ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ካብ ሽግራት ናጻ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ሽግራት እቲ በዓልቤታዊ ክኸውን ይኽእል ወይ እውን ባህሪያዊ።(subjective or natural) ሽግራት እምበኣር ሓቢርካ እሂን ምሂን እናበልካ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ጸገማት ብግልጺ ብምዝርዛር ንበዳልን ተበዳልን ዝዕግብ ቅኑዕ ፍታሕ ምንዳይ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ዝቐርብ ፍታሕ ድማ ንኹሉ ብማዕረ ዝጠመትን ኣድልዎን ሻርነትን ዘይብሉ ክኸውን የድሊ። ኣብ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ተመርኵስካ ዝመጽእ ረብሓ ከምዘየለ ተረዲእና ኩልና ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ከተሓቛቝፈና ዝኽእል ክንሓስብን ክንተሓላለን ይግባእ።
ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ኣብ 1958 ዝጀመረ ስርርዕ ኩሉ ሓቈፍ ብምንባሩ እዩ ንደቂ ሃገር ከሰማምዕ ዝበቕዐ። በዚ ዝኣክል ኣብ ማእከል ኣስመራ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ድማ እስላምን ክርስትያንን ምንባሮም ሓደ ዓቢ ምስክር ሓባራዊ ጅማሮ ሰውራ ምንባሩ ኢዩ ዝእምት። ኣብቲ ግዜ እቲ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዜጋ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን፡ ተመሃራይ፡ በርጌሳዊ ኣብ ሓረካ ተወዲቡ ነይሩ ኢዩ። ንሱ እንተዘይከወን መንግስቲ ሃይለስላሴ ንስውእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣዳህሊሉ ኣኽቢቡ ክሕዝዎ መደብ ምስ ወጸ፣ ነቲ መደብ ፈሊጡ ንሓምድ እድሪስ ዝነገሮ ሰብ እንተዝይርከብ ምናልባት እቲ ብረታዊ ቃልሲ ቀልጢፉ ኣይምተጀመረን ነይሩ። ነዚ ምስጢር እዚ ዝሓበረ ኤርትራዊ ክርስትያን ኢዩ ናብ ሓምድ ልኡኽ ሰዲዱ ካብ ገዝኡ ወጻኢ ክሓድር ከምዘለዎ ዝገበረ። እዚ እውን ምልክት ናይ ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃን እዩ ዝእምት።
እተን ኣብ ኣርባዓታት ዝነበራ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሃገራዊ ጽልዋ ዘሕደረኦን፣ ከምኡ እውን ካብ 1953 ኣትሒዙ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ሃገረ ግብጺ ኮይኑ ብረድዮ ኣቢሉ ሃገራዊ ምልዕዓልን ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና ዘበርክቶ ክርሳዕ ኣይግበኦን።
እቲ ንምስረታ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ካይሮ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ክርስትያን ከምዘይተሳተፍዎ ርዱእ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ግብጺ ኤርትራዊ ክርስስትያን የለን በየን ኣቢሉኸ ክኸዶ። በዚ ዝኣክል እቲ ብረታዊ ቃልሲ በቶም ደቂ መታሕት ኢዩ ጀሚሩ። ይኹን እምበር ዝበዝሐ ካብ ክርስትያን ብመሰረቱ ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ምኽሪ ኣይተጸንበርኩን ኢሉ፡ ነቲ ብረታዊ ሰውራ ኣሕሊፉ ንጸላኢ ዘይምሃብ መርኣያ ደገፍ ናይቲ ምምስራት ሰውራ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገራውነት ዝገልጽ’ ውን ኢዩ። ከምኡ እውን እቲ ከበሳዊ ወይ ክርስትያናዊ ሓይሊ ነቲ ብረታዊ ሰውራ ካብ ዝብገስ ኣትሒዙ እንተስ ብውሽጢ እንተስ ብደገ ይሕግዞን ይተሓባበሮን ነይሩ። ኮይኑ ግን፡ እቲ ብስርዓት ሃይለስላሴ ዝግበር ዝነበረ ከፋፊልካ ግዛእ ዘምጽኦ ጸገምን፣ ብሓደ ክልተ ደቂ ሃገር ዝፍጸም ዝነበረ በደልን ነቲ ብረታዊ ሰውራ ዝጀመረ ሸነኽ፣ ንጸጥትኡ ክብል ካብ ኣባላት ማሕበር ሸውዓተን፡ ዘይኣባላትን ዝግበሮ ዝነበረ ምስጡር ኣገባብ ንክርስትያን ናይ ምግላል መንፈስ ኣሕዲሩ ኢዩ። እዚታት ግን ሎሚ ነዚ ናይ መበል 21 ክፍለዘመን ዘሎ ወለዶ ብምንም ዓይነት ዝትንክፎ ስለዘይኮነ ብዛዕብኡ ኣልዒልካ ምዝራብ ሃልኪ እምበር ቁምነገር የብሉን። እንታይ ደኣ እቶም ኣብ ፍልልያትን ኣብ ግርጭታትን ናይ ምንባር ባህጊ ዘለዎም ውልቀሰባት፣ ነቲ ጉድለትን እቲ ናብ ከምኡ ከብጽሕ ዘኸኣለ ጠንቂን ከይተመራመሩ ዝጽሕፍዎን ወግሐ ጸብሐ ከኮማስዕዎን ግን ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ከምዘይውዕል ምርዳእ ኣዳላዪ ኢዩ። እቲ ዓመታት ንዝገበረ ሽግራት ይኹን ግርጭታት ኣይንዛረበሉ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንዲ ንፍታሕ ምንዳይ፡ ንረብሓ ናይ ሓደ ሸነኽ ዝዛዘወ ገርካ
ንኽትጥቀምሉ ደጋጊምካ ምኩምሳዑ ናብ ጡጡሕ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዘይወስድ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።
እቲ ድኽመትና እምበኣር፣ ነቲ ዘሎ ይኹን ዝነበረን ሽግራት ወይ ግርጭታት ናብ እወንታዊ ፍታሕ ዘድሃበ ገዲፍና ናብ ናይ ህልኽን ኣሉታዊ ፍታሕ ብዘስዕብ ኣገባብ ክንጥቀመሉ ከሎና ኢዩ። እዚ ድማ ናይ ዝተባህለን ዝተገብረን ኣብ ህልዊ ግዜ ጽልውኡ ወይ ስምብራቱ ብቄናን ተገሊጹ ናብ ጌጋ ስምዒታት ምግንፋልን ነቲ ዝተረኽበ ታሪኻዊ ሃገራዊ እስስርን ዝምድናታትን ዝበታትን ከይከውን እውን ክንሓስበሉ ዝግበኣና ሃገራዊ ግዴታና ኢዩ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ እምበኣር፡ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ነንሓድሕዱ ተጠቓቒዑ ዝተዳመየሉ ግዜ የለን ተባሂሉ ዝዝንቶ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ሓደ ሓደ እንዳ ወይ እውን ማሕበረሰብ ግርጭታት እንተስ ብመሬት እንተስ ብሕርሻ ወይ ብናይ ክብቲ ሳዕሪ ብላዕ ወይ እውን ናይ ማይ ከም ዔላ … ወዘተ፡ እምበር፣ ክሳብ ንብሄራት ይኹን ንእምነታት ዘናቝት ፍልልያት ይኹን ግርጭታት ኣይነበረን። እንግሊዝ ብወገኑ፡ እስላምን ክስታንን፣ ከበሳን መታሕትን፡ ክሳብ መስቀልን ወርሕን ኢየን ዝገራጨዋ ዘለዋ እናበለ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሓድሕዱ ከናቝት ሕዅ ይብል እኳ እንተነብረ ቀዳሞት ወለድና ግን፡ ነዚ ኩሉ ደጋዊ ውዲታት በቲ ኤርትራዊ ስምዒታቶምን ብደቂ ሓንቲ ሃገር እምነቶምን ኣብ ናኣሽቱን ደቀቕትን ሽግራት ይኹን ፍልልያት ከይተመርኰሱ ኢዮም መኪቶም ዘምከንዎ። ሎሚ ደኣ ኣብ ዝመዓበልናሉን ቁሩብ ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ዝቐሰምናሉን፡ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ኣፍታትሓ ግርጭትን ፍልልያትን ዝተመሃርናሉስ እንታይ ስለዝተደልየ ኢዩ ኣብ ህውተታ ነድህብ። ንዝሓልፈ ጉድለታትና ወይ እውን እቲ ጌጋታትና ካብ ምንታይ ዝመንጨወ ምዃኑ ፈሊጥና መፍትሒኡ ኣብ ክንዲ ምንዳይ ኣብ ዝገደደ ምፍልላይ ዘእቱ መንገዲ ንምንታይ ነትሕዞ።? ስለምንታይከ ንድሌታትና ይኹን ክብርና ወይ እውን ጠቕምና ብምቕዳም ንመላእ ሕብረተሰብ ዝጠቅም ገዲፍና ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይግሁድ ዕላማ ንምትግባር መንጸፍ ንገብሮ።? እዚ በቲ ኣሎ ዝበሃል ግርጭት ወይ እውን ፍልልያት ዝተፈጥረ ነገራት ኣቢልካ ንረብሓ ሓደ ሸነኽ ኣዛዚኻ ክትጥቀመሉ ምፍታን ካብ ሃገራውነት ዘርሕቕን ዝዓበየን ዝኸፍአን ጸገማት ክፈጥር ከምዝኽእል ክንግንዘብ ይግባእ።
ካብዚ ዝኸፍአ ከኣ፡ ነቲ ሕሉፍ ግርጭታት ወይ እውን ፍልልያት በቲ ባህልናን ሃይማኖታዊ እምነታትናን ወይ ፖልቲካዊ ፍልልያትናን ኣቢልና ከም ፖለቲካዊ ወፍሪ ምጥቃምና ኢዩ። ስለዚ ነቲ ሕሉፍ ይኹን ህልዊ ግርጭታትናን ፍልልያትናን ፍታሕ ንምምጻእ፣ ነቲ ብባህሊ ይኹን ሃይማኖት ወይ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ከይጸንበርና ኣብ ባይታ ኣውሪድና ምዝታይ እምበር ምኩምስዑ ፍረ ኣይህበናን ኢዩ። ሰላም ዝዕምብበሉን፡ ሕድሕድ ምክብባርን ፍቕርን ዝነግሰሉን መሰል ኩሉ ዜጋ ዝኸብረሉን ውሑስ ንክኸውን ድማ፡ ንግርጭታትና በቲ ግቡእን ጥንቁቕን፣ ከረዳዳእና ዝኽእል ኣገባብ ክንክተል ይግበኣና። ከምኡ እውን ንድኽመታትናን ጌጋታትናን ብምእማን፣ ናይ ምርድዳእን ምትእምማን ባይታ ክንፈጥር ምስ እንበቅዕ ከኣ፡ ንግርጭታትናን ፍልልያትናን ክንፍውሶ ኣብ ንኽእለሉ ደረጃ ኽንበጽሕ ንኽእል። ነዚ ንምግባር ግን ካብ ዝሓለፈ ተሪኽ ብእወንታ ንኽንመሃር ድልዋትን ብቑዓትን ክንከውን ይግበኣና፡፡ ነዚ ምስ እንገብር ድማ፡ ነቲ ደጋጊሙ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ኣእትዩ ንኸይንተዓረቕ ዝገብረና ሽግራት ንሓዋሩ ከምዘይለዓል ገርና መደምደምታ ክንገብረሉ ዘኽእለና ጎደና ሕዝና ንኽንጎዓዝ ይሕግዘና።
ሎሚ እቶም ዘሸግሩና ዘለዉ ጉዳያት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መን እንታይ ኢሉ፡ ውለቀሰብ ከምዚ ኢሉ፣ ኮማንዲስ ኣንድነት፣ ሰውራ ንሕና ጀሚርናዮ፡ ናጽነት ንሕና ኣምጺእናዮ፡ ንሕና ዝበዝሐ ተሰዊእና ወይ ተወጺዕና ብምባል ጥራሕ ኣይፍታሕን ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ግፍዕን ጭቆናን ኣብ መወዳእትኡ ብዕርቅን ይቕረ ብምባልን ደኣ ኢዩ ተፍቲሑ እምበር ጂኦግራፊካዊ ይኹን ኢትኒካዊ ምምቕቓል ወይ ድማ ጸዓዱ ዓድኹም ኪዱልና ብምባል ኣይኮኑን ፈቲሖሞ። እዚ ንገዛእ ርእሱ፣ ንዓና ነዞም ንኤርትራ ኣብ ቅዋማዊትን ሰላም ዝሰፈና ሃገር ክነሰጋግራ እንቃለስ ዘሎና ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ ዝኾነና። እቲ ንሕሉፍ ግርጭታትና ይኹን ፍልልያትና ክንፈትሕ እምበኣር ክንፈልጦ ዝግበኣና ሽግር ነዘን ኣርባዕተ ነጥብታት ብግቡእ ክነለልየን የድልየና። ንሳተን ድማ ሓደ እቲ ቀንዲ ጸላኢና ህግዲፍ ኮይኑ እቲ ጠንቂ ናይቲ ኩሉ ሽግራት ንሱ ምዃኑ እናፈለጥና፣ ብመታሕት ወይ ከበሳ፣ ሃይማኖት ወይ ብሄር ወይ ጂኦግራፊካዊ ስርርዕ ስለዘይገበርና ኢና ተጨቝና ብምባል ብሓደ ኮንና ክንምክቶ ዘይምብቃዕና። ካልኣይ እቲ ኣገባብ ኣመሓድራን ቁጠባዊ ምዕብልና ንህዝቢ ዘርብሕ ራኢና ክነወሃህዶን ሓደ ክንገብሮን ዘይምኽኣልና። ሳልሳይ ነጥቢ ነቲ መወዳእታ ክንበጽሖ እንደሊ ዓይነት መንግስቲ ዋንኡን ሓላፍነቱን ህዝቢ ምዃኑ ብምዝንጋዕናን፣ እታ ጽባሕ ኤርትራ ኩሉ ሽግራታ ብግዝኣተ ሕጊ ኣቢሉ ርትዓዊን ፍትሓውን ዝኾነ ሕጊ ተኸትልካ ዝፍታሕ ምዃኑ ዘይምእማን። እቲ ራብዓይ ነጥቢ ድማ ፈቲና ጸሊእና ነዛ ሃገርና ኤርትራ ብእስላምናን ክርስትያናን ኣውራጃታትናን ዝቖመት ምዃና ዘንጊዕና፡ ኩልና ደቂ እዛ ሃገር ኢና፡ ደቃ ስለዝኾና ድማ ኩልና ሓደ ኢና ንኹልና ከኣ ብማዕረ ትብጸሓና ክንሳ፡ ብሓባር ኰና ዝደመናላን ልኡላውነታ ዝውሓስናን መንነትና ዘረጋገጽናላን ደቂ ሃገር ምዃና ዘይምእማን ኢዩ።

እዘን ኣርባዕተ ነጥብታት ኩልና ኤርትራውያን ግን ንናይ ስምዒታትንናን ሃይማኖታውን ብሄራውን ጸጊዒነትናን ኣቢልና ስለ እንጠምተን ኣብ ሓባራዊ ፍታሕ ንምብጻሕ ንሽገር እሞ፡ በቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ክንጥምቶን ኣብኡ ተመርኵስና ፍታሕ ከነናዲ ንፍትን። ፍልልያትን ግርጭታትን ሕሉፍ ይኹን ህልዊ ከመይ ገርና ነመሓድሮን ንኣልዮን ርኢና ንእወንታዊ ለውጢ ዘዳልውና መስኖ ኣይንጸርግን ዘሎና። ናብ እወንታዊ ፍታሕን ሓሳብን ዘይነድህብ እንተዀና ድማ ነቲ ሕሉፍ ምስ ህልዊ ኩነት ሓዋዊስና ክንጎዓዝ እንተኾይኑ ነምጻኢ እወንታዊ ውጽኢት ክህብ ዝኽእል ፍረ ኣይክቦቁልን ኢዩ። ዝኾነ ይኹን እኩብ ወይ ተናጸል ንጸቢብ ኣረኣእያ ጥሒሱ ክሰግሮ እንተዘይበቒዑ ነቲ ብሓባር ተኸኣኢልካ ምንባርን ምክብባርን ዝብል ሰናይ መንፈስ ክቕህም ይኽእል ኢዩ። ክቕህም ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ግርጭታትን ፍልልያትን ንምእላይ ፍታሕ ንምርካብን ዝግበር ጻዕሪ ከጠፍእ እውን ይኽእል። እቲ ቀንዲ ምኽንያት እምበኣር ንሽግራትና ይኹን ንዘሎና ፍልልያትን ግርጭታትን ንምፍታሕ ካብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ግንዛቤን ክንላቐቕ ዘይምብቃዕና ኢዩ። ካብዚ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እንተዘይተላቒቕና ድማ ነቲ ናይ ካልኦት ርእይቶታን እምነታትን ክንጻወር ኣብ ዘይንኽእለሉ ከብጸሓናን ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ምግላልን፡ ኣብ ጐነጽን ኮታ ኣብ ክንዲ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ኣብ ናይ መን ከማይ፡ ልዕሊኩሉ ዝተቓለስኩ፣ ዝደመኹ፣ ዝተወጻዕኩ … ወዘተ ናብ ዝብል ኢዩ ክወስደና። እዚ ደማ ኣብ ክንዲ ናይ ሓባር ገርካ ምርኣይ ናብ ፍልይ ዝበለ ሸነኽ ምጥማት ከምንዛዙ ይገብረና። ኩልና ንሓንቲ ሃገር ንቃለስ ካብ ሃሎና ብሓንቲ ሃገር ክንዛረብን ሃገራውነትና
ኣደልዲልና፡ ንሽግራትና ንምፍታሕ ንሕናን ንስኹምን ዝብል ባህሊ ምልኪ ሕዝና ሕጊግ ምባል ገዲፍና ካብ ሕሉፍ ተሪኽና ተማሂርና ብሓባር እንነብረሉ ባይታ ምጥጣሕ እዩ።
ብድራር መንታይ
ኣብ'ዞም ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ 2,000 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ካብ ሽግራት ናጻ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ሽግራት እቲ በዓልቤታዊ ክኸውን ይኽእል ወይ እውን ባህሪያዊ።(subjective or natural) ሽግራት እምበኣር ሓቢርካ እሂን ምሂን እናበልካ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ጸገማት ብግልጺ ብምዝርዛር ንበዳልን ተበዳልን ዝዕግብ ቅኑዕ ፍታሕ ምንዳይ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ዝቐርብ ፍታሕ ድማ ንኹሉ ብማዕረ ዝጠመትን ኣድልዎን ሻርነትን ዘይብሉ ክኸውን የድሊ። ኣብ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ተመርኵስካ ዝመጽእ ረብሓ ከምዘየለ ተረዲእና ኩልና ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ከተሓቛቝፈና ዝኽእል ክንሓስብን ክንተሓላለን ይግባእ።
ብ22 ነሓሰ 2014 ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኣውሮጳ ሰዲህኤ ተኻይዱ
Written by ፍትዊ ክፍለ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ዞባ ኣውሮጳ ሰዲህኤ2014 Frankfurt Eritrean Festival, the Beginning of a Game Changer against the Destruction of Justice and Democracy in Eritrea
Written by EPDP Information OfficeAll the campaign by the PFDJ and its enablers, which was designed to preempt, silence the voices of change, and efface the importance of the 2014 Frankfurt Eritrean festival did not work. In fact, the campaign had a backfire effect. In defying the maneuvers, misinformation, and lies launched by the PFDJ regime and by those who parrot and perpetuate its ruthless police state, Eritreans of all stripes and hues showed up in the festival and raised hell to the PFDJ regime.
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ባህሊ ሓደ ኣገዳሲ ረቋሒ ካብ መሰረታውያን መለለይታት ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ፡ ጽቡቅን ሕማቅን ፍጻሜታት/ተረኽቦታት ሓደ ህዝቢ ባህላዊ ምግለጺታት ዝህልዎ። ገዛእቲ ሓይልታትን ጨቈንቲ ስርዓታትን ንመንነት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ንምጥፋእ ኣብዝህቅንሉ ግዜ፡ ብመጀመርታ ንዝጸንሐ ህዝባዊ ባህልን ልምድን ከጥፍኡን በቲ ንዓኣቶም የገልግለና ኢዩ ዝብልዎ ኣገባብን ክቕይርዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ተመኮሩ መግዛእትን ጭቆና ስርዓት ህግዲፍን ድማ ነዚ እዩ ብተደጋጋሚ ዘርእየና ዘሎ። ኤርትራ ሃገርና ዝተፈላለየ ባህላዊ ያታታትን መለለይታትን ዘለዋ ሃገር ብምዃና ድማ ክዕቀቡን ክምዕብሉን ዘለዎም ባህላዊ ልምድታት ከምዘለዉዋ ዝካሓድ ኣይኮነን። ባህላዊ ምዕባለን ተቐይሮን ግን፡ ብሓይልን ብድልየት ገዛእትን ዘይኮነስ፡ ውጽኢት ስልጣነን ሓባራዊ ቁጠባዊ/ኢኮኖምያዊ ዕብየትን ኢዩ።
At Eritrea Festival 2014 Speech, EPDP Chairman Urged Eritreans to Struggle to End their heartbreaking Situation
Written by EPDP Information OfficeIn his keynote address at the Eritrea Festival 2014 in Frankfurt on 9 August, 2014, Mr. Menghisteab Asmerom, chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), reminded all compatriots opposed to the regime that change could not be achieved until now because of lack of sufficient “political will and courage” and listed the challenges that needed to be addressed now.
1ይ ክፋል (ካብ 2 ክፋላት)
ናህርን ሓቀኛ ስምዒትን ዘይምንሓፍን ወዘተ ገለ ካብ ናይ መንእሰይ ባህርያት ኢዩ ይበሃል። ከምኡውን፡ ኣብ ህዝባዊ ሓልዮት ዘተኮረ፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ዘሰልፎ ጭርሖን ቃልስን ምክያድ፡ እንተወሓደ ድማ ድጋፈ-ሕልና ምውካፍን፡ ብሓጺሩ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ከየተኮረ ኣብ ፍትሕን ናይ ህዝቢ ሓልዮትን ምግዳስ፤ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ መለልዪ ናይ መንእሰይ ኢዩ ክበህል ይከኣል። እዚ ጠባይዚ ድማ ንመንእሰይ ናብቲ ናይ ኣመሓያሽን ደላይ ለውጥን ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ይጽንብሮ። ነዚ ከየማልአ ወይ በዚ ዘይሓለፈ መንእሰይ፤ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመኡን ታሪኹን ሓደ ዝዝንቶ መድረኽ ከምዝሓለፎ ከይተሰምዖ ኣይክተርፍን ኢዩ እንተበልኩ ጌጋ ኣይመስለንን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ’ውን፡ ኣብ ምምዕባል መንነትን ሰብነትን (personality) ናይ ሓደ መንእሰይ ግደ ዘለዎ ብምዃኑ ከእ፤ ኣብ ዕድመ መንእሰይ ክሕለፍ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣሰራቱ ክገድፍ ይኽእል ይኸውን። ግንከ ኩሉ መንእሰይ ነዚ የማልእዶ? ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝርከብ መንእሰይከ ነዚ ባህርያትዚ ከንጸባርቕ ማዕረ ዕድል ይረክብዶ? ኩሉ መንእሰይከ እወንታዊ ጎደና ጥራሕ ድዩ ዝኽተል? ንዝብሉ ሕቶታትን ካልኦት ምስ መንእሰይነት ዝተእሳሰሩን ብሓጺሩ ንክምልስ ኣብ ታሕቲ ተንኪፈዮ ኣለኹ።
رسالة تضامنية من شباب حزب الشعب الديمقراطي الارتري الى مؤتمر الشباب الارتري بواشنطون دي سي
Written by أمانويل براخي
المحترمون أعضاء مؤتمر الشباب الارتري
المشاركون الاعزاء
نود ، نحن الشباب أعضاء حزب الشعب الديمقراطي الارتري، عبر مكتب شؤون الشباب بالحزب ، وبمناسبة انعقاد مؤتمر الشباب الارتري الذي تعقدونه بمدينة واشنطن الامريكية ، ان نعبر لكم عن تمنياتنا لمؤتمركم هذا النجاح ، وأن نبعث لجميع المشاركين فيه بتحياتنا وتضامننا.
ኣብ ከተማ ሊምቡርግ፡ ጀርመን፡ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሎሚ ዕለት 27 ግንቦት ውን ካብ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ቀጺሉ ውዒሉ። 