ኢትዮጵያ ምስተን ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝኣስራ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰሪዓ
2025-01-18 15:52:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 283 timesኢትዮጵያ 6 ጋዜጠኛታት ብምድጓን ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝጥቀሳ ኤርትራ እትመርሐን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝኾነት መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ (ADDIS STANDARD)፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ) ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። እቶም ጋዜጠኛታት ክሳብ ሞት ብዘፍርድ “ራዕዲ” ከም ዝተኸሱ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ”ራዕዲ ወይ ጥሩፍነት” ዝብል ኣምር፡ ዘይብሩህ ትርጉም ሂቡ ከም መመሳመሲ ከም ዝጥቀመሉ ኣስፊሩ።
ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ 6 ጋዜጠኛታት የሺሃሳብ ኣበራ ዝተባህለ፡ ኣብ 2024 ብሰንክ’ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ምኽባር ሕጊ” ተባሂሉ ዝተጀመረ ደሓር ግና ናብ ኣዕናዊ ውግእ ዘምረሐ ዝተኣስረ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እቲ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኮሚተ ኣተሓሒዙ፡ እቶም ኣሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ነቶም ጋዜጠኛታት ዝኣሰርሉ ዝርዝር ምኽንያት ብንጹር ኣይገለጹን። ብዘይካ’ዚ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ ኩነታት ብምጥቃም ብዙሓት ሲቪል ሰራሕተኛታት፡ ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ከም ኣካል ናይቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ወግእ መእሰሪ ምኽንያት ከም ዝጥቀምሉ ሓቢሩ።
ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ 16 ጋዜጠኛታት ብዘይፍርዲ ብምእሳር ቀዳመይቲ፡ ከስፍራ እንከሎ፡ ካሜሩንን ሩዋንዳን ድማ ነፍሲ ወከፈን 5 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ደድሕሪ ኤርትራ ሰሪዑ፡ ንኒጀር ከኣ ኣብ 4ይ ደረጃ ኣስፊርዋ።
ብደረጃ ዓለም ከኣ ቻይና 50 ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትመርሕ ኮይና፡ እስራኤል 43፡ ማየማር 35፡ በላሩስ 31፡ ሩሲያ 30: ጋዜጠኛታት ብምእሳር ደድሕሪ ቻይና ከም ዝስረዐን ጢቒሱ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ጸብጻቡ 361 ጋዜተኛታት ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ እቲ ኮሚተ ክሳብ ሎሚ ብዝሰነዶ መሰረት ብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት ዓለም 2ይ ደረጃ ዝሕዝ እዩ።