“ድሕሪ ምብራህ ሽምዓኸ?”

2015-05-01 10:38:04 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3090 times

ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝውረ ኩሉ ዘሻቕል እምበር፡ ዘሕጉስን ተስፋ ዝህብን ካብ ዘይከውን ነዊሕ ግዜ ኩይኑ እዩ። ጸገምን ሓደጋን ኣባና ጥራይ ዝፍጠር ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ከባብታት ዓለም ዘጋጥም እዩ። ናትና ካብቲ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ፡ መለሳ ዘየብሉ ኩሉ ግዜ እህህህ ምዃኑ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት “ከምዚ ዓይነት ተፈጥሮ ወይ ሰብ ዝሰርሖ ጸገም ኣጋጢሙ” ዝብል ወረ ትሰምዕ እሞ፡ ቅንይ ኢልካ ኸዓ “ኣብታ ሃገር ምርጫ ተኻይዱ፡ እሱራት ተፈቲሖም፡ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ተመስሪቱ፡ ክንድዚ ነጻ ሚድያ ኣሎ … ውዘተ” ዝብል ልብኻ ዝመልስ ገለጻታት ከዓ ትሰምዕ። ዜጋታት ናይዘን ከምዚ ዝውረየለን ሃገራት ድማ እቲ ናይ ቅድም ጓሂኦም ብኸምዚ ዳሕረቃይ ወረታት ይድበስ። መለሳ ሓዘን ሓጐስ ይረኽቡ ማለት እዩ። ንሕና ግና እነሆ ሕልናና መለሳ ብዘየብሉ፡ “ ብውድባት ሓሸውየ የለን፡ ኣብ ማይሓባር ስንኩላት ተረሽኖም፡ ጉጅለ 15 ተሰዊሮም፡ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም፡ ናይ ብሕቲ ፕረስ ተወጊዱ፡ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርስቲን ተዓጽዩ፡ ተመሃሮ ናብ ግዱድ ውትህድርና ተገፊፎም፡ ኣንጻር ጐረቤት ሃገር እገለ ውግእ ተኸፊቱ ዝምድና ድማ ተቋሪጹ፡” ብዝብል ዕረፍቲ ዘይህብ ሕማቕ ዜናታት ክንናወጽ ኢና ጸኒሕና።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ግናይ ተግባራት ናብ ራህዋ ከም ዝተቐየረ ዘበስር ወረታት ክንሰምዕ እንዳተተስፈና፡ “ክንድዚ መንእሰያት ኣብ ዶብ ተረሽኖም፡ ክንድዚ ስደተኛታት ኣብቲ ዝተዓቆብሉ መደበሮም ብዝተፈጥረ ግጭት ተሃስዮም፡ ናይ ክንድዚ መንእሰያት ውሽጣዊ ኣካላት ተመዝሒቑ ተሸይጡ፡ ደሓር ድማ ክንድዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ባሕሪ ሃሊቖም” ዝብል ዝገደደ ወረታት መናብርትና ካብ ዝኸውን ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ። ነዚ ናይ ለማቕነ ናይ ሊቢያን ባሕሪ መዲትራንያንን ኣበሳ ክንውስኸሉ እንከልና ከዓ መሊሱ ዘቖጥዕን ዘደንጹን ወረ ኮይኑና ከም ዘሎ ነስተማቕሮ ኣለና።

ኣይኮነንዶ ዜጋኻን ወገንካን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ጸገም ኣጋጢሙ ክበሃል እንከሎ፡ ከም ሰብ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ፍጡር ከምዚ ወሪዱ ክበሃል እንከሎ ክንስብድን ክንድንግጽን ባህርያዊ እዩ። ስንባደና ድማ በብውልቂ ሒዝናዮ እንሕቆን ዘይኮነስ ብሓባር ኮይና ክንዝክሮን ምረቱ ከነስተማቕርን ንቡር እዩ። ከምዚ ሰብ ሞይቱ ክበሃል እንከሎ ኣብ ቀብሪ እንእከብ። እነሆ ከዓ እዚ ናይዚ ሰሙናት ኣሃዛትን ኣስማትን እንዳተጠቕሰ ኤርትራውያን ኣብ ሊቢያ ተቐንጺሎም፡ ክንድዚ ድማ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም ክስማዕ እንከሎ፡ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽትታት ክንዝርግሕን ከከም ኩነታትና ዳሳት ተኺልናን ሽምዓታት ኣብሪህናን ክንዝክሮምን ክንበኽየሎምን ንውዕል ኣለና። እዚ ንቡር ናይ ሓዘን መግለጺ ስርዓታት ከምቲ ባህልናን ወግዕናን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክካየድ ዘይምኽኣሉ ከዓ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ዝድርብ ኩነታት እዩ።

መልሲ ናይቲ ንስሙ መንግስቲ እንዳተባህለ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ንኤርትራ ዝውክል ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ተረኽቦ መልሱ እንታይ ከም ዝኸውን፡ ንተረኽቦ ላምፓዱሳ ወሲኽካ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና እንፈልጦ እዩ። ነቶም ግዳያት ዋላ ንቓለ ዓለም ካብ ክሳድ ንላዕሊ ከም ዘይግደሰሎም ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዘይዝክሮም ፍሉጥ’ዩ። እንተኾነ እቲ ጉዳይ ስለ ዘገረመካን ዝሕደሰካን “ሎሚ እውን ስቕ ድዩ ክብል” ትብል እሞ ዝበሃል እንተልዩ ክትሰምዕ ትጸናጸን። ኣጸናጺና ከዓ። ኩሉ ተሪፉስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ቀይሕ ራዕዲ ኣብ ኢትዮጵያ ይግበር ነይሩ ዝበሃል፡ ወለድን ቤተሰብን ግዳያት ሓዘኖም ከይገልጹ በቲ ጉጅለ ከም ዝተኸልከሉ ዝሕብር፡ ኣብ ልዕሊ ሓዘን ሓዘን ዝውስኽ ወረታት ኢና ንሰምዕ ዘለና። ካብ ተመኩሮ ከም እንዕዘቦ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ሃገሮም ከምዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ህልቂት ከጋጥም እንከሎ፡ መገሻኦም ኣቋሪጾም ናብ ሃገሮም ይምለሱ፡ ካልእ ኣጀንዳታቶ ዓጺፎም ድማ ኣተኩሮም ናብቲ ሓድሽ ተረኽቦ ይኸውን። ጉጅለ ህግደፍ ግና ያኢ ዓራቓይ ኮይኑስ ሕማቕ ምስሉ ሓቢኡ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ክራኸብን ብጉዳይ የመን ናብ ስዑድ ዓረብያ ክገይሽን ኢና ተዓዚብና። እዚ ጉጅለ ሓንሳብ መንገዲ ጥፍኣት ስለ ዝመረጸ፡ ንጭንቅን መከራን ኤርትራውያን ዋጋ ተዘይሃቦ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስ መንነቱ ዝኸይድ ተግባር ንሱ ስለ ዝኾነ። ምናልባት እቲ ዘገርም ናትና መንነቱ ብተደጋጋሚ ነጊሩና ክነሱ ካብኡ ንቡር ሓልዮት ምጽባይና እዩ።

ከም ዝተኸታተልናዮ እቲ ጃምላዊ ህልቂት በቲ ናይ ላምፓዱሳን ካለኦት ንኡሳን ህልቂታትን ኣየብቀዐን። እነሆ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዝኸፈአ መልክዑ ኣጋጢሙ። ኣብ መጻኢ ናይ ምቕጻሉ ዕድል እውን ክፉት እዩ። ስለምንታ እቲ ናይዚ ኩሉ መከራ ጠንቂ ኣብ ቦታኡ ስለ ዘሎ። ስለዚ ምሕዛናን ሓድሽ ጸገም ከጋጥም እንከሎ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ምስማዕናን ንቡር ኮይኑ፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ግና እዚ ኣይኮነን። እቲ መሰረታዊ መፍትሕስ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ምንጻፉ ጥራይ እዩ። ብናትና ኣረዳድኣ እቶም ጠንቅታት ብዙሓት ኮይኖም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እዩ። እቲ ክውገድ ዝግበኦ ከዓ ንሱ እቲ ሃንጎሊማ ጉጅለ እዩ።

እዚ ተረኽቦ ናትና ናይቶም ሰብ ጉዳይ ጥራይ ኮይኑ ዝግደብ ኣይኮነን። ካለኦት በዚ ጉዳይና ዝጽለዉ ኣካላት’ውን ኣለዉ። እዞም ግዳያት ካብ ሃገሮም ምስወጹ ኣብቲ መጀምርያ ዝዕቆብለን ሃገራት፡ ናብቲ ዘይውሑስ መገሻ ከምርሑ እንከለዉ ዝሓልፉለን ሃገራትን ናይ መወዳእታ መዕለቢኦም ገይሮም ዝሓስብወን ሃገራትን ኩለን በዚ ዝጽለዋ እየን። እቲ ጽልዋ ኣብ ቁጠበአንን ጸጥታአንን ዘሕድሮ ኣሉታዊ ኣሰር ሰለ ዘሎ ከዓ የሻቕለን እዩ። ካብዚ ነቒለን እቲ ጠንቂ ክፈልጣ እሞ ካብ መንቀሊኡ ንምንጻፉ ክነጥፋን ክሓስባን ድማ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ካብ ኤርትራዊ ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ ከካብ ናተን ህድኣትን ርግእትን ነቒለን ነዚ ኣጀንዳና ኣጀንዳአን ገይረነኦ ኣለዋ። ኣፍሪቃ ግና እናሻዕ “ክንድዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሃሊቖም” ተባሂሉ እንዳተነግረ እንከሎ ብስም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝድሂ ድምጺ ኣይሰማዕናን። ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ንዕዘቦ ከም ዘለና እዘን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጠንቂ ናይቲ ዘሰንብድ ዋሕዚ ዝብለኦ፡ ካብቲ ንሕና ጠንቂ እንብሎ ዝተፈልየ ይመስል። ኣብዚ ካብ ተፈላለና መፍትሒ ኣብ ምቕራብ እውን ክንፈላለ ውሁብ እዩ።

እዘን ሃገራት ናይዞም ስደተኛታት ቀንዲ ጸገም እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ሞራላውን በደል ዘይኮነስ ቁጠባዊ ጸገም እዩ ናብ ዝብል ኣድሂበን፡ ነቲ ጸገም መሊሱ ነቲ ጉጅለ ብዘሰውድ መንገዲ ክፈትሐኦ ዝደለያ እየን ዝመስላ። ንጉጅለ ህግደፍ እልቢ ዘየብሉ ገንዘብ ከሕቁፈኦ’ሞ ንሱ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ነዚ ካልእ ዝመንቀሊኡ ስደት ክዓግቶ። ብዘይ ቃለዓለም እዘን ሃገራት ጌርና ንምባል ተዘይኮይኑስ ፍታሕ ከምጽእ እዩ ካብ ዝብል ከምዘይኮነ ምርድኡ ዘጸግም ኣይመስለናን።

በቲ ኮነ በዚ እቲ መሰረታዊ ናይ ምቕያር ሓላፍነት ኣብ እንግደዓ ኤርትራውያን ተጻዒኑ ዘሎ እዩ። ካለኦት ወገናት ካብ ነናቶም ሕሳብ እንዳነቐሉ ናብ ኤርትራ ገጾም ዝድርብይዎ ኣእማን ነቲ ንሕና ከም ሰብ ዕማም ዝያዳ ዝምልከተና’ሞ ክንዓሞ ዝግበኣና ዝሕግዞ እምበር ፍጹም ዝትክኦ ከም ዘይኮነ ክንዝግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ሓደ ነገር ምስ ኣጋጣመ ንሓዝኖን ሽምዓ ኣብሪህና እንጽልዮን፡ ንግዝያዊ ሕርቃና ዘዕግስ እምበር መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ብዛዕባቲ መሰረታዊ ፍታሕ ክንሓስብ ዘዘኻኽር ደወል ግና ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ፍታሕስ “ሕጂኸ ናበይ?” ኢልካ ነንነብኻ ምሕታት እሞ ናይዚ ሕቶ መልሲ ክትረክብ ምብጋስ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከዓ “ድሕሪ ምብራህ ሽምዓኸ?” ንብል ዘለና።

30 መጋቢት 2015

Last modified on Friday, 01 May 2015 12:40