ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስዊስን ሓለፍቲ ማሕበራዊ ሰልፍን ዕዉት ርክብ ኣካይዱ

2014-11-25 02:32:20 Written by  ብሓላፊ ባህልን-ልምድን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ክፍለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2339 times

ብፍትዊ ክፍለ

ብዕለት19/11/14: ብሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ው ወልደኢየሱስ ዓማር: ዝምራሕ ልኡኽ ሰልፊ: ምስ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ናይ ሃገረ ስዊስን ምስ  ወጻኢ ምኒስትሪ መንግስቲ ስዊስን ብምርኻብ: ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራን ስቅያትን ጸገማትን ህዝብናን ገሊጹ፣ መዘክራት ከኣ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣመሓላሊፉ።  ካልኦት ኣባላት እቲ ልኡኽ ሰዲህኤ:ሓው ፍትዊ ክፍለ: ሓላፊ ዜናን-ባህሊን ዞባ ኤውሮጳን: ኣቦ-ወንበር ጨንፈር ስዊስ ሓው ተስፋጋብር ገብረን ነይሮም።

እዚ ርክባት እዚ ናይ ንግሆ ምስ ዓለምለኻዊ ሰክረታሪያት ናይ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ስዊስ ክኸውን ከሎ፣ናይ ዕድመ ኣጋባብ እውን ብወግዒ ብኣኦም ኢዩ ተኻናዊኑ። ኣርእስቱ: ህሉው ኩነታት ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሽግራት ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ክኣ ጉዳይ ስደኛታት ንምምያጥ ነይሩ። ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክርብ ምስ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢዩ ተኻይዱ።

ናይ ምልላያት ስነ-ስሪዓት ድሕሪ ምክያድ ኸም መእተዊን ዕድመና ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም እና ኣመስገንኩ ፖለቲካዊ ኹነታት ኤርትራ ኣሰካፊ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሰንኪ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ስርዓት፣ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ጸገማት ስለ ዘሎ፣ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ናብ ስደት የምርሕ ምህላዉ እንሪኦን እንግንዘቦን ዘለና እዩ። ምስክሩ ክኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ላምፐዱዛ ንኹሉ ዓለም ዘሰንበደ ህልቀት ኤርትራዊያን ዝዚከር ኮይኑ፣ብዘይ ምቁራጽ ናብ ሲዊስን ኻሊኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዓለምን ዑቕባ ዝሓቱ ስቕ ኢልካ ዝስገር ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ሰሪትናዮ ዝጸናሕና ዝምድና ንምድልዳልን ሓቢርና ፍታሕ ንምርካብ ሃሰስ ንምባል ኢልና ዓዲምናኩም። ዕድመና ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም ደጊመእናኣመስገንኩ ብኣኽብሮት እትህቡናሓበረታ ይጽበ ብምባል ዘረብኡ ደምደመ።

ሓው ወልደእየሱስ ዓማር ንዝተገብረልና ዕድመ ድሕሪ ምምስጋን፣ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ኸም እትካታተልዎ ንፈልጥ: ኣድንቖትና እውን ወሰን የብሉን፣እዚ ኽኣ እቲ ዲሞክራሲያዊ ራኢን: ተሓላቕነት ማሕበራዊ ፍትሕን: ካልእ ሽግራት ደቂ ሰባትን ንምፍታሕ ዝቃለስ ዕላማ ሰልፍኹምን ሰልፍናን ዝጠምረና ስለ ዝኾነ ኣብ ሓደ ጽላላት፣ ናይ ዲሞክራሲያውያን ውድባቲን ሰልፍታትን ፣ኸምኡ ሶሻሊስት ፓርትታት ብሓደ ኾይና ንዋሳእ ምህላውና ንባዕሉ ሓደ ምስክር እዩ። እሱ ጥራይ ዘይኮነስ በቢግዚኡ ብወገና ምስ ሓለፍትን ኣካየድትን ዲሞክራስያዊያን ውድባት ብምርኻብ ናይ ስራሕ ምትሕብባርን ሓቤሬታ ብኣካል ብምርኻብ ይኹን ብመዘክራትን መጽሔታትን እንገብሮ ዕለታዊ ስርሓት ንዝምድነታትና ክብ ከብሎ ይርከብ።

ከም እትፈልጥዎ: እቲ ውልቀ-መላኺ ዝዝውሮ ስርዓተ ኣስመራ: ኣብ ልዕሊ ህዝብና እዚ ዘይብሃል ገበናት ፈጺሙን: ክፍጽምን ይርከብ። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ፣ማሕበራዊ፣ ቑጠባዊ ቕልውላዋት: ወዲ ሰብ ክጾሮ ዘይከኣል ኢዩ።  ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ህዝብና ብዘይ ድልየቱ ንስደት ከምርሕ ዝርኤ ዘሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ካብ ውሽጢ ሃገር ጀሚሩ ናብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ይርኤ ኣሎ።  ኣብ ሲናይ ስጋብ ኣካላት ወይ መሓውር ጠቢሕካ መሸጣ ብዝተወደቡ በድውናውያን ሓኻይም እውን ዝትሓባበርዎም ንሰብገረሞ ተፈጺሙን ይፍጸም ኣሎን። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽካዮ ህልቀት ላምፐዱዛ ፣እሱን ኻልእ ኣብ ማዕክናት ዘየቃልሕውዎ ጥፍኣት ህዝብና ብዙሕ እዩ። ኣብ ግብጽን የመንን ኣብ ጅቡትን እስራኤልን ሰሜን ኣፍሪቃን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሕማቕ ሃለዋት ይርክበ። ብሓፈሻ ከኣ በታ ንግህሰታት መሰል ወዲ ሰብ ክትምርምር እተወከለት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን በቲ ኣብ ቀረባ ወርሓት ዝቖመ መርመራሪ ኮሚሽንን ዝቐረበ ሰነዳት ነቲ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ 300,000 ዘይውሑድ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሎዉ። ዝኣክል ዓለማዊ ቈላሕታ ክግበረሎም ካብ እንጒስጒስ ሓያለይ ዓመታት ኰይኑ። መብዝሕትኦም መንእሰያትን ዝኣክል ትምህርቲ ዘይቀሰሙን ኢዮም። ነዚኦም ኣብቲ ዝረከቡሉ ቦታ ዕድል ትምህርቲ ኣካዳመዊን ተክኒካዊን ሲጋብ ዕድል-ስኮላርሺፕ ምሃብ ንህንጸት መጻኢት ኤርትራ እውን ሓጋዚ ምኾነ።

ነዚ ዓበይቲ መደባት ዝሽፍን ገንዘብ ካብቲ ንስርዓት ህግደፍ ከይውሃብ ብሓያለይ መንግስታት  ተቛሪጹ ዘሎ ተክኒካዊ ሓገዛት ክመጽእ ይኽእል ወይ ኣለዎ ንብል። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክወሃብ ዝነበሮ ተክኒካዊ ሓገዛት ስርዓት ህግደፍ መሰላት ወዲ ሰብ ስለዘየኽብር  ተባሂሉ ኢዩ ተቛሪጹ። ነቶም ብዕድል ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሰገሩ ኤርትራውያን ካብቲ እተቛረጸ ተክኒካዊ ሓገዛት ክበጽሖም እንተዝግበር ቊሩብ ፍትሓዊ ምኾነ። ነዚ ጒዳይዚ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራት ስዊስ ክደፍኣሉ ትጽቢት ንገብር።

ብዓቢኡ ከኣ ንጸማት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ሕቶ ኣብ ፍሉይ መጋባእያ ናይቲ ክልተና እንርከቦ ገስጋሲ ምሕዝነት ክልዓልን ክዝረበሉን ይግባእ። ሰልፍኹም ምስ ናይ ኢጣልያን ጀርመንን ሽወደን ካልኦት ሓው ሰልፍታት ኰይኑ ነዚ ጒዳይዚ ተበግሲ ወሲዱ ክደፍኣሉ ንጠልብ።

ብዛዕባ ኤርትራዊያን ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ክኣ ኣብ ስዊስ በጺሖም ዘለዉ ዑቕበኛታት እውን እንተኾነ ኸምቲ ኣብ ሰነድ ተገሊጹ ዘሎ: ካብ ንእስነቶም ሒዞም ዝቐመስዎ ትምህርቲ ብዘይካ ጐነጽን ጽልእን ካልእ ኣይኮነን። እቲ መንእሰይ ትሕዝቶቱን ኣፍልጦኡን ኣዚዩ ትሑት ስለ ዝኾነ: ንርእሱ ምሉእ ሰብ ክኸውን: ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ከኣ ጠቓሚ ዜጋ ኰይኑ ክነብር ብዙሕ ሓገዝ ዘድልዮ ኢዩ። ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ ኣኻሊ ኣካዳምያውን ተክኒካውን ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ክግበር ኣለዎ ንብል። ነዚ ንምስላጥ ከም ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ስዊስ ምትሕብባር ክግበር ይጥለብ። ናይ ሓባር ዕማም ስራሕ እተካይድ ሽማግለ ካብ ኤርትራዊ ኮሚኒቲን ምምሕዳራት ከተማን ምልቲ-ኩልትራል ትካላት ወጻእተኛታትን ቈይማ ነቲ ዘሎጸገማት ክትርእዮን ክትፈትሖን ዘይከኣል ኣይኮነን።

ብምቕጻል: ብዛዕባ እዚ ኣብ ሃገር ስዊስ ዘሎ ጸገማት ክገልጹ ንሓው ፍትዊን ሓው ተስፋጋቢር ዕድል ተዋሂብዎም። 

ሓው ፍትዊ ከምቲ ሓው ወልደእየሱስ ዝገለጾ መንእሰያትና ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሮም ካብ ስድሮኦም ተፈልዮም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት: ትምህርቲ ብጉቡእ ኸተማልእ ዘይካኣል: ማሕበራዊ ሂወት፣ ስነፍልጠታዊ ትምህርቲ ኽትቀስምን ከተማዕብልን ዝሕረመካ ናብራ ዘሕለፉ፣ ብዘይካ ጸገም ሲቭላዊሂወት እንታይ ምዃኑ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይተዋስኡ ፣ ተምክሮ ስነጥበብ ዝጎደሎም ስለዝኾኑ እዩ ሰነድ ሰልፍና ኣብ ትምህርቲን ናይ ስራሕ ልምምድ ብጻዕቂ ጥራይ ዘይኮነስ ሓንቲ ኮሚሽን ኣድ ሆክ ክትህሉ ዝጠልብ።

ሓው ተስፋጋብር ብወገኑ እዚ ውልቐ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ነቦታት ኣዴታት ኸይተረፈ ስጋብ 70 ዕድመ ዘለዎም ኣጽዋር ብምዕዳል ኣብ ክተት: ኣብ ራዕድን ናብራኻ ከተማላኣሉዘይትኽእል ጸልማት ናብራን ኢዩ ዘንብር ዘሎ፣ ንወለዲ ዝገብሮ  ከይኣኽሎ ንደቆም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና ሸሚምዎም ይርከብ። ኣብዚ ደሞክራሲያዊ ሃገራትምስ በጽሔ ኸም ባህሊ ይኹን ሲቭላዊ ናብራ ንዑዑ ኹሉ ሓዲሽ ብምዃኑ ሰፍ ዘይብል ጸገማት የጓንፎ። ስለዚ እታ ናይ ሓባር ሽማግለ እተባህለት ተድሊ ጥራይ ዘይኮነስ እሱ እዩ እቲ ቅኑሕ መፍትሒ ጸገማት ክሕብርን ከምጽእን ዝኽእል ብምባል ደሚዲሙ።

ወከልቲ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራስን ወጻኢ ምኒስትርን ነቲ ዝቐረበ ገለጻታትን መዘከክራትን ናብ ዝምልከቶም ከመሓላልፍዎን መልሲ ክህቡን ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ብፍላይ ወኪል ማሕበራዊ ሰልፊ ስዊስ: ምስ ካልኦት መሓዙት ሰልፍታት ብምዃኑ ንጒዳይ ኤርትራ ኣቓልቦ ካብ ምሃብ ክሰንፍ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ። 

ከምኡውን ኣብ ሃገር ስዊስ ንዘለዉ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ብደረጃ ሰልፎም ምስ ማሕበረ ኮማት ርክብ ክካየድን ክስርሓሉን ምዃኑ ገሊጹ። ቀጻሊ ርክብ ምስ ወከልቲ ሰዲህኤ ኮነ ምስታ ቈይማ ኣላ ተባሂላ እተገሓበረቶ ናይ ኲሎም ኤርትራውያን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክራኸብ ኣድላይ ኣድራሻታት ተዋሂብዎ። 

ከምቲ እተጠቕሰ: ናይ ድሕሪ ቐትሪ ርክብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ምኒስትሪ ስዊስ ኢዩ ነይሩ። ሰፊሕን ጡሉቕን ልዝብ ከኣ ተኻይዱ። እቲ ርክብ ምስ መንግስቲ ስዊስ ንሳልሳይ ጊዜ ምንባሩ እውን ብኹሉ ሸነኻት ተገሊጹ። ኣብ ሕሉፍ ኣኼባታት ብሰዲህኤ ንዝቐረበ ጠለባት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኢና ተባሂሉ ምንባሩን ግን ኣብ ግብሪ ከምዘተዋዕለ ተጠቒሱ።

ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረቦ ክልተ መዘክራት ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ዘትኮረ ኢዩ ነይሩ:-

  1. ኣድላይነት ፍሉይ መደባት ዝሓዘ ፕሮጀክት ኣካደሚያዊ ትምህርቲን ስልጠናን ንስደተኛታት ኣብ መዕስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያ፤
  2. ንቡር ርክብ ኣህዛብን ሃገራትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክርከብ ኣብ ዝምልከቶ መንግስታት ጽዑቕ ጸቕጢ ምክያድ፣
  3. ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ ቀያድን ናይ መወድእታን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ምስ እትቕበል ከኣ : ስርዓት ህግደፍ ምስምስ ከም ዝስእን ክግበር ከም ዝከኣል፣
  4. ብሸነኽ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞራት ከኣ ብጒዳይ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ መጋባእያ ገስጋሲ ምሕዝነት ሰሚናር ክካየድ።
  5. ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ካብ 25,000 ዘይውሑድ ሓደስቲ ኤርትርውያን ስደተኛታት: ምስ ማሕበረ-ኮማቶምን ናይ ከባቢ ምምሕዳራትን ትካላትን ብምትሕብባር ዘድልዮም ናይ ትምህርትን ተክኒካዊ ስልጠናን ናይ ስራሕ ምርካብ ሓገዛትን ክግበረሎም።

ብሓላፊ ባህልን-ልምድን ዞባ ኤውሮጳ

ፍትዊ ክፍለ

Last modified on Tuesday, 25 November 2014 03:42