ኣገዳሲ ሕዝባዊ ጻዋዒት

2015-08-10 08:02:20 Written by  ጽላል ስዊደናዊ - ኤርትራዊ ንደሞክራስያን ምዕባለን ኤርትራ/ ሰሳዱ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2053 times

Sesadu 1

ጽላል ስዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያን ምዕባለን ኤርትራ ብምኽንያት መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራን አገዳሲ ሕዝባዊ ሰሚናርDan Conel ምስ ፕሮፈሶር ዳን ኮነል ከምኡ እውን ምሽታዊ ትልሂትን ምስ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣዳልዩልኩም ሰለዘሎ ንኩሉኹም ደለይቲ ደሞክራስያን ፍትሕን ኤርትራ ብኽብሪ ይዕድም፡፤

 

ዳን ኮነል ናይዚ ዝኽሪ መ ዓልቲ ጋሻና ኮይኑ ብዛዕባ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ሰለምንታይ ይስደዱ፣ ኣብ ስደቶም እንታይ ይጓነፎም ብዝብል ብፊልም ኣሰንዩ መደረ ክቅርብ ኢዩ።

 

ኣብቲ ናይ ባህላዊ መደብ ድማ መንእሰያት ዘለዓዕል ባህላውን ስነ-ጥበባውን መዘናግዕታት ክህልወና ኢዩ።

 

መደብ ባሕቲ መስከረም 2015

1. ሰሚናር ምስ ፕሮፈሶር ዳን ኮነል

2. ስነ- ጥበባዊ መደብ/ ብመንእስያት ደለይቲ ፍትሒ

ዕለት ፣   ቀዳም 12 መስከረም 2015

ግዜ፣   ካብ 18.00-0300

ቦታ ተንስታ ኣዳራሽ

ብዳሓን ምጹ

ኣዳለውቲ ባሕቲ መስከረም 2015

ጽላል ስዊደናዊ - ኤርትራዊ ንደሞክራስያን ምዕባለን ኤርትራ/ ሰሳዱ

Last modified on Monday, 10 August 2015 10:07