ሓወይን ኣነን ብስነ ሓሳብ ተፈላሊና

2014-11-20 02:27:57 Written by  ክብሮም ግሬነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3410 times

ብክብሮም ግሬነት           

ሓወይን ኣነን ሓንቲ ቋንቛ ኣደ ንዛረብ ። ንሳ ከኣ ትግራይት ትብሃል ።ከም ኩሎም ተዛረብቲ ትግራይት ከኣ ወለድና ዘጽንሑልና ባህሊ ስለ ዝዀነ ከኣ ንኾርዓሉን ንንየተሉን ጸኒሕናን ኣሎናን ። ካብ ኣባሃህላ ህግደፍ እንፍለየሉ ነገር እንተሎ ኩሉ ትግራይት ዝዛረብ ትግሬ ማለት ከምዘይኮነ ከኣ ንኣምን። ምክንያቱ ኩሉ እንግሊዘኛ ዝዛረብ እንግሊዛዊ ማለት ስለ ዘይኮነ። ብተወሳኺ ሓወይን ኣነን ካልኦት ሰባት ይኹኑ ወይ እውን  መንግስታዊ ትካላት ብዘይ ፍቓድና  እንታውነትና ክውስኑልና ኣይንፍቅድን። ንዝዀነ ሕብረተሰብ  ብሐይሊ እንታውነት ክዕድል ዝኽእል ሰልጣን ዘለዎ ሓይሊ የለን እልና ስለንኣምን። ኣብ ኤርትራ ካብ ዙላን ኣፍታን ጅሚርካ ክሳብ ቓሮራን እምኒሓጀርን እዚ ኩሉ መታሕት ኣውራጃ ሰንሒት ሓዊስካ ዳርጋ ዝበዝሕ ትግራይት ክሰምዕን ክዛረብን ከም ዝክእል እቶም ኣብቲ ሰውራ እተሳተፉ ምስክርነት ክህቡ ይክእሉ እዮም ።

ኣቦታትና ሓንቲ እምነት ከምዝነበረቶም ተሰኒዱ ዝጸንሓና ይኹን ብኣፋዊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዘርከብናሉ ሓቀኛ ዛንታ ኣሎና። ኣብ ከባቢ  18 ክፍለ ዘመን ጅሚሩ ግን ገለ ካብ ወለድና በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸም ዝነብረ  ተደጋጋሚ ወራራት መሳፍንቲ ኢትዮጵያ፡ ጽላል ይዀነና ዝበልዎ ስርዓት ግብጻውያን ብወገን ሱዳን ስለ እተቀልቀለ እምነቶም ክቕይሩ ድፊኢት ኮይኑዎም እዩ። እዚ ይኹን እምበር እቶም ዝተረፉ ነቶም እምነቶም ዝቐየሩ ኣሕዋቶም ምርጭኦም ስለ ዝዀነ መሰሎም  ከይትንከፍ ብሕውንትን ፍቅሪን እናተላዘቡ ሓወይን ኣነን እውን ኣርኪብናሎም ።

ብዝዀነ እዚ ዝጸንሔ  ባህሊ ናይ ፍቅሪን ሕውነትን መግዛእቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ካብ ጣልያን ነጻ ኣብ ዘውጸኣሉ ካብ 1941 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክልቲኡ እምነታት ጽልእን ፍርሕን ዘይምትእምማን ክዘርእ ተራእዩ ። ካብዚ እተላዕለ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ሓድ ሓደ ናይ ህይወት ምሕላፍ ፍጻሜታት ተራእዮም  እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ከምቲ ኣብ ካበሳ ዝምስረቱ ዝነበሩ ሰልፊታት ኣብ ከረን እውን ናይ ኣመንቲ ምስልምና ሰልፊ ራቢጣ ኤልእስላሚያ ዝብል እውን ተመስሪቱ እዩ ። እዚ ሰልፊ እዚ ግን ናይ ሽርክነትን ምድልዳል ጸጋታት ሃገር እንተ ዘይኮይኑ ንኤርትራ ብሃይማኖታዊ ሕጊ ከምሓድር ከምዘይነቀለ ታሪኽ ይምህረና ። እዚ ሓቂ እዚ ዝገልጽ እዚ ሎሚ ቅነ ኣብ መርበብ ዓዋተ ተሰቂሉ ዘሎ ናይቶም ክልተ ኣመንቲ  ሃይማኖታት ስእሊ ይገልጾ እዩ ።እዞም ሕጂ ዘለዉ ውድባት ግን እምነቶም ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንምትካል ከም ዝኮነ ካብ ኩሉ መግለጺታቶም ንላዕሊ መረዳእታ ምንዳይ ኣየድልን  ። እዚ ማለት ናይ ሃይማኖታዊ ኣድዮሎጂ ሓይልታት እዮም ። ብተውሳኺ ሓወይን ኣነን ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ስርዓት ክምስረት እናተቓለስና እንከሎና ፣እቲ ክንምስርቶ እንደሊ ስርዓተ መንግስቲ ግን ንክልተና  ብሓባር ከምቲ ናይ ወለድና ብሰላምን ፍቅሪን ከንብረና ከምዘክእል ውሕስነት የብልናን ።

ኣነ ሊበራል ደሞክራሲ ንኤርትራ ሃገርና ዝሓሸ ስርዓት እዩ ክብል እንከሎኩ ፣ ንክልቲኣ እምነታት ብማዕረ ስሪዑ እቲ ዝግባኣ ክብርን መስልን ከውሕስ ዝክእል ምዃኑ ስለ ዝኣምን እየ። ብተወሳኪ ኩሎም ዜጋታት ብዘይ ኣፋላይ ብዋሕስና ዘለዎ ተሳተፍቲ ጸጋታት እዚ ሃገር ንምዃን ዝዕድም ኣሳታፉ ስርዓት ስለ ዝኮነ ። ሓወይ ከኣ ክገርመኩም እዛ ድሞክራሲ እትብል ቓል ብፍጹም ክሰምዓ ከምዘይደሊ ኣይሓብኣለይን ። ንሱ ክጥቀመሎም ዝደሊ እስማት ፍጥሒ ፤ ልምዓት ፣ሕውነት ፣ ዝኣመሰላ ቃላት እንተ ዘይኮይኑ ጠንቀስ እሉ ደሞክራሲ እትብል ቓል ክጥቀም ኣይደልን ። ብወገነይ ክግምት እንከሎኩ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ዝፈለሰት ቓልዶ ኮይናቶ ? ወይ ከኣ ኣብቲ ንሱ ዝኣምና እምነት ቅብልቲ ዘይምዃና ዲዩ ? ብዝኮነ ዝገበርና እንተ ገበርና ሓወይን ኣነን ፍልልይና ክነጽብብ እሞ ኣብ ሓደ  ናይ ልፍንቲ መኣዲ ክንሳተፍ ኣይከኣልና ። ምክንያቱ ከኣ ክንተኣማመን ኣይከኣልና ። እዚ ናይ ክልተና ዘይምትእምማን ብግዜኣ ክፍታሕ ናይ ኩሉኩም ሓገዝ ከድልየና እዩ።

ሓወይ  ቅድሚ ጉዳይ ሃገር ውልቓዊ እምነቱ ብምቅዳም ኤርትራ ብንሱ ዝኣምኖ ስነ-ሓሳብ ከመሓድር ቆሪጹ ዝተላዕለ ምኳኑ ደጋጊሙ ክእምነኒ ይፍትን እዩ ። ኣነ ግን ኣብ ኩሉ ፖለትካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጽላታት ሃገርና ብፍትሓዊ ኣጋባብ  ሓወይ መሰሉ ክሕሉወሉ ምዃኑ ንዘቅረብኩሉ መብጸዓ  ነጺጉዎ ። ምክንያቱ ፣ ኣንጻር መለኮታዊ ተልእኮኡ ምዃኑ ኣብ ግምት ከምዘይኣቱ ብዘይ ስክፍታ ገለጹለይ። ብድሕሪ እዚ ናይ ሓወይ ናይ ቀርባ ርሑቅን መደባት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ መጻኢ መደበይ እንታይ ከከውን ኣሎዎ እናበልኩ ኣብ ሓሳብ ኣትየ እንከሎኩ ምስ ሓወይ ተፋላሊና ።

ዝከበርኩም ተኸታተልቲ ሓርነት ዶት ኮም፡ ካብ ሓወይ ተፈልየ  ንገዛይ እናተጓዝኩ ከምዚ ናይ ሓወይን ናተይን ሰኩላርን ሃይማኖታውን ፍልልያት ብልፍንቲ ክፍታሕ ዝክእል እንተኮይኑ ክሕጉዙና ዝክእሉ ኣብ ከባቢና ይኩን ኣብ ዓለም ከም ኣብነት ተወሲዶም ክንጥቀመሎም እንክእል ፍጻሜታት እንተ እሊዮም ተባሂሉ ዝገበርኩዎ ዳህሳስ ንጨና ዝኮውን ሓበሬታ ኣይረከብኩን  ።

እምበኣርከስ እቲ ዝምድና ናይ ሓወይን ናተይን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጥቅሰ ካብ ኮነ ብኸመይ ደኣ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ኩዳ ብዘይ ስብራ ክንወጽእ ንክእል ዝብል ሕቶ ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ ዝምልከት ይኽውን ። ብወገነይ ካብ ክልቲኡ እምነታት ኣብ ቅድሚ ግምባር ደው ክብሉ ዝክእሉ ሓርበኛታት ተሳኢኖም ኣለው እየ ዝብል ። እዚ ናይ ኣውራጃታት ውደባ ዓጀውጅው ናይ ዝጠፈሹ መዘናግዒ እዩ ። እቲ ቀንዲ ማሕለኻ ኣብ ዓወት ከይንብጽሕ ዓሪዱና ዘሎ እዚ ናይ ሓወይን ናተይን ኣተሓሳስባ እዩ ። እዞም  ኩሉ ግዜ ውግሔ ጽብሔ ዝፍጠሩ ዘሎው ውድባት ቅውም ነገር ክሰርሑ እልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ሪሳይክሊን እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ።

            ኣብ መወዳእታ

ኣብ መርበብ ዓዋተ ካብ ዘበርክቱ ኤርትራውያን ብመሓመድ ኣሕመድ ዝብሃል እተጻሕፈት ኣገዳሲት ጽሕፍቲ ኣላ ። ብመጠኑ እቲ ፍርሒ ናይ ሃይማኖታዊ ሕጊ ከምዘሎ ግን ከኣ እቶም በሃልቱ ናይ ምትግባሩ ዓቅሚ ከምዝሓጽሮም ይጠቅስ ። ብዝዀነ እቲ ናይ ሊባኖን ሚዛን እምነታት ንጥቅሚ ሓደ ወገን እናዘምበየ ይኸይድ ምህላውን ኣብ ኤርትራ እውን ክርኤ ከም ዝክእል ይሕበር‘። እዚ ሓበሬታ እዚ  ከም መጠንቀቅታ ክውስድ ይክኣል። ብሓፈሻ ግን እዚ ሰብ እዚ ካብቶም ዝሓሹ ናይ እምነታት ተጻዋርነት ይኹን ምክእኣል ስነ ሓሳብ ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ ።

 ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፍውሱ። መድሓኒትና  ኣብ ኢድና እንከሎ ኮለል ኣይንበል ።

ክብሪ ንስዉኣትና !

ክብሮም ግረነት

Last modified on Thursday, 20 November 2014 03:41