ጉዕዞ ናብ ሓርነት፡ ኣስካሕካሒ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት

2015-08-12 21:27:36 Written by  ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2434 times

EMDHRLogo

ስለምንታይ እዮም ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ህይወቶም ኣብ ክቱር ሓደጋ ኣእትዮም ዓዶም ሓዲጎም ዝወጹ ዘለዉ? ጉዕዞ ናብ ሓርነት ህልቂት ዘኸትል ክነሱ የግዳስ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ዓመት መጸ፡ ነዚ ጉዕዞ ዓይኖም ዓሚቶም ክኣትዉዎ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተፈላለዩ መርበብ ስለያን ሓለዋ ዶብን ብምስጋር፡ ዘየናሕሲ ጸሓይን ጽምኢን ሰሃራ ብምጽዋር፡ ዝውሕጥ ማዕበላት ባሕሪ ሜዲተራንያን ብትብዓት ብምግጣም፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮፓ ምቁጽጻር ዶባት ብምጥሓስ፡ ካልእ ካብቲ ዝተበገስሉ ክሳብቲ ዑቕባ ዝረኽቡሉ ሃገራት ዝተፈላለዩ ፈተንቲ መሰናኽላት ብምስጋር እዮም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ደቂሰባት ዝወርዶም ውርደትን፡ ግፍዒን ኣሽንኳይዶ ኣብልዕሌኻ ክወርድ ክትሰምዖውን ዘስካሕክሕ እዩ።
ካብዞም ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክንደይ ይዕወቱ ክንደይከ ኣይዕወቱን ዝገልጽ ንጹር ኣሃዛትየለን። እቲ ንሰምዖ ሓበሬታታት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ እዩ። ገለ ተንተንቲ ንሓደ ክልተ ተዛማዲ ውሕስነት ዘለዎ ጉዕዞታት ክትንትኑ ንሰምዕ።

ውግእ፡ ዓጸቦ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ዜጋታት ዓዶም ገዲፎም ናብ ዑቕባ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ውሑስ ሃገራት ክሰደዱ ካብ ዝገብሩ ገለ ረቋሒታት እዮም። ኩነታት ናይ ኤርትራ ግና ፍሉይ ኮይኑ ንረኽቦ።ንሕና ኤርትራውያን እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ሃገርና ኣብ ውግእ የላን፡ ባህርያዊ ሓደጋውን ኣየጋጠማን ዘሎ፡ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራውያን'ውን ክሳብ ክንድኡ ኣስጋኢ ኣይኮነን። ናይ ባዕልና ቁስሊ እዩ ነታ ሃገር ዝሕምሳ ዘሎ። እቲ ስርዓት ንዓሰርተታት ዓመታት ነታ መሰረት ሕብረሰተስብ ዝኾነት ስድራቤት ፋሕብትን ብምባል ክብርታት ናይቲ ሕብረተሰብ ዘሪግዎ ይርከብ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንመንእሰያት ናይታ ሃገር ብጉልባባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ባርነት ቆሪንዎም ኣሎ።

ዝኾነ ዝተቆርነ ወይ'ውን ምስ ባርያ ዝነጻጸር ኩነታት ዝርከብ ሰብ ነብሱ ሓራ ክገብር ካብቲ ኩነታት ክሃድም መሰል ኣለዎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ነብሶም ሓራ ክገብሩ እንታይ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣለዎም? ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እንጽበዮ እንተልዩ ነዞም ብጨቋኒ ስርዓትተደሪኾም ህይወቶም ንምድሓን ነዚ ናይ ሓርነት ጉዕዞ ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝበለጸ ምድንጋጽን ሓለዋን ክገብረሎም ጥራሕ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ሸለለ ተባሂሉ ዝሕለፍ ዘሎ መቅዘፍቲ ናይ ኣሽሓት ንጹህ ህይወት ዜጋታት በዚ መፈንጥራ ሞት ዝኾነ ጉዕዞ እዩ። ብፍላይ ድማ ካብ ኤርትራ፡ በረኻ ሰሃራ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ብዙሓት ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ይጠፍኡ ኣለዉ።

መንእሰያት ነዚ ጉዕዞ ክጅምሩ ዓይኖም ዘይሓስዩሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ ብምዃኑ እዩ። ኣብተን ዘየተኣማምናን ኣረገውትንን ተደርብየን ዝነበራን ናይቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ጃላቡ ክድይቡ ከለዉ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደጋ ባሕሪ ዘንጊዖም ኣይኮኑን። ኣብ ማዕከናት ዜና ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ እዞም ስደተኛታት ክቃላሕ ከሎ፡ ናይተን ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን፡ ብስደተኛታት ዘዕለቕለቐ መቐበሊ ስደተኛታት ጥልያን፡ ኣብ ካለይ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብዘይሕጊ ክሰግሩ ናይ ዝፍትኑ ዜናታት ብቀጻሊ ይቃላሕ። እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይዚ ትራጀዲ ማለት እቲ ስርዓት ነዞም መንእሰያት ብዘይ ንሕስያ ዝገፍዖም ዘሎ ግና ግቡእ ኣቃልቦ ኣይረኸበን።
ድሕሪ እቲ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት ነጻነት፡ ኤርትራ ንኹሎም ዜጋታት ዝሓቁፍን ዝሕብሕብን ስርዓት ምሕደራ ክትሰጋገር እያ ዝብል እምነት እዩ ነይሩና። ብኡነት ናይ ብሓቂ ኤርትራናጽነታ ንምርካብ ዝሓለፈቶ ተሞክሮ ንኹሎም ኣፍሪቃውያን ዝኸውን ሽግ ተስፋ ክትውልዕ እያ ዝብል እምንቶ እዩ ነይሩና። ብኹሉ መምዘኒታት ከመይ ተጋጊና ዝገርም እዩ! እቲ መንግስቲ ንኹሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል ዝነበሮ ዕድላት ብምብኻን፡ ዜጋታቱ ኣብ ተስፋ ቁርጸትን ዝሓሸ ኣማራጺ ክደልዩን ነቲ ዝተሓምሸሸሕልሞም ጋህዲ ንምግባር ድማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ይቕሰቡ ኣለዉ። እቶም ውሕስነት መጻኢ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ተስፋ ቆሪጾም፡ ሕልሞም በኒኑ፡ ቁመናኦም ተደዊኑ ይርከብ። ካብ መፋርቅ ተስዓታት ጀሚሩ፡ ኣብ መዛዘሚ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ንእስነቶምን ሓርነታቶምን ተሓዲጎም ኣብተስፋ ቁርጸት ይርከቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኤርትራውያን ካብታ ዝፈትውዋ ዓዶም ንምውጻእ ዘይከፍልዎ ነገር የለን።

መንግስቲ ነዞም መንእሰያት ንቡር ሕይወት ክመርሑ ነጻነቶም እንተዘይነፍጎም፡ እዚ ማለት ዝደለይዎ ክኾኑ ሕይወቶም ከመሓይሹ እንተዘይክልክሎም ነይሩ እቲ ስእሊ ዝተፈልየ ምኾነ ነይሩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኤርትራውያን ግዳያት ናይ ጨካን ኣተሓሕዛን ምብትታንን ኮይኖም ይርከቡ። ክብረት ዝተነፍጎ ህይወት ክነብሩ ተገዲዶም ይርከቡ። ሎሚ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ምንባር ትርጉም ዘይብሉ ናብራ እዩ፡ ስለዚ ድማ ካብዚ ናብራ እዚ ከይትወጽእ ዘጎናድብ ከም ምልኣት ሕይወት ከይትረክብ ዝኽልክል ጌሮም ይቖጽርዎ። መንግስቲ ሕልሞም መንዚዑ ናይ ሓዋሩ ገባሮ ጌርዎም ይርከብ። መብዛሕቱ ሕልሚ ኣብ ንኡስ ዕድሜኻ ከምዝጅምር መንግስቲ ዝረስዖ ይመስል። ብተዛማዲ ኣዘራርባ፡ ኣብ ካልእ ሃገራት መንግስቲ፡ መንእሰያት ጠፈር ክበጽሑ ዘኽእሎም ሓይሊ ክድልቡ ይኹስኩሶም። እዞም ናይ ኤርትራ መንእሰያት ድማ ነዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ ክገብሩ እንተሃቀኑ እንታይ እዩ እቲ ኣበሳኦም?

መብዛሕተን ናይ ምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሃን ዘምጽእኦ መደባት፡ ብኸመይ ተድሕኖም ወይ ትኸላኸለሎም ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ብኸመይ ናብ ኤውሮፓ ከይኣትዉ ትኽልክሎም ወይ ትነጽጎም ዝብል ምዃኑ ክትርኢ ከሎኻ ኣዝዩ የሕዝን። ማሕበረሰብ ዓለም ነዚኩነታት ብዕቱብ ክቅይር ክፍትን ክንደይ ተወሳኺ ሞት ናይ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን፡ ኣብበረኻ ሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንያንን የድሊ ይኸውን? ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመከራን ፍርሂን ይሳቀዩ፡ ጽባሕ እንታይ የጋጥሞም'ውን ፍጹም ኣይፈልጡን። ሕሉፍ ሕይወቶም ብመንግስቲ ተሰሪቁ፡ መጻኢኦም ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ነታ ብኣጋ ዘይትርከብ ሓርነት ከናድዩ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ኣብ ምሉእ ምሕረት ናይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ይወድቁ።

ማሕበረሰብ ዓለም ናይቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዘለዉኤርትራውያን ዘስካሕክሕ ኩነታት ይፈልጡ ዶ? ኣብተን ተዓቝቦሙለን ዘለዉ ሃገራት ተቐባልነት የብሎምን፡ ብዙሕ ግዜ'ውን ይጋፍዑን ግዳያት ናይ ተበለጽቲ ይኾኑን። እቲ ብ UNHCR ዝምራሕ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መደባት ንኤርትራውያን ኣይሰርሓሎምን ኣሎ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስለናን። ስለዝኾነ እዩ ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ዝግደዱ ዘለዉ።ይገርም እዩ እተን ዑቅባ ይህባ ዝበሃላ ሃገራት እየን ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገበሩ ጌሮም ኣብ ኣፍደገአን ምስበጽሑ ከይቅበልኦም ኣፍደግአን ዝርግጣ። ስለዚ እዮም ድማ ኤርትራውያን ብዘይ ሕጊ ዶብ ሶሊኾም ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለዉ። ሕሉፍ ሕይወቶም ባኺኑ፡ ተፈናቂሎም ስለዝኾኑ እዚ ክገብሩ ዋላ ሓንቲ ዘሰክፎም የለን።

ነዚ ጸገም ብኸመይ ክንገጥሞ ኣሎና? ነቶም ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ብቁምነገር ክሰርሑ ዝፍትኑ፡ ግብራዊ ዝኾኑ ናይ ፖሊሲ ኣማራጺታት ኣለዎም።

- መጀመርያ፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንናይ ናይ ሕይወት ኣድሕን ስራሓት ክቅጽል።
- ካልኣይ፡ ብሓደራ UNHCR መሰረት፡ ኤርትራውያንብውዕል ስደተኛታት 1951 ሓለዋ ክግበረሎም መሰል ኣለዎም።
- ሳልሳይ፡ ንኹሎም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ እስራኤል፡ የመን ኣብ ኣሰቃቂ ኩነታት ዝነብሩ ኤ 2015ርትራውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም።
- ኣብ መወዳእታ፡ ናይዚ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምኽንያት ኣብ ምንጩ ክፍወስ። እዚ ማለት ጭቆና፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ደው ክብል፡ ኤርትራውያን ድማ ብሕግን ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ምሕደራን ክመሓደሩ እዩ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
Advocacy Unit
10 ነሓሰ 2015

Last modified on Wednesday, 12 August 2015 23:31