ብ29 መስከረም 2023 ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ሰሚናር ኣካይዱ። ሰሚናር ኣገዳስነት ውጽኢት ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊን ዝሓለፎ መስርሕን ንተሳተፍቲ ንምብራህን ክውረስ ዘለዎ እወንታዊ  ልምድታት ንምሕባር ዝተጸውዐ እዩ ነይሩ።

ኩሉ’ቲ ኣብ ምስንዳኣ ጉባኤ ዝተኻየደ ዕማም ኣብ ሓደ ሰሚናር ገሊጽካ ክጠቓለል ዘይኽእል ብምዃኑ ግን፣ ብጻይ ገረዝጊሄር ነቲ ቀንድን መሰረታውን ዝኾነ ትሕዝቶታት ቅዋምን ሓደስቲ ውሳኔታትን ጉባኤ እዩ ብድምቀት ኣቕሪቡ።  ኣብ  መገለጺኡ ብቕዋም መሰረት ቅድሚ ዓmeት ብዝጸንሐ ማእከላይ ባይቶ ዝቆማ ኣሳናዳኢትን  ሓጻይትን ሽማግለታት ካብ ምድላው ሰነዳት ጀሚርካ ክሳብ ብኣባላት ሰልፊ ዝተረቑሑ ልዕሊ ቴስዓ ዝኾኑ ሕጹያት ንምጽራይን ዝሓለፈ ቅዋማዊ መስርሕ ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፣ ኣብቲ መስርሕ መሪሕነታዊ ሕጸ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንዘይቀረቡ ባእታታት፣ ጉባኤኛታት ክረቑሑዎም ከምዝኽእሉን ንቕቡልነቱ ክማላእ ዘለዎ ዓንቀጻት ካብ ሕግታት ሰልፊ ምህላዉ’ውን ኣብሪሁ።

በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ መረጻ መሪሕነት ድማ 35 ኣባላት ምስ 5 ተጠባበቕቲ ዝቑጽሩ ማእከላይ ባይቶ ከምተበርጸን፣ ነፍሲ ወከፍ መራጺ ግን፣ እቲ ንሱ ዝደልዮ እዩ ተመሪጹ ክብል ከምዘይክእልን፣ ዲሞክራሲ ድማ ንዝደለኻዮ ዘይኮነስ፣ ንዘይደለኻዮ እውን ኣኽቢርካን ተቐቢልካን ክትጓዓዝ ምስትኽእል’ያ ትረጋገጽ ምባሉ ይጥቀስ። በዚ ከኣ ኩልና ኣብ ነፍስናን ኣብ ውድባትናን ንዘቆምናዮ ሕግታትን ስምምዓትን ኣኽቢርና ክንከይድ ምስእንኽእል እዩ ድማ፡ ጽባሕ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያ ከነተግብር ዝካኣል ክብል ኣብሪሁ።

ንውሳኔታት ጉባኤ ብዝምልከት ብዝርዝር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ብምሉእ ስለዘሎን ከይነውሓናን ብዛዕባዚ ዘሎ ህልዊ ኲነታት ንምጥቃስ፣ ሰዲህኤ፣ኣብ ህዝባዊ ናዕቢ/ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ዘለዎ ኣመለኻኽታ፡ „ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐድኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን ሰዲህኤ የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ፡ ንህግደፍ ካብ መንግስታትን ህዝበንን ብዝንጽል፡ ብዘይምዝመዝ ኣገባብ ክቕጽል የተባብዕን፡ ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ፡ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጉባኤ ጸዊዑ“ ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ፖሊሲ ዝምድናታትን ኣጠቓቅማ ወደባትን ዝብሉ ነጥብታት ካብ ውሳኔታት 4ይ ጉባኤ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።

ኣብ መጠረስታ፣ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ በርጌድ ንሓመዱን ኣጠቓቕማ ወደባትን ብዝምልከት ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣገደስቲ መልስታትን መብርህን ከቕርብ ከሎ፡ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ኣኼባ ኣብዚ ናይ ኣቦ መንበርነትካ ግዜ፣ እንታይ ክትገብር ኢኻ ትብህግዝብል ሕቶ ቀሪቡ፣ኣነ እንተኰይንለይ፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሑ፣ ብሓደ ቃልን ድምጽን እንቐርበሉን እንቃኣለሰሉን መድረኽ ክፍጠር፡ ካላኣይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ንሕና ንዓቢ ኣለና። ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ቦታታት ተኪኦም ዘካይዱን ዝመርሑን መንእሰያት ክንምልምልን ክሕዝዎን እሞ፡ ህዝብና ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ሓሳረ መከራ ክገላገል እየ ዝብህግብዝብል መልሲ ብጻይ ገረዝጊሄር  ሰሚናር ተደምዲሙ    

ቅድሚ ክልተ ዓመት እስራኤል ዓሰርተታት ኣሽሓት ሸከል ንኤምባሲ ኤርትራ ምኽፋላ ተሓቢሩ። ላዕለዎት ሰበስልጣን ሰብ መዚ ህዝብን ኢሚግሬሽንን እስራኤል፡ እቲ ገንዘብ ነቶም ካብ እስራኤል ብድልየቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተሰማሚዖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሳለጢ ሰነዳቶም ዝዓለመ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። እቲ ምስግጋር ናይ ሰነዳት ኣብ መንጎ እቲ ትካልን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂን ዘሎ ርክብ ዘርኢ መርትዖ እዩ ተባሂሉውን ይዝረበሉ።

እዚ ገንዘብዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝቢ፤ ኢምግረሽንን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ነቲ መደብ ንምስልሳል እስራኤል ንኤምባሲ ኤርትራ ዝኸፈለቶ ከምዝኾነ ምርግጋጾም ሃረትዝ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ብዕለት 25 መስከረም 2023 ኣብዝወጸ ሕታማ ገሊጻ‘ላ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኤርትራ እታ ሓንቲ ንዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ካብ ትካል ኢሚግሬሽን እስራኤል ገንዘብ ዝረኸበት እንኮ ሃገር ከምዝኾንት‘ውን እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።  እቲ ትካል ነዚ መስርሕ ብዝምልከት ካብ‘ታ ማዕከን ዜና ሃረትዝ ንዝቐረበሉ ወኸሳታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣  ገና እቲ ግዳይ ግዜ ዝወስድንንሳምንታት ኣኼባታት ብምክያድ ብዝርዝር ክዝረበሉ ከምዝኾነ‘ውን ኣካያዳ ናይቲ ትካላ ገሊጹ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፣ እቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ  ኣካያዲ ስራሕ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፣ ውሳኔታት ክወስድ ነጻነት ስለዘይብሉን ስለዘይክእልን፣ ካብ ኣስመራ ቀጥታዊ መምርሒታት ከምዝጽበን ከምዝቕበልን  ምንጭታት  እስራኤል ጠቂሱ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት 23 ክሳብ 24 መስከረም 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ዝተመርሐ መቐጸልታ ቀዳማይ አኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣብ መክፈቲ ናይቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰልፊ ንተገዳስነትን ተሳትፎን ኣባላት ድሕሪ ምምስጋን፣ ኣብ ሰልፋዊ ኮነ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ትስፉው መጻእን ናይ ስራሕ ኣሳልጦን ዘለዎ ባህጊ ገሊጹ።

ኣስዒቡ፣ ድሕሪ መረጻ ፈጻሚ ሽማግለን ብዓንቀጽ 5.14.6 ቅዋማዊ ናይ ርኽክብ ግዜን መሰረት፣ ሓድሽ ፈጻሚ ሽማግለ ምሉእ ናይ ስራሕ ርኽክብ ድሕሪ ምስልሳሉ ፈጺሙ ንመጀመርታ ግዜ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ ብምዃኑ፣ ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣኼባ ዝተጸዋዓሎም  ሰለስተ መሰረታዊ ጉዳያት መብርሂ ብምቕራብ’ዩ ተጀሚሩ።

በቲ ዝተታሕዘ ኣጀንዳ መሰረት፣ እቲ ቀዳማይ ነጥቢ፣ብዓንቀጽ 7.1.1 መሰረት ንመረጻ ጠቕላላ ተቆጻጻሪ ገንዘብን ንብረትን ሰልፊ ዝምልከት ክኸውን ከሎ  ኣብቲ ክፍሊ ብዝጸንሐ ናይ ስራሕ ጽፈትን ኣሰራርሓን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ማእከላይ ባይቶ ሓው ፍጹም ኢሳቕ ጠቕላላ ተቆጻጻሪ ሰልፊ ኮይኑ ንኸገልግል ማእከላይ ባይቶ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ቀጺሉ ዝሳዓበ ኣጀንዳ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ ጽሕፈት ሰልፍን ምቛም ምምሕዳራቱን ኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ብዘቕረቦ ንድፊ መሰረት፣ ክሳብ ነሓሰ 2024 ዘሎ ግዜ ከዐውቶም ዘለዎ ናይ ርሑቑን ናይ ቀረባን ትልሚ ትግባረ ዕማማትን ዝረቑሖም መሳርሕቱን  ኣብ ኣኼባ ባይቶ ምስ ዝርዝር መብርሂታት ቀሪቡ። ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብትሻዓተ ኣብያተ ጽሕፈታት ንዝቐረበ ዓመታዊ መደብ ዕዮ፣ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ምስ ዝቐረቡ ተወሰኽቲ ሓሳባትን ምምሕያሻትን ኣጽዲቁ። ብናይ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ለበዋታት መሰረት ድማ ኩሉም ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ካድራት ሰልፍን ብኽእለቶምን ሞይኦምን ኣብ ዘፍርይሉ ትካላት ክምደቡ ከምዝግባእ ባይቶ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ማእከላይ ባይቶ፣  ነቲ ዳርጋ 4 ዓመታት ዝወሰደ ልዝብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ሓምለ 14.2023 ግዝያዊ ሓባራዊ መሪሕነት ንምቛም ዝበጽሖ ስምምዕን፣ ኣገዳስነቱ ኮነ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ዘለዎ ዕዙዙነት ኣብ ግምት ብምእታው ሰፊሕን ግዜ ዝወሰደን ክታዓት ኣካይዱ። ምዕዋት መስርሕ ሓባራዊ ስራሓት ዋላ’ኳ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ እንተኾነ፣ ማእከላይ ባይቶ፡ ንዝተኻየደ ጻዕርታት ንኢዱ፡ ክሳብዚ እዋ’ዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ንዘሎ ስምምዓት ቅኑዕ መዋጽኦ ኣብ ጉዕዞ ሓባራዊ ስራሓት ምዃኑ ድማ ርእዩ። ማእከላይ ባይቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ወጽዓ ንላዕሊ ክጸውር ስለዘይክእልን ማዕረ ድልየቱን ድሕነቱን ንምስጓም፡  ዝተበጽሐ ስምምዓት ንድሕሪት ከይምለስን ንዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ንምውጋድን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካኣሎ እወንታዊ ግደ ንከበርክት ከይተሓለሎ ክጽዕር ከምዝግባእ ኣተኣማሚኑ። ኣብ ምቅልጣፍ ምቛም ሓባራዊ ግዝያዊ መሪሕነት ንዝተቐልቀሉ ናእሽቱ ጸገማት ክስገሩን ክሳብ ክንደይ እዮም ማዕረ ድልየትን ባህግን መላእ ህዝቢ ዝስርዑ ንዝብልውን ኣስተብህሎ ከምዝደሊ ኣኼባ ኣገንዚቡ።

መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ኣብዚ ከይተደርተ መሊኡ ንኽዕወትን ውድቐት ህግደፍ ንምቅልጣፍን፣ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተሰማማዓሉ መቆሚታት ዝቕበል ኩሉ ተቓዋሚ ኣካል፣ ክሳተፎ ተደላይነት ከም ዘለዎን ጻዕርታት ክግበር ከምዝግባኣን’ውን ኣኼባ ባይቶ ገምጊሙ።

ኣብ መጠረስታ፣ ማእከላይ ባይቶ ሓገዝቲ ናይ ስራሕ ለበዋታትን ተወሰኽቲ ሓሳባትን ብምቕራብ እዩ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ሽቱትጋርት ሃገረ ጀርመን፡ ቅድም ን16፡ ደሓር ድማ ን23 መስከረም 2023  ብጉልባብ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ፡ ሕማቕ ምስሊ ህግደፍ ዘጸባብቕ ምልዕዓል ክነዝሓሉን ኣታዊ ከኻዕብተሉን መዲብዎ ዝነበረ ኣኼባ፡ ክቕጽሎ ከምዘይከኣለ ብ20 መስከረም 2023 ብዘውጸኦ ምልክታ ተኣሚኑ።

እቲ ዝተዘርገሐ፡ ኣኼባ ናይ ምስራዝ ምልክታ፡ መራሕቲ ማሕበረ-ኮም ሽቱትጋርት፡  ነቲ ብህዝባዊ ማዕበል ኤርትራውያን ዘጋጠሞ ተቓውሞ ሓቢኡ፡ ከም ምኽንያት ዝጠቐሶ፡ ኣብ ነባሪ ነውጺ ተፈጢሩ ስለ ዘሎ፡ እዚ ክሳብ ዝሓዊ ከቋርጾ ከም ዝተገደደ ኣስፊሩ። ነቲ መደባቱ ክስርዝ ዘገደዶ ተረኽቦ ከኣ፡ ስምዒት ህዝቢ ብምምዝማዝ  “ምስሊ ኤርትራ ዝድውን” ብዝብል ክገልጾ ፈቲኑ። ስምዒት ናይቲ ዝተሳዕረ ኣባል  ማሕበረ- ኮም ንምሕዋይ ብዝመስል ከኣ፡ “ኣብ መጻኢ ጽንብልና ከይነካይድ ዝዓግተና ሕጊ የለን”  ዝብል ኣደዓዒሱ በቲ ምልክታ ክምእዘዙ ጸዊዑ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ተመዲኡ ዝነበረ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ህግደፍ፡ ተቓውሞ ህዝባዊ ማዕበል ኤርትራውያን ኣብ መድረኽ ሕጊ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ ክስረዙ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ኦሞሓጀርን ጎልጅን፡ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ዝኣተወ ቢራ ኣከፋፊልኩም ብዝብል ምኽንያት ነጋዶ ከም ዝእሰሩ ሬድዮ ኤረና መንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ቢራ ናብ ኤርትራ ብብዝሒ ብጽዕነት ኣእዱግ እዩ ዝኣቱ። በቲ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ፡ ብዘይካ ቢራ፡ ጽማቕ ፍረታት፡ ጸባ፡ ብስኩት፡ ጣፍ፡ ዘይትን ካልእን ከም ዝኣቱ’ውን ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ቀንዲ ተሳተፍቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራኳ እንተኾኑ፡ ናይ ማእሰርቲ ግዳይ ዝኾኑ ግና ወነንቲ  ናእሽቱ መከፋፈልትን ባራትን እዮም። ክሳብ ሎሚ ኣብ መንጉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕጋዊ ናይ ዶብ ንግዲኳ እንተዘየለ፡ እቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ካብ ሰሜን ትግራይ ክሳብ ሑመራ ሰራዊት ኣብ ዝዓስከረሉ ንቑጣታት እዩ ዝካየድ።

ብፍላይ ድማ በቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ፋኖ ኣምሓራን ዘሎ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ምስ ከተማታት ኤርትራ ተሰነይ፡ ጎልጅን ኦመሓጀርን ኣብ ዘራኽብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ብሰፊሑ ዝጥቀምሉ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝካየድ ምዃኑ ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ከባቢ ናይ ኢትዮጵያ ብርን ናይ ኤርትራ ናቕፋን ብሓባር ከም ዝንቀሳቐስን ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ  ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ  ገንዘብ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ከም ዝእሰሩን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ክከታተል፡ ብ17 ታሕሳስ 2021 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ ዝተመዘዘ ኮሚስዮን ኮሚሽነር ራድሂካ ኮማራስዋሚ ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ዝፍጸም ብሓፈሻ ገበን፡ ብፍላይ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን፡ ቀጻሊ ከም ዘሎ ከሲሶም። እቶም ኮሚሽነር ነዚ ክሲ ዘቕረቡ፡ ብ18 መስከረም 2023 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ። ኣብዚ መግለጺኦም ፈደራል መግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ስቕታ ምምራጹ ከም ምድጋፍ ነቲ ዝፍጸም  ገበናት ዝውሰድ  ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ካብ ዝኽተም ናብ ዓመቱ ዝገማገም ዘሎ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ድምጺ ጥርይኳ እንተ ኣዕገሰ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢቲ ክልል ዝፍጸም ከበናት ከቋርጽ ስለ ዘይከኣለ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሰላም ዘይጭበጥ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ኮሚሽነር ናይቲ ዓለም ለኻዊ ኮሚሽን  ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ናይቲ ኮሚስዮን ጸብጻብ፡ ረቂቕን ስልታውን ጥሕሰት ሰብኣዊ ሕግታትን ፍጻመ ዓመጽን  ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን  ኣብ ትግራይ ቀጻሊ ከም ዘሎ ኣብ ልዕሊ ምርግጋጹ፡ ብኣንጻሩ እቲ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ይልሕም ከምዘሎ ኣስፊሩ። ተግባራት ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣለኒ ንዝብሎ ሰብኣዊ ቅሩብነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እውን ዝጻረር ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኩነታት ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣጠቓላሊ ሃለዋት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከም ዘሰክፎ እውን ኣይሓብኣን

ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ኣብ ስዊዘርላንድ ኦፊኮን ኣብ እትበሃል ከባቢ ኣውራጃ ዙሪክ፡ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ምግጫዎም ናይታ ሃገር ኢሚግሬሽን ከም ዝገለጸ፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማርን ተንታንን ነባር ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ሓቢሩ። እዚ ተረእዮ ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢሚግረሽ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም እውን ማርቲን ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ጸሓፊት ኢሚግረሽን ስዊስ ነዚ ተረኽቦ ብዝምልከት ተሓቲተን፡ ብቑጠዐ “ቀይሕ መስመር ዝጠሓሰ ተግባር እዩ” ኢለን፡ እዚ ንሃገር ስዊዘርላንድ ዘይጠቅምን ዘይምልከታን ተግባር “ኣብ መሬትና ምፍጻሙ  የተሓሳስበኒ” ከም ዝበላ ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ጽሑፉ ጠቒሱ። እተን ጸሓፊት ኣተሓሒዘን ህውከት ዝፈጥር መድረኻት ፈስቲቫል ተቐባልነት ከምዘየብሉን ምስ ዝኣምኑ ኣካላት ኮይነን ንምቁራጹ ከም ዝሰርሓን ምግላጸን እውን ተፈሊጡ።

ብድሕሪቲ ህውከት ዘስዓበ ፈስቲቫላት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ወደብቲ ኣካላት ከም ዘለዉን ነቲ ኣጋጣሚ  ከም መእከቢ ገንዘብ ነቲ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ከም ዝጥቀምሉን ምርድአን እተን ጸሃፊት ምግላጸን እቲ ጸብጻብ ዘርዚሩ። እቲ ፈስቲቫላት ብጉልባብ ዝኽሪ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተበሰረሉ ከም ዝተወደበ፡ ብኣንጻሩ ተጻረርቲ ናይ ስርዓት ኤርትራ ከም ዝተቓወምዎ፡ እዚ ድማ ኣብ ስዊስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ከም ዝተኸስተ ብዝርዝር ጠቒሰን።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ነዚ ዕግርግር ብዝምልከት ካብ ዙሪክ “ደገፍቲ ናይቲ መንግስቲ ናብ ሃገሮም ይመለሱ” ዝብል ሓሳብ ከም ዝቐረበ ብምጥቃስ፡ እተን ጸሓፊት ኢሚግረሽን ብወገነን ብቀጥታ ነዚ ዝድግፍ ብዙሕ ሓሳብ ብቐጥታ ከም ዝበጸሐን መስኪረን።

ናይ ኣውራጃ ዙሪክ ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ፡ ድሮ ኣብ ልዕሊ 15 ትኹረት ዝተገብረሎም ኤርትራውያን ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ። እቶም ሰባት ዝተጠርጠርሉ ጉዳይ “ሰላም ምዝራግ” ኮይኑ፡ ካልእ ገበናዊ ክሲ ከስዕብ ከም ዝኽእል እውን ተጠቒሱ። እተን ጸሓፊት ኢሚግረሽን ኤርትራውያን ካብ ኤውሮጳ ናብ  ሃገሮም ምጥራዝ ቀሊል ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ስለዘይተሓባበር፡ እንተኾነ ስዊዘርላንድ ንጸጥተኣ ሓደገኛ እንተኮይኑ፡ ላዕለዎት ሓለፍታ  መሰል ስደተኛታት ክስርዙ ሕጋ ከም ዘፍቅድ  ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ “ሆቴል ኣስመራ ፓላስ” 8 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ዘካየዱ ሱዳናውያን ብ14 መስከረም 2023 ስምምዕ እማመ ከም ዘውጽኡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኣብ'ዚ ናይ ኣስመራ  ኣኼባ ዝሳተፉ ሱዳናውያን፡ ኑር ኣል'ዲን ጣሃ ንዲሞክራሲያዊ ቀጽሪ ሱዳናዉያን ዝወከለ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ፡ ላዕለዋይ ኣቦ-ወምበር ቤት/ምኽሪ ቤጃ ሳይድ ትሪኪ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ሃረንደዋ ኢማም ኣብዱ ራሕማን ዝርከብዎም፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ማሕበረ-ሰብ ሱዳንን ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ናይቲ ስምምዕ እማመ ትሕዝቶ፡ ድሕሪ ኩናት ደው ምባል ኣብ ሱዳን ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት፡ እቲ ዝምስረት ሃገራዊ መንግስቲ ድማ ወጻኢ ካብ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ  ውድባት፡ ንብዙሕነት ኩሉ ዞባታት ሱዳን ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ  ዝውክል ነቲ ዝነበረ  ስምምዕ ሰላም ጁባ ዘኽብርን  ንሽግር ምብራቅ ሱዳን ፍሉይ ግምት ዝህብን ክኸውን ዝብሉ ይርከብዎ። ነቲ ንክልተ ዓመት ዝመርሕ  መሰጋገሪ መንግስቲ ዘቑሙ ኣካላት፡

1) ካብ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዕጡቓት ሓይልታት ዝውከለሉ ኮይኑ፡ ብዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ክምራሕ።

2) ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት
3) ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ኣካል
4) ፍርዳዊ በዓል ስልጣንን ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርድን፡ ዝሓቁፍ ከም ዝኸውን ኣብቲ እማመ ሰፊሩ።

ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃ ብወገኖም ኣብ ኣስመራ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ምስተራኸቡ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ዝተቓነዐ ኣኼባ ተሳቲፎም ቃል ኣስሚዖም። በዚ መስረት እቶም ጀነራል ደጋፊ ናይ’ዚ ስምምዕ እማመ ከም ዘለዉ ይግመት።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣዛዚ ቅልጡፍ ሓይልኢ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ብ14 መስከረም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ፖርት ሱዳን መንግስቲ እተመስሪቶም፡ ንሶም ድማ ኣብ ካርቱም ዝተፈልየ መንግስቲ ከም ዝምስርቱ ከም ዘጠንቀቑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ፡

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያን ጨንፈር  ሃገር ሆላንድ ብ9-09-2023  ንናይ ሓርነት ውጉኣት ነበርቲ ሃገረ ሱዳን ዝውዕል ኣታዊ ንምርካብ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ፡ ናይ ድራር እንግዶት ከም ዘካየደ ካብቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። 

ናይቲ እንግዶት ተሳተፍቲ ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሆላንድ ዝመጽኡ ኮይኖም፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንምስታፍ ዘይጠዓሞም ኣካላት ድማ  ሓገዛቶም ብመንገዲ ናይ ባንኪ ሕሳብ ክልእኩ ከምዝኽእሉ ብምጥቃስ ኣብቲ ናይ 9 መስከረም 2023 እንግዶት ብድምር 1584 ዩሮ ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ተሓቢሩ።  ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሳቲፎም ብውልቂ ይኹን ብደረጃ ስድራቤት ንዘበርከቱ ከኣ እቲ ማሕበር ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።   

ኣብቲ  ኣጋጣሚ ቡዙሓት ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ብሰናይ ድሌቶም ኣባላት ማሕበር ክኾኑ ቅሩብነቶም ስለ ዘርኣዩ፡ እቲ ጨንፈር ናይቲ ማሕበር ምስጋናኡ ገሊጹ።  

ኣብ መወዳእታ ድማ እንተደኣ ሓቢርካ ሰሪሕካ ጸገማት ምቅላል ከምዘይንጽግም ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ጉዳይ ኣካለ ጽጉማን ናይ ኩሉ ዋኒን ምዃኑ ብምጥቃስ ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ኔዘርላድስ ንቐጻሊ ተሳትፎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኤርትራ ብ13 መስከረም 2023 ከባቢ ሰዓት 8 ፈረቓን ምሸት ብኣቆጻጽራ ኤርትራ፡  5 ሬክቴር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ኣህጉራዊ ትካላት መጽናዕቲ ስነ-መሬት ብምጥቃስ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ 41 ኪሎሜተር ንወገን ደቡብ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ካብ ማእከል ናይቲ ምንቅጥቃጥ ቦታ 10 ኪሎሜተር ርሒቑ፡ 10 ኪሎሜተር ዕምቆት ዝነበሮ ምዃኑ ድማ ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ምጥቃሱ ተፈሊጡ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ከተማታት ኣስመራ፡ ምጽዋዕ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ ቀይሕን ሰንዓፈን ስምዒት ከም ዝፈጠ ድማ ተፈሊጡ። እንተኾነ ብሰንኩ ዝተመዝገበ ጉድኣት የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ወርሒ ነሃሰ፡ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ፡ ኣብቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝበሃል ከባቢ ኢራፋለ፡ ንጽባሒቱ ድማ  4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ኣብቲ ቦታ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።

Page 13 of 138