ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ሰብኣዊ ጥሕሰት ኮኒኑ

2024-03-05 11:28:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 304 times

ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን (FFC)፡ ዝበሃል ደጋፊ ዲሞክራሲ ኣብ ሱዳን፡ ሰራዊት ኣብታ ሃገር ይዋግኡ ናይ ዘለዉ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ይፍጽምዎ ንዘለዉ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ብትሪ ኮኒኑ። እቲ ኣካል ነዚ ዝገለጸ፡ ብፍላይ ኣብ ኣልጀዚራ ዝበሃል ክፍሊ ሃገር፡ ብፍላይ ሰራዊት ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝኽሰሰ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ግህሰትን ቅትለትን ድሕሪ ምፍጻሙ ምዃኑ እቲ ካብ ናይሮቢ ዝተዘርገሐ ናይቲ ኣካል መግለጺ ሓቢሩ።

መራሕቲ ናይቲ መግለጺ ዘውጸአ ደጋፊ ዲሞክራሲ ኣካል፡ ያሲን ኣርማንን ካሊድ ዑመር ዮሱፍን ንተግባራት ሰብኣዊ ግህሰት ብትሪ ክኹንኑ እንከለዉ፡ ወሃቢ ቃሎ ናይዚ ንዲሞክራሲም ዝሕለቕ ማእከል፡ ጃዕፈር ሓሳን ብወገኑ፡  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጀነራል ሕመቲ ዘለዎ ተሪር ኩነነ ኣንጸባሪቑ። እቲ መግለጺ ከም ዘንጸባረቖ ብትእዛዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ይፈጸም ኣይፈጸም፡ በቲ ዝፍጸም ግህሰት ዝሕተት ኣብቲ ገበን ዘተፈጸመሉ ቦታ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት እዩ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ብዓብይኡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡  እቲ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ዝያዳ ከም ዘሻቕል ጠቒሱ፡ እቶም ኣብ ውግእ ተጻሚዶም ዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ሰላማዊ መፍትሒ ንክረኽቡ ኣዘኻኺሮም። ሰራዊት ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ እቶም ደገፍቲ ዲሞክራሲ ሓይልታት፡ ንሰራዊት ጀነራል ሕመቲ ብገባናት ውግእ ክኸስሉ ከም ዝደፋፍእ ከኣ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ጉዳይ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሶማሊላንድን ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምውጣጥ ምስተፈጥረ፡ ብደረጃ ዞባ ዝተረሰዐ እዩ ዝመስል።

Last modified on Tuesday, 05 March 2024 12:47