ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ማሕበራት ኣብ ኦስሎ ናይ ሓባር ዜተ ኣካዪደን

2014-11-19 16:54:16 Written by  Norway - EPDP Information Service Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3242 times

 

 

ኣባላት ጽላል ኤርትራውያን ሓይልታት ንለውጢ ኣብ ኖርወይ ዝኾና ኣብ ከተማ ኦስሎን ከባቢኣን ዝርከባ 4 ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ብመንገዲ መራሕተን ብዕለት 16. 11. 2014 ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ተራኺበን ናይ ምውህሃድ ዜተ ኣካዪደን:: እዘን መቃልስቲ ኣሕዋት ዝኾና ኣርባዕተ ማሕበራት ኣብዚ ፈላሚ ዝኺነ ናይ ዜተ መድረኽ ብቀዳምነት ንሕሉፍ ጉዕዞ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ክርነዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብኹሉ መዳያቱ ገምጊመን:: ኣብቲ ናይ ዜተ ገምጋሞም ብሓደ ወገን፣ ኩሉ ንጡፍ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ማሕበር ኮነ ውልቀሰብ ዓቕሙ ከበርክትን ብዓቅሙ ክውፈን ከምዝጸንሐን፣ ከም ውጺኢቱ እውን ኣብ ሜዳ ደለይቲ ፍትሒ ዘይነዓቕ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከምዝተመዝገበ ክግምግሙ ከለዉ፣  ብኻልእ ወገን ድማ ብኩራት ሓድነትን ዝተወሃሃደ ኣድማዒ ናይ ሓባር ስረሓትን ንዕድመ ቃልሲ ከምዘናወሐ፣ ንዓቅምታት ተቃለስቲ ከምዘዳኸመ፣ ንተሳታፍነት ህዝቢውን ከምዘውሓደ ኣስሚሮምሉ::

 

መራሕቲ እዞም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኣርባዕተ ማሕበራት ቀጺሎም ንብድሕሪ ሕጅኸ እሞ ጉዕዞ ቃልስና ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ሰፊሕ ግዜ ሂቦም ተመያዪጦም:: ምምሓው ውልቀ መላኺ ዝኾነ ስርዓት ህግዲፍን ምምስራት ሓቀኛ ዝኾነ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓትን ብሓድነትን ብምውህሃድን እዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምእማን፣ ንብድሕሪ ሕጂ ብመሰረት ዕላማታት ናይቲ ጽላል ስረሓቶምን መደባቶምን ከወሃህዱን፣ ናይ ሓበር ቃልሲ ከካይዱን ተሰማሚዖም:: ነዚ ስምምዕዚ ክውን ንምግባር ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ብኽለተ ኣባላት እትውክል 8 ዝኣባላታ ሽማገለ ሓላፍነት ወሲዳ::  እቶም ማራሕቲ 4 ማሕበራት ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ዕለትን ኣጀንዳን ድሕሪ ምጽዳቕ፣ ፈላማይ ናይ ዜተን ምውህሃድን ኣኼባኦም ብዓወት ዛዚሞም::

 

እቶም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዝወሰዶ ተበግሶ ናብዚ ናይ ዜተ ኣኼባ ዝተረኽባን ኣባላት ናይቲ ዜተን ስምምዕን ዝኾንና ማሕበራት፣ 1. በርገሳዊ ማሕበር ሕብረት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን፣ 2. ምንቅስቃስ ስምረት ኤርትራውያ ንድሕነት ሃገር ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን፣ 3. ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን እዮም::

 

ዓወት ንዲምክራስያዊ ቃልሲ

 

 

Last modified on Wednesday, 19 November 2014 18:10