ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ከተማ መቐለ

2025-01-14 18:04:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 168 times

ኣብ ከተማ መቐለ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ፡ “ጽላል ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ” ዝተባህለ ትካል ዝጸውዖ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ማዕከናት ዜና ትግራይ ገሊጸን። ዕላማ ናይዚ “ይኣክል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕን ካለኦት ጭሮሖታትን ዝተመርሐ ሰልፊ፡ ካብ ወልቃይትን ካለኦት ከባብታትን ትግራይ ብሰንኪቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ንክምለሱ መጸዋዕታ ንምቕራብን ተጽዕኖ ንምፍጣርን ምዃኑ እቶም ኣዳለውቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ካብ ዝሰፈሩ ኣገደስቲ ዓንቀጻት “በቲ ውግእ ብኻለኦት ሓይልታት ዝተወስደ መሬት ክምለስን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ምምላስን” ዝብሉ ይርከብዎ። እንተኾነ ብፍላይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ ትጅቲ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ መሬት፡ “ብሓይሊ ተወሲዱ ዝነበረ ብሓይሊ ዘምለስናዮ መሬትና እዩ” ብዝብል፡ ካብኡ ክወጽእ ፈቓደኛ ኣይኮነን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን “ናተይ ናተይ” ዝብልዎ ዘለዉ ክልተ ጫፋት ገዲፉ፡ መፍትሒ ኢሉ ዘቕረቦ እማመ ኣለዎ። እቲ እማመ “ዝተመዛበሉ ትግራዎት ናብ መረበቶም ክምለሱ፡ ምስተመለሱ  ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ነባራይ ብሓባር መራሕቶም ክመርጹ፡ ብዘይካ ናይ ፈደራል ናይ ክልቲኡ ክልላት ዕጡቓት ኣይኣትዉን፡ ፈደራላዊ ሰራዊት ጸጥታ የኽብር፡ እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ርክቡን በጀቱን ብቐጥታ ምስ ፈደራል ይኸውን፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ብዝካየድ ረፈረንደም እቲ መሬት ንሓዋሩ ምስ ኣየንኡ ክልል ከም ዝመሓደር   ይውሰን” ይብል።

እዚ እማመ ፈደራል ብወግዒ ብክልቲኡ ክልላት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ትግራይ ግና  ነዚ እማመ እቲ ሓደ ተቐቢልዎ እቲ ካልእ ድማ ኣይተቐበሎን ዝብል ምክሳስ እዩ ዝንጸባረቕ ዘሎ። እቲ ነዚ እማመ ኣይተቐበሎን ዝበሃል ወገን፡ ኩነታት “ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክምለስ ኣለዎ”  ዝብል ሓሳብ ዘንጸባርቕ እዩ። “ንምምላስ ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብን ንምምላስ መሬት ዘቐድምን” ዝብሉ መከራኸሪ ሓስባት ከኣ ዘሰሓሕቡ ዘለዉ እዮም። 

እቲ ካልእ ዝተመዛበልቲ ንከይምለሱ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ምክፍፋል ተጋሩ  ፖለቲከኛታት እዩ። ምኽንያቱ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር ብዝብልከት፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ምይይጥ ሓድነት ስለ ዘየብሉ ክብደት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

እቶም ኣብ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ  ዘለዉ ተመዛበልቲ ዘቕርብዎ መጸዋዕታ ከኣ ብዘይካ “ናብ መረበትና ምለሱና” ብዛዕባቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓንቃፊ ምስሕሓብ ዘቕርብዎ ሓሳብ የለን። ነዚ ሓፈሻዊ ኩነታት ተዓዚቦም፡ ምናልባት ኣብ ትግራይ  ናብ ውግእ ሕድሕድ ዘእቱ ምዕባለ ከይፍጠር ዝሰግኡ ውሑዳት ኣይኮኑን።

Last modified on Tuesday, 14 January 2025 19:14