ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ይስጐጉ ኣለዉ ተባሂሉ
2025-05-01 10:44:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 433 timesUNHCR ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምልካት ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዝሓቦ ሓበሬታ
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕን ሓጺርን ግዜ ብዘይፍርዲ ኣብ ፈቐዶ መደበራት ፖሊስ ኣሲረዎም ዝጸንሐ ክሳብ 250 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ብ29 ማዝያ 2025 ብወገን ክልል ዓፋር ኣቢሎም ናብ ዓሰብ ከም ዝሰጐጉዎም ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ናይቶም ግዳያት ቤተሰብ ከም ዝሓበርዎ፡ ካብዞም ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ዘለዉ፡ መብዛሕትኦም ብሰንክቲ ብ13 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ ሕድሕድ ህይወቶም ንምድሓን ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ እዮም። ብዘይካዚ ኣብቶም ዝተሰጉ ብኽንደይ ኣደራዕ ገንዘብ ከፊሎም ካብ ኤርትራ ተሳጊሮም ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 7 ዓመታት ዝጸንሑ ከም ዝርከብዎም’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።
ሓደሓደ ወገናት ከም ዝሕብርዎ፡ ነቶም ኤርትራውያን ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንምፍታሕ ንዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝኽፈል ገንዘብ’ኳ እንተነበረ ኣይሰመረን። ኢትዮ-ፎርም ዝተማህለት ማሕበራዊ መድያ ብወገና ኣቐዲማ ኣስታት 224 ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ተባሂሎም ኣብ መደበራት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተዳጒኖም ምንባሮም ምሕባራ፡ ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ4 ታሕሳስ 2024 ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ምጥራዙ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እዚ ከምዚ እንከሎሉ፡ ማይግረይሽን ፖሊሲ' ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ማዝያ 2025 ኣብ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ልዕሊ 683,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተመዝገቡ ንላዕለዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ምግላጻ ምፍሊጣ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግቡእ ስርሑ የካይድ የለን።
ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ግዳይ ምስጓጉን ካልኦት ጸገማት ዝኾኑ ዘለዉ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ እሞ ብብዙሓት ወገናት ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘፍርሕ ዘሎ ወጥርን ምትፍናንን እዩ።