ኤርትራ ትህነጽ ድያ ዘላ ትፈርስ?

2014-11-23 22:44:06 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3485 times

ኣርዓዶም በርሀ

ሃገርና ኤርትራ እዚ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት “ክልተሻብ ተራእያ” ኣብ ዘብላ ደረጃ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ክርህዋ እንከሎ ዝርህወና ክጨንቃ እንከሎ ድማ ዘቐንዝወና ደቃ፡ ንማንም ደላይ ጽቡቕ ፍጡር ብሩህ እዩ። ዝኾነት ሃገር ካብ ካለኦት ሃገራት ተፈልያ እትጥመተሉ መለለይ ኣለዋ። ሃገራት ከከም ኩነታቱ፡ ብቑጠባዊ ዕቤተን፡  ብዝሓቖፈኦ ተፈጥሮኣዊ ሃብተን፡ ብዘለወን ንግዳዊ ምቹእነት፡ ብህዝባውነት ወይ ብጸረ ህዝብነት ዝምረሓሉ ስርዓት፡ ብዘለወን ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ወይ እውን ብታሪኻዊ ኣገዳስነተን ይበሃጋ። ሃገርና ኤርትራ እውን ብዙሕ ብፍሉይ ዓይኒ እትበሃገሉ መምዘንታት’ኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ቀንዲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዝያዳ ሚእቲ ዓመታት ክትልለየሉስ ዝጸንሐት ምእንቲ ነጻነትን ሉኣላውነትን ሃገሩ ሰፍ ዘይብል ነዊሕዎ ቃልሲ መሪርዎ ክምህ ብዘይብል ጽንዓት ህዝባ እያ ክትነኣድ ጸኒሓ። እንተኾነ ምስዚ ምዕሩግን ሕቡንን መምዘኒኣ ክትቅጽል ኣይከኣለትን። እነሆ ድማ ሎሚ “ካብ ከርሳ ብዝተወልደ ሕሱም ገዛኢ ኣብ ዘየናሕሲ መግዛእታዊ ኣርዑት ሓጺን እትነብር ሃገር” እንዳተባህለት ኣብ ኣደባባያትን መገባእያታትን ዓለም ትግለጽ ኣላ።

ጉጅለ ህገደፍ ግና ብኣንጻር’ቲ ዝረአ ክውንነት ከምቲ “ጠሪጣስ ተትሓንከለይከ” ዝበሃል ምስላ ወለድና፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ መዳርግቲ ዘየብሉ፡ ኩለመዳያዊ ዕንወት ከይኣኽሎ፡ ኣብ ጉዳይ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ሕቶ ክቐርቦ እንከሎ “ሃገር ኢናኮ ንሃንጽ ዘለና” ብዝብል ከሽካዕልልን ክሕጭጭን  ንሰምዖ ኣለና። ነዚ ሰሚዖም መዓንጣኦም ዝሓርር ኤርትራውያን ብዙሓት ምዃኖም ኩልና እንከታተሎ ዘለና እዩ። ስርዓት ህግደፍ ግና ብትዕቢትን ትምክሕትን ተሰንጢቑ ንብዙሓት መንእሰያት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኮሊፉ ካብ ቤተሰቦም ፈልዩ፡ መጀመርታኡን መወዳእትኡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕላምኡ እውን ኣብ ዘይፍለጥ መዝማዚ ናይ ጉልበት ስራሕ ጸሚድዎም ኣሎ። ነዚ እዩ ድማ እቲ ጉጅለ ህግደፍ “ንኤርትራ ንሃንጻ ኣለና” ኢሉ መኸወሊ ክፋኡ ክገበሮን ክንየተሉን ዝፍትን ዘሎ። ርግጽ እዩ መንእሰያት እምኒ ክፍንቅሉ፡ ዕንጸይቲ ክፍልፁ፡ ጐዳጉዲ ክኹዕቱ፡ ሓጽብታትን መንገድታትን ክሰርሑን ክጽግኑን ሓሓሊፍና ብናይ ጉጅለ ህግደፍ ተለቪዥን እንዕዘቦ እዩ። እቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ዕድሜኦምን ርሃጾምን እሞ ድማ ኣብ ጥሙይ ከብዶምን ዕሩቕ ዝባኖምን ዘባኽንዎ ዘለዉ ናይ ባርነት ግዜ፡ ንምህናጽ ኣባይትን ምልማዕ ሕርሻዊ መስኖን ናይቶም “ህዝበይን ሃገረይን ድሕሪ ከብደይ” ኢሎም ዝበልዕሉ ጻሕሊ ዝሰብሩ ሒደት  ጠላማት ኣዘዝቲ ምዃኑ ድማ ዝያዳ የሕዝን።

እቲ ጉጅለ ህግደፍ ምጽራግ መንገድን ምስራሕ ሓጽብታትን ዝብሎ ከምቲ ዝፍክሮ ዘነይት ኣይኮነን። ምናልባት ኣብኡታት ኣድሚዑ እንተዝኸውንከ፡ንኤርትራ ይሃንጻ ኣሎ መተባህለ ማለት ድዩ። ንሕናኸ ንምስራሕ መንገድን ምዕቋር ማይን ካብቲ ህልዊ ኩነታት ህዝብና ቆንጪልና፡ ከም ዘተኣማምን ምህናጽ ሃገር ጌርና መወሰድናዮ ማለት ድዩ። ሓቂ እዩ ዝተወሰና ዝተዓረያ መንገድታት፡ ሓጽብታትን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ህንጻታትን ኣብ ኤርትራ ተሰሪሐን ይኾና። እተን ህንጻታት ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰባት ዝዘናግዑለን ሆተላትን፡ ዓቕሚ ንዘለዎም ውሱናት ኣካላት እንዳካረዩ ዶላር ዝሓፍሱለን ቪላታት ኣለዋ። ኣብ ከባቢ ሰንበል ዝርከብ  እንዳ ኮርያ ዝበሃል፡ምስ መነባብሮን ስእነት መጽለልን ህዝብና ዝምድና ዘየብሉ ህንጻታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ምናልባት ምስቲ ጉጅለ ተመሻኺኖም ንእሽቶ ገዛ ስለ ዝሰርሑ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዘይዓጦም ቁንጣሮ ወገናት እውን ኣይሰኣኑን። እዚ እውን ምስ ምህናጽ ሃገር ይጽብጸብ ይኸውን። እዚ ከምቲ “ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን” ዝበሃል ማለት እዩ።

ነዓይ ምስራሕ መንገዲ ከም ናይ ልምዓት መርኣያ ዘዕግበኒ፡ ብሳላ እቲ መንገዲ ኣብ መነባብሮ ናይቲ ህዝቢ ነጸብራቑ ክርእይ እንከለኹ ጥራይ እዩ። መንገዲ ተሰሪሑ ከብቲ ዘዒማሉ ወይ ቆልዑት ኩዕሶ ዝጻወትሉ እንተኾይኑ ግና በየናይ ምለክዒ እዩ እሞ ምስ ምህናጽ ሃገር ክጽብጸብ። ነዓይ ምስራሕ ሓጽቢ ከም መርኣያ ህንጻ ሃገር ኮይኑ ዘዕግበኒ፡ ህዝቢ በዚ ሓጽቢ ዝዓቖሮ ማይ ስረሓት መስኖ ኣካይዱ ብዝረኽቦ ፍርያት ቅድም ንገዛእ ርእሱ ተዓንጊሉ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዕዳጋ ከውርድ እንከሎ እዩ። ናብ ሸዊት ዕፉን፡ ጉዕ በርበረ፡ ኮሚደረን ድንሽን ዘይሽረፍ ዝኣገለ ማይ መርኣይ ህንጸት ሃገር ኮይኑ ክጥቀስ ኣሽካዕላ ጥራይ እዩ። ነዓይ ምህናጽ ገዛውቲ ከም ናይ ምልማዕን ምህናጽን ሃገር ኮይኑ ዝርደኣኒ፡ ህዝቢ ብሳላቲ ዝስራሕ ህንጻታት ቅድም ናይ መጽለሊ ሕቶኡ ክፍተሓሉ እንከሎ፡ ወይ ድማ ብሳላቲ ዝስራሕ ህንጻታት ሕክምናውን ትምህርታውን ጸገማቱ ክፍታሕ እንከሎ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ምህናጽ ሃገር ይካየድ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል እቲ ጉልበቱ ኣፍሲሲ ዝሃንጽ ዘሎ ህዝቢ ዕላማ ናይቲ ድኻሙ ተረዲእዎ ክወፍር እንከሎ እዩ። ዕላማ ረሃጹ ከይተረደኦ ብኣፈሙዝ እንዳተሓለወ ዘካይዶ ስርሕ ግና ጉልበቱ ጥራይ ዘኮነስ ሕልናኡ’ውን ዝምዝምዞ እዩ። ስለምንታይ እቲ ኣርሒቑ ዘማዕድዎ ምህናጽ ሃገር ዘይኮነስ ናይ ቀረባ ጻማ ረሃጹ እውን ይረክብ ስለ ዘየለ። ከይዛረብ ኣፉ ተለጒም ብውሽጡ ግና ክራገም ዝውዕ ህዝቢ ዘፍስሶ ረሃጽ እምበኣር ናይ ምዝመዛ እምበር ናይ ምህናጽ ሃገር ዋጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብኣስገዳድ እሞ ድማ ናይቲ ህዝቢ ድሌትን ቀዳምነታትን ብዘየጋናዘበ ጻዕሪ፡ ኣብ ዝኾነ መዳይ ሃኒጸ ምባል ግና ከቶ ዕንወት እምበር ህንጸት ኣኮነን። በቲ ካልእ መልክዑ ሓደ ስርዓት ደሞክራሲያውን ሃናጽ ሃገርን እዩ ክበሃል  ከማለኦ ዝገኦም ረቛሒታት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ እቲ ቀንዲ መእሰሪኡስ ናይ ህዝቢ መነባብሮ ከመሓይሽ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ። ንናይ ህዝቢ መነባብሮ ቅድሚት ከይሰረዐ ዝጐዓዝ መስርሕ ግና ዝኾነ ስም ይወሃቦ ደሞክራሲያዊ፡ ሰላማዊ ወይ ልምዓታዊ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ነቲ ጉዳይ ንምሕጻሩ ደሞክራሲያዊ ብዘይኮነ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ክትዓኑ እንተዘይኮይኑ ክትህነጽ ኣይትኽእልን እያ ኢልካ ምጥቕላል  እቲ ዝሓሸ እዩ። ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ንመንግስቲ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ዝለዓለ እጃም ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ከተባብዕ፡ ነቶም ዝርካቦም ብጽፍሮም ኣብ ምልማዕ ሃገር ክኣትዉ ፈቲኖም ዝነበሩ ዜጋታት ምስምሳት ብምፍጣር ፈቓዳቶም እንዳመንዘዓ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነቶም ምስ መንዘዖም ዕረ እንዳተኦኣሞም ሃገራት እንዳማቶም ይሃንጹ ከም ዘለዉ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሎሚ ዓለም ናብ ሓንቲ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ንጹልን ብሕትዉን መንገዲ ምምራጹ ካልእ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዘይኮነስ ኣብ ምዕናዋ ከም ዘሎ ዘረድእ መርኣያኡ እዩ።

ሎሚ ኤርትራ መንእሰያታ ክመሃርሉ ዝግበኦም ዕድመ ኣብ ዕላምኡ ዘይፈልጥዎ፡ ናይ ጉልበት ስራሕ የጥፍእዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ ከም ኣማራጺ ዝወስድዎ ዘለዉ ከዓ ሃገር ገዲፍካ ምስዳድ እዩ። ስለዚ ንመጻኢ ዘማዕዱ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ዝወነነ ተካኢ ሓይሊ ኣብ ኤርትራ ይጠፍእ ኣሎ። ብናተይ እምነት ሃገር ብሰባት እሞ ድማ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ምቕያር ዓቕሚ ብዝውንኑ እያ እትህነጽ። ሎሚ ጉልበት በይኑ ኣይኮነንዶ ሃገር ናይ ብሕቲ ቤተሰብ እውን ክሃንጽ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ውሱናት መንገዲታት ርኢና ሃገር ትህነጽ ኣላ ዘይኮና ክንብል ዝግበኣና ናይታ ሃገር ናይ ጽባሕ ተስፋ መንእሰይ ዘርሞዘርሞ ይጠፍእ ስለ ዘሎ ሃገር ትዓኑ ኣላ እንተ ኢልና ኢና ወድዓውያን እንኸውን። እቲ ዕንወት ኣብ ናይ መንእሰያት ዘይምምሃር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ፡ ኣብ ምኽባር እምነት፡ ኣብ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ እንተላይ ብብኩራት ስኒት ዜጋታት ዝንጸባረቕ ዘሎ ምዃኑ እውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ኣብ ኤርትራ ንቕድሚት ዘማዕዱ ናይ ሓባር ሃናጺ ኣተሓሳስባ ዘይምህላዉ ካልእ ነቲ እንፈርሆ ግና ብምፍራህ ጥራይ ጠጠወ ከነብሎ ዘይንኽእል ዕንወት ሃገር ዘመላኽት እዩ። ሕብስቲ፡ ላምባ፡ ዝስተማይ፡ መጐዓዝያ፡ መብራህቲ፡ ዋላ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ ክትረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ኮይንካ “ሃገር ትህነጽ እያ ዘላ” ምባል ምውርዛይ ምዃኑ ዘይርዳእ ኤርትራዊ እንተሃልዩ ገለ ኣበር ኣለዎ  ማለት እዩ። ዝተባህለ እንተተባህለ እቲ ሓቂ ባዕሉ ክዛረብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ዋላ ዕረ ይጥዓመና ጉዕዞ ሃገርና ንድሕሪት እዩ ዘሎ። ንድሕሪት ዝምለስ ድማ ‘ይዓኑ ኣሎ’ እምንበር “ይህነጽ ኣሎ” ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉዕዞ ናብ ዕንወት ክሓብኦ ኣይክእልን እዩ። እቲ ከም መህደሚ ክጥቀሞ ዝደሊ፡ ናብቲ ቅድሚ 24 ዓመት ዝነበረ ኩነታት ተመሊሱ ኣብቲ “ነዛ ሃገር እኮ ኣብ ጥራዩ ካዛና ኢኣ ተረኪብናያ” ዝብል ኣረጊት መህደሚ እዩ ክሕባእ ዝፍትን። እቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ዘካይዶ ቃለመጠይቓት “ሰኣን ጸዓት ስሚንቶ ስኢና” ዝበለና እሞ ኣይንረስዕ። ኢሳይያስ ምዝራቡ ኣሕኒኽዎ እንተዘይኮይኑ ፋብሪካ ስሚንቶ ትራይ ዘይኮነት፡ እተን ኣብ ግዜ ግዝኣት ኢጣልያ ዝተሰርሓ ፋብሪካታት ሎሚ ኩለን ተዓጽየን እየን። እዚ እንዳረኣኻስ “ሃገር ትህነጽ እያ ዘላ” ክትበሃል። እስኪ ነዚ ምስ ከባቢና ነወዳድሮ፡ ገለን ሓድሽ ፋብሪካታት ክምስርት ፈንጠርጠር ክብልን ናብ ህንጸት ሃገር ከመዓዱን፡ ኣባና ድማ ዝነበራና ናባዪ ስኢነን ክዕጸዋ’ሞ ናይ ዕንወት ጋህሲ ኣፉ ከፊቱ ክጽበየና።

ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ነብሱ ዝፈቱ፡ ኣብ ውሱን ክሊ ዘኹድድ  በሓቲ፡ ሃገር ክሃንጽ ኣይክእልን’ዩ። ስለምንታይ ብዘይ ተሳትፎ ህዝብን ዝተጸንዐ ትልምን ሃገር ክትሃንጽ ስለ ዘይከኣል። ነቲ ህዝቢ ኣብ ልምዓት ከተሳትፎ ድማ ብመጀመርያ ከም ቀንዲ ናይ ልምዓት ባእታ ንቃለ ዓለም ዘይኮነስ ሕገመንግታዊ ውሕስነት ብዘለዎ ናይቲ ብህንጸት ሃገር ኣቢሉ ዝሕፈስ ጸጋ ቀንዲ ዋናን ተጠቃምን ምዃኑ ከተረጋግጸሉ ይግባእ። ኣብ ከም’ዚ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይቲ ህዝቢ ጉልበት እንዳበሃግካ፡ ናይቲ ድኻም ውጽኢት ግና ናብ ቆፎኻ እንዳ ወተፍካ ግና ሃገር ኣይትህነጽን እያ። ንኣዕናዊ ተንኮላትካ ብናይ ሓሶት “ብመግቢ ነብስና ክንክእል ኢና” ጭረሖ ክትሓብእ ከዓ ኣይከኣልን እዩ።

እምበኣር ስርዓት ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ ብሰንኩ ዝበኾረ ብቐንዱ ሃገር ናይ ምድሓንን ምህናጽን ሓላፍነት ክትስከም ድልዊ ምዃን ከም ዘድሊ ብዓንተቦ ምስትውዓል ከድልየና እዩ።ነዚ ክንበቅዕ ድማ ከምቲ ፈላጣት “እቲ ለባም ካብ ጸላኢኡ’ውን ይመሃር እዩ” ዝብልዎ፡ ናይ ህግደፍ ናይ ፍሽለት ተመኩሮ ምድህሳስ ከድልየና እዩ። ነዚ ረዚን ሓላፍነት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሰደህኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ  ብፍላይ ድማ ኣብቲ ቁጠባዊ መዳይ “ ኣብ እዋን ምስግጋር ህዝብና ብቍጠባ ከይህሰ ንውሽጣዊ ዝጸንሐ ዓቕምታት ቀጻልነት ክረክብ ምእሙእ ኵነታት ምፍጣር። ብተወሳኺውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነጋዶ ብዝተሓተ ቐረጽ ክነግዱ ኣተባባዒ ሃዋህው ምኽፋት። ምስ ጐረባብትን ዓለምን እናተረዳዳእካውን ሕማቕ ኵነታት ንኸየጋጥም ኩሉ ጻዕርታት ምግባር።” ዝብል ሓደራ ሰፊሩ ኣሎ።

21 ሕዳር 2014

Last modified on Sunday, 23 November 2014 23:56