ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ
2025-01-20 09:31:50 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 412 timesፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ19 ጥሪ 2025 ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣገደስቲ ስግኣታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ዘንጸባርቕት ሓጺር መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ብምቕጻል ኣኼባ ኣብቲ ኣገዳሲ ኣጀንዳ “ምምይያጥ ኣብ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ” ኣትዩ፡ በብታራ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ሚዛን ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእዩ ሓያላትን ድኹማትን ነጥብታት ዳህሲሱ ኣለልዩ። ኣብቲ ሚዛኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜና ተፈጢሩ ዝጸንሐ ብኩራት ቋንቋ ዓረብ ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ መዚኑ፡ ኣብቲ ዝድለ ውጽኢት ንክበጽሕ ዝያዳ ንክስረሓሉ ተረዳዲኡ። ብዘይካዚ ኣባላት ሰልፊ ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ንዘርእይዎ ዘለዉ ትግሃት ንኢዱ፡ ኣብዚ መዳይ ዝረኣዩ ሓደሓደ ሕጽረታት ተኣሪሞም ናብቲ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምለስሉ ኣንፈት ከኣ ኣነጺሩ።
ብሓፈሻ ነቲ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ፡ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ እቶም ሓያላት ጐድንታት ዝያዳ ንክሕይሉ እቶም ድኽመታት ከኣ ንክመዓራረዩ ዝሕግዙ ውሳነታት ኣሕሊፉ ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰልፊ ወጊኑ።
ካብዚ ሓሊፉ ፈጻሚ ሽማግለ ብፍሉይ ንክርእዮም ኣብ ዝቐረብሉ ዛዕባታት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ ውሳነታት ወሲኑ፡ ንክትግበር ከኣ ነናብ ዘዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ክምራሕ ተረዳዲኡ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ዝምስረት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪቲ ዘካየዶ ቀዳማይ ኮንፈረንስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ስርርዓት ኣካይዱ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ተዋፊሩ ከም ዘሎ መዚኑ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ እቲ ዝተተለመ ዘሎ መደባት ዝትግበረሉን እቲ ጽላል ንክሰፍሕ ተታሒዙ ዘሎ መደባትን ኣብ ምትግባር ሰዲህኤ ኩሉ ዘድሊ ኣበርክቶ ክገበር ቅሩብ ምዃኑ ተረዳዲኡ።
ብዛዕባ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብዚ ዞባና ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ብደሆታትን ድህሳስን መጽናዕትን ዝግበረሉ መደብ ሰሪዑ ምዕሩይ ሚዛንምሓዝ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእል መደብ ሰሪዑ።
ኣብ መወዳእታ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይድዎ ንዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።