ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ንመንእሰያት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ናይ ምኽርን ለበዋን ቃል።


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን!

ዝኸበርክን ኣሓትን!

ዮሃና ንሰሚናርኩም!!


ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዚ’ሎም ተኣኪቦም ክትርኢ ከሎኻ፡ ኣዚዩ ዘሐጕስን ተስፋ ዝህብን ጉዳይ ኢዩ። እዚ ሰሚናር’ዚ ንባዕሉ ናይ ተስፋን ሓይልን ብርታዔን ነጸብራቕ ኢዩ። ምኽኒያቱ ዝተኣከቡ ኣሕዋት ዝገብርዎን ዝኾንዎን ስለ ዘይስእኑ። ኣሕዋት ከምዚ’ሎም ምስ ተኣከቡ ጥራሕ’ዮም ድማ፡ ሓድሕዶም ሓሳብ ዝለዋወጡን፡ ብሉጽ ሓሳብ ዘመንጪዉን፥ሓድሕዶም ዝሰሓሓሉን ዝበላልሑን። ከምዚ’ሎም ከይተጋብኡን፡ ርእሲ ንርእሲ ከይተወሃሃቡን ኣብ ጭቡጥ ቑምነገር ክብጽሑ ኣይክኣሎምን። ምስ ተኣከቡ ግን፥ እቲ ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጐዳኢ ነገራትን ጐርብታትን ክገሃደሎም ይኽእል። ወይ’ውን ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጠቓሚ ነገራት ቀልጢፎም ክበጽሕዎን ክጥቀምሉን ይኽእሉ። ስለዚ ሓቢርካ ምትእኽኻብን ምዝታይን ልክዕ ከምቲ ክልተ ካራታት ሓድሕድም ተጋጪዩም ዝተማምሁን ዝበላልሑን፡ልክዕ ከምኡ ማለት ኢዩ።


ብኣንጻሩ ከኣ፡ ሓድሕድካ ዘይምርኽኻብን ምፍንታትን፡ ነቲ ዝኸፍአ ኣዕናዊ ነገራት ዝዕድም ኰይኑ ይርከብ። ሓድነትካን ስምረትካን ዘይደልዩ ሰንካማት ሰባትን ወገናትን፣ መታን ኣሕዋት ኣብ ከምዚ ዝበለ ምትእኽኻብን ውህደትን ኸይበጽሑን ከየፍርዩን፡ ተቓዳዲሞም ነቲ ሰናይ ተበግሶኦም ክዘርጉሎምን፡ ክቘጽይዎን ፡ዘይመልክዑ ከልብስዎን ዘይፍትንዎ የለን። ሓድሕድካ ዘናቝት መዝረጋታትን እኩይ ብልሓትን ተጠቒሞም ክበታትኑኹምን ክበታትዑኹምን ከም ዝጽዕሩ ክትስሕትዎ ዘይግባእ ነገር ኢዩ። ጌና በቲ ዓቢ መስአ-ሰይጣን ገይሮም ክምስእዩኹምን ኽሸርዉኹምን ምዃኖም ቀልጢፍኩም ቆብ ኣብልዎ። ነዚ ምስጢር’ዚ እንተ ዘይፈሊጥኩምን ተንዛሕሊልኩምን፡ነቲ ዕርፊ ሓድነት ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ብቑዓት ከይኮንኩም ትተርፉ። ኣብቲ ኵሉ ከይበጻሕኩም ድማ ጪብጦ-ሑጻ ከም እትዀኑ ተገንዘብዎ።


ኣሕዋት ተኣኪቦምን ሓቢሮምን፡ ንዅሉ መሽጐራጉር ጸላኢ እንተ ዘይኣለልዮሞን ዘይፈንጺገሞን፣ወትሩ ጥበብ ጸላኢኦም ከየለለዩ፥ በቢዝመሰሎምን ዝተሰመዖምን፡ከከም ዝተሓርጐትዎን ዝተጸለውዎን፡ በቢዝመረጽዎ ጐደናታት ይጐዓዙ፣ይዕንድሩ፣ልቢ ንልቢ ከይተረኻኸቡ ይነብሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡እቲ ሓደ ዝሓሰቦ ሰናይ ነገር ነቲ ካልእ ኣይጥዕሞን፡ኣይምቅሮን። ብዘይ ኣፍልጦን ቅኑዕ ምኽንያትን ይጻረሮን ይዕንቅፎን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዘይለዓቱ፡ዓይኑ ዓሚቱ፡ ምስ ኣውራጃን ሃይማኖትን ኣሳቢቡ ንሓድነትን ህላዌ ሃገርን ዝፈታተን ሰባብ ድምጺ-ኣባይ እናቃልሐን እናደበለን ኣብ ቀጻሊ ዕንክሊል ይነብር። ነዚ ኵነት’ዚ ኢና ከኣ መ ር ገ ም ኢልና እንጽውዖ።


ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘሎኹምን፡ ካልኦት ዘይተኣከቡ መናእሰያትን፥እዚ ግዜ’ዚ ሓድሕድኩም ደሃይ እትፈላለጥሉን፡ እትደላለይሉን፡ እትቀራረብሉን፡ንዝተበላሸወ እተዐርይሉን፥ዝፈረሰ እትሃንጽሉን፡ንዝዓሸወ ናብ ልቡ እትመልስሉን፡ ቅያታት እትሰርሕሉን ወርቃዊ እዋን ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስወጠኩም ይግብኦ። ወያ ምድሪ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት መልክዓን ቃናኣን ተለዊጡ፡መፍቶ ጸላእታ ክትከውን ዘይትፈቕዱ፡ ሓራናት ዘርኢ ስለ ዘለኹማ፤ካብ ሕሰማ ከተናግፍዋ ግድነታዊ ዕማምኩም ይኸውን።


መንእሰያት ብሓባር ተላዒልኩም፥ህዝብኹም ኣተሓባቢርኩም፡ብሓደ ድምጽን ብሓደ ኢድን ንሃገርኩም ኤርትራ ካብ ዝተጎርበሰትሉ ህጕም፣ ካብ ዝተዋሕጠትሉ ሰልሚ ዘቚቝኩም እተውጽእዋን፡ ብኽልተ ኣእጋራ ደው እተብልዋን ንስኻትኩም ኢኹም። እቲ እዋን በሲሉ ይጽበየኩም ኣሎ፣ብብስለት ግጠምዎ! ህልዊ ኵነታት ሃገርኩም ኣጸቢቑ ከሕስበኩምን ሓቕየኩምን ይግባእ።

እታ ዓዲ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት፣እታ ንመላእ ዓለም ዘስተንከረት ንእሽቶ ሃገር፡ነቲ ዝተደወነ መልክዓ ሃየ! ኣብርህዎ። ሃየ! ተስፋ ኣይትኽልእዋ።


እዞም ሎሚ ተጋቢእኩሞ ዘሎኹም ብቐጻሊ ምስቶም ዘይመጹ ኣሕዋትኩም ደቂ ኤረ ብሕብረት ክትለዓሉን፡ንመላእ ህዝብኹም እናተሓባበርኩምን፡ ኣብ ምሉእ ተጋብኦ በጺሕኩም ቁምነገር ክትገብሩን፡ትጽቢት ህዝብኹም መልሲ ክትረኽብሉን፡ኣብ ዝባንኩም ዝተለጠጥኩሞ ሓላፍነት ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስቘረኩም የድሊ።ከምቲ ዝድለ ብስፍሓት ተጋቢእኩም ንዅሉ ምስ ፈተሽኩሞ፡ እቲ ሓቂ ኳዕ ኢሉ ክበርሃልኩም ኢዩ። ሽዑ ከኣ’ዩ ኣተሓሳስባ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ሓጺርን ስምዒታውን ዝኸውን፡ ብሱልን ሰፊሕን ዓሚቝን ሓላፍነታውን ክኸውን ዝበቕዕ። ሽዑ’ዩ ዛዕባ ታሪኻዊ ኣቃዉማን ኣመጻጽኣን ምትእስሳራትን ናይ ሕብረተሰብና ኣጸቢቑ ርዱእ ዝዀነልኩም። ሽዑ ጸላእቲ ሰርሲሮም ዝኣትውሉ ቀዳዳት ኵሉ ክትለኩዎን ክትልኵትዎን ኢኹም።


ኣውራጃን ሃይማኖትን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝጸንሐ፡ ርዱእን ቅቡልን ትሕዝቶ ዘለዎን፡ ንዘመናት ብሰላም ዘነባበረናን ዘካየደናን ናትና ሃብቲ ምዃኑ፡ነቶም ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ኣጸቢቑ ክበርሃሎም ኢዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ነዚታት ጠማዚዞም ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ክበጽሑ ኢዮም። ሽዑ ነቲ ኵሉ ጸላኢ ዝዘርኦ፡ኣእሻዅን፡ሓድሕድካ ምጽልላእን፡ምንእኣስን ፡ ዕቢትን፡ ኣፈላላይን፥ ካብ ሱሩ በርቍቕኩም ክትድርብይዎ ኢኹም። ሽዑ ንምኽሪ ኣሕዋት ዘነኣእስን ብትዕቢት ዝፍኽነንን ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ብጥቡእ ልቢ ክትረዳድኡን፡ ትወሓሓጡን ክትቀባበሉን ኢኹም። ሽዑ’ዩ ከኣ ካበ’ዬናይ ባህልን ልምድን ስርዓትን ውግዕን ከም ዝመጻእኩም ብግህዶ ኳዕ ኢሉ ዝበርሃልኩም ። ሽዑ ኢኹም ከኣ ሓቢርኩም እትውጥጡን፣ንጸላእትኹም እትብድህዎምን፣ንተንኰለኛታትን ሕሱማትን፡ብቐሊሉ እተለልይዎምን፡ሓኒቕኩም እትሕዝዎምን። ብድሕሪ’ዚ ብቕዓት ወኒንኩም በቲ ሓቀኛ ጐደና ሰላም ጓዒዝኩም ንዓድኹም፡ ብሰናይ ድሌትኩም ክትሃንጽዋ ኢኹም። ሽዑ ሃገር ናይ ኵሉ ወዲ ሃገር ደኣ,ምበር ናይ ፍሉያት ሰባት መልዕሎን ሓለፋን፡ ናይ ብሕቲ ሰውሒን ከም ዘይኰነት ብግልጺ ከተመስክርዎ ኢኹም። ሽዑ ሓቢርኩም ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝኩም ንቕድሚት ክትደፍኡ ኢኹም። ከምቶም ዝሓለፉ ኣቦታትኩምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን፡ ብሕብረትን ብምትሕልላይን ንቕድሚት እናደፍእኩምን፡ ዳግማይ ከይተዓሸዉኩምን ከይተገራህኩምን ክትዓብዩ ኢኹም። ንኽብሪ ሃገርኩም ክትከላኸሉላን፣በጃኣ ክትሓልፉላን፣ ክትሃንጽዋን ሰናይ ዕማምኩም ክኸውን ኢዩ። ክብሪ ሃገርኩምን ታሪኽ ህዝብኹምን ከተሐድስዎን ክትዅልዕዎን ኢኹም። ከም’ቶም ዝሓለፉ ወለድኹምንምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን ኣሰሮም ተኸቲልኩም፡ ብርሱን መንፈስን ፍቕሪ ዓድኹምን ፍቕሪ ህዝብኹምን ዝተቃጸጸልኩም ክትኮኑ ኢኹም።ምእንቲ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ክብርቲ ሂይወትኩም ክትኸፍሉ ዝቘረጽኩም ዝተቐረብኩምን ዜጋታት ኰይንኩም ክትርከቡ ኢኹም።።

ናትና እትብልዋ ሃገር ወኒንኩም፡ንባህግታት ህዝብኹም ሂይወት ክትዘርእሉን፡ጸባ ከተስትይዎን ምዃንኩም እሙን ነገር ኢዩ!!


ጽንዓትን ቅልጽምን ይሃብኩም!!


ዕዉት ሰሚናር ይኹነልኩም!!


የቐንየለይ!!

“ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ብ ኣቦ ወንበር ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grass roots movement) ዝቐረበ ቓል።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡-

          ናብ’ዚ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ህዝባዊ ሰሚናር እንኳዕ ዳሓን መጻእኩም ክብል ይደሊ። ማእከል ዛዕባ ናይ ሰሚናርና ሓድነት ኮይኑ፡ ቴምኡ ድማ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ዝብል ኢዩ።

          ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህሉ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝቕጽልን ኢዩ። እቲ ዋና ነገር፡ ንፍልልያት ከመይ ተተኣናግን ተማሓድርን ኢዩ። ንፍልልያቶም ከም ጸጋ ተቐቢሎም፡ ተኸባቢሮምን ተኣማሚኖምን ዝነብሩ ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት፡ ማሕበራት፡ ሃገራት ይኹኑ ህዝብታት፡ ካብቶም ንፍልልያቶም ምምሕዳር ተሳኢንዎም ድሌታቶም ብዓመጽን ሸፈጥን ከርውዩ ዝህቅኑ ኣካላት ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወትን ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮን ክውኑ ንዕዘብ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምእማንን ብምርዳእን ኢና እምባኣር ነዚ ናይ ሎሚ ማዓልቲ ሰሚናር ክንውጥንን ከነዳሉን ዝወሰንና።

          ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ ከምዝርከብ እትረፍ ንዓና ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ብሰለስተ ውልቀነጻነቶም ዝተሓለወ ግን ድማ ተማላላእቲ ዝኾኑ ኣካላይ ናይ መንግስቲ፡ ማለት ብሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካል ዘይቆመ፥ ብኣቕዋም (constitution) ዘይምራሕ፥ ናብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ዘምርሕ ዝተነጸረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘይብሉ፥ ዳርጋ ምስ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝበተኸን ኣዝዩ ዝተጸልእን ዝተነጸለን፥ ባህላዊ ክብርታትና ዘበርዓነን ማሕበራዊ ምትእስሳራትና ዝበታተኸን ፍንፉን ስርዓት ምዃኑ፡ እንዳራኣየ ከምዘይ ራኣየ፡ እንዳ ሰምዐ ድማ ከስቅጥ ንዝደለየ እንተዘይ ኮይኑ፡ ብሩህ ከምጻሓይ ቀትሪ ኢዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩንም፡-

          ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶም ዝጸንሐን ዘሎን ደረት ኣልቦ ኩለ-መዳያዊ በደላትን ኣመልኪቱ ክዝረብ እንከሎ፡ ባህ ዘይብሎ ወይ’ውን ክሰምዕ ዘይደሊ ባእታ ክህሉ ከምዝኽእል ዝሳሓት ኣይኮነን። ልክዕ’ዩ፡ ሰባት ንዝኣመንሉ ክንእዱን ክውድሱን፡ ቅኑዕ ኮይኑ ንዘይተራእዮም ድማ ክነቕፉን ክእርሙን ውልቃዊ ነጻነቶም እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብሰንኪ ዝኽተሎ ዓማጺ ባህርን ኣካይዳን፡ እቲ ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ ምንቃፍን ምንኣድን ዘይኮስ፡ ኣብ መንጎ በዳልን ተበዳልን፥ ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ኢዩ። ስለዝኾነ ኻኣ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቀሺ ደስሞንድ ቱቱ ዝበሎ፡ በደል እንዳተፈጸመ ዕሽሽ ምባል ምስቲ በዳሊ ምውጋን ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ኣብ’ዚ እዋንዚ፡ እቲ ነፈርቲ ደርጊ ዓዱ ዘጋጸላሉ ህዝቢ፡ ኣባይቱ ብዶዘራት ህግደፍ ክፈርስ ይውዕል ኣሎ። ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ማያት መዲትራንያን ይጠፍእ ኣሎ። ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ተለዊጣ፡ እቶም ስቓይ ማርያም ግቢን ኣለም በቃኝን ንኸብቅዕ ንእስነቶም ኣብ ገድሊ ዝተወደአ ጀጋኑ፡ ኣብ ኣጻምእ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ይበልዩ ኣለው። እታ ንስለ ሓርነት ዝመኸነት ጅግና፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ክትልምን ትውዕል ኣላ። ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ማዓልታዊ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ሓደገኛ ስደት የምርሕ ኣሎ። እቲ ዝርዝር ማእለያ የብሉን። ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ፡ መጻኢ ዕድልና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኢዩ።

          እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ፡ ነታ ንህላዌኡ’ውን ፈታኒት ኣብ ዝኾነት መጻብቦ ተቐርቂሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣብ ደገ እንነብር ኤርትራውያን ናይ ዘይምትእምማንን ባህሊ ይዓኩኹ ምህላዉ እዩ። እዚ ኻኣ ሓደገኛ ኢዩ። ትርጉምን ኣድላይነትን ናይ ሓድነት ልዕሊ ሰብና እኳ እንተዘይበልና ከም ዓለምና ግን ንፈልጦ ኢና። ምፍላጥ በይኑ ግን እኹል ኣይኮነን፡ ብተግባር ምስናይ የድሊ። ንሓድሕድና ክንተኣማመን እንተዘይክኢልና ተጎዳእቲ ንሕና ኢና። ኣብ ሕድሕድ ምትእምማንን ምክብባርን ዝተሰረተ ድልዱል ሓድነት ከነረጋጽ እንተኺእና ድማ ፈለማ ተጠቀምቲ ንሕና ኢና። ስለዚ ንኻልእ ኢልና ዘይኮነስ፡ ፈለማ ንነብስና ንኽጥዐመና ምእንቲ፡ ሕድሕድና ንከባበር፡ እሂን ምሂን ንበሃሃል፡ ሓባራዊ ጸገማትና ሓቢርና ነለሊ፡ ሓቢርና ድማ መፍትሒ ሓሳብ ነናድን ጸገማትና ንፍታሕን። እዚ ናይ ሎሚ ሰሚናር ንኸምዚ ዝበለ ስጉምት፡ ጽቡቕ ጅማሮ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

          ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ሰሚናር’ዚ ንምድላው ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኩሉም ብልቢ የመስግን። ዶ/ር ርእሶም ኣብ መንጎና ተረኺቡ ምሁራዊ ማዕዳን ኣስተምህሮን ንደቅናን ናዓናን ንኽገብር ዘርኣዮ ድልዉነትን ተገዳስነትን ብስም ነብርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን የመስግን። ካብ ፍሎሪዳን ቻርለትን ናብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ንኽትሳተፋ ኣብ መንጎና ተረኺብኩም ዘለኹም የሕዋት ኣድናቖተይን እንዳገለጽኩ ብልቢ ከመስግነኩም ይደሊ። ዕውት ሰሚናር ይግበረልና።

          ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩሙኒ ብልቢ የመስግን።

         የቐንየለይ።

ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኣካል ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ከምኡ`ውን ስልኪ ብምድዋል ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበርክሙሉን፡ ምስ ዓረፈ ድማ፡ ሓዘን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ብኣካል ብምምልላስ፡ ስልኪ ብምድዋል፡ ኢመይል ብምልኣኽን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍን፡ ዘጸናናዕኩሙናን: ዕረፍቲ ተስፋማርያም ንዘቃላሕኩሙልና ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታን፡ ተኻፈልቲ ሓዘንና ንዝኾንኩም ብሙሉእኩምን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ መፋነዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት (Funeral Ceremony) ብኣካል ተረኺብኩም ሬሳ ወላዲናን ሓውናን ዘፋነኹም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን፡ ከምኡ`ውን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናይ ኣመሪካ ዝመጻእኩም፡ መቓልስቱ፡ መማህርቱ፡ መታዓብይቱን ፈተውቱን፡ ንተስፋማርያም ክብሪ ብምሃብኩምን ንዓና ድማ ተኻፈልቲ ሓዘንና ስለዝኾንኩምን ደጊምና ልባዊ ምስጋናና እናቕረብና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ኣብ ሓመድ ድበ ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ ዝተረኽብኩም ብምሉእኩም ምስጋናና እናቕረብና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘንና ከምጽዓጸና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።

ምሉኣት ስድራቤት

ምስግና ባህታ 

በሊሕ ናይ በላሕቲ ‘ሳርያም ናበይ ደኣ ከድካ

እንታይ ደአ ሃወኸካ ግዜኳ ዘይሃብካ

ንመን ደኣ ገዲፍካላ እታ ትፈትዋ ሃገርካ

ንመን ደኣ ሂብካዮ ነቲ ተፍቅሮ ህዝብኻ።

             ኣየ ሓንጎል፡ ኣየ ራእይ፡ ኣየ ትንተናታት

             ተውህቦስ ነይሩካ ናይ ጽሑፍ ድርሰታት

             እንታይ ደኣ ኾለፈካ ከይወዳእካ ገለጻታት

             ህዝብኻ ኮ ይጽብየካዩ ነይሩ ስለ ዘይረኸበ መልስታት።

እዝክር ኲሉ ናይ ግዜ  ሰብዓታት

 ማሕበር  ተመሃሮ ኣብ ምምስራት

ዝመራሕካዮ ዕዉት ቃልሲ ብብቕዓት

ዘዳለኻዮ ብሱል ትሕዝቶ መጽሔታት።

                          ዝቐጸለ ቃልሲ ናይ ጀብሃ ውሽጣዊ ስርርዓት

                          ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ኣብ ኲሉ ቤት ትምህርታት

                          ብዝንኣድ ፓለቲካዊ ብስለት ክልሰ-ሓሳባዊ ብቕዓት

                          ኣተኣሳሲርካዮ ኢኻ ምስ ናይ ጀብሃ ገስጋሲ መደብ-ዕዮታት።

ጻውዒት ሃገር ኣኺሉ ናብ ሜዳ ምስ ወጻእካ

ነቲ ክውንነት ውድብ ብወድዕነት መዚንካ

ብስምዒት ጥራይ ምቅላስ ጎዳኢ’ዩ ቢልካ

ብብስለትን ጥርናፈን ንለውጢ ምቅላስ  መኺርካ።

                                     ንስምረት ውድባት ዘበርከትካዮ ግዴታት

                                     ምስክር እዩ ዝጽሓፍካዮ ኲሉ ዓንቀጻት

                                      ዘቕረብካዮ ናይ ልዝብ ሃናጺ ርእይቶታት

                                     ዘይሕከኽ እዩ ካብ ናይ ታሪኽ መዝገባት።

ናይ ክፍሊ ዕዮ ዜና ፈጻሚ ኴንካ ብብቕዓት ተመሪጽካ

ብብሱል ጽሑፋት ንህዝብና ኣነቓቒሕካ

ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ’ውን ምዕባሌ ኣበርኪትካ

ብሉጽ ዕዮ ፈጺምካ ኢኻ ታሪኽ’ዩ ምስክርካ።

                                ጒዕዞ ስምረት ፋሕ ኢሉ ምስ ኮነ ሕድሕድ ኲናት

                                 ሃገራዊ ሓይሊ ምድምሳስ ዝተገብረ ውዲታት

                                ንኲሉ ዘሕዘነ ሃገራዊ ውድቀታት

                                እንሆ ሕጂ ጎሊሁ ይርአ’ሎ ዘኸተሎ ሳዕቤናት።

   ጅግና ሰራዊት ሓርነት ዝበደሎ ዘይብሉ

   ተወሳኺ ቅንጸላታት ሰብ ራሳይ ኣውረዱሉ

   ዕልዋ ያኢ መፍትሒ ተባሂሉ

   ጅግና ብጻይካ  መልኣከ ዝተሰውኣሉ።

                                          እዚ ኮይኑ ምስ ኣምራሕካ ናብ ስደትካ

                                          ካብ ተፍቅሮ ህዝብኻ እተፈትዋ ሃገርካ

                                          ተፈሊኻ ከም ስደተኛ ምንባር ስቓይ ስለ ዝኾነካ

                                          ብዙሕ ኣይሰለጠካን ኣብ ዳሕራይ ግዜታትካ።

      በቲ ብሉጽ ሓንጎልካ ደሊብካ ዝያዳ ፍልጠት

      ክትመርሕን ክትምህርን ኣብ ዩኒቨርሲታት

      ከተመስክር ምዃንካ ናይ ኣፍሪቃ ኲርዓት

      ክትጽሕፍን ክትገጥምን ዝነበረ ባህግታት

      ከይፈጸምካ ምኻድካ’ዩ ዘሎና ጣዕሳታት።

                                         መደምደምታ  ምዕራፍ ናይ  ቃልሲ ህይወትካ

                                         ክትፍጽም ካብ ዝነበረካ ድሌት ተኾሊፍካ

                                         ካብ ኮነስ በል ስኽፍ ኣይበልካ

                                         ዘዂርዕ ታሪኽ ገዲፍካላ’ኻ ኤርትራ ሃገርካ።

      ሓንቲ መዓልቲ፡ ራኢኻ ኮነ ሕልምኻ

      ናይ ሓራን ብልጽግትን ኤርትራ ሃገርካ

      ክርኢ’ዩ እቲ ውጹዕ፡ ብዱል ህዝብኻ

      ምኻድ ካብ መረጽካስ፡ ዕረፍ ብሰላምካ።

           ካብ ብጻይካ ምስግና ባህታ 

ጸጋይ ነጋሽ

ዓዲ-ዃላ ሰሚዓዶ መርድእ ዕረፍትኻ

ከተማኣ፡ ስግር ማይ-ላፎኣ ውዒላቶ`ዶ ቀብርኻ፣

ደንጎሎ (ማይጻዕዳ)፡ በጺሕዎም`ዶ መኣውይቲ ስንብታኻ።

ምድሪ-ፈላሲ፡ ደቂ-ቦኽሪ ዓይላ-ጉንደት

ቆሓይን፡ እንዳዝማች- ዑቕቢት

ማይ-ጻዕዳ-መራጉዝ፡ ተኸላ፡ ውዒሎም`ዶ ብኽተት።

ወለዶ ዓጽመ-ስጋኻ ዘሳፈሐ ከም ሮማዲ

ንኣካለ-ጉዛይ፡ ንሓማሴን፡ ዝጠርነፈ ስምዲ፡

ኣብ ሓመድ-ድበኻ ዝውዕሉስ ማእለያ ዘይብሎም ህዝቢ።

ሰሚዐን`ዶ ሳንጀርጆ፡ ሳንታ-ፋሚልያ

ኣርከባ`ዶ ኣብ ሓመድ-ድበኻ፡ ብጉያ-ጉያ፣

ቆልዓ ምህረይ ወልደማርያም፡ እቶም በዓል ቅያ።

ኣለኒ ዛንታ፡ ብሰፊሑ ዝዝንቶ

ጸኒሑኒ ታሪኽ፡ ምሁራዊ ኣበርክቶ፡

ናይ ወላዲኻ ፍልጠት፡ ዓሚቝ ትሕዝቶ።

ወሪሲካ`ኻ፡ ሰሚድካዮ፡ ቅኒት ወላዲኻ

ነቢበዮ፡ ``ስነ-ቅኔኣዊ ድፍንቕ`` ግጥምኻ

ኣጽኒዕካዮ ይበል ውርሻ! ` ት ውልቀ-ነጻነት ባህልኻ።

ኣንታ ሓወይ! ኣይተሃውኽካን`ዶ?

ነይሩካ እንድዩ ብዙሕ እትውርቖ እትስንዶ፣

ህይወት ከም ጽላሎት ከም`ትሓልፍ

ዘንጊዕካዮ እመስለኒ፡ ከም`ትብል ኩልፍ?

ተጸብየካ ነይረ ክትጽሕፍ ዘይተኸለሰ ታሪኽ

ስለዝፈልጥ ብርዕኻ፡ ንሓቂ ዘይትሓንኽ፡

 ቃልዕ ክኸውን `ቲ ዝነበረ ብድሆታት

ውድብ ኣፍሪሱ፡ ዘምረሐ ናብ ስደታት፡

ኔርካ `ውን ኣብ መብዛሕትኡ ርኽክባት ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ.

ውዒልካ፡ ተኻራኺርካ፡ ሰሚዐ፣

ኣብ ገድሊ ህዝቢ ኣንቢበዮ ነቲ ላህመቱ

ምህላዉ ግን ኣይስሕትን፡ ዝፈርዘመ ክስተቱ።

ተስፋማርያም፡ እወ፡ ተሃዊኽካ

የርክበሉ እንዳበልካ፣

ሒዝካ ግምሪ-ፍልጠት ዘይተበርበረ፡

እንታይ ክዓብሰልና፡ ምስኻ እንተተቐብረ?

ምስ ወያነ-ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ኢ.ፒ.ኣር.ፒ.

ንሃገር ወኪልካ፡ ዘቲኻ ዝፈረምካዮ ስድቢ፣

ኣይሰነድካዮን ከይትኸውን ተሰኪፈ-

                       ኣብ`ታ መጽሓፍካ `` ህያው ደብሪ .....``?

ስነ-ጽሑፋዊ ብቕዓትካ፡ ነባሪ ኣሰር

ሃንዳሲ፡ ናይ ምሕሳብ ብቕዓትካ ተኣምር!

ውስጠ-ሃንደበትካ `ውን፡ ተረዲአዮ

ኣብ`ታ ``ርእሰ-ዘተ፤ ምስ ጽሞና```  ግጥምኻ በጺሐዮ- ... ...

... ... ናበይ ደኣ ኢኻ ብድድ እትብል`ከ?

                                           ብሓደ ኣፊቱ!

                                                       ወፍ ከይበልካ?!

ብጻድቃን ኢለካ!

                ብርዒ ኣልዒለ`ንደ`የ፣

                                     ኣይፋልካ!!

ኰፍ`ሞ በል።

               ምህረይ ጽሞና፤ መዓልካ!!

ግጥሚ`ዶ፡ ቅኔ ከፍልሓልካ!!

ስንብታይ`ያ እዚኣ ኣይተስተዋሕዳ

ኣብ ዘይትምለሰሉ መገሻኻ፡ ይጽናሓካ ጻዕዳ።

                ሓውካ፡ ጸጋይ ነጋሽ

                                   04/08/2015

ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ብዓወቱ ሓጎሱ ከይወደአን፡ ብመስዋእቲ ደቁ ሓዚኑ ከይተደበሰን፡ መብጽዓ ስውኣት ተጠሊሙ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሕጊ-ኣልቦ ውልቀ ምሕደራ፡ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን መዳርግቲ ኣብ ዘይርከቦ ጭቆናን መግዛእትን ወዲቓ ትርከብ። እዚ ሕጊ-ኣልቦ ውልቀ-ምሕደራ’ዚ፡ ጸጋታት ሃገር ተጠቂሙ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ኣደልዲሉን ናይ ስለያ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩን፡ ስድራ-ቤታት ኣብ ምብትታንን ሃገር ኣብ ምዕናውን ኣብ ቀጻሊ ተግባር ተጸሚዱ ይርከብ።

ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ደርብዩ፡ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ንልዕሊ 23 ዓመታት ክትመሓደር ምግባር፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ብግፍዒ ምእሳርን ምሕቃቕን፡ ዓያዪ ዓቕሚ ሰብና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ብምቑራን ተስፋ ቆሪጾም ንኣደዳ ሕሱም ስደት ከምዝቃልዑ ምግባር፡ ነጋዶን ክኢላታትን ኣሰናቢዱ ሃገር ገዲፎም እንዳማቶም ሃገር ንኸማዕብሉ ምድፍፋእ፡ ጸጋታት ህዝብን ሃገርን እናመንዘዐ ኣብ ወጻኢ-ሃገር ባንክታት ብመሻርኽቱ ውልቀ-ሰባት ስም ከምዝቕመጥ ምግባር ወዘተ እዚ ኩሉ ገለ ኣብነታት መግለጺ ናይቲ ኣዕናውን በታንን ኣካይድኡ ኢዩ። ኣብዚ ቅንያት’ዚ እንሰምዖ ዘሎና “ምፍራስ ኣባይቲ” በብ ዓዱ (ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ጸሎት፡ዳዕሮቃውሎስ፡ዓዲ ቀይሕ ደቀምሓረ፡ሰንዓፈ፡ወዘተ..) ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ጸይቂ ኣካይድኡ ኢዩ። እቲ ዘስደምም ከኣ፡ ብልዕልና ሕጊ ዘይኣምን ክነሱ፡ ንኩሉ’ቲ ኣቀዲሙ ዝፈጸሞ ይኹን ሕጂ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራቱ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ መመኽነይታ፡ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ዝብል ጉልባብ ኢዩ። ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል ከምዝበሃል።

ተቐማጦ ዓዲ ቐይሕ ዘርኣይዎ ተቓውሞን መኸተን ከኣ፡ ሓደ መግለጺ ናይቲ ዝተገፍዐ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ግብረ-መልሲ ኢዩ። ብዘርኣይዎ ተባዕ መኸተ ከኣ ጀጋኑ ብኣኹም ተሓቢና ክንብሎም ንፈቱ። ንስድራ ቤት ምዉታት ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብለ። ይኹን’በር እዚ ኮነ ኢሉ ሃገር ኣብ ምዕናውን ህዝቢ ኣብ ምብራስን ተጸሚዱ ዝርከብ ስርዓት ብዝተበታተነን ዝተጎጃጀልን ቃልሲ ምምካቱ ዘይከኣል ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታት ዘረጋግጽን፡ ዲሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ዘውሕስን ፓለቲካዊ ሃዋሁዉ ንምፍጣር ዝሕግዝ ኩሉ ዝሳተፎ መሰጋገሪ መንግስቲ/ስርዓት ኣብ ሃገርና ክሳዕ ዝምስረት፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና፡ ፖለቲካዊ ፍልልያቱ ንጊዚኡ ኣወንዚፉ ጸጋታቱን
ዓቕምታቱን ኣወሃሂዱ ኣትሪሩ ክቃልስ የድሊ።ስለዚ ዋሕስ ዓወትና ስምረትና ካብ ኮነ፡ ንኣድማዒ ተቓውሞ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መጸዋዕታና ነቕርብ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማኣታትና
ኤ.ኣ.ሲ.ማ ቦርድ
ቦስተን፡፡

HAILEMELEKOT BITEW HAILE: JANUARY 15, 1953 – FEBRUARY 15, 2015

ዝኸበርኩም ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን እትርከቡ ቤተሰብን፡ ፈተውትን፡ ናይ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ኣብያተ-ክርስቲያናትን፡ ናይ ኤርትራ ማሕበረኮምን ንኹሉቲ ፍቑር ሓውናን ኣቦናን ሃይለመልኮት ቢቶው ካብ ዚሓመመሉ ግዜ  ክሳብ ዓሪፉ ሓመድ ኣዳም ዚለበሰላ እዋን፡ ዝገብርኩሞ ዘይስልኪ ጸሎት፡  ዘርኣኽሞ ወሰን ዘይብሉ ፍቕሪ፡ ዚለገስኩሞ ደረት ዘይብሉ ደገፍ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። 

ብኣካል ተረኺብኩም ይኹን ብስልኪ  ብጽሑፍተሳተፍቲ ናይ ሓዘና ምዃንኩም ብምግላጽ ዘጸናናዕኩምና፡ ምስጋናና ወሰን የብሉን።

የቐንየልና! ሕሰም ኣይትርከቡ::

ስድራቤት ኣቶ ሃይለመለኮት ቢቶው ሃይለ

 

We would like to sincerely thank our dear family, friends, all of the churches, and our community for your constant prayers, love, and support. There are no words that can express our gratitude for all that you have done. May God Bless You.

With Much Love,

Hailemelekot’s  Family



 ሐዳስ  ዓመት ናይ ሰላም ኩንልና ናይ ቅሳነት

 ናይ ፍትሒ ኩንልና ናይ ሓድነት

 ይ ኣክል በለና ናብራ ስደት

                                   ነዚ መሪር ስቃይ ዋሕዚ ናይ ስደትና

                                   ነዚ ሕሱም ህልቂት ብርሰት ናይ ህዝብና

                                   መዕገቲ ረኪቡ ስላም ክነግሰና

                                   ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላክ ይእለየልና

                                   ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላክ ይእለየልና

                                   ሰቃይ በዚሑ ጸምያ ሃገርና

                                   ብሒም ዘዝበለ ኣብ ጉድጋድ ዓፈና

                                   ነፍሲ ወከፍ ስድራስ ዝርንዛሕ ነቢዕና         

                                   ክሳብ ማኣስ ኢና ከነብር ከምዚልና

እዞም ኣረመናውያን ሕልናኦም ዝሸጡ

መራሕቲ ናይ ህግደፍ ዓበይቲ ወጣጡ

ኣብ ኩርሲ ኮፍ ኢሎም ንህዝቦ ዘጽንቱ

ብናይ ሐፋሻ ገንዘብ ከብዶም ዝተመጡ

 ብሕሰም ናይ ህዝቦም እፎይታ ዝረከቡ

ሸይቦም  ከለዉ ጽጉሮ ዘጽልሙ

ኣብ ምንዝርና ዝሓድሩ ከም ናይ ሓክሊ ድሙ

ኣብ ኣጋዱ ሰንበል ብዳንሲ ዝተሸለሙ

ግዜ  ይ ኣክል’ዩ ዘሎ ናበይ ከይትሃድሙ

                               ሃገርና በሪሳ ቆላ ምስ ከበሳ

                               ህዝባን እንስሳን ብሐደ በሪሳ

                               ሸቃ ላይ ጠፊኡ በዓል ሞደሻ ኣፈራዛ

                               ተማሃራይ ወጺኡ እቲ በዓል ቦርሳ

                               ሐረስታይ ከተረፈ እቲ ንእሹቶይ ጋሳ

                              ኣብ ክንዲ ህንጸትሲ መቓብር ናይ ሬሳ

ገረብ ከይንተክል ንዓኪመጽለሊ

መሬት ክይንግድብ ከይነፍሪ እክሊ

ገሌና ኣብ እስርቤት ኣብ ጉድጋድ ንበሊ

ገሌና ከም ጫማ ጉልበትና ይበሊ

ገሌና ትሑዛት ከም እስርቲ በቅሊ

ገሌና ንስደት እንጀራ ክንደሊ

ኣብ ዘይናትና ባሕሪ  ድማ ረጊፍና ከም ቆጽሊ

ህዝቢ ተዓፊኑ መሰል ሐቢምዎ

ውሉድ ካብ ውለዱ ብሓይሊ ፈልይዎ

ካብዚ ንክሃድም ባሕሪ ውሒጥዎ

ንሬሳ ውላዱ ንቡር ከሊእዎ

                   እዚ ናኢስዎስ ብደዐ ወሲክዎ

                 ነቲ ቅዋም ሃገር መይቱ’ዩ ኢሉዎ

                 ነዚ ብሊሕ ህዝብ ደንቆሮ ጌርዎ

ንናይ ባዕሉ ድካም ክኮኖ መሸፈኒ

ብ ኣሜርካ ይጅምር ይሰግር ናብ ወያኒ

ንሶም’ዮም   ወራር ጀሚሮም ዘተዓናቀፉኒ

እምበር ምትግባሩ መኣስ ጠፊኡኒ

ሕጂ ብዝሞተ ቅዋም ኣይትሕተቱኒ

ኽነዽፈልኩም ‘የ ንዓይ ብዝሕሸኒ

                ኣንታ እምበር’ ዶ ጥዑዩ እቲ ኣእምሮካ

                ገና እይፈለጥካያን ንነብስካ

                ሓላማይ’ዶ ሲዪንካ የእኪልካ ዝብለካ

                ክንዲ ስቅ ኢልካ ትጽብ ግዜካ

                ንቅዋም ክትቀብርስ ኣብ ሚድያ ወጽእካ
                ቅዋምስ ኣይሞተን ንስካ ኢካ መትካ
 

                መርድ ንዓኣቶም’ዩ ነቶም ደገፍትካ

 

ብፍረወይኒ  ገርግሽ