ናይ ሽምዓ ስነ-ስርዓት
2015-04-24 04:39:56 Written by ኣዳላዊት ሽማግለ Published in Community Center Read 4953 times
ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grass Roots Movement) ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ኣሓትና፥ የሕዋትናን ደቅናን ዘጋጠመ ናይ ባሕሪ ህልቂትን፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝተፈጸመ ብ ISIS ናይ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣሰቃቒ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንመወትቲ መንግስተ ሰማይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንስድራቤቶምን ፈተውቶምን ድማ ብፍላይ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።
ንግዳያት ናይ’ዚ ተደራራቢ ሓደጋታት’ዚ ንምዝካርን፡ ሓዘንና ንምግላጽን፡ ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነ-ስርዓት መደብ ኣዳልዩ ኣሎ።
ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነ-ስርዓት ዝግበረሉ ቦታ፡ 720 Hambrick Rd, Stone Mountain, GA 30083
ዕለት፡ ንቐዳም April 25, 2015
ሳዓት፡ 4፡00pm
ወገናትና ንምዝካር ዝተወሰነ ሳዓታት ካብ ግዜና ንሰውእ።
ኣዳላዊት ሽማግለ።