ጅግና ገዛኢ ኪዳነ ወዲ ኤረ

ድሃይካ ሰሚዔ ብወረ

ሰሚዖምዶ ስመጃና መደረ
ሓርበኛ ተቓላሳይ ብዓል ስረ
ሃገረይ ክብል ዝመደረ
ንመስል ህዝቡ ዝደኸመ ዝጸዓረ

ብምኽንያት ሞት ናይ ክቡር በዓል ቤተይ ዘቢብ ማና ግደይ ተኻፈልቲ ሓዘና ኮንኩም ብኣካል፡ ብተሌፎን ኮነ ብኢመይል ንዓና ከተጸናንዑን ከተበራትዑን ዝጸናሕኩም ቤተሰብን፡ ፈተውትን፡ ኣዕሩኽን፡ ናይ ዓላማ ብጾትን ኩሉኹም ምስ ክቡራት ደቀይ ኮይነ የቐንየልና እብል። ሕሰም ኣይትርከቡ።

ኣስካሉ ኣብራሃም

በዓልቲ ቤት ነፍሲሄር ዘቢብ ማና ግደይ

ኮሎምቦስ, ኦሃዮ

ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን                

 

ዕድመንኩሉኤርትራዊደላይሰላምንፍቅርን

ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 1, 2019 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም። ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12 ፋዱስ ኢዩ።

ብደሓን ምጹ!

ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!

ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE. THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.

WELCOME!

DATE JUNE 01, 2019

LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)

                         1600 SENTER ROAD

                         SAN JOSE, CA 95112

PRAYER TIME: 12:00 P.M.

PROGRAMS INCLUDE CHILDREN AND ADULT ACTIVITIES.

PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.

THE BAY AREA CATHOLIC COMMITTEE

ሓርበኛ ዘቢብ ማና ግደይ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ማና ግደይን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ለተንኪኤል ገብረመድህንን ኣብ መስሓል-ወደከለ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ቦኽሪ ናይ 6 ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኑ ጥሪ 1955 ዓመተ ምህረት ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ኣብ ትምህርቲ ተሳቲፉ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ ካላኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዳግማዊ ምነሊክ ኣዲስ ኣበባ አንዳተማሃረ እንከሎ ድማ ከም ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ በቲ ሽዑ ዝነበረ ውዕዉዕ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ምልዕዓል ብመግዛእቲ ዘይጻዓድ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ስለዝሓደሮ ትምህርቱ ጠንጢኑ ብ1976 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ተጸምበረ። ምስ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ኮይኑ እንዳተቓለሰ እንከሎ ድማ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ቅልጡፍ ወትሃደራዊ ዕብየት ኣርእያ ካብ ናይ ደረጃ በጦሎኒ ናብ ብርጌዳዊ ስርርዕ ስለእተሰጋገረት ሓርበኛ ዘቢብ’ውን ኣብ ብርጌድ 44 ናይ 2ይቲ ቦጦሎኒ ናይ ከቢድ ብረት ተኳስን ኣተኳስን ኮይኑ ብተወፋይነትን ትብዓትን ተቓሊሱ። ፍልይቲ ናይ ከቢድ ብረት ብርጌድ (ብርጌድ 19) ምስ ተመስረተት ድማ ካብ ብርጌድ 44 ተሳሒቡ ምስ ብርጌድ 19 ኮይኑ ክሳብ ተ.ሓ. ኤ. ብናይ ሕድሕድ ውግእ ተደፊኣ ሱዳን ትኣቱ ብትብዓት ክቃለስ ጸንሐ።

ብ1982 ዓመተ ምህረት ግን በቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ቅድም ናብ ፖርት ሱዳን፡ ድሕሪኡ ድማ 1984 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሎስ-ኣንጀሎስ መጸ። ኣብ ሎስ-ኣንጀሎስ ካሊፎርንያ አንዳሰርሐ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ኣስካሉ ኣብራሃም ብምምርዓው ድልዱልን ምውቕን ሓዳር መስረቱ። ብፍቓድ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ክልተ ጽብቛት ቆልዑን 6 ደቂ-ደቁን ንኽርኢ ተዓደለ። ሓርበኛ ዘቢብ ምስቲ ኩሉ ናይ ስደት ሃለኽለኽን ናይ ስድራ ሓላፍነት ግን እቲ ብጊሓቱ ዘንቀሎ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ባህጊ ከይረሰዐ ሰላማውን ዲምክራሲያውን ቃልሱ ምስ ጨናፍራትን ዞባታትን ናይ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡውን ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብተወፋይነት ንሃገሩ ከገልግል ዝጸንሐ ውፉይ ተቓላሳይ ነይሩ። ዘቢብ ብቤተሰቡን ፈተውቱን መቓልስቱን ፍትዊ፡ ርህሩህን ዓቃልን ነይሩ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ግን ብስድራቤቱን ብሆስፒታልን ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ቀዳም ግንቦት 12, 2018 ኣብ ግራንት ሆስፒታል ስድራ ቤቱ ኣብ ዘለውሉ ዕለትን ሰዓትን ብሰላም ዓሪፉ። ናይ ዘቢብ መስዋእቲ ንበዓልቲ ቤቱን፡ ደቁን ደቂ-ደቁን፡ ናይ ቃልሲ ብጾትን ዓቢ ክሳራ እዩ። ንዕኡ መንግስተ ሰማያት፡ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ደቂ-ደቁን ብጾቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም።

ቦታ ናይ ሓዘን፡St. Mary Eritrean Tewahdo Orthodox Church, 1415 Sunbury Rd, Columbus, OH 43219

ሓመድ ኣዳም ዝለብሰሉ ዕለት፡ ቀዳም ዕለት 19, 2018 ኮይኑ ፍትሓት ልክዕ ሰዓት 7፡45 ቅ.ቀ. ኣብ ቅድስተ ማርያም ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ክካየድ እዩ።ፍትሓት ድሕሪ ምፍጻሙ ድማ ናብ ቦታ ቀብሪ 10፡00 ቅ.ቀ. ጉዕዞ ይኸውን።

ሓመድ ኣዳም ዝለብሰሉ ቦታForest Lawn Memorial Gardens

ኣድራሻ፡ 5600 E Broad St, Columbus, OH 43213

የቐንየልና / ሕሰም ኣይትርከቡ። ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ ናብ’ዘን ዝስዕባ ቁጽሪ ተሌፎናት ደዊሉ።                

614-668-2846         614-441-2913             614-559-9999

ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣሓት ፡ መሓዙት ፡ መታዓብይቲ ፡ፈተውትን መሓዙት ኤርትራውያን ፡ ደቂ እዚ ክቡር ብሉጽ ባህሊ ምትሕግጋዝን ምድንጋጽን ኤርትራዊ ባህሊ፡

Hiwet 24.03.2018

ንነብሰሄር ሂወት ጸሃየ ቀለታ ካብ ጊዜ ሕማማ ጀምርኩም ክሳብ ዕረፍታ ዝገበርኩሞ ሓያል ሰናይ ሓልዮትን ምጽንናዕን፡ ብዘይሕለል ዉፉይ ድኻምን ትሕዝቶን ብልቢ ኣመስጊና ፡ ጻማኹም ካብ ልዑል ፈጣሪ ረኸቡ። እቶም ኣካል ኣብ ምፍናዋ ዝነበርኩም ኩልኹምን ካበየ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንስልኪ ብኢመይል ዘጻናናዕኩምና ሕሰም ይትርከቡ።

ንነብሰሄር ሂወት ፈጣሪ ኣብ ለምለም ገነቱ ይቀበላ ፡ ንዝተረፍና ከኣ ፍቅርን ዕድመን ሂቡ ጽንዓት ይሃበና።

ስድራ ቤት

በዓል ሰራዊት ሓርነት (ቶጎሩባ) ኣብ ፍራንክፈርት

ንቀዳም ዕለት 17.03.2018 ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሰዓትን ቦታን ብምኽንያት መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ቶጎሩባ)፣ ብምትሕብባር ኣብዚ ከባቢ ዘለው ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ (ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቕስቃሳትን ነጻ ኣካላትን) በዓል ከነካይድ ምኻና ንሕብር።

እዚ በዓልዚ ነቲ ብዕለት 15.3.1964 ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ተጋደልቲ) ኣብ ቶጎሩባ ናይ መጀመርያ ተኺል ውግእ ምስ ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኤትዮጽያ ዘካየደሉን ዝተዓወትሉ (ብብርክት ዝተሰውእሉን) ከም ሲምቦል ዝተወስደ መዓልቲ ይኹንምበር፣ ነቲ ኩሉ ብድሕርኡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተእምራታዊ ናይ ጅግንነት ውግኣት ዘካየደን ኣብ መጨርሻ ዲማ ነጻነት ዘምጽኤን ኩሉ ስውእን ህልውን ጅግና ሰራዊት ሓርነት ውድባት ኤርትራ ንዝክርሉ መዓልቲ እዩ።

ድሕሪ ሕጽር ዝበለ ፖሊቲካ መደብ ክሳብ እቲ ተጥቒሱ ሰዓት ባህላዊ ምሸት ክካየድ እዩ። ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ በዓልዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ዝግበረሉ ዕለት ፡ ቀዳም ዕለት 17.02.2018

ዝካየደሉ ሰዓት ፡ ካብ 15፡00 ክሳብ 24፡00 (ፍርቂ ለይቲ)

ዝግበረሉ ኣዳራሽ ፡ ሳልባው ፈሸንሃይም

 SAALBAU TSG-Halle Fechenheim

Pfortenstrasse 55
603863 Frankfurt am Main
                                                                                                                                                                                              

ሓበረታ ብባቡር ትመጹ፡

ብሽትራሰንባን ቁጽሪ 11 (Straßenbahn 11) ናብ ፈሸንሃይም ሺስሁተን ሽትራሰ (Fechenheim Schießhüttenstraße) ገጽ ትኸይ ድሒዝኩም ኣብ ካሰሽትራሰ (Cassellastrasse) ወሪድኩም ብየማንኩም ዘሎ ጽርግያ ለኦጋንስሽትራሰ (Leo-Gans-Starsse) ክሳብ መጨርሻ (ኣስታት 700 መትሮ) ምስከድኹም ዝርከብ ናይ ዛልባው ኣዳራሽ እዩ።

ብድሓን ምጹ

ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን

 በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲመክራስያዊ ለውጢ ንሓድሽ ዓመት 2017  ብውዕዉዕን ሐድሽ መንፍስን ተቀቢልዋ።እቲ ከምቲ  ወትሩ  መእተዊ ድሮ ሓድሽ  ዓመት  ዝገብሮ ናይ ምዝንጋዕ መደቡ ሎሚ ዓመት እውን ዝተፈላለዩ  ሙዚቀኛታት ብምድላው ኣማኢት ህዝቢ ዝተሳተፎ   ዕዉት ምሸት ኒሩ። በይ  ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ  ንኩሉ ደላይ ለውጢ  ፍልልያቱ ብዘይ የገድስ ኣብ ሓደ ጽላል ብምጥናፍ  ኣብ ኤርትራ ሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምንጋስ  ዝቅለስ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።እዚ ህዝባዊ ምዕበል' ብህዝቢ ዝተመርጹ  7 ቀወምቲ 2 ዳማ ተጠባበቅቲ  ኣባላት ቦርድ ዘለውዎ ህዝባዊ ማዕበል እዩ። በዚ ሕጋዊ ኣስራርሓ እዚ ድማ  ወርሓዊ ኣኬባታቱ  ርብዓዊ  መንፍቃዊን ዓመታውን ገምጋም ሰርሑ ናብ ህዝቢ  ብምቅራብ  ኣወንታውን ኣሉታውን ጎንታቱ ምስ ህዝቡ  ይግምግም።  ኣብ  ከክልተ ዓመት ድማ  ጉባኤኡ ብምድላው ኣባላት ቦርዱ ይቅይር  

 

በይ ኤርያ  ኣብ ዓመት    5 ህዝባዊ ሃገራውን  ባዓላት የዳሉ ። ከከም ኩነታቱ  ብምዝንጋዕን ብሰሚናራትን  የብ ዕሎም   በይ ኤርያ  ኣብዚ ምንቅስቃስ  እዚ ተጠርኒፉ ኣንጻር  ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ንለውጢ እጅሙ ከበርክት ንዝደሊ ኩሉ  ማዕጽ ውርትሩ ክፉት ምካኑ ይሕብርን ኩሉ ተሳትፉ ከረጋግጽ ድማ ይጽውዕ።


እንቢ ንምልኪ!!
እወ ንፍትሒ!!
በይ ኤርያ ንዲሞክራስያዊ  ለውጢ