ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃነን ብማሕበረሰብ ዓለም ክእመነሉ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። በዚ መሰረት 8 መጋቢት ምልክት ናይ ቃልሲ ዓለምለኸዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ክትክበር ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ቀጻሊ ቃልስን እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ። ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ንተመሳሳሊ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላቲ ቃልሰን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ። እዚ ምብርባር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ኣብ 1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ኣፍልጦ ረኺባ ክትክበር ክኢላ።
ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ብምዃና ዓወታ፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ሕብረተ-ሰብ ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።
ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።
ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ኣብ መጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመንጽር’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2024 ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ዘለና። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ኣትዮም ዝሃለቕሉ መርድእ ንምስማዕ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለዋሉ ኢና 8 መጋቢት 2024 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ውን ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘቕርብ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶአንን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላን ዕለት ክትከውን ይግባእ። ከምኡ’ውን ከም ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ጉዕዞ ናብ ብሩህ መጻኢ፡ ማዕረ ብጽሒትን ተጠቃምነትን ናይ ዝመርሕ መንገዲ ኣካል ክኾና ይግበአን።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት መሪሕ ግደአን ከበርክታ መሰረታዊ እዩ። ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ሓራ ክኾና ደቂ ተባዕትዮ እውን ንይምሰል ዘይኮነስ፡ ወጽዓአን ኣለልዮም፡ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ክወስዱ ይግበኦም። ናብዚ ውሁድ ቃልሲ ንምብጻሕ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትመኩሮ ተማሂረን ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተንን መወዳድርተንን ዘይኮኑ፡ ደገፍቲ ቃልሰን ምዃኖም ተገንዚበን ስልጡን ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዝን ክኽተላ ይግበአን።
ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ እነካይዶ ኣብ ዘለና ቃልሲ ክንድቲ ዝድለ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንኸይረአ ናቱ ምኽንያታት’ኳ እንተለዎ፡ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ሓደ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ እዩ ዝቃለሰሉ። በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ”ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ስለ ዝኾና፡ መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኩሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና
መጋቢት 2024
ስርዓት ህግደፍ ብ6 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ ርእሰ-ዓንቀጽ “ኣውሓስቲ’ዶ ሓንከርቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ናብቶም ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ተዓዘብቲ ዝነበሩ እሞ ቅድም ብተደጋጋሚ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጥረር፡ ደሓር ድማ ካብ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ትግራይ/ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ክውጽእ ኣትሪሮም ዝሓትዎ ዘለዉ ወገናት ዝዓለመ ክሲ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ክሱ ብፍላይ ንፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ቀንዲ ሓንከርቲ ጠቒስዎም።
ነዚ መግለጺ ዘውጸኦ ዘሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብረሃም በላይ፡ “ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከም ዘሎ ኣረጋጊጽና ኣለና። ብትኽክል ኣበየናይ ቦታ ከም ዘሎ ዘነጽር ኮሚተ ምስ ክልል ትግራይ ሓቢርና ኣቚምና ንሰርሕ ኣለና” ተኸቲሉ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ንህግደፍ ኣሰንቢድዎ ዘሎ፡ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪቶርያ፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኑ ብምህላዉ ስምዕታ ክቐርበሉ ምጽንሑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክል ሃመር ኣብ ዝሳተፈሉ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘዳልዎን መድረኽ ኣብ ኣተገባብራ፡ እትራተጅያዊ ገምጋም ምስተገብረ፡ ሰራዊቱ ብዘይምውጽኡ፡ ተሓታቲ ከም ዝኸውንን መቕጻዕቲ ከስዕበሉ ከም ዝኽእል ስለ ዝሰግአ እዩ።
እቲ ኩሉ ግዜ ዝሕበኣሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ይጠረር” ክበሃል እንከሎ፡ “እቶም ዶብ ይጠረር ዝብሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመርናዮ ሰላም ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም” ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ሎሚ ብወግዒ ኣብ ዘይተጠረረሉ ኩነታት ኮይኑ፡ “ኣብ መሬት ኤርትራ እየ ዘለኹ” ብዝብል ዘቕርቦ ምስምስ ሰማዒ ስለ ዝሰኣነ እዩ ዘጉባዕብዕ ዘሎ።
እዚ ናብ ውግእ ትግራይ ተጠቢሱ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘጥፈአን በብግዜኡ፡ ኣንጻር ሱዳንን ጅቡትን ውግእ ከሳውር ዝጸንሐን ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጹ “ህግደፍ ኣብ ታሪኹ ተወሪሩ እምበር ወሪሩ ዝብል ጽያፍ ዛንታ ኣይርከቦን።” ብዝብል ዘስፈሮ ሓሳብ ብዙሓት ወገናት “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል እዩ።
ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ ስትራተጅያዊ መፍትሒ ም/ትግራይ ኣብሪሁ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዶ/ር ኣብረሃም በላይ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ
ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብረሃም በላይ፡ ምስ መንግስታዊ ተለቪኝን ፋና ኣብ ዘካየዮ ቃለ መጠይቕ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ክልል ኣምሓራ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ንምፍታሕ፡ ሒዝዎ ብዛዕባ ዘሎ ስትራተጂ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ሚኒስተር ኣብረሃም በላይ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ መስርሕ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ዘሎ፡ ብቀጻሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ዝስነ ኮይኑ፡ “ሰላማዊ መስርሕ ምምላስ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም” ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ፡ እቲ መስርሕ ምምላስ ዝተመዛበሉ ንምስላጥን ነባሪ መፍትሒ ንምርካብን ናብ ረፈረንዶም ዝመርሕ መንገዲ ንምጽራግን ነቲ ከባቢ ኣቐዲሙ ፈደራላዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸሮ እዩ ኢሉ። ንኣገዳስነት ሰላማዊ መፍትሒ ብምዕዛዝ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ብምትሕብባር ናይ ክልላት ሓለፍቲ ቀጻሊ ዘተ ይካየድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ዶ/ር ኣብርሃም ምምላስ ዝተመዛበሉ ከም ዝደንጐየ ተኣሚኑ፡ እቶም ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝምለሱ ተመዛበልቲ፡ ክሳብ ረፈረንዶም ዝካየድ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝምስርቱን ፈደራል መንግስቲ ድማ ብቐጥታ በጀት ብምምዳብ ከም ዘተባብዖም ኣገንዚቡ። ቀጺሉ ድማ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ተረድኦን ንምፍጣርን ሓባራዊ ኮሚተታት ወጺአን ምምይያጥ ይካየድ ከም ዘሎ ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኻት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ገምጋም ኣካይዶም ከምዘይተረዳድኡ ዝዝከር እዩ። በዚ መሰረት ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ድሕሪ ሕጂ ብመንገዲ መንጎኛታት እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ውዑል ፕሪቶርያ ብቐጥታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዘይዘራረብ ብምውሳኑ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ዝፍጠር እዩ።
ኣብ ኣትገባብራ ውዑል ፕሪቶርያ፡ እቲ ዝኸበደ መጻኢ ዕድል ምዕራብ ትግራይን ራያን ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።
ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን (FFC)፡ ዝበሃል ደጋፊ ዲሞክራሲ ኣብ ሱዳን፡ ሰራዊት ኣብታ ሃገር ይዋግኡ ናይ ዘለዉ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ይፍጽምዎ ንዘለዉ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ብትሪ ኮኒኑ። እቲ ኣካል ነዚ ዝገለጸ፡ ብፍላይ ኣብ ኣልጀዚራ ዝበሃል ክፍሊ ሃገር፡ ብፍላይ ሰራዊት ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝኽሰሰ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ግህሰትን ቅትለትን ድሕሪ ምፍጻሙ ምዃኑ እቲ ካብ ናይሮቢ ዝተዘርገሐ ናይቲ ኣካል መግለጺ ሓቢሩ።
መራሕቲ ናይቲ መግለጺ ዘውጸአ ደጋፊ ዲሞክራሲ ኣካል፡ ያሲን ኣርማንን ካሊድ ዑመር ዮሱፍን ንተግባራት ሰብኣዊ ግህሰት ብትሪ ክኹንኑ እንከለዉ፡ ወሃቢ ቃሎ ናይዚ ንዲሞክራሲም ዝሕለቕ ማእከል፡ ጃዕፈር ሓሳን ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጀነራል ሕመቲ ዘለዎ ተሪር ኩነነ ኣንጸባሪቑ። እቲ መግለጺ ከም ዘንጸባረቖ ብትእዛዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ይፈጸም ኣይፈጸም፡ በቲ ዝፍጸም ግህሰት ዝሕተት ኣብቲ ገበን ዘተፈጸመሉ ቦታ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት እዩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ብዓብይኡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡ እቲ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ዝያዳ ከም ዘሻቕል ጠቒሱ፡ እቶም ኣብ ውግእ ተጻሚዶም ዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ሰላማዊ መፍትሒ ንክረኽቡ ኣዘኻኺሮም። ሰራዊት ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ እቶም ደገፍቲ ዲሞክራሲ ሓይልታት፡ ንሰራዊት ጀነራል ሕመቲ ብገባናት ውግእ ክኸስሉ ከም ዝደፋፍእ ከኣ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ጉዳይ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሶማሊላንድን ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምውጣጥ ምስተፈጥረ፡ ብደረጃ ዞባ ዝተረሰዐ እዩ ዝመስል።
ባህግና Bahgna 195፣ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ሓቢርካ ምቅላስ ሓደ ካብ ድኽመታትካ ምውጋድ እዩ ርእሰ ዓንቀጽ ሰደህኤ።
Written by Bahgna MediaMedia
زيارة مستحقة في القاهرة إلى الوطني العظيم إبراهيم محمد علي
Written by Ammmmarፈረምትን ተዓዘብትን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ብኸፊል ዘርኢ
ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ግምት)፡ ኣብ መስርሕ ኣተገባብራ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ውዕል ሰላም እቲ ተሪፉ ዘሎ፡ መንጎኛታት ኣብ ዘለዉዎ ክረአ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። እቲ ካቢነ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ነዚ ዝወሰነ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዘይምትእምማን መስርሕ ትግባረ ክቕጽል ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ።
መግለጺ እቲ ካቢነ ከም ዝሓበሮ፡ ካብቶም ዘየረዳድኡ ኮይኖም ዘለዉ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል፡ “ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ፋኖን ካብ ትግራይ ዘይምውጻእ፡ መሬት ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ዘይምምላስን ኣተገባብራ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን ሰራዊት ትግራይ (TDF)” ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ክልቲኦም ፈረምቲ ኣካላትን፡ ተዓዘብትን ፓነል/መድረኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝሳተፍዎ ርክብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክካየድ ትጽቢት ኣሎ።
ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ ናይቲ ካቢኔ ውሳነ ንምብራህ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እቶም ፈረምቲ ክንድቲ ዝድለ ምትእምማን ስለ ዘይተፈጥረ፡ ብዘይሳልሳይ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ክሰማምዑ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ጠቒሱ፡ ኣብ ቅድሜኦም ስግኣት’ኳ እንተሎ ናብ ውግእን ግርጭትን ከይበጽሐ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ከም ዝገብሩን ሓቢሩ።
ኣብቲ ላዕለዋይ ፓነል/መድረኽ ክርከቡ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም፡ ኣባሳንጆ ዝመርሖም ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን እዮም ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ህግደፍ ነቲ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣካላት ብተደጋጋሚ ክቐርቦ ዝጸንሐ፡ “ሰራዊትካ ካብ ትግራይ ኣውጽእ” ዝብል ምሕጽንታ ንዘይምቕባል፡ ብመንገዲ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘሎ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ሰራዊተይ ኣብ መሬት ኤርትራ እምበር ኣብ ትግራይ የለን” ኢሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና “ኤርትራ 51 ቀበሌታ ትግራይ ብሓይሊ ሒዛ’ላ” ዝብል መግለጽታት ብተኸታታሊ ክውጽእ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ፡ ብጻይ ግረዝግሄር ተወልደ ብ1 መጋቢት 2024፡ ኣብ መኽፈቲ 7ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር (ኤዲሰሃ) ናይ ደገፍን ሰናይ ትምኒትን መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ዘቕረቦ ቃል ንሓለፍቲ ናይቲ ሰልፍን ተሳተፍቲ ጉባኤን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣሰናዳእቲ ናይቲ ጉባኤ ንዘቕረብሉ ዕድመ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ መልእኽቱ ጉባኤኦም ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብሰንኪ ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣብ ዝወደቐሉ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ ዝኽእልሉ ኩነታት ስለ ዝሰኣኑ ሎሚ እውን ብዝተፈላለዩ ኣቕጣጫታት፡ ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዝሉ ኩነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገንዚቦም፡ ነዚ ዘሻቕል ኩነታት ኣብ ግምት ዘእቱ ውሳነታት ክውስኑ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ኣስዒቡ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ስዕርካ ህግደፍ ንምውጋድ፡ ብሓፈሻ ናይ ኩሉ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት፡ ብፍላይ ከኣ ከም ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባውን ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ብሓባር ምንቅስቓስ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ብምጥቃስ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጉባኤኦም ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ውሳነታት ብምውሳን ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ደጊሙ ኣንጸባሪቑ።
ኤርትራ ናይ ኩልና ደቃ እያ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሃለዋታን መጻኢኣን ከኣ ዝተፈላለዩ ኣተሓስሳባታት ኣለና። እቲ ከም ዘይምለስ፡ ኣርሒቑ ናብ ጥፍኣት ዝጥሓለ ህግደፍ ገዲፍካ፡ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዙሓት ምዃና ድማ ውጽኢት ናይቲ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እዩ። በበቲ ዝመረጽናዮ መልክዕን ተልእኮን ምውዳብና ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘይኮነ፡ ናብቲ ኣርሒቕና እንጥምቶ መዓርፎ መብጽሒ ናይ ቃልሲ መሳርሒና እዩ።
ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ እውን ማሕበራት ኤርትራ፡ ናይቲ ዘሰለፈኦን ብውሽጣዊ ቅዋመን ክቕየድ ዝግደድን ክፋል ሕብረተሰብ እምበር፡ ናይ ህዝቢ ውክልና የብለንን። ብዛዕባ ኤርትራን መጻኢ ምሕደረኣን ክኾነለን ዝደልዮኦ ሓሳብ ብህዝቢ ተቐባልነት ንክረብ ናብ መድረኽ ናይ ምቕራብ መሰለን ግና ሕልው እዩ። እቲ ብዝተፈላለያ ተወዳደርቲ ውዳበታት ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝቐርበሉ ህዝቢ ከኣ፡ ናይ ምቕባልን ዘይምቕባልን መሰል ኣለዎ። እተን ሓሳብ ዘለወን ውዳበታት ባህጊ ህዝቢ ናይ ምስማዕን ኣብ ግምት ናይ ምእታውን ግደታ ኣለወን። ህግደፍ ነቲ ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ጀሆ ሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን እታ ጠፋጢፉ ዝፈጠራ ጉሒላ ጉጅለን “ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ” ኣምሲሉ ከቕርቦም ዝፍትኖ ከኣ ናይቲ ዓመጸኛን ሸፋጥን ተግባራቱ መግለጺ እምበር፡ መርኣያ ብህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣይኮነን። ብህዝቢ ብዝጸደቐ ሕገምንግስቲ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ ናይ ብዙሓት ደገፍ ዝረኸበ መንግስቲ ግና “ናይ ህዝቢ ውክልና ኣለኢ” ክብል ሕጋዊ ተቐባልነት መሃለዎ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ህጹጽ ቀዳምነት ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ መሰረታዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ። ውድባትና ይኹን ሰልፍታትና ከምኡ እውን ጽላላትና ኣሕይልና ነዚ ቀዳምነትና ከነሰላስል እንከለና፡ ኪንኡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ከነእቱ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሎሚ ካለኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ዕማምና ጽባሕ ቀዳማይ ዝስራዕ ክኸውን ስለ ዝኾነ። ብኻልእ ኣበሃህላ ናይ ሎሚ ኣተሓሕዛ ጉዳያትና ንናይ ጽባሕ ድልዱል ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ባይታ ዘንጽፍ ክኸውን ስለ ዝግበኦ።
ሎሚ ብዛዕባ ሓድነትን ዕቤትን ውዳበታትና ክንሓስብ እንከለና፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ኤርትራውነትና፡ ብናይ ሓባር ቃልስናን ድምጽናን ዝተረጋገጸ፡ ንካለኦት ወገናት ኣብነት ዝኸውንን ረብሓኦም ዘይጻባእን ምዃኑ ምግንዛብ ድማ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ኣስገዶም ተወልደ ዝተባህለ ትግራዋይ ምሁር፡ “ንብራኸ ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንቕሎ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጋበአ ዋዕላ፡ “ኤርትራዊ ሃገራውነት ጸላኢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ክውገድ ኣለዎ” ኢሉ ዝመደሮ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ኤርትራውነትና ናይ ካለኦት ዕቤትን መሰልን ዝጻባእ ከምዘይኮነ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ከምዚ ዓይነት ሓውላል ኣረኣእያ ናይ ውሱናት ግጉያት እምበር፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ከምዘይኮነ ተገንዚብና፡ ሓደግኡ ንዘይተገንዘቡ ከነገንዝብ ይግበኣና። ንሕመረት ኤርትራውነት እናተጻባእካ፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ግና ጸገም የብልናን” ምባል ግና፡ “ዝኣኽለን ጥሒነንሲ ብዓለማርያም ይብላ” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንበሃሊኡ እውን መኽሰብ የብሉን። ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝነበረን ዝነብርን እምበር፡ ምስ ህግደፍ ዝመጽእን ድሕሪኡ ዝሃስስን ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።
ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጭቆናን ዘይህዝባዊ ምምሕዳርን፡ ሃገር ናይ ምምራሕን ውድቀትን ዶባት ሰጊርካ ውግእ ምጽሕታርን ናይቲ ጉጅለ ህላን ዕንደራን እምበር፡ ናይ ልኡላዊት ኤርትራ ከም ሃገር ውድቀት ከም ዘይኮነ፡ ምርዳእ የድሊ። ኤርትራ ብጨቋኒ ትገዛእ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ትመሓደር ልኡላውነታ ወትሩ ህያው እዩ። በዚታት ኣመኻኒኻ ኣንጻር ኤርትራን ክብራን ትንዕምንዕ ምባል ከኣ ብዝኾነ መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን።
ሎሚ ናይ ሰልፍኻ፡ ውድብካ፡ ማሕበርካን ካልእ ውዳበኻን ንከተዕቢ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ኪኖ’ቲ ከተዕብዮ ትደሊ ዘለኻ ውዳበ፡ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናይ ዘይምግዳስ መርኣያ እዩ። ህግደፍ ዝፈጥሮ ዘሎ፡ ሓድነትን ምትእምማንን ህዝቢ ዘዳኽም ወስታታት ክትስዕር ሓሊንካ እንዳተቓለስካ፡ ካልእ መልክዕ ዝሓዘ ንሓድነት ዝጻባእ መንገዲ ከይትሕዝ ምስትውዓል የድሊ። ኣንጻርቲ ህግደፍ ዘስረጾ ጭቆና ከወግድ ይቃለስ ኣለኹ እናበልካ፡ መልክዑ ናይ ዝቐየረ ጭቆና ጠንቂ ከይትኸውን ምጥንቃቕ መሰረታዊ እዩ።
እዚ ሓላፍነት ብቐዳምነት ናይቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ሓይልታት ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ውድባት ክመዝንን ኣተሓሳስባ ክመርጽን እንከሎ፡ ከም መዕቀኒ ክወስዶ ዝግበኦ እዩ። መዲያ ወኒኖም ኣብ ለውጢ ተሰሊፎም ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ንዘለዎም ሓላፍነት ኣዕሚቖም ክሓስብሉን ክጥንቀቕሉን ይግበኦም። ዝፍጠር ጉድለታት ከይሓብኡ ናብቲ እናሓደረ ዝዓብን ረብሓ ህዝቢ ዘውሕስን ኣውንታዊ ኣቕጣጫ ዝያዳ ናይ ምትኳር ሓላፍነትን ሓልዮትን ክህልዎም ይግባእ። ኣብ ክንዲ ጸግዒ ፈሊኻ ፍልልያትን ምስሕሓባትን ምንብድባድን ንእሽቶይ ጌጋ ከተተዓባቢ ምሕላን፡ ጽባሕ ሓሊፉ ዝጸንሕ ቅኑዕ መንገዲ ምጽራግ ናይ መድያታት ሓልፍነትን ስነምግባርን እዩ።
“ናይ ሎሚ ዳኣ ንግበር፡ እምበር ናይ ጽባሕስ ሽዑ ነርክበሉ” ዝብል “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ኣተሓሳስባ፡ ገለ ንኡስ ሓቅነት ይህልዎ ይኸውን። ዘይሩ፡ ዘይሩ ግና ሎሚ ብዝተፈላለየ መልክዕ ናይ እነካይዶ ቃልሲ ውጽኢት ብናይ ጽባሕ ሸቶኡ ዝዕቀን ክኸውን ይግበኦ። ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ናይ እነካይዶ ቁጠባዊ ሕውየትን ህንጸት ሃገረ-መንግስትን መቐጸልታ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እምበር፡ ሽዑ ከም ብሓድሽ ዝጅመር ኣይኮነን። ስለዚ ሎሚ ቅድሚት ንሰርዖ ተግባር ቀንዲ ብልሑ ምውጋድ ህግደፍ ኮይኑ’ ንጽባሕ እውን መንጸፍ እዩ። ሎሚ ንወስዶ ስጉምቲ ናብ ጽባሕ ዘየማዕዱ እንተ ኮይኑ፡ ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኸውን፡ ብሰንኪ ድሕሪ ናጽነት እንታይ ከምዝገጥመና ሚዚና ዘይምቕራብና ንሓልፎ ዘለና ህይወት መርተዖ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ “ኪኖ ሰልፍታትን ውድባትን እነማዕድዎ ዋኒን ከምዘለና ኣይንዘንግዕ” መልእኽትና እዩ።
More...
ኣብ መበል 55 ምድማጽ ናይ ቃል ጸብጻብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ጸብጻብ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም በቢከር፡ ምስማዕ፡ ሎሚ እውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ ምግላጹ ናይቲ ባይቶ ክፍሊ ሓበሬታ ብ28 ለካቲት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣሻቓሊ ኢሉ ዝጠቐሶም፡ ናይ ሰባት ጃምላዊ ማእሰርትን ጉዱድ ምስዋርን ከም ዝርከብዎ ድማ ኣስፊሩ።
ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ብሓፈሻ ኩሎም ተኣሲዎምን ተሰዊርዎን ዘሎ ግዳያት ክፈትሕ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ 2008 ጀሚሮም ደሃዮም ዘይተፈልጠ 13 ወተሃደራት ጅቡቲ ብዝምልከት ጠቒሱ። ከምኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ናይ ህጻናት ግዱድ ውትህድርናን ጾታዊ ዓመጽን ዝያዳ ኣሻቐልቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ መንግስቲ ኤርትራ ንመሰል ርኢቶኻ ምግላጽ፡ ምሕሳብ፡ ናጽነት እምነት፡ ምእካብን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ነብስኻ ምክልኻልን ከኽብር ብትሪ ጸዊዑ። መጸዋዕታኡ ዝያዳ ብምርጓድ ድማ፡ ሰራዊቱ መሊኡ ካብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከውጽእ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተረፈ፡ ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መስላት፡ በደላትን ዘይምኽባር ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን፡ ፍትሒ ንምስፋን ብዘኽእል ኣገባብ ናጻን ተኣማንን መርመራ ክካየድ፡ ሓቲቱ።
ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ኣብ ኩሎም ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝዛመዱ ዓለምለኻዊ ሕግታት ክትፍርምን ከተተግብርን ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ክተሓባበር ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣማኢት ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ እሱራት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።
Eritrean refugees fleeing to Ethiopia are being ransomed and tortured in Tigray – report
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " The report below by Human Rights Concern - Eritrea has been strengthened by information from other sources: This has been going on for a year or longer, once armed conflict abated in Tigray; Destitution in Tigray leads to the participation by " Martin Plaut |
The report below by Human Rights Concern - Eritrea has been strengthened by information from other sources: · This has been going on for a year or longer, once armed conflict abated in Tigray; · Destitution in Tigray leads to the participation by perpetrators; · There are thousands of victims; · Who is perpetrating these crimes has not been identified -- Tigrayans? Are Tigray authorities involved? Eritrean operatives? Amharas, etc.? We have heard that Eritrean smugglers in Eritrea have encouraged or facilitated future victims to move south to Tigray; · The scheme seems to be highly organized. Urgent Appeal: Eritrean Refugees Held for Ransom in Tigray, Ethiopia15 February 2024 Eritreans escaping their homeland’s oppressive regime and seeking refuge in Ethiopia’s Tigray region are falling victim to kidnappings for ransom. Disturbingly, the perpetrators are not only demanding payment from the victims' families but are also reselling the individuals to other criminals, perpetuating a distressing cycle of extortion. Reports indicate that Eritrean refugees, already vulnerable and fleeing dire circumstances, are subjected to torture while pleading with their relatives over the phone. The number of abducted Eritreans is rapidly increasing, and family members are being compelled to pay amounts ranging from $4,500 to $5,000 US dollars per person. Shockingly, even after ransom payments are made, victims are not released, instead, they are resold, to other kidnappers, members of criminal gangs who demand the same amount of ransom. This highlights the severity of this organized criminal activity. Funds are collected through various means, including cash and bank transfers in both Tigray and the Ethiopian capital, Addis Ababa. This egregious crime against defenceless Eritrean refugees is known to the authorities in Tigray, yet thus far, no substantial actions have been taken to halt it. The severity of this situation demands immediate attention and concerted efforts involving both the authorities in Tigray and the Ethiopian government to eliminate such inhumane practices. Human Rights Concern Eritrea (HRCE) urgently calls on the regional government of Tigray and the government of Ethiopia to: · Launch a prompt and thorough investigation into these heinous crimes, pursuing all leads related to the criminal gangs involved; · Ensure security and protection for all refugees in the region; · Collaborate with international organisations to establish a coordinated effort in investigating and dismantling the criminal networks involved in the kidnapping and extortion of Eritrean refugees; · Enhance border security to prevent the illegal trafficking and movement of victims across borders, hindering the criminals' ability to exploit regional vulnerabilities; · Strengthen the legal framework and law enforcement capabilities to prosecute individuals involved in human trafficking, kidnapping, and extortion, ensuring that justice is served and perpetrators are held accountable. HRCE also appeals to the United Nations, African Union, and International Human Rights organisations to: · Conduct a thorough investigation into all reported cases of Eritrean kidnappings for ransom in Tigray; · Engage with the regional government of Tigray and the government of Ethiopia, urging swift action to end these crimes and apprehend the perpetrators; · Strongly demand that Tigray Regional security services and police provide protection to Eritrean refugees; · Advocate for the establishment of an international task force to investigate and address the transnational aspects of the criminal networks involved in the kidnapping and extortion of Eritrean refugees; · Engage with regional and international partners to provide financial and logistical support to enhance the capacity of local authorities in Tigray to combat human trafficking and protect vulnerable populations; · Monitor and report on the progress made by the regional government of Tigray and the Ethiopian government in addressing the issue, ensuring transparency and accountability in their efforts; · Raise awareness globally about the plight of Eritrean refugees in Tigray, emphasizing the need for a sustained international response to address the ongoing challenges faced by these vulnerable populations. Human Rights Concern - Eritrea (HRCE) This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.+44 7958 005 637 |
|
Several people arrested, tractor-trailer lit aflame during protest against Eritrean government supporters, Charlotte police sayCMPD said the protest had civil rights issues at the core. Protesters dispersed around 9:30 p.m. Saturday. Author: Matthew Ablon (WCNC) Published: 3:44 PM EST February 17, 2024 CHARLOTTE, N.C. — A protest that closed off a section of a Charlotte street Saturday resulted in several arrests, and it was centered on global human rights issues in another country. The Charlotte-Mecklenburg Police Department confirmed in a post to X the protest was being held on private property on Monroe Road. Officers said up to 200 people were present in what was described as a civil rights protest regarding a cultural festival. A CNC Charlotte crew notes some protesters were standing outside the Morris Costumes shop earlier in the afternoon. For the latest breaking news, weather and traffic alerts, download the WCNC Charlotte mobile app and enable push notifications. CMPD deemed the protest as unlawful since it happened on private property and that Morris Road was closed down from McAlway Drive to Alliance Drive. Officers said protesters have been told to leave and that anyone remaining could be subject to arrest. The department later said officers used pepper spray shortly after 3 p.m. to get protestors out of the street. CMPD said the spray hit some protestors as well as some officers who were treated on the scene. Around 4 p.m., CMPD said officers had arrested four people. Less than an hour later, the inbound lanes of Monroe Road had been reopened. The gathering was still ongoing, however. Later in the evening, CMPD said three men were charged with impeding traffic, while a woman was charged with impeding traffic, citing a riot, and assault on a government official. She reportedly also had a firearm seized from her. CMPD also said another firearm was seized and that three further protestors were arrested. Dispersal orders were given again as the department said the protesters were blocking the entrance to the business hosting the event. Just after 7:30 p.m., CMPD said its Civil Emergency Unit was activated, but it was reportedly met with aggression from crowds. The department said it was working to contain the scene. Around 8:15 p.m., police said crowds had set a tractor-trailer on fire, which was quickly doused by the Charlotte Fire Department. Another person was also arrested, bringing the total to eight. The department later said officers used pepper spray shortly after 3 p.m. to get protestors out of the street. CMPD said the spray hit some protestors as well as some officers who were treated on the scene. Around 4 p.m., CMPD said officers had arrested four people. Less than an hour later, the inbound lanes of Monroe Road had been reopened. The gathering was still ongoing, however. Later in the evening, CMPD said three men were charged with impeding traffic, while a woman was charged with impeding traffic, citing a riot, and assault on a government official. She reportedly also had a firearm seized from her. CMPD also said another firearm was seized and that three further protestors were arrested. Dispersal orders were given again as the department said the protesters were blocking the entrance to the business hosting the event. Just after 7:30 p.m., CMPD said its Civil Emergency Unit was activated, but it was reportedly met with aggression from crowds. The department said it was working to contain the scene. CMPD would later share that around 9:30 p.m. the protesters dispersed and that officers were clearing the scene. A press conference was held shortly after where more details were shared. Officers said they were called to a business around noon because a group of people were blocking the entrance to it to try and prevent an event from happening. While the group of people putting on the event was eventually able to get in side, the protesting group remained outside for several hours. CMPD said some protesters threw things like sticks and bottles at officers as well. Eventually, CMPD was able to negotiate with both the group hosting the event and the protesters. The event group was able to leave and protesters eventually dispersed. During the news briefing Saturday evening, CMPD said they were unaware beforehand that a protest had been planned nor were they in the loop about the event. A spokesperson said they had made contacts during the incident both with protesters and the group hosting the event and would be doing follow-up work. Vinroy Reid, who owns a business near the scene, told WCNC Charlotte the scene involved two groups of people. The group hosting the event was apparently supportive of the current Eritrean government, while the protesters were opposed. Eritrea is located in eastern Africa, south of Saudi Arabia and on the Red Sea. The current president is Isaias Afwerki, who has held office since 1993. Afwerki's government has been accused of human rights abuses in the past by non-governmental organizations such as Human Rights Watch, who in 2023 said the Eritrean government represses citizens by imposing restrictions on freedom of expression, opinion, and faith, among others. HRW notes Afwerki closed all independent newspapers in 2001 and arrested 10 journalists who, as of 2023, have been held incommunicado. HRW also reports that elections have not been held since Afwerki assumed the presidency in 1993, when Eritrea also gained independence from Ethiopia. |