንገዲ ቅንዕና እንተንሕዝ እቲ ዓቕሚ እውን ምተፈጠረ። መንገዲ ቅንዕና ምሓዝ ንገዛእ ርእሱ ዓቕሚ እዩ። እቲ መንገዲ ቅንዕና እንተዘይተታሒዙ ግና፡ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና እቲ ዝርካቡ ዓቕሚ’ውን ንድማዕ ኣይውዕልን እዩ።

ህልዊ ጸገማት ህዝብና ምትንታንን ምስኡ ሓቢርካ ምቑዛምን መውጽእ ኣፍና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ከምኡ ክኸውን ከዓ ናይ ግድን እዩ። ቃልስና ምእንትኡ፡ ናይ ዓወትና ወሳኒ ዓቕሚ ድማ ካብኡ ስለ ዝኾነ። ድሌት ህዝብና እንታይ ምዃኑ ንዓና እውን ኣይጠፍኣናን እዩ። ንሱ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ንፈልጦ ምዃና ዓው ኢሉ “ብዘያፈላላይ ብሓባር እንተተቓሊስኩ ኢኹም ተድሕኑኒ” ይብለና ኣሎ። ሎሚ ይኹን ጽባሕ ናይ ህልውናኡን ቀጻልነቱን ዋሕስ ህዝቢ ምዃኑ ዘይእውጅ ውድብ ወይ ሰልፊ የለን። እንተኾነ ህዝቢ ንሕና ከም ውሱን ፖለቲካዊ ትካል እንኣምኖ ክቕበል እምበር፡ ንሕና ከም ፖለቲካዊ ትካላት ናይ ህዝቢ ድሌትን ድምጽን ጽን ክንብልን ኣብ ኩሉ መደባትና ኣብ ግምት ከነእትዎ ከም ዝግበኣናን ዘለና ድልውነት ትሕቲ ግምት ምዃኑ ንክሕዶ ኣይመስለንን።

“ግዜ ወርቂ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ሕብረተሰብና ልሙድ እዩ። መልእኽቱ ድማ ንግዜ ብግቡእ ምጥቃም መሰረታዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ኣብ ዘየድምዕ ጉዳይ ግዜኻ ምብኻን ናይ ድኽመት መግለጺ ምዃኑ’ውን ናይዚ ኣበሃህላ ካልእ ገጽ እዩ። ግዜ ክትቁጥብ ኢልካ ዘይተጸንዐን ኣቋራጭን መንገዲ ምምራጽ እዩ። ከምቲ “ተሃዊኸን የፍስሰኦ’ሞ ተመሊሰን ይኣርዮ” ዝበሃል ከዓ ዋጋ የኽፍለካ እዩ። ምስ ሓደ ኣካል ተሃላሊኽካ ህዉኽን መጽናዕቲ ዝጐደሎን መንገዲ መሪጽካ ሸበድበድ ምባል ዓብይ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ምጉዳእ ድማ ዘተሓታትት እዩ። ኣብ ከምዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ፡ ናታ ናይ ምልማዕን ምጥፋእን ብጽሒት ስለ ዝህልዋ ግቡእ ግዜ ክወሃባ እዩ ዝግባእ። ነቲ ትሃርፎ ዓበይቲ ጉዳያት ጥራይ እንዳኣማዕደኻ ነቲ ናብኡ ዘብጽሕ ንኡሳን ተግባራት ምዝንጋዕ ኣብ ጌጋ ከም ዘውድቕ ምርዳእ የድሊ። ከይረኣኻዮ ዝሓልፍ ጌጋታትስ ደሓን “እዚ ጉዳይዚ ክዝለል ዘይግበኦ’ዩ” ተባሂሉ እንዳተነግረካ “ደሓን እዝስ ደሓር ንርእዮ” ብዝብል ኣጎልቢካዮ ምሕላፍ ግና ደሓር ንሱ እቲ ዝተዘለለ እዩ ዋጋ ዘኽፍለካ። ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መድረኽ ምብዛሕ ተሳተፍቲ’ኳ ዘይጽላእ እንተኾነ፡ ስለ ዝበዛሕካ ጥራይ ኣይኮንካን እትዕወት። እቲ ዝሓዝካዮ መንገዲ ብውሕዱ ኣብቲ ዝመረጽካዮ እዋን ንኹሉ ክምለስ ዝግበኦ ሕቶታት ዝመለሰን ንክመጽእ ዝኽእል ምዕባለታት ብንቕሓት ኣብ ግምት ዘእተወን እንተኾይኑ ናይ ምዕዋትካ ምናልባት ልዑል እዩ። መንገድኻ በዚ ዝምራሕ እንተኾይኑ፡ ሎሚ ውሑዳት እንተኾይንካ ጽባሕ ከም እትበዝሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ምርጫን ጉዕዞን ብእንጻሩ እንተኾይኑ ግና ናይ ሎሚ ብዝሕኻ ጽባሕ ከም ዝውሕድ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ርሑቕ ከይከድካ ኣብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝርከብ ክነሱ ዘይተመሃርናሉ እዩ። ሕጂ እውን እቲ መዋጸኦ ኣቐዲምካ ምልስ ኢልካ ናይ ገዛእ ተመኩሮኻ ምርኣይ እምበር ካልእ መጻሕፍቲ ምግንጻልን ኣቋራጭ መንገዲ ምምራጽን ኣይኮነን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ምስቲ ኩሉ ጸገማት ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብ ኢድና ዘይወጸ ሓያል መሳርሒ ኣለና። “ሕጂ’ውን ክንገብር ንኽእል ኢና” ዝብል ኒሕን ሓቦን። እዚ ኒሕን ሓቦን’ዚ ንገዛእ ርእሱኳ ዓወት ተዘይኮነ ኣብ ቀጻልነት ቃልሲ ደራኺ ግደ ኣለዎ። እምበኣር ኩነታትና ሕጂ እውን እቲ ወትሩ እንሓቶ ግና ዘይተመለሰ ሕቶ “ሕጂኸ ናበይ?” ክንሓትት ከም እንግደድ ዘመላኽት እዩ። ስለዚ እዚ ሕቶ እንደጋና ከም ዘይሕተት ጌርና ክንምልሶ ናይ ግድን እዩ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ካስል 2015 “በቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸድናዮ እሞ ኣብ ዓወት ዘየብጽሓና ጐደና ምምልላስ ሕጂ'ውን ከም ትማሊ ኣየዕውተናን ኢዩ። ተመኵሮና ገምጊምና፡ ንኽዕንቅጹና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ወይ ብድሆታት ብሓድሽን ምትእምማን ዝፈጥርን ኣገባብ ክንምክቶም ከድልየና ኢዩ።” ዝበሎ። ሃገራዊ ባይቶ ንደሞካሲያዊ ለውጢ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘርእዮ ዘሎ ምልክታት እውን ካብዚ ውጻኢ ዝንበብ ኣይመስልን።

13 ነሓሰ 2015

Last modified on Friday, 14 August 2015 11:03