ባህግና Bahgna 172፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 15.10.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥቅምቲ 2023 ብመሪሕነት ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኤርትራውን ዞባውን ጉዳያት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ ዓሚቕ ገምጋማት ኣካይዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንፍሉያት ኣገደስቲ እዋናዊ ጉዳያትዝምልከት ውሳነታት ወሲኑ።
1) መደረ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ
ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ እውን፡ ኣጀንዳ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለትን። ብመሪሕነት ኢህወድግ ዝተመስረተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝወላወል መርገጽ ኣይነበሮን። ኣብ ስልጣን ዘይነበሩ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ባእታታትን ግና “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኮይና” ብዝብል ምስምስ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከመዘይተዋሕጠሎም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብ2018 ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ስልጣን ድሕሪ መሓዙ ከኣ “ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ክነሳ ከመይ ኢላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ትኸውን” ብዝብል ሰበብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተኑ ሓያሎ ማሕበራዊ መራኸብታትን ፖለቲከኛታትን ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓያሎ ዘይቀጥታዊ ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 13 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ብወግዒ ቅድም ኣብ ኣኼባ ኣባላት ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ደሓር ድማ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ከም ወግዓዊ ኣጀንዳ “ብሓይሊ ይኹን ብሰላም ወደብ ዓሰብ ክንውንን ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡስ ርኢቶኡ በቲ ትካላዊ መድረኻ ተቐባልነት ምርካቡ ፈጻሚ ሽማግለ ተመልኪቱ። መንግስታዊ መድያታት ኢትዮጵያ’ውን ኣቃሊሐነኦ። እዚ ሃቐነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ ልኡላውነት ኤርትራ ዘምጸኦ ለውጢ’ኳ እንተዘይሃለወ ሓደገኛ ሳዕቤንን ምፍሳስ ደምን ከኸትል ከም ዝኽእል ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።
ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ’ቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ድፍረት፡ ኣብዚ ቀረባ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ብዓሚቕ ምግንዛብ መሬታዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ኤርትራ ብማንም ከምዘይድፈር ብምግንዛብ መራሒ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ግጉይ ምዃኑ ተኣሚኑ ንክመልሶን ድሕሪ ሕጂ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ድፍረት ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ኢዱ ከየእቱ ብትሪ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ እንኮ ሃገር ኣይኮነትን። ካለኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ኣለዋ። እንተኾነ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘድልየኒ ዘይናተይ ወደብ “ብዓመጽ ክወስድ እየ” እትበል ሃገር ኣይተራእየትን። እንተ ብደረጃ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘይጻባእን ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ብዝግዛእን ስምምዓት ክትጥቀም እሞ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቢሩ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ዝከኣል ርዱእ ምዃኑ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከምቲ “ውደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል፡ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይዚ ተሓታቲ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ። ኢሳያስ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሰጉሞ ዝጸንሐ፡ ውልቃዊ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያውያን ዕሉል ደጋፊ ፖሊሲ “መደመር” ብምዃን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ መብጸዓታት ክህብ ምጽንሑ፡ ነዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ጠንቂ እዩ። ድሕሪ መግለጺ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ ዘውጽኦ መግለጺ እውን ሓፋርን ዘይንጹርን እዩ። ስለዚ ፈጻሚ ሽማግለ እቲ ኢሳያስ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ክብሎ ዝጸንሐ ብምግንዛብ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ክህቦ ዝጸንሐ ሓላፍነት ብምዝካርን፡ ኢትዮጵያውያን ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ድምጽታት ንክስምዑ ከም ዘተባብዖም ብምስትብሃልን፡ ንዘይሓላፍነታውን ሃላልን ፖሊሲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣውጊዙ።
ኣብ መወዳእታ ልኡላውነት ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ኢሳያስ ዝኸፈቶ ኣፍደገ ናብ ዘተሓሳስብ ኣንፈት የምርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምምዛን ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ሓቢርና ንቃለስ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
2) ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ
ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤልን ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ፈጻሚ ሽማግለ ካልእ ብትኹረት ዝመዘኖ እዋናዊ ዛዕባ ነይሩ። ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ኣዝዩ ከም ዘሕዝን ገምጊሙ። ካብዚ ቀጻሊ ዘሎ ህልቂት ንምውጻእ እቲ መፍትሒ ውግእ ከምዘይኮነ ብምእማን ድማ፡ ኣብቲ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው ኣካላት ነቲ ብመሰረት ውሳኔታት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤምን እስራኤልን ክልተ ነብሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውዕላትን ከኣ ከኽበሩ፡ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ተጽዕንኦም ከሐይሉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ጸዊዑ።
ኣብ ርእሲዚ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ተራ ዜጋታት ፍልስጢማያን ተውርዶ ዘላ ቀጻሊ ደብዳብ ጠጠው ከተብል፣ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ ክኽፈት፣ ናብ ፍልስጤማውያን ረዲአትን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ጠለባትን ዝኣትወሉ መስመራት ነጻ ክኸውን፣ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተጽዕኖ ከሕድሩ ኣኼባ ጸዊዑ።
21 ጥቅምቲ 2023
ብዕለት 20.10.2023 ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኦቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ዝተመርሔ ኮይኑ፣ ኣብ መኽፈቲ ቃል ናይቲ ኣኼባ ንኹሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ብምምስጋን ሰናይ ትምኒቱ ብምግላጽ እዩ ጀሚሩ።
ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብ እዋናው ዛዕባታት ዘትኮረ ኮይኑ፡ ብቀንዱ ንላኣላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዘሎ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓድሽ ተጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ 1993 ዓ.ም. ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ኣዋን ጀሚሮም ከልዕልዎ ዝጸንሑ’ኳ እንተኮኑ፣ እቲ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጸን ንብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይዝኾነ ይኹን ኩነት ንምትግባሩ ቃል ዝኣተወን ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ተመሊሱ ኣብ ፓርላማ ብምስምስ ዘይሓቀኛ ታሪኽን ብዝሒ ህዝብን ናይ ይግባኣና እዩ ሕቶ ምልዓሉን፡ ናብ ዘይውዳእ ምድማይ ዘእቱ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ተገንዚቡ።
በዚ መሰረት፡ ሰዲህኤ ወደባት ኮነ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ልኡላዊ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን፡ ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ብኢሳያስ ዝተገብረ ውዑላት ኮነ ስምሞዓት ከይምዘይቕበል፡ ንተጠቃምነትን ሓባራዊ ዕብየትን ሃገራት ዝምልከት ግን፡ ብሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ዝተማእከለ ውዑላት ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣኼባ ርእዩ።
ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግል፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ፍሊስጤማውያንን እስራኤልን ተጀሚሩ ዘሎ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ፣ ንህዝቢ ዘህልቕን ዘመዛብልን ዘሎ ኲናት ታሪኻዊ መንቀሊ ዘለዎን ንልዕሊ 75 ዓመታት ዝቐጸለንኳ እንተኾነ ውግእ ደው ኢሉ ናብ ዘተን ልዝብን ክኣቱ፡ በቲ ናይ 1948 ኮነ ናይ 1967 ብይን ሕቡራት ሃገራት ክምእዘዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ግደኦም ከበርክቱ ጸዊዑ። (ነዚ ዝምልከት ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ክስዕብ እዩ)
|
Martin Plaut posted: " Prime Minister Abiy Ahmed (PhD) stated: “The Nile and Red Sea determine Ethiopia’s future. They will contribute either to its development or demise.” Red Sea takes center stage as Ethiopia looks to assert regional presence Source: The Report" Martin Plaut |
President Isaias responds to Ethiopia’s demand for a port
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " The demand by Prime Minister Abiy can be found here. President Isaias's official response is below. Discourses – both actual and presumed – on water, access to the sea, and related topics floated in the recent times are numerous and excessive inde" Martin Plaut |
The demand by Prime Minister Abiy can be found user_email=This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.">here. President Isaias's user_email=This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.">official response is below. Discourses – both actual and presumed – on water, access to the sea, and related topics floated in the recent times are numerous and excessive indeed. The affair has perplexed all concerned observers. In the event, the Government of Eritrea repeatedly reiterates that it will not, as ever, be drawn into such alleys and platforms. The GOE further urges all concerned not to be provoked by these events. Ministry of Information Asmara 16 October 2023 |
ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮሰንበት 15 ጥቅምቲ 2023 ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ እተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ተኻይዱ። ሓፍቲ ኣድያም ኣኼባ ኣብ ምኽፋታ ብጸይትና ኣልጋነሽ ያቆብ ብምዝካር ዝነበራ ዓቢ ኣስትአዋጽኦ ድሕሪ ምጥቃስ መስዋእታ ኣብ ሰልፍና ዓቢ ሃጓፍ ከምዝፍፈጠረ ኣብሪሃ። እዚ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተሰላሰለ ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ብምንባሩ ኣቃዉማ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊን ብሓፍቲ ኣድያም ቀሪቡ።
ዝቐረበ ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊ ድሕሪ እኹል ምምይያጥ ጸዲቑ። ብመሰረት ዝጸደቐ መደብ ድማ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ተገይሩ። ኣብ ምውዳብን ምምልማልን ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጽዑቕ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣኼባ ተመልኪቱ።
ብዘይካ’ዚ ንቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንምሕጋዝ ብቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትትዮ ዝተገብረ ሓገዛት ብምምጓስ ቀጻሊ ጻዕርታት ክካየድ ኣኼባ ተሰማሚዑ።
ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ኣድላይነቱ ተራእዩ።
ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ እኼባታት ደቂ-ኣንስትዮ ስሰልፊ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጂ’ውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ክካየድ ኣኼባ ወሲኑ።
ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!
ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ
15 ጥቅምቲ 2023
More...
ብዕለት 14.10.2023 ዓ.ም. ፈ. ሰዓት 20.00 ድ. ቀ. ብመራኸቢ ብዙሓን ዙም ጨንፈር ቁ.2 ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ሃገረ ሽወደን ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዶም`። ኣጀንዳ ኣኼባ ከኣ 1- ዉጺኢት 4ይ ጉባኤ ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ብወከልቲ ጉባኤ ምቀራብ ፣ 2- ገምጋምን ዉጺኢት ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሙዉቅ ሰላምታ ብምቅራብ፣ ንብጻይ ኣረፋይነ እስቲፋኖስ ወኪል ጉባኤን ኣባል ሽማገለ ን ዝኾነ ሙሉእ ጥዕና ክህቦ ብምምናይ ከፈቶ። ኣስዒቡ ኣባላት እዚ ጨንፈር ቁ.2 ተሰኪሞሞ ዘሎዉ ሰልፋዊ ሓላፍነት ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ጽንዓትን ንቅሓትን ተወፋይነትን ኣበርክቶን ብሓቂ ዓቢ ግናዕ ጽፈትን ብሩህ ምሕደራን ብምኻን፣ ከም ኣባል ሕቡንን ዕጉብን ብምባል ግደ ብጻይ ነጋሲ ሓምደን ብጻይ ፍጹም ኢሳቅን ኣመስጊኑ ። ኣብቲ ጉባኤ ስነበሩ መስራሓት ብቀደም ተኸተል ብምትንካፍ ከኣ እዚ ሰልፊ እዚ ጽኑዕን ንቁሕ ተረዳኦ ዝውንን ንዝኾነ ተርእዮታት ወይ ለውጥታት ኣብ ጎረበት ይኹን ኣብ ዓለም እውን ብቁዕ ኣስተብህሎን ንቁሕ ሚዛንን ብምሃብ ብማንም ዘይክሰስ ሓያል ተባዕ መሪሕነቱ ኣመስኪሩ እዩ ኢሉ ፣ 4ይ ጉባኤ ዉህድ ሓድነቱ ዝዓቀበ ዕዉት ጉባኤ ምንባሩ ሓቢሩ። ቀጺሎም ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሰለስተ ብጾት ኣዎንታዉን ገለ ጉድለታት ብምትንካፍ ንመጻኢ ክጽንዑ ተላብዮም ዉሁድ ጉባኤ ምንባሩ ኣስሚሮምሉ። ብፍላይ ሓዲስ ኣቦ መንበር ብኩሉ ቅቡል ዝኮነ ባእታ ተስፋ ንዓወት ምኻኑ ኣስሚሮምሉ። ብምቅጻል ኣቦ ወንበር ኣሳናዳኢት ሸማገለ ፈስቲቫ 2023 ዕዉት ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ተልእኾ ዘማሓላለፈን ህዱእን ዓቅምና ዝኾነ በዓል ብዘሕለል ተወፋይነት ኣባላት ሰልፊ ዝተዓመ ኩሎም ስራሓት ብዘይ ክሳራ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ኣኼባ ብሃነጽቲ ለዉባት ኣብ ገንዘባዊ ጉዳይ ብምቅራብ ኣኼባ ብዕጉብ መንፈስ ተዛዚሙ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!
ብዕለት 08 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ስያትል ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ጨንፈር ስያትል ኣብቲ ሰለስተ ሳዓታት ዝውሰደ ኣኼባ ብቐዳምነት ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ብዘተ ንሓባዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ተዓዲሙ፣ ብዛዕባቲ ንምዕዋት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተሓልፈ ቅዋማዊ መስርሕን ዝሰገሮም ብድሆታትን ጉባኤ ዝወሰዶም ሓደስቲ መድረኻውያን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ንምብራህ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ዘትዩ። ጨንፈር ኣብቲ ናይ ኣቦ መንበር ኣኼባ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታትን ኣቦ መንበር ሰልፊ ብተደጋጋሚ ዘብርሆ ዝነበረ መልስን ንጹርን ግልጽን ምንባሩ መዚኑ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ናይ ህዝብን ኣባላት ሰልፍን ቀጻሊ ክኸውን ድማ ርእዩ።
እቲ ካላኣይ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ዝቐረበ ዛዕባ ድማ፡ ሐፈሻዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሐመዱ ዝብል ኮይኑ: ኣብ ውጽኢት ራብዓይ ጉባኤን ነዚ ዝምልከት ውሳኔን ምርኩስ ብምግባር፣ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘድሊ ምትብባዕን ደገፍን ንኽግበረሉ፣ ዘለዎ ናይ ኣመራርሓን ምምሕዳራዊ ሕጽረታትን ክምልእን ኩሉ ዓይነት ደገፍ ክረክብ ከምዝግባእ ኣኼባ ርእዩ።
እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣኼባ ጨንፈር ዝተዛረበሉ ኣጀንዳ ድማ፡ ሓፈሻዊ ኲነታት ኤርትራን ከባቢኣን ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዘንጸላሉ አሎ ናይ ኲናት ሓደጋን ስቅያት ህዝብናን ዘጠቓለለ ነይሩ። ኣኼባ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር ኣደ-ወንበር ጨንፈር ተመሪሑ ብሓባራዊ ምርድዳእ ምድምዳሙ ተሓቢሩ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!